www.blina.org

You are here:   Home Blog Tigrigna/ትግርኛ ኣዋጅ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
ኣዋጅ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
Friday, 13 August 2010 15:35

ኣዋጅ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ንሕና ሓይልታት ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘሎና ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሚክራሲያዊ ለዉጢ ከነቃንዕ ተጋቢእና ቀኒና፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእል ኣትሒዙ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ሃገራውን ከባብያውን ክሳብ ዝተሓቱ ማሕበራውን ህዝባውን ሕቶታቱ፣ ብመገዲ ዘተን ዋዕላን መጻኢ ጉዳይ ሃገሩን ክሰማማዕን ክውሰንን ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ሕጂ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ መቐጸልታ ናቱ ኢዩ።

ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢን ህልው ኩነታትሃገርን ህዝብን፡-
 
ሎሚ፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተረጊጹ፣ ኩሉ ዓይነት ጭቆናን ጸቕጥን ማለት ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ መዘና ብዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላቱ ተገፊፉን ተጣሒሱን ይርከብ። ሃገርና ኣብ ደረጃ ፍጹም ምንቁልቋል ምብትታንን ፣ ከም ሳዕቤን ድማ ናይ ምብታን ሓደጋ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብና ዘንጸለላወሉ፣ ዜጋታትና ኣብ ማእሰርትን ማሕዩርን ቅትለትን ዝሳቐዩሉ፣ ኣማኢት መዓስከራት ተኸፊቱ ህዝብና ብኣልማማ ኣብ ኣብያተ ማኣሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ፣ መራሕቲ ሃይማኖታትና ከይተረፉ ግዳያት ዝኾኑሉ ህሞት ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሰንኪ እዚ ዘሎ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግዳያት ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻዊን ደረጃ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኲናት ኣብ ዘይብሉ ግዜ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛትት እተፍልፍል ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ። ብፍላይ መንእሰያት ብብዝሒ ንስደት ኣብ ዘምርሑሉን፣ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጠፍኡሉን፣ እቲ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ግዱድ ሰፈራታት ዘስዓቦ ደሞግራፊያዊ ምልውዋጥን፣ ዝፈጥሮ ዘሎ ህዝባዊ ምምዝባላትን ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢዩ እዚ ዋዕላ ተጋቢኡ። ልዕሊ 330 ዝተሳተፉሉ ዋዕላ ብኸምዚ ዝስዕብ ኔሩ። 10 ውድባት ኪዳን፤ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ፖለቲካውን ብሄራውን ውድባት፤ ወከልቲ ሲቪክ ማሕበራት ካብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጁቡቲ፣ ማኣከላይ ምብራቕ፣ ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳን፣ ኣውስትራልያ፣ ኒው ዚላንድን ዝመጹን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ፤ ወከልቲ መንእሰያት፤ ወከልቲ ስደተኛታት፤ ወከልቲ ገዳይም ተጋደልቲ፤ ወከልቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት፤ ምሁራትን ነጻ ዜጋታትን፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ተረኺቦም።
 
ብውድዓዊ ኩነታት ክንዕዘቦ እንከለና፣ እዚ ዋዕላ እዚ፣ ሃገርናን ሕዝብናን ብሰፍ ዘይብል ኩሉ መዳያዊ ጭቆና እናተሳቐየ በቲ ሓደ ወገን፣ ጠገለ ዘይብሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ግዳምን ውሽጣውን ተጻባኢ ፖሊሲታቱ ዘኸተሎ ጎነጽ ምስ ጎረባብትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን በቲ ሓደ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ማእከል ሽበራ ብምዃን፣ ኣብ ፍጹም ከበባ ተነጽሎ ተሳጢሑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢዩ ተኻይዱ።

ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ሃገርናን ሕዝብናን ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ኩነታት ፍጹም ንምንጋፍን ብኡ ኣቢሉ እውን፣ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓባር ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ሃገር ምእንቲ ክውንኑ ዘኽእሎም ምዕቃብ ሃገራዊ ሓድነትን ምፍጣር ሕድሕዳዊ ምትእምማንን ኢዩ።
 
ነቶም ጠንቂ እዮም ዝበሃሉን፣በብግዜኡ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍልልያት ክዓሙቕ ዝፍተን ዘሎ ቅርሕንትን ጽልእን፣ለልዮም ብክፉት ልብን መንፈስን ብምዝታይ ዝተኻየደ ሓድነት ናይ ምርግጋጽ ስጉምቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኤርትራውያን ንሕድሕዳዊ ወጽዓታቶም ተቐቢሎም ዝፈጠርዎ ምትእምማንን ዝበጽሕዎ ምርድዳእን፣ መለለዪ ናይዚ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ ነይሩ።
 
ንሃገራዊ ሓድነቶም ከም ቀንዲ ጠንቅታት ዝኾኑ ሕቶ ብሄር፣ ሃይማኖትን፣ ቋንቋን ብኽፉት ልብን ናይ ምትሕልላይ መንፈስን ብትብዓት ዘትዮም ኣብ ሓባራዊ ውሳነ በጺሖም።
 
ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ፈላሊኻ ግዛእ እኩይ ሜላ፣ ብደረጃታት ግዜ ዝፈላለ በብእብረ ኣብ ልዕሊ ብሄራትናን ሃይማኖታትናን ቋንቋታትናን ፣ ክሳብ ምጽናት ዝኸደ ገበናት፣ ከምዝተፈጸመን ይፍጸም ምህላዉን ተሳተፍቲ ዋዕላ ብዘይተጉላባነት ብሓባራዊ ተረድኦ ብምርድዳእን ብምቕባልን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ሕዝቢ ሃኒጾም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ዋዕላ ነቲ ናብዚ ዋዕላ ንምስታፍ ኣብ ጉዕዞ ኣንከሎ ብሓደጋ ንዝተሰወአ ገዲም ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ብምዝካር ንስድራቤቱ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡
 
ኣብዚ ብዓቢ ሃገራዊ መንፈስ ዝተኻየደ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዝዘተየሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ ዘተታት ካብቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ማለት፡-
• ህሉው ፖለቲካዊ ገምጋም ኤርትራ፡-
• ሃገራዊ ሓድነት፡-
• ኣገባብ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ፡-
• ሃገራዊ ሰነድ፡-
• መድረኽ መሰጋገሪ እዋን፡-
ብክኢላታት ንዉጽኢት ዘተን ካብ ተሳተፍቲ ንዝተዋህቡ ርእይቶን ሓሳባትን ለበዋታትን ብግቡእ ድሕሪ ምጽፋፍ እዚ ዝስዕብ ዉሳነታትን ለበዋን መጸዋዕታን ብስም ዋዕላ ብምስንዳእ ብከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ውሳነታት
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም 330 ኣባላት ንኩሉ ክውንነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝውክሉ ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 አብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኡ። ብድሕሪ መኽፈቲ ዋዕላ ተሳተፍቲ ኣብ 5ተ ዓውደ መጽናዕትታት ብምክፍፋል፡ ኣብቶም ዝቐረቡ ሓሙሽተ ሰነዳት ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት፡ መሳርሒ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ሃገራዊ ቻርተርን ሓባሪ መንገድን ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክትዓት ድሕሪ ምክያዶም ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕለፉ።
 
1. ተሳትፎ ኩሉ ክፍልታት ሕ/ሰብናን ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘረጋግጽ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክግባእን ካብኡ ሃገራዊ ባይቶ ክምዘዝን ዋዕላ ወሲኑ። ነዚ ዕማም‘ዚ ንምስልሳል ከኣ 53 ዝኣባላታ 6ተ ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምምዛዝ፡ ህዝባዊ ምልዕዓልን ምውዳብን ከካይድ፡ ንድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ግዜ ንኣወንታዊ ተመክሮታት ንድፊ ቅዋማት ኤርትራን ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበረ-ሰባትን ዝመጸ ንድፍታት ምርኩስ ብምግባር፡ ብፖሎቲካዊ ራእይ ዝተሰነየ ሓባሪ መስመር /Road Map/ ዕማም መሰጋገሪ መድረኽ  ክትነድፍ ዋዕላ ወሲኑ።
2. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወለንታዊ ድሌትን ርድየትን ዝተመስረተ፡ ንብዙሕነት ባህላውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ክውንነት ህዝብና ዘኽብርን መሰል ኩሉ ኣካዋውና ሕብረተ-ሰብና ዝሕሉን ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ዋዕላ ንምክብባርን ንምድልዳልን ብዙሕነት ሕ-ሰብና ክሰርሕ ወሲኑ።
3. ኣብ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ምትራር፡፡ ኣብዚ እዋን  እዚ  ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ወጽዓ ምህላዉ ብምርግጋጽ፡ ሕቶ ብሄራት ደሞክራስያዊ መሰል ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ፡ ስለዝኾነ ኸኣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት አብ ትሕቲ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ፡፡ ከምኡ‘ውን እቲ መሰል አብ መጻኢት ኤርትራ ብደረጃ ቅዋም ክርአ ከምዘለዎ ዋዕላ ወሲኑ።
4. ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብ1991 አብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ንኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ህዝብና ብዝተፋላለየ ደረጃታት ወጽዓታት ምብጽሑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ አብ ኤርትራ መሰልን ነጻነትን ኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ክኽበር ዋዕላ ወሲኑ።
5. ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ ኮይነን ሃገራውያን ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ምዃነን ዋዕላ ኣረጋጊጹ።
6. መሬት ዋንነት ህዝቢ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኩሉ ብዘይፍትሓዉን ርትዓዉን ኣገባብ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተመንዘዐ መሬትን ውልቃዊ ሃብቲ ግራዉቲ ጨውን ካልእን ብፍትሓውን ርትዓውን መንገዲ ናብ ዋናታቱ ክምለስ፡ ከምኡ‘ውን መሰል ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ክኽበርን ዋዕላ ወሲኑ።
7. ኣብ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ቅዋማዊ ዘይምእኩል ምሕደራ ክትኸል ዋዕላ ወሲኑ።
8. እተን ፍርቂ ሕብረተሰብና ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኩሉ ተፈጥራዊ ተጽዕኖታት መኺተን ነጻን ደሞክራስያዊ ኤርትራ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዘርኣይኦ ጅግንነታዊ ቅያታት ብስርዓት ህግደፍ ተጠሊሙ ዝበጽሐን ዘሎ ወጽዓታትን ጭቆናን ብምኹናን፡ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገጽ ዋዕላ ወሲኑ።
9. መንእሰያት ብመወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ብዉልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ይውሕዙ ብምህላዎም ኤርትራ ናብ ሓደጋ ተምርሕ ምህላዋ ብምርግጋጽ፡ ዋዕላ መሰል መንእሰያት ክሕሎ ወሲኑ።
  
