www.blina.org

You are here:   Home Blog Tigrigna/ትግርኛ ቓል ሆደ ምንቕስቓስ ብሄረ ብሌን፣ ብምኽንያት መበል ቀዳማይ ዓመት፣ ምጅማር ብሄራዊ ቓልሲ ብሌን
ቓል ሆደ ምንቕስቓስ ብሄረ ብሌን፣ ብምኽንያት መበል ቀዳማይ ዓመት፣ ምጅማር ብሄራዊ ቓልሲ ብሌን
Friday, 26 November 2010 09:50


‎ጀጋኑ ተቃለስቲ ደቂ ብሄረ ብሌን!‎
‎ከምኡ ከኣ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ!‎

‎ምእንቲ ናጽነትኩምን ሰብአዊ መሰልኩምን ክብርኹምን ክትብሉ ከቢድ ዋጋ ከፍልኩም ክተብቅዑ፡ ‎‎ዝተቓለስኩምላ ሃገርኩም ኤርትራ ሎሚ ብውሑዳት ተበለጽቲ ብዘይካ ናቶም ረብሓ ናይ ካልእ ሰብ ሂወትን ‎‎ክብርን ዘይግድሶም ጠላማት ተሐዲኩም አለኹም። ብፍላይ ክቡር ህዝቢ ብሌን፣ ምስ ምንባርኩምን ‎‎ህልውናኹምን ዝተኣሳሰረ ናይ ሕርሻ መሬትኩም ተተመንጢሉ ንውሑዳት መሳርሒ ህ.ግ.ድ.ፍ ይዕደል አሎ፡፡ ‎‎ፍትሒ ተሐሪሙኩም፡ ኣብ ልዕለኹም ንዝግበር ገበን ከይትዛረቡሉ ተአጊድኩም፡ ኣብ ገዛእ ሰንሒትኩም ‎‎ካልኦት ገበርትን ሐደግትን ኮይኖም ንስኻትኩም ድማ ትገብርዎ ጠፊእኩም ናይ ቖንፈዘው ሂወት ተሕልፊ ‎‎አለኹም። ካብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ሂወት ተሕልፉ ከም ዘሎኹም ከኣ ብርሃን ጸሐይ ቀትሪ እዩ።‎

ብዕለት 30 ወርሒ ጥቕምቲ 2009 ዓም አብ ከተማ ባዝል ሲዊዘርላንድ ደቒ ብሄረ ብሌን ካብ ብዙሐት ‎‎ከተማታት ኢውሮጳ ዝወሐዙ፣ ንሰለስተ ማዓልታት ዝጽንሔ ኮንፈረንስ ብምክያድ፣  ነዚ ጭቖናን ዕብለላን ካብ ‎‎ሱሩ ንምቕላስን፣ ድሕሪ ሕጂ ዳግም እዚ ዓይነት ኣብ ሃገርናን መሬትናን ከይቕልቐልን፣ አገዳሲ ውሳኔ ‎‎ብሄራዊ ውደባ ዝወሰዱሉ ዕለት፣ እነሆ ዓመት ኮይኑ።‎

‎ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናይ ተጸባይነትን ሕሰምን ሂወት ንምቅያር፣ ብዘይካ ተወዲብካ ንመሰልካ ምቅላስ ‎‎ካልእ አማራጺ የለን ብምባል ቆሪጾም ዝተላዕሉላን፡ ንህዝቢ ብሌን፣ ምውላድ ሆደ ሙርቛ ብሌን ዘበሰሩላን ‎‎ዕለት ስለ ዝኾነ አብ ታሪኽና ፍሉይ ምዕራፍ እዩ።‎

‎ብርግጽ እዛ ታሪኻዊ ዕለት ክንዝክር እንከለና ንሆደ ሙርቋ ብሊን ካብ ንምስርት እንታይ አሳሊጥና? ‎‎እንታይከ ይተርፈና? እንታይ ሐያልን ድኹምን ጎንታት ኔርና? እዚ ዝተበገስናሉ ዕላማ አብ ሽትኡ ንምጻሕ ‎‎እንታይ ዓያነት ተሞክሮ አዋህሊልና አለና? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክንምልስ ይግባአና። ‎

‎አብ ዝሐለፈ ዓመት ዝተዋህለለ አራኣእያ ቅኑዕ እስትራተጅን ስልትን ክንሕንጽጽ ናይ ምልዕዓልን ምውዳብን ‎‎ዓቅሚ ፈጢርና አብ ድልዱል ባይታ ረጊጽና ክንቅጽል ናቱ ዓቢ አስተዋጽኦ አለዎ። ፕሮግራም ንድፊ ቐሪብና፣  ‎‎ኩሉ ርእቶኡ ዝገልጸሉ ዌብ ሃኒጽና፣ ኣብ ዝተዓደምናሉን ክንርከቦ ዝግባኣናን ሃገራዊ ኣኼባታትን ዋዕላታትን ‎‎ተረኺብና፣ ንምንቕስቓስና ምስ ሃገራውያንን አህጉራውያንን ውድባት ኣላሊና፣ መጠኑ ከኣ ሕውነትን ‎‎ምሕዝነትን ህዝብና ረኺቡ።‎

‎ጎኒ ጎኒ ዕውት ስራሐት ጸገማት’ውን ኔሮም። እዚ ምንቕስቓስ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ብሌን መጀመርታ ስለ ‎‎ዝነበረ፣ ንግንጽሎ ተመኩሮን፣ ንማኸሮም ሙኩራትን ስለ ዘይጸንሓናን፣ ቋንቋና ሓደ ባህላዊ ፊደል ስለ ‎‎ዘይብሉን፣ ዓቕሚ ሰብና ካብ ኩሉ ሙሁራትና ናይ ተጸባይነት ባህሊ ስለ ዝገለሎምን፣ እቲ ግዕዞ ቐሊል ‎‎ኣይነበረን። ነዚ ሕጂ’ውን ህዝብና ክርድኦን መፍትሒ ክረኽበሉ ተዓጡቑ ክቓለስን ንጽበዮ።‎

‎ቐንዲ ዘኽበዶ ከኣ መሰል ብሄር ዘይኣምኑ ትምክሕታውያን ውድባት ብብሄር ተወዲብካ አንጻር ገዛእቲ ደርቢ ‎‎ምቕላስ፣ ነውሪ ዝቆጽሩ፣ ንብሄራዊ ውደባ ከም ጸቢብን ወገናውን ፈላላይን ዝወስዱ፣ ብቓልሲ ምብድሆም ሰለ ‎‎ዝነበረ፣ ነዚ መንገዲ ንምምድማድን እቲ ሓቂ ኣበይ ወገን ከም ዘሎ ህዝብና ክሳብ ዝነቕሓሉ ነቲ ስራሕ ‎‎ከቢድ ክግብሮ ባህርያዊ ኔይሩ። ብዛዕባ አብ ልዕሊ ብሄርና ዘሎ ወጽዓ፣ ክንዛረብን ክነላዓዕልን ዝሰምዑና፡ ‎‎እንታይ ድአ’ዩ እዚ ኣብ መበል ዕስራን ሐደን ክፍለ-ዘመን ጸቢብ ወገናዊ ሓልዮት? መላእ ዓለም ሐደ ክኸውን ‎‎አብ ዝጓዓዘሉ ብዛዕባ ብሄር ትዛረቡ? ሃገር ብሃገራ ተጨቁና ከላ ናይ ወገንኩም ትሓስቡ ዝብሉ ወገናት ‎‎አይተሳእኑን። እዚ ግን መትከላት ብሄራት ካብ ዘይምርዳእ ኢዩ።‎

‎ንሕና’ውን ኣብ ዓለም ንነብር ኣሎና። ህዝቢ ዓለም አብ ሐደ ምዃን ገጹ ይጎዓዝ ከምዘሎ ዘይንፈልጦ ‎‎አይኮናን። ናይ ዓለምና ኣብ ሓንቲ ቑሾት ምኻድ ኢኮኖሚያዊ ርኽክብን፡ ልውውጥን፡  ዝተሐላለኸ ናይ ‎‎ገንዘብ ምሸርራፍ ኣገባብን፡ ቀዋምን ተንቀሳቃስን ተለፎን፡ ኢንትርነት፡ ዝተፈላሌዩ ዘመናዊ መራኸቢ ‎‎ተክኖሎጂ ናህሪ ስለ ዘለዎም ንኽትከታተሎ እኳ ዘጸግሙ እና ኮይኑ’ዮም። ‎

‎ናይ አውሮጳ መንግስታት፣ ንነውሕ ዘመናት ነነድሕደን አብ ውግእ ተጸሚደን ዝነበራ ናይ ሃገራዊ መንግስታዊ ‎‎ስልጣናተን ነክየን ናይ አውሮጳ ፓርላማ ብምምስራት፡ ንሓዳዊ መንግስቲ ዝጎዓዛ ዘለዋ እዚ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ‎‎እንተኾነ ናይ ኤውሮጳ ሓድነት ሱቕ ኢሉ ባዕሉ ዝመጽኤ ወይ ኣብ ድልየት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን። ካብ ነዊሕ ‎‎ግዜ ናይ ዉጹዓት ቓልስታት ዝተደማሚሩ፣ ሎሚ ናይ መሰል ኣህዛብን ፍትሕን፣ ስለ ዝተረጋገጹ ኢዩ።

‎ነዚ መሰል ኣህዛብን ፍትሕን ዝተሓረመ ኣህዛብ፣ አብ አፍሪቃ ንኣብነት ሱዳን፤ ናይጀርያ… ከምኡውን አብ ‎‎ማእከላይ ምብራቅ ሊባኖን፤ ባሕረን፤ የመን፣ ዒራቅ… አብ ኤስያ፣ ህንዲ፤ ቻይና፤ ስሪላንካ ናይ ቀደም ‎‎ሶቭየት ሕብረት አውሮጳ እንግሊዝ አይርሻውያን፤ ኢስፓንያ ባስክላንድ፤ በልጂካ ፈላምስ ከብ አውሮጳ ወጻኢ ‎‎ድማ ካናዳን ኒዩዚላንድን ኣብ ቓልሲ ኣለዋ። ብሄራዊ ቓልሲ ኣካይደን፣ ተዓዊተን፣ ንልምዓትን ትምህርትን ‎‎ዝግስግሳ ከኣ ከም ደቡብ ኣፍሪቓን፣ ኢትዮጵያን፣...ወዘተ ንርኢ ኣሎና።‎

‎ንሕና ኤርትራውያን’ውን ንመስል ናይ ኣህዛብን ንፍትሕን ንቓለስ ኣሎና። እዚ ሓቂ እዚ ክረጋገጽ ከኣ ብሄራት ‎‎ኤርትራ፣ ይነጥፋ ኣለዋ። ብፍላይ ንሕና ብሌን ናይ ብሄራዊ መሰላትና ተጠቀምቲ ንምዃን፣ ንባህልናን ‎‎ንቛንቛናን ንምሕላውን ምምዕባልን፣ ብዘይካና ካልእ ክገብሮ ዘይክእል ተልእኾ ስለ ዝኾነ፣ ተወዲብካ ቓልሲ ‎‎እዋኑ ሕጂ እዩ። ብሄር ብሌን ይኹን ካልእ ብሄር ባህሉን ቋንቋኡን እንተዓቆበ ኤርትራ ትጽብቕ እንበር ‎‎ኣይትኸፍእን፣ ፍትሒ ብሄር እንተነገሰ ኤርትራ ትድልድል እንበር ኣይትደክምን ኢያ። ናይ ሰብዓ ዓመታት ‎‎ቓልስና፣ ጉጅላውን፣ ሃይማኖታውን፣ ወገናውን፣ ምፍልልያትና ከተመ ከብል ብሄራት ቦተአን ይሓዛ። ‎

‎እዚ ተረዲኤን ውጹዓት ብሄራት ኤርትራ ምእንቲ መሰለን በብመገደን ተውዲበን ይቓለሳ ኣለዋ። እዚ ናይ ‎‎ዉጹዓት ቓልሲ ከኣ ካብ ኩሎም ዲሞክራስያውያን፣ ሰውራውያን፣ ፍትሓውያንን፣ ደገፍ ይረክብ ኣሎ። ‎‎ህዝብና’ውን ብዘይ ኣፈላላይ ነዚ መትከል ይረባረበሉ ኣሎ። አብ መዓልቲ ናጽነትን ሃገራዊ በዓላትን ንመልክዕን ‎‎መደረ ክምቅር ተባሂሉ ዝቀርብ “ሕብረ-ብሄራዊት ኤርትራ” ኢልካ ምጭዳርን፣ “ባህላዊ ደርፊ” እናበልካ ‎‎ምስዕሳዕን ግዝይኡ ሐሊፉ፣ ንቅሓትን ሓላፍነትን ይዕንብብ፣ ፍትሕን መሰል ወዲ ሰብን ይድልድል፣ ስለ ዘሎ፣  ‎‎ስምርትን ድልድልትን ኤርትራ ክንሃንጽ፣ ግዚኡ ነዊሕ ኣይኮነን።‎

‎ብሄር ብሌን ባህሉ ሞዛይክ ኢዩ። ባህሊ ብሌን ናይ ብዙሓን ብሄራት ባህሊ ዝሓቆፈ ኣብ ኤርትራ ካብ እቶም ‎‎ሓቆፍቲ ዝበሃል ባህሊ ሓደ ኢዩ። ብሓፈሻ ስነሒት ከኣ ናይ ጀራዲንን ጽቡቕ ኣየር ከባቢ ጥራይ ዘይኮነት ናይ ‎‎ብዙሓት ባህልታት ብሰናይ ባህላዊ ስኒት ዝነብሩላ ኣውራጃ’ውን ኢያ። እዚ ጽቡቕን ሰብኣውነታውን ባህሊ፣ ‎‎ኣብ ነበርቲ ከተማ ከረን የጸባርቕ ስለ ዝነበረ ናብሪ ከረንን ከባቢኣን ምትሕቑቛፍን ምክብባርን ኩሉ ዝብህጎ ‎‎ነብረ። እዚ’ውን ሱቕ ኢሉ ባዕሉ ዝመጽአ ኣይኮነን፣ እቲ ከቢብዋ ዘሎ ህዝቢ ብሌን ነጻግን ፈላላይን ባህሊ ‎‎እንተዝነብሮ ከተማ ከረን’ውን ምተለከመት። እንተኾነ፣ ገለ ተንተንቲ ፖሎቲካ እና በሃልቲ፣ ንከተማ ከረን ‎‎ንከቢብዋ ዘሎ ባህሊ መንጸፍ ከም ዝገበረት ረሲዕም፣ ንከረን ጠልጠል ዝበለት ዜንቢል ፍሩታ ገይሮም ‎‎ክገልጽዋ ይፍትኑ። እዚ ግን ዘይምፍላጥ ወይ ከኣ ትምክሕቲ ዘዕዎሮም ኢዩ። ሆደ ብሄር ብሌን፣ ንርእሱ ‎‎ከይተነጸለን፣ ንኻልእ ከይነጸለን፣ ነዚ ጽቡቕ ባህሊ ከረና፣ ብህግደፋውያን ተበላሽዩ ንዘሎ ኣብ ቦታኡ ንኽመልስ ‎‎ዝቓለስ ውድብ ኢዩ። ነዚ ሰናይ መትከል ዝኣምኑ ከኣ ኩሎም ነበርቲ ከተማ ከረንን ከባቢአን፣ ብዘይ ኣፈላላይ ‎‎ምስ ሆደ ሓቢሮም ይቓለሱ ኣለዉ። ሙሉእ መሰል ብሄሮም ከኣ ኣብ ዉሽጢ ሆደ ዉሁብ ከም ዝኾነ ስለ ‎‎ዝኣምኑ፣ ሰላምን ስኒትን ኣባልት ሆደ ሞዛይክ ባህሊ ከረን ኣለዎም። ‎

‎ሆደ ብሄር ብሌን፣ ቀዳማይ ዓመት ምምስራቱ አብ ዘብዕለሉ ዕለት እቲ አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ዕውት ዋዕላ ‎‎ህዝብና፣ አብ ቃልሲ ህዝብታትና ናቱ ታሪኻዊ አስተዋጽኦ ከምዘለዎን ውጽኢቱ አብ ህዝብና አብ ምስራጹ ‎‎ተርኡ ክገብር ምኻኑ ይሕበር። ክንዮ’ዚ ግን ሆደ ብሄር ብሌን፣ ፋሺሽቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ዕምሩ ክሓጽር፣ ‎‎ንመሰል ኣህዛብን ንፍትሕን ዝጣበቕ፣ ሓደ ሓላፍነታውን፣ ንቁሕን፣ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ክንሃንጽ፣ ዘይስገር ሕቶ ‎‎ኮይኑ ከም ዘሎ ንግንዘብ። እዚ ሕቶ ህዝብና ኢዩ፣ ነዚ ሕቶ ህዝብና ዘይንምልስ እንተኾና ከኣ ካብ ህግደፍ ‎‎ዝፈልየና የሎን፣ ነቲ ካልኣዊ ግርጭታትና ኣብ ካልኣዊ ቦታ ዘይነቀምጥ እንተኾና’ውን ካብ ህግደፍ ዝፈልየና ‎‎ስምና ጥራይ ኢዩ። ናይ ሃገርና ወጽዓን ምብትታን ህግደፍ ጥራይ ተሓታቲ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኩልና እሂ ምሂ ‎‎ኢናተባሃሃልና፣ ኣብ ፍትሒ ዝተመርኮሰ፣ ሓደ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ክንምስረት ግዝዩኡ ሎሚ ኢዩ። ‎

‎ኦ!! ኣብ ስደት ትነብር ህዝብና፣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና፣ ጸረ ህግደፋዊ ጭቆናን ዕብለላን፣ ‎‎ብጸሎትን ብጾምን ብቓልስን ይረባረብ ኣሎ፣ ነዚ ኣብነት ከኣ ህጻናት ካብ ኣዴታቶም ክፍለዩ ዘይግባእ ክስደዱ ‎‎ንርኢ ኣሎና። እሞ ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ይኹን ካልእ ክፍሊት፣ ካብ ኣፍ ደቕኻ መንጢልካ ንመንግስቲ ‎‎ህግደፍ ትምጽውት ዘሎኻ፣ ህግደፍ ብገንዘብካ ንህዝብና፣ ደም ከም ዘንበዖም ዘሎ ተረዳእ። ምግድዳዕ ኣሓዋት ‎‎ጽባሕ ዘተሓትት ኢዩ። ደቕኻ ሓቑፍካ፣ ደቒ ኣሕዋትካ ብገንዘብካ ክጸንቱ ነውሪ ኢዩ። ኣይባህልናን። ኢድና ‎‎ሓዊስና ቀልጢፍና ስለ ዘየገላገልናዮም እኳ ሕልናና ክሓተና ክነብር ኢዩ። ብሄራዊ ቓልሲ ከኣ ንዉጹዓት ‎‎ክጣባቕ መብጻዓ ኣለዎ። ነዚ ወንጄል እዚ ጽባሕ ማዕሌሽ ክብሎ ኣይኮነን።‎

‎በዚ አጋጣሚ እዚ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጰያ፣ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ብገዛእ ድለቶም አብ ኢትዮጰያ ‎‎ንክዕቖቡ ዝመረጹ ዑቕባ ስለ ዝህቡን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምዕቓብ ዕድል ተኸሊኦም፣ ናብ ፋሽስታዊ ‎‎ስርዓት ህግድፍ ከም ገበነኛታት ተቆጺሮም ክምለሱ ንዝግበር ኢ-ሰብአዊ ተግባራት ብምቕዋምን ኣብ ሃገሮም ‎‎ብምቕባሎምን፣ ከምኡውን መንእሰያት ካብ መአዲ ትምህርቲ ተፈልዮም መጻኢ ዕድሎም ንከይ ጽልምት አብ ‎‎ታሕተዋይን ላዕለዋይን ዩንቨርስትን ዕድል ትምህርቲ ብምኽፍቶምን፣ ዝገብርዎ ዘለው ሰናይ ናይ ጉርብትና ‎‎ምሕብሐብ ነመጉስ። ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ንጎረባብትና ሃገራትን ንኻልኦት ፈተውትናን ሰናይ ‎‎ተግባርኩም ክሳብ ሙሉእ ዓወት ዉጹዕ ህዝብና ምስኡ ደው ክትብሉ፣ ንጽውዕ።‎

‎ንትምህርትን፣ ንርእይቶን፣ ታሪኽ ንምምዝጋብን፣ ንምምሃርን፣ ግዝያዊ ሓበረታ ናይ ሆደን ንምርካብ  ‎blina.org ክፈቱ፣ በዚ ግዜ ምስ debanma.com ሎሚ ብሄር ብሌን ክልተ ዌብ ኣገልግሎት ኣለዎ። ‎‎ኣብ’ዚ ዌብ ተኻፋልነት ናይ ኩልና ክዕዝዝ ንላበወኩም።‎

‎ዕምሪ ፍሽስታዊ ህግድፍ ክሐጽር!‎
‎ብሄራውያን ውድባት ይዓንብባ!‎
‎ዝኽርን ክብርን ንስውኣት!‎

ሆደ ምንቕስቓስ ብሄር ብሌን‎

‎ክፍሊ ባህልን ሓበሬታን፤   ‎

Last Updated on Friday, 26 November 2010 10:00
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 149 guests online