www.blina.org

You are here:   Home Blog Blin/ብሊን ሆደ ብሄረ ብሌን ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ
ሆደ ብሄረ ብሌን ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ
Tuesday, 28 December 2010 10:41

ኣብ ዉሽጢ ዘሎ፣ ትሕዝቶ

1. ሃገር ኤርትራ፣   
2. ብሄር ብሌን፣     
3. ባህሊ፣            
4. መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብሄረ ብሌን፣ ህሉው ኩነታተንን፣
5. ፍትሒ እንዳ’ባ፣   
6. እምነት፣         
7. ቛንቛ፣         
8. ፊደል፣ (ብብሌን ሆሄት)፣
9. ትምህርቲ፣      
10. ትምህርቲ ድሕሪ ናጽነት፣  
11. ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ቁጠባን ብሌን፣
12. ሃገረ ኤርትራ፣   ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታን፣ ፖለቲካውያን ውድባትን፣          
13. ብሄርን ሕቶ መሰል ብሄርን፣      
14. ሕቶ መሰል ተገንጽሎ ብሄር፣     
15. ሆደ (ሰውራ) ብሄር ብሌን      
16. ፈደራሊዝም ፍትሓዊ ምሕደራ’ዩ፣
17. ስለምንታይ ፈድራላዊ ምሕደራ
    ኣብ ኤርትራ ሃገርና የድሊ?     
18.ንድፊ ፖሊቲካዊ መደብ ዕዮ ሆደ ብሄር ብሌን
    
1.ሃገር ኤርትራ
“ሃገር፣ ኣብ ማዕርነት ምስ ትህነጽ፣ ሰላምን ምዕባሌን ይነግስ”

እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራና፣ ብሰሜን ብደቡብ ብምዕራብ ብምብራቕ ናይ መግዛእቲ ውጺኢት ኢያ። መግዛእቲ ከኣ ከም ንፈልጦ ንግዙኣት ዝሓይሽን ዝጠቅምን ጌይሩ ንሃገራት ሳልሳይ ዓለምና ኣይሓንጸጸን። ቀንዲ ዕላማ መግዛእቲ መሬት ምግባትን ንኣህዛብ ከም ኣቕሓ ዕዳጋ ምሓዝን ኢዮ። ብሰንኪ እዚ ዘይፍትሓዊ ምምስራት ሃገራት፣ ኣብ ኣፍሪቓ ይኹን ኣብ ኩለን ሃገራት ሳልሳይ ክፍሊ ዓለምና፣ ንብሄራት በታቲኖመን’ዮም። ቅርስታትን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታን ምስኡ ተቆሪጹ ይርከብ። ኤርትራ’ውን ግዳይ ናይ እዚ ወንጄል ኮይና ኢያ። ድሕሪ መግዛእቲ ብሱዳን ብጁቡቲ ብኢትዮጵያ ዝተቆራረጻ ብሄራት ኣለዋ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ዓበይቲ ገበናት ናይ መግዛእቲ’ዩ።

መግዛእቲ ጣልያን ነቲ ንሱ ዝጎበጦ መሬት መታን ግዝኣቱ ከረጋግጽ ብጨካን ጭቆና ንህዝቢ ምስ ደሃኸ፣ እተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝነበራ ብሄራት፣ ሃገራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ንቕሓት በብቕሩብ ኣማዕቢለን። ከም ሓደ ስድራን፣ ሓደ ሃገርን፣ ክሓስባ ንመግዛእቲ ንምምካት ድማ ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ ግንባር ከም ዘድልየን ንቕሓት ደሊበን። ኤርትራውነትና ወይ ሃገራውነትና እንበኣር ብደፋእታዊ ምዕባሌ ዝመጽአ ዘይኮነ ብድፊኢት መግዛእቲ ዝተሃንጸ ናይ ጭቆና ዉጽኢት እዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ህዝብና እንታይ ዓይነት ጭቆና ኣሓሊፉን፣ ንመሰሉ ንምምካት ክንደይ ረዚን ዋጋ ከም ዝኸፈለን፣ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ስለ ዝርከብ ምድጋሙ ኣየድልዮን’ዩ። ብሕጽር ዝበለ ግን ፋሺሽታውን ቆርበታውን ጭቆና መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ዝባናን ኣብ መሬትናን ስንብራት ሕሰም ሓዲጉልና እዩ። በቲ ሓደ ከኣ ኤርትራ ትበሃል ሃገርን፣ ናይ ኤርትራ መንነት ዘለዎ ህዝብን ከኣ ሓዲጉ’ዩ። ሃገርና ኤርትራ ብምዕራብ ምስ ሱዳን ብሰሜን ምስ ሱዳንን ቐይሕ ባሕርን ብደቡብ ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን ብምብራቕ ከኣ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ትዳወብ። ኤርትራ ብመሬትን ብባሕርን ምስ ዓሰርተ ሃገራት ንሰን ኸኣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጁብቲ፣ ብማያት ከኣ ምስ ስዑድ ዓረብን፣ የመንን፣ ዮርዳኖስን፣ ፍልስጤምን፣ እስራኤልን፣ ግብጽን፣ ስለ ትዳወብ፣ ሰፊሕ ናይ ዕዳጋን ባህልን ዝምድናታትን ዘለዋ ሃገር እያ።  

ምእታው መንግስቲ እንግሊዝ’ዉን ኣብ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንኻልኦት ኣህዛብ ነጻ ከውጽእ ዝዓለመ ከም ዘይነበረ ብሩህ እዩ። ናይ ጀርመን ናዚዝም፣ ናይ ጣልያን  ጃፓን ፋሺዝም፣ ንልኡላውያን ሃገራት ምስ ጎበጡ፣ እንግሊዝ ትኹን ካልኦት መሓዙት ሃገራት ንድሕነተን ክብላ ሓደ ብኪዳን ሓይልታት ዝፍለጥ ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣቒመን። ካልኣይ ኲናት ዓለም ድማ ኣስዒቡ። ስለዚ እንግሊዝ ንወተሃደር ኪዳን መሪሓ ኣብ ኤርትራ ክትኣቱ ከላ ናይ ምዕራባዉያን ሃገራት ወተሃደራዊ እስትራተጂን ቁጠባዊ ዕብየትን ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ካብ’ዚ ዕላማ’ዚ ተበጊሱ ድማ መግዛእቲ እንግሊዝ፣ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትይዎ፣ እንግሊዝ ዕላምኡ ክሰምረሉ “ፈላሊኻ ግዛእ” ዝመለለይኡ ድሑር መላ ኣብ ኤርትራ ዘርጊሑ። ነቲ ፍሑኽ ክብል ጀሚሩ ዝነበረ ሃገራዊ ንቅሓትን ፖሊቲካዊ ውደባን ድማ ኣዳኺምዎ እዩ። ገዛእቲ ምዕራባዉያን ሓይልታት ኩሉ ዝሓሰብዎ ምስ ፈሸሎም ብመሰረት ዘይፍትሓዉን ዘይርትዓዉን ዉሳኔ ሕቡራት መንግስታት 390A(V)፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን በይኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ መሪር ደማዊ ቃልሲ ከካይድ ትገዲዱ  እዩ። ድኽነትን ድንቑርናን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ነገሰ። ብ1991ዓም ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘልዎ ጽንዓትን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ስለ ዝተዓወተን፣ ብ1993ዓ.ም ከኣ ብመንገዲ ሪፈረንደም፣ ኤርትራ ብወግዒ ሓንቲ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮነት። ኪኖ ልኡላዉነት ሃገር ዝኸይድ ውደባን ንቕሓትን ግን ኣይነበረን።

2.ብሄር ብሌን
“ብሄር ብሌን፣ ዘነብረን፣ ዘሎን፣ ክነብርን’ዩ”

ብሄር ብሌን ከም ኩሉ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህዝብታት ካብ ኣፍሪቃውያንን ማእከላይ ምብራቕን ዝሓበሸ’ዩ። ቋንቋኡ ግን ናይ ኩሽ’ዩ። ምብዛሕትኡ ህዝቢ ብሌን፣  ቅድሚ ኣብ እዚ ቦታ ምምጽኡ ኣብ ካልእ ቦታት ናይ ሕጂ ኢትዮጵያን ከበሳታት ኤርትራን መታሕትን ይቕመጥ ከም ዝነበረ ኣፍእዊ ታሪኽን ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ዝርዝራት ኣለዎ። ኣብ ማእከል ኤርትራ ዝነብር ኮይኑ ንከበሳን ንመታሕትን ኣብ ዘራኽብ ዘንብር ኮይኑ ናይ ጥንቲ ቦትኡ ብቦጎስ ይፍለጥ። ቋንቋ ኩሽ (ብሌን) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ጎንደርን ባህርዳርን ሰቖጣን ክሳብ ሕጂ ይዝረብ’ዩ። እንዳታት ቤት ተርቐን ታውቐን ከኣ ካብ’ዚ ቦታት ኣገው ዝሳገሙ ምዃኖም መርትዖታት ይህቡ። ቋንቋ ኩሽ ኣቦ ቋንቋት ይበሃል።


ምቕማጥ ህዝቢ ብሌን ኣብ በጎስ ዝበሃል ቦታ ብምራቕን ምዕራብን፣ ሰሜንን ምስ ብሄር ትግሬ፣ ብደቡብ ምስ ብሄር ትግሪኛ፣ ዝዳወብ ርእሲ ከተማኡ መጋርሕ ነበረ። ድሕሪ መግዛእትታት ምቕልቃል ግን ከረን ብብሌን ከኣ ታንታርዋ ናይ ቓፍላይ መዕረፍን ናይ ንግድ ማእከልን ስለ ዝኾነት ንሳ ዝያዳ ካብ መጋርሕ ስለ ዝማዕበለት ናይ ኣውራጃ ስነሕት ርእሲ ከተማኾ ኮነት። ብመግዛእቲ ጣልያን ከኣ ነቲ ብበጎስ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ተጠቅሊሉ ክሳብ ሳሕል ብርእሲ ከተማ ከረን ከም ዝማሓደር ገበረ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ኣዉራጃ ሰንሒት ንኣዉራጃ ሳሕል ርእሳ ዝኸኣለት ኣውራጃ ኣቒሙ። ድሕሪ ናጽነት ግን ህግደፍ እቲ ዝጸንሐ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ንረብሓኡ ዘየውሕስ ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ፣ ንኹለን ኣውራጃታት በታቲንወን። ንናይ ትግርኛዊ ዓብላልነት ኣብ ልዕሊ ባህልን ቋንቋን ብሌን ብመደብ ከም ዝተሰርሐሉ ዘረዳኣና ካብ ዓዲ ተከለዛን ንታሕቲ ዝርከብ ምድሪ ኣውራጃ ሓማሴን ምስ ሱዳን ከም ዝዳወብ ገይሩ፣ ነቲ ትልኽ ዝብል ዝነበረ ብሄር ብሌን ንምጥፍእ፣ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ጸዊዑ፣ ብሄር ብሌን ኣብ ከበባ ኣሎ። ብሰን’ዚ ከበባ ብሄር ብሌን ኣብ ሓጺር እዋን 40% ባህልናን ቋንቋናን ኣጥፊኡ ይርከብ።

ህዝቢ ብሌን ኣብ እስትራተጂን ቦታ’ዩ ዝነብር። ንመታሕትን ከበሳን ኤርትራ መተሓላለፊ፣ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብባጽዕ ኣቢሎም ንመካን ክሕጅጁ ዝኸዱሉ መንገድን፣ ከምኡ’ውን መመላልሲ ነጋዶ ቓፍላይ ካብ ባሕሪ ንምዕራብ ኣፍርቃን፣ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከኣ ንባሕርን፣ ብጎቦታቱን ዓበይቲ ስንጭሮታቱን እኹል መግብን ጽቡቕ ኣየርን ስለ ዘለዎ ከኣ ምቹእ ቦታ ንወተሃደራዊ እስትራተጂን ኣብ ኤርትራን ቅረኒ ኣፍሪቃ’ዩ። ብሰንኪ እዚ ተደልዩ ቦታኡ ኩሉ ሓይልታት ዓመጽ ይሃርፎ። ህዝቢ ብሌን ከኣ ነዚ ብሉጽ ቦታ ከዕቑብ ኣብ ታሪኹ እፎይ’ሉ ዝሓደረላ የብሉን። ሳላ፣ ምስጢራውነቱን፣ ስምረት ብሄሩን፣ ልዑል ዓቕሚ ምክልኻሉን ክሳብ ሕጂ መሬቱ ወኒኑ ኣሎ። ጸላኢ ክብርትዖ ከሎ ኣብ እሙን ጎቦታቱ የንሳሕብ፣ ምስ መቸዎ ከኣ ይጥቕ መሬቱ ይሓርር፣ ከም እዚ እናገበረ፣ ንቋንቋኡን ንባህሉን ንመሬቱን ክሳብ ሎሚ ሓልዩ ይርከብ። ብቱርክን ብግብጽን ብካልኦት ኣስፋሕፋሕትን ንዘመናት ተሳቅዩ እዩ። ብፍላይ ግብጻውያን ንእምነት እስልምና ከስፋሕፍሑ ኣብ ሰሜናዊ ወገን ንእንዳታት ታውቐ ዘውረድዎ ጭፍጨፋ ክሳብ ሕጂ ዝዝከር ታሪኽ’ዩ። ምስ መሳፍንቲ ጎንደር’ውን ናይ ነዊሕ ዘበን ከፈልቲ ግብሪ ኮይኖም ናይ ቅርብ ዝምድና ከም ዝነበሮም ይዝንቶ። እዚ ካብ መርትዖታት ገለ ክፋል ህዝብና ካብ  ጎንደርን ከባብን ከም ዝመጽኡ ምልክት እዩ። ድሒሩ ግን ጸረ ዕብለላን ጎበጣን ከበሳን ትግራይን ቀጻሊ ኵናት ነይሩ። ራእሲ ውቤ ንከበሳታት ኣንበርኪኹ፣ ንመሬት ብሌን ክወርር ምስ መጽአ ህዝቢ ብሌን ኣብ ጭንድቕ ብኵናት መከቶ። እንተኾነ ኣብ’ዚ ኲናት ሰራዊት ብሌን ተሳዒሩ፣ ናይ’ቲ ኵናት መራሒ ጅግና ከንቲባ ሃኪን ከኣ ተሰዊኡ። ራእሲ ውቤ’ውን በቲ ዝወረዶ ክሳራ ካብ ጭንድቕ  ሓሊፉ ካልእ ጉድኣት ኣይፈጸምነ። እዚ ህልኽ ኵናት ግን ስለ ዝቀጸለ ምክልኻል ሓይሊ ብሌን ተዳኺሙ’ዩ።

ነዚ ድኻም ዝተረድኡ መሳፍንቲ በጃ ዝመርሕዎ ቀጻሊ ኵናት ዝነበረ ሰለስተ ኵናት መጋርሕ ክሳብ ሕጂ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሳልሳይ ኵናት ዕጡቅ ስረ ሰብኣይ ኣብ መሬት ብሌን ከም ዘይተረፈ ይዝከር። ዓሰርተ ዓድታት ከም ዝተተኮሳን ከብትን ንብረትን ብዙሓት ቆልዑን ኣጓብዝ ደቂ ኣንስትዮን ንባርነት ንሱዳን ከም ዝተወስዱ ይዝንቶ። ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ደገፍ ናይ ጎረባብቲ ከም ዘይነበሮም’ውን ይዝንቶ እዩ። እንተኾነ መሳፍንቲ ከበሳ ካብ ጎረባብቶም (ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ) ዝነቀለ ጸላኢ ክብርትዖም ከሎ ኣብ ጎቦታት ብሌን ሓልሓል ብሰላም ይዕቆቡ ከም ዝነበሩ፣ ንምድሪ ብሌን’ውን ክብርቱዑ ከለዉ ሕልፍ ኢልካ ግብሪ ከም ዘክፍልዎም ዝነበሩ፣ ኣብ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ግን ኢዶም ከም ዘየእተዉ ብታሪኽ ይፍለጥ።

ንኩሉ እዚ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን፣ ብስሙር ቅልጽም፣ ናይ ኩለን እንዳታት ይግጠም ስለ ዝነበረን፣ ኣብ ዉሽጦም ከኣ ፍትሕን ማዕርነትን ስለ ዝነበሮም፣ ከኣ እዩ ብሌን ከም ሓደ ብሄር ክህሉን ክነብርን ዝኸኣለ። ንሓደ ቋንቋን ንሓደ ባህልን ንሓደ መሬትን ብሓድነትን ስለ ዝተቃለሱ ብስነ-ኣእምሮ ሓንቲ ብሄር ብሌን ክትህልዎም በቒዖም። ብሌናይ ምዃን ካብ ሰብ ንላዕሊ ምዃኑ ዘረድእ ኣብ ባህሎም ዓሚቑ ፍቅርን እምነትን ሰረት ዝሓዘ ካብ ደቆም ናብ ደቂ ደቆም ኣውሪሶም።  

ኣገባብ ማእቶት ህዝቢ ብሌን ቅድም ዝነበረ መጓሰ እዩ። ፍቅሪ ኣብ ከብቲ ዝነበሮም ኣብ ደርፍታቱ ተደርዲሩ ኣሎ። ኣብ ማእከል ዓበይቲ ሩባታትን ጥዑም ኣየርን ስለ ዝነብሩን፣ ብዝሒ ጥሪቶም ኣይፈልጡወንን ይበሃል ነይሩ። ቀስ ብቀስ ግን ኣብ ማሕረስ ኣትዮም። ናይ ሓደ መዓልቲ ምሕራስ ከኣ ዳርጋ ንሙሉእ ዓመት ትቅልቦም ኔይራ። ኣብ ግዜ ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ግን ድርቂ “ኮርቦኒ” ኣብ ከበሳ ከኣ “ዘበን ካሒዳ” ዝፍለጥ ስለ ዘጥቆዖም፣ ኩሉ ጥሪቶምን ሃብቶምን ኣብ ሓደ ግዜ ጠፊኡ። ጣልያን’ውን ኣብ ባጽዕ ኣጽቂጡ ጸኒሑ ነዚ ምቹእ ኩነታት ድርቂ ተደጊፉ ከም ዝኣተወ ይዝንቶ።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን፣ ጣልያን ነቲ ልሙዕ መሬት ብሓይሊ ስለ ዝሃገሮ (ኣዋጅ ደመንያለ) ህዝቢ ብሌን ኣብ ጸጸር መሬት ተደርብዩ። ንሓደ ወለዶ’ውን ብሓይሊ ኣብ ዕክርና ኣእትዩ ወዲእዎ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ምድሪ ብሌን መንቋቋሕታ ትምህርቲ ተራእዩ ስለ ዝኾነ ኣብ’ቲ ልሙድ ኣገባብ ማእቶት ንኣሽቱ ሸቀጥን ጃርዲንን ናይ ኢድ ስራሓትን ማዕቢሉ።

እቲ ናይ መጠረሽታ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ምድሪ ብሌን ጥንቑልሓስ ዝበሃል ስለ ዝተሰብረ ዓቢ ታሪኽ እዩ። መግዛእቲ ጣልያን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል፣ ኣብ ምድሪ ብሌን ዓሪዱ፣ ነቲ ናይ ኪዳን ሓይልታት ዓጊቱ ክዋጋእ ከሎ ንሃብቲ ብሌን ወተሃደርዊ ቀለብ ክኾኖ ኩሉ ዘሚትዎ። ብስንኪ ናይ ነፈርቲ ድብደባን ከቢድ ብረትን ብዙሕ ህዝቢ ሃሊቁ፣ ናይ ስነ ኣእምሮን ካልእ ሕማማትን ከኣ ገዲፉ። ጣልያን ምስ ተሳዕረ፣ ወተሃደራቱ ክሃድሙ ከለዉ ብዙሕ ንብረት ዘሚቶም። ኣብ ምድሪ ብሌን ከኣ ድኽነት ሱር ሰዲዱ። ኣብ መሬት ብሌን ንወተሃደር እንግሊዝ፣ መቓብር ክሰርሓሎም ከሎ ንግፍዕን ሞትን ህዝቢ ብሌን ግን ዝዝክሮም ታሪኽን የሎን ካሕሳ እሞ መን ዘኪርዎም ክረኽቡ።

እቲ ብ1961ዓ’ም ዝጀመረ ሰውራና፣ ኣብ መታሕት ዝጀመረ ኣብ ሓጺር እዋን ምድሪ ብሌን ኣትዩ። ምድሪ ብሌንን ህዝቢ ብሌንን ከኣ ቀንዲ ደጀኑ ኮይኑ። ዓጾ ዓጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ተሓኤ ክቅተሉ ከለዉ፣ ኣብ ምምላሶም ንሰላማዊ ህዝቢ ምቅታልን ንብረቱ ምዝማትን ንቡር ኮይኑ። ካብ ባሕሪ ብማንካ ዝዝከር ምድማሳስ ዓድታት ዖናን በስክዲራን ኣሎ። ምዕራባዊ ወገን መሬት ብሌን (ደካ) ካብ ሱሩ ተማሕዩ እዩ። ኩለን ዓድታት ነዲደን ብኣሻሓት ሰላማዊ ህዝቢ ጠፊኡ። ሞትን ስደትን ድኽነትን ከኣ ሳዕሪሩ።

ሰውራ ኤርትራ ቅኑዕ መስመር ሒዙ ስለ ዘይተበገሰ፣ ንህዝቢ ብሌን ክጭቑንን ክኣስርን ክቀትልን ስለ ዝጀመረ፣ ካብ ወገንካ ምፍራሕ፣ ዘይምትእምማን፣ ጎዛዚኻ ንህዝቢ ምግዛእ ኣምጺኡ። ንባህልና’ውን ብዓረባዊ ባህልን፣ ብወገንነት እስልምናን ስለ ዝደርቆሶ ንመጀምርታ ብግሉጽ ምፍሕፋሕ ሃይማኖታት ወሊዱ። ህዝቢ ብሌን ብዉሽጢ መግዛእቲ ብበረኻ ከኣ ሰውራ ኣብ ማእከል መጥሓንን መዲድን ክነብር ከሎ ናይ ስነ-ኣእምሮን ድኽነትን፣ ተስፋ ምቁራጽን፣ ምሽቁራርን፣ ኣብ ባህሉ ዘይነበሮ ለኺይዎ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትውለድን ንከበሳታት ክትድይብን ከላ’ቲ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ዝሰርሑ ኣብ ከተማን ገድልን ተጋደልቲ ደቂ ብሄር’ዮም። ኣንተኾነ እቲ ዘይምዕሩ መስመር ናይ ገድሊ ከም’ቲ ንሶም ሃሪፎም ዝኣተዉዎን ዝተቃለሱሉን ዝተሰዉኡሉን ስለ ዘይረኽብዎ፣ ዓው ኢልካ ዘይትበኽዮ ሞት ሕጹይ ኮኖም። ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ከኣ ንከሰላ ኣናኸዱ ተሰውሩ። ኣብ ኩሉ ውድባት ሰውራ ከኣ እቲ ብሄራዊ ጠለቦምን ባህላዊ ሰረቶም ዘንጻባርቕ ክረኽቡ ክሳብ ናይ መጠረሽታ ዓወት ይቃለሱ ኣለዉ። እቶም ቀዳሞት ገዳይም ተጋደልቲ፣ እዚ ምውጻእ ሆደ ብሄር ብሌን ምስ ሰምዑ ቀንዲ ብሞራልን ካልእ ዘድልን ዝተሓባበሩን ደኺምና ከይበሉ ዝቃለሱን ዘለዉ ንሶም’ዮም።

3. ባህሊ
“ባህሊ ናይ ብሄራት፣ ክዳንን፣ ኪዳንን ኢዩ”

ብሄር ብሌን ካብ ነዊሕ ዘመናት ዝዓቆቦም ባህልታቱ ስልጡናት ባህልታት ኣለዎ። ምስ ግዜን ምዕባሌን ድማ ክተርፉ ዘለዎም ድሑራት ባህልታትን ልምድታትን ከም ዘለውዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ምሁራት ደቂ ብሌን ብምእኩል መንገዲ ኮፍ ኢሎም  ብስነ ታሪኻውያን ዝተደገፈ ባህላዊ ታሪኽ ብሄሮም ዝጸሓፉ የለዉን። ነፍሱ ይምሓራ፣ ሰነ ታሪኻዊ መምህር ሚካኤል ጋብር ሓደ ሓጺር ጽሑፍ ቀሪቡ ዝሰፍሐ ስራሕ ከሎ ግን ከም ዝተኾልፈ ንፈልጥ። እቶም ክጽሕፉ ዝኽእሉ’ውን ባይታ ኣይረኸቡን። ገዛእቲ ቅድሚ ንኣፍሪቃ ምውራሮም፣ ሰለይቲ ንሶም ከኣ ወንጌል ዝሓዙ ኣቕሽሽትን ወይ ዝጠፈሹ ነጋዶን ንምድህሳስ መሬት ይልእኹ ነይሮም። እዞም ልኡኻት ከኣ ነቲ ዝበጽሕዎ ቦታታት ብካርታን ብዝተጋነነ ወይ ብሓሶት መልእኽትታት ንመንግስትታቶም ሓበሬታ ይህቡ ከም ዝነበሩ ኣብ ቤት መዘክራት ጽሑፋቶም ንረክብ። እዚኦም ግን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ንሓቀኛ ባህልን ታሪኽን ዘየንጸባርቕ ከም ዝጸሓፉ ብዙሓት ሙሁራት ኣፍሪቃውያን ዝምስክርዎን ካሓሳ ዝሓትሉን ዘለዉን’ዩ። ገለ ጻሓፍቲ ጻዓዱ፣ ንፖለቲካውን ንባህላውን ታሪኽ ህዝቢ ብሌን፣ ምስ ጎረባብቱ ደብሊቆም ዘይናቱ ባህልን ታሪኽን ዘልበስዎ ይርከቡ። ናይ እዚ ህዝቢ፣ ስነ-ምግባርን፣ ፈታው ሕግን፣ ንመሬቱ ዝነበሮ ፍቅርን፣ ኣብ ሕቶ አእትዮሞ ምህላው ገበን ንረኽቦ። ናይ ሓደ ህዝቢ እንታይነት ግን ኣብ ሓድነቱን ኣብ ቋንቋኡን ኣብ ባህሉን ተወቂሩ ስለ ዝርከብ ናይ’ዚኦም ጸሓፍቲ ዋጋ ሂብካ ብዛዕቦኦም ምዝራብ ኣየድልን።

ንሕናን ብህልናን ግን፣ ካብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝሳገሙ እንዳታትን ኣብኡ ዝጸንሑን ካብ ከበሳታትን መታሕትን ዝሳገሙ ዝሓቆፈ ብዝሓ ባህሊ ኣሎና። እቶም ካብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝሳገምይ ይኹኑ ካልኦት መብዛሕትኦም፣ ኣምነቲ ክርስትና ኮይኖም ተኸተልቲ፣ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበሩ ቅዱስ ታቦታታቶም ይምስክርሎም። ኣብ ምድሪ ብሌን ዝነበረ ክርስትና ከኣ ስነ-ምግባር ከም ዝነበሮ ባህልና ይምስክር’ዩ። ብሄር ብሌን ተቐበልቲ ጋሻን ነንሕድሕዶም ዝከባበሩን ብሓቂ ንኣምላኽ ዝኣምኑን ዝፈርሑን ከም ዝነበሩ ከኣ ይምስከረሎም’ዩ። እምነት እስልምና ክኣቱ እንከሎ’ውን ኵናትን ምፍልላይን ኣይተራእየን። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ባህሊ’ውን እዩ ዝነበረ። ሰብ ኣብ ዝደለዮ ክኣምን ብባህልን ብሕግን ተፈቂዱ’ዩ። ኣቦታትና፣ ክሳብ መሬት ናይ እግዚኣብሄር ውህበት ምዃኑ ስለ ዝኣምኑ ጽጉም ክድረር ኣለዎ ዝብል ፍልስፍና ኣብ ምድሪ ብሌን ዝውቱር ባህሊ እዩ ዝነበረ። እዚ ምጽውዋር ሕብረተሰብን፣ ምክእኣል እምነትን፣ ፍትሒ መሬትናን ዝፈልጡ ከም ባህሊ ብሌን ኣብ ሃገርና ክነግስ ኣለዎ ክብሉ ንሰምዕ ኢና። ምሕደራ ህዝቢ ብቆጽሊ ከም ዝነበረ፣ ድሕሪ ወራር ራእሲ ውቤ ግን ብሲም ተቀዪሩ። ሲም ግን ነቶም ብቆጽሊ ካብ እንዳታት ዝምረጹ፣ ባይቶ ጸዊዑ የማሓድር ኔይሩ እንበር ናቱ ስልጣን ተጠቂሙ ንሓደ ኣሾመ ንሓደ ኣይቐንጠጠን። ካብ’ዚ ጽቡቕ ስነ-ምግባሩ ከኣ ሲም ናይ ኩልና ኣቦን ናይ ፍትሒ መንበርን ኔርዎ። ሳላ’ዚ ዕጉስን መሰል ዘኽብርን ሲም ከኣ ሕውነታውን ድልየታውን ናብራ ሰፊኑ ፍቅርን ተኸባቢርካ ምንባርን ኣብ ባህልና ነጊሱ። ምሕደራ መሬት፣ ክሳብ 1991ዓ’ም በብወረዳኡ፣ ዓበይቲ ዓድን፣ መራሕቲ እንዳታትን፣ ከንቲባታትን፣ ብዘይ ኣድልዎ የማስሑዎ ነበሩ። ድሕሪ ምምሳሕ ግን ንደቁ ዝሓልፍ ውርሻ ይኸውን። መጻኢ ወይ ወዲ ብሄር ኣብ ቓሕ ዝበሎ መሬት ከይዱ ወይ’ዉን ንኻልእ ነቒሉ ክሓርስ መሰል የሎን። ምምሳሕ መሬት ህግደፍ ዘይርትዓዊ’ዩ። ንኹንኖ ከኣ ።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ብሄር ብሌን ብሕጊ እንዳ’ባን ብሽመማቱን ይመሓደር ስለ ዝነበረ፣ ካብ ባህሉን ቋንቋኡን ኣይረሓቐን። መግዛእቲ እንግሊዝ ግን ፈላሊኻ ግዛእ ዕላማኡ ከዕውት ንባህልና ጎዲእዎ’ዩ። ካብ ኩሉ እተን ክልተ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ፣ ራቢጣ ኣል እስላምያን ማሕበር ኣንደንት፣ ጎስጓስ ፖለቲካ ክግብራ ከለዋ ኣብ ሃይማኖት ዝተጸግዔ ስለ ዝነበረ፣ ንህዝብና ኣብ ክልተ ሃይማኖታት ጎዛዝዮሞ። ንክርስትያን ንጎንደር፣ ንእስላም ንመካ፣ ከም ንጥምት ጌረናና። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ውን እቲ ድሑርን መስፍናውን ባህሊ፣ ላሕኹታታቱ ቀጺሉ። ምስንኻላት ባህሊ ከኣ ፈጢሩ እዩ። ሰውራ’ውን ነዚ ካብ ሱሩ ከመዓራሪ ዝውጽአ፣ ካልእ ሽግር ሒዙ ስለ ዝመጽአ፣ ክንዲ ንባህሊ ብሌን ጎዲእዎ። ኣከዳድናናን ኣመጋግባናን ኣመሻሽጣናን፣ ምስ ባህሪ ዝኸይድ ባህሊ እዩ። ምስ ግዜ’ውን ይመሓየሽ ኣሎ። ህግደፍ ሳዋ ድሕሪ ምኽፋቱ ግን፣ ሕማቕ ባህልታት ጎረባብትን ኤውሮጳን ጽልዋታት ኣብ ባህልና ሱር ሰዲዱ ይርከብ። ላሕኹታት እዚ ሕማቕ  ባህልታት ኣብ መርዓን ሕብረተ-ሰባዊ ዝምድናታትን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ብደረጃ ሃገር ብሓፈሻ ብድረጃ ብሄር ከኣ ብፍላይ ክኹነን ዝግባኦ እዩ። ህንዳዊ ዶክቶርን ጃባናዊ ዶክተርን ባህሎም ስለ ዝሓለዉ፣ ጎይቶት ናይ ሃገሮምን ርእሶም ኮይኖም ዝኾኑ። ንኣና ከኣ ካብ ባህልና ከርሕቁና ዝደልዩ ክቀትሉና ስለ ዝደለዩ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ንጥሜትን ድኽነትን ከም ቀንዲ ናይ ጭቆናኡ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ ኩሉ ዝርድኦን ዝጽሕፎን’ዩ። ግን ናይ’ዚ ቀዳማይ ግዳይ ዝኸውንከ ካብ ህዝብና መን’ዩ ኢልካ ምሕሳብን ነቲ ሓቂ ምዝራብን ምጥባቕን ከኣ ሃገራዊ ሓላፍነት’ዩ። ህዝቢ ብሌን ኣብ ማእከል ኤርትራ ዝረከብ ስለ ዝኾነ መስተንፈሲ ናይ ዶብ ወይ ባሕሪ የብሉን። ሕማቕ ክራማት ምስ ዝኸውንን ኵናት ቀጻሊ ምስ ዝህሉን ብቀዳምነት ዝህሰ’ዚ ህዝቢ’ዩ።  ህግደፍ ንገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ከይህባ ከልኪሉ ናቱ ከኣ ኣይህብና’ዩ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ  ህዝቢ ብሌን ብጥሜትን ዓጸባን ይሳቀን ይመውትን ኣሎ። እዚ ብመደብ ዝግበር ቅትለት’ዩ። ብስንኪ እዚ ግፍዒ ኣብ ባህሊ ብሌን ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ለማኖ ህጻውንትን ደቂ ኣንስትዮን ሽማግሌታንን በዚሖም ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኣብ ባህልና ዘይነበረ ምንዝርናን ስኽራንን ምብትታን ስድራ-ቤታትን፣ ብወሰን ዝውለዱ ቆልዑን በዚሖም። ኣብ ሆስፒታል ከረን ቅድሚ ምእታውካን ምሕዋይካን መመዝገቢ ገንዘብ ይሕተት እዩ። እቲ መመዝገቢ ዝሕተት ከኣ ልዕሊ ዓቕሚ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፍ-ደገ ሆስፒታል ዝድርበዩን ዝሞቱን ብሌን ብዙሓት እዮም። ነቲ ብሚስዮናውያን ገብርቲ ሰናይ ማሕበራት ዝምወል ዝነበረ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምናታት መንግስቲ ዓጽዩዎ። ሰኣን ፈውሲ፣ ህዝቢ ብዝተፈላለየ ሕማማት ይቅዘፍ ኣሎ። ሕማቕ ባህልታት፣ ጠንቛሎ ገኒኑ። ብኡ መጠን ከኣ ስድራን እምነትን ባህል ይጠፍእ ኣሎ። ሓድሽ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ብሰንኪ ትምህርቲ ዘይምሃብን፣ እኹል ፈውሲ ብዘይምርካብን፣ ሕማቕ ርድኢት ስለ ዝነገሰን፣ ብነፍሰ ቅትለት ይኹን ብሕማም ከም ቆጽሊ ሰብ ይረግፍ ኣሎ።

ኣብ ጽቡቕ ግዜ  ብሌናይ፣ ጸወታ ዘይጸግብ እዩ ዝበሃል ዝነበረ። ኣብ ግዜ ህግደፍ ግን ጸወታን ዕላልን “ህጅግ” ካብ መሬት ብሌን ፈጺሙ ተሰዲዱ ይርከብ። መንእሰይ ብሌናይ ቅድሚ ሓዳር፣ ምስ መዋዕልቱን መሳሕቅቱን ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ከይገብር ብባህሊ ዝተሓረመ እዩ ኔይሩ። ህልዊ ባህሊ ህግደፍ ግን፣ ምስ ባህሊ ኣቦታትና፣ ሕቆን ከብድን ኮይኑ፣ ዘይሕጋዊ መርዓን፣ ምሕሳም ጓልን፣ ከምኡ’ውን ካብ ሓዳር ወጻኢ ምውላድን፣ ንቡር ኮይኑ ልቢ ወላዲ ሰይርዎ ይርከብ።

4. መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብሄረ ብሌን፣ ህልዊ ኩነታተንን፣
“ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘይኽብር ሕብረተ-ሰብ ገጽ ሰላም የብሉን”

ደቂ ኣንስትዮ ክንብል ከሎና ናይ’ተን ነፍቅረንን ንፈትወንን ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቅናን ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብ ባህሊ ብሌን ጽቡቕ ጎኒ ባህሊ’ውን ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብ ጉብዝንአን፣ ክሰርሓን ክጻወታን ክውንናን የፍቅድ እዩ። እቲ ዝፈልጠና ዝድነቐሉን ዝብህጎን ማዕርነት እዩ። ካልእ ሕማቕ ባህልታት ክውገዱ ዝግብኦም ግን፣

1.ኣብ ባህልና ንህጻውንቲ ምኽንሻብና ዘይሃስስ ስንብራት ሓንጎልን ዘይርሳዕ ፍርሕን ስቓይን ስለ ዘትርፍ፣ ከምኡ’ውን በሊሕ ላማ ንኻልእ ሕማማት ዘቓልዕ ስለ ዝኾነ ክተርፍ ዝግብኦ ሕማቕ ባህሊ እዩ።
2.ኣብ ባይቶ ንጉዳይ ክልተ ጾታ ዝምልከት ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጠቀስ ንዝትየሉ ስለ ዝኾነ ሓደ ጾታ ጥራይ ክእከብን ክብይንን ጭቆና እዩ። እዚ ክተርፍ ጥራይ ዘለዎ እዩ ኢልካ ዘይሕለፍ፣ ስለ ዝኾነ ንደቂ ኣንስትዮና መሰለን ዝዕንቅጹ ባህላውን ማሕበራውን፣ ብሕጊ ክውገዱ ይግባእ።
3.ኣብ ባህልና ጓል ኣንስተይቲ መሬት ክትውንን መሰል ኣይነበራን፣ እዚ’ውን ናብ ጎደና ልምዓት ዘየመርሕ ስለ ዝኾነ መሰል ክህልዋ ይግባእ።
4.መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ገጸ በረከት ዝወሃብ ስለ ዘይኮነ፣ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ንመሰለን ብስራሕን ብቓልስን ከረጋግጻ ይጥለብ።

መንእሰያት ኣዋልድ ደቂ ብሌን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ቅያ ዝሰርሓ ብዙሓት እየን። ንተጋደልቲ ሞራል ዘስንቕን ንህዝቢ ዘበራብርን ደርፍታትን ብስንቂ ንገድሊ፣ ዝሓብሓባን ኢየን። ኣብ ታሪኽ ዝዝከራ ተባዓት ሓርበኛታት ኣብ ማእከል ከተማ ከረን ይኹን ኣብ ማእከል ዓድታት ቅድመ ግንባር ኮይነን ንፈዳይን መሪሐን ንከዳዓት ሰውራ ዘቀንጸላ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዓቢ እጃም ኣለወን።

ኣብ ሰውራ ኣብ ዕጥቂ