                            
ለበዋታት፡-
1. ኣብ ሃገርና ብሓድሽ መንፈስ መስርሕ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገርና ካብቲ ኣንጸላሊዋ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓንን ሓድነታ ንምርግጋጽን ኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሰፊሕ ግንባር ክጥርነፉን ኩሉ ዓቕምታቶም ከዋድዱን ዋዕላ ተላብዩ።
2. ኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ካልኣዊ ፍልልያቶም ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ክፈትሑ፡ ከምኡ‘ውን ተመሳሳሊ ራእይን ፕሮግራምን ዘለዎም ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ረብሓታት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ሓድነቶም ከረጋግጹ ዋዕላ ተላብዩ።
3. ዲፕሎማስያውን ምምሕዳራውን ስርሓትና ንምምዕባል ኩሉ ዓቕምታትን ፍልጠትን ኤርትራውያን ክጥቐም ዋዕላ ተላብዩ።
4. ስድራ ቤት ስውኣትን ገዳይም ተጋደልትን ኣካለ-ስንኩላን ኵናትን ዘድልዮም ኣገልግሎትን ምክንኻንን ክግበረሎም ሃገራዊ ግዴታ ምዃኑ ዋዕላ ተላብዩ።
5. ህዝብና ሃገራዊ ሓድነቱን ተኸባቢርካ ብሓባር ምንባርን ክዕቅብ፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ክስለፍ ዋዕላ ጸዊዑ።
6. ዓቅምታት ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ ካብ ህዝብና ደገፍ ንምርካብ ምጣኔ ሃብታዊ ኮሚቴ ክትምስረት ተላብዩ።

መጸዋዕታ፡-
1. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል እቲ ውጹዕ ህዝብና ብምዃኑ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ግዝኣተ-ሕግን ንምርግጋጽ ኣብ ጎኒ ህዝቡን ምስ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ደው ክብል ዋዕላ ጸዊዑ።
2. መላእ ማሕበር ሰብ ዓለምን መሓዙት ሃገራትን ህዝብና ካብ መንጋጋ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ልሉይ ተርኦም ክጻወቱ፡ ኣብ ጉኒ‘ቲ ስርዓት ደው ዝበሉ ሃገራት ደገፋቶም ከቋርጹን ንፍትሓዊ ቃልስና ክድግፉን ዋዕላ ጸዊዑ።
3. ዋዕላ ንጉዳይ ስደተኛታት ልዑል ትኹረት ብምሃብ ኣብ ኩሉ ዝተሰደድሉ ኩርናዓት ዓለም ናይ ስደተኛን ዑቕባን መሰላቶም ክሕለወሎም ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ጸዊዑ።
4. ቀያዲ ኣህጕራዊ ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ሰላምን ርግኣትን ብዘውሕስ ኣገባብ ዘላቒ መፍትሒ ክረኽብ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ምክያድ። ኩሉ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈጥረ ዶባዊ ግርጭታት ንሰላምን ርግኣትን ኣህዛብ ዞባና ንምርግጋጽ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዋዕላ ጸዊዑ።  
5. ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ጻሕታሪ ኩናት ባህሪያቱን ግብረ-ሽበራዊ ስራሓቱን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነሉ እገዳ ብትሪ ኣብ ተግባር ክዉዕል ዋዕላ ጸዊዑ።
6. እቶም ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ቁጠባዊ ደገፍ ዝገብሩ ዘለዉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታትና ደገፎም ንምጭፍጫፍ ህዝብና ይውዕል ምህላው ብምግንዛብ፡ ደገፎም ደው ከብሉን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ደው ክብሉን ዋዕላ ጸዊዑ።
7. ፖሎቲካዊ ስርሓት ምውህሃድ ንምምዕባልን ምስማርን ወተሃደራዊ ዕማም ሓጋዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ግንዛቤ ክኣቱ ዋዕላ ጸዊዑ።

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
09-ነሓሰ 2010
ኣዲስ ኣበባ

Last Updated on Friday, 13 August 2010 15:53
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 39 guests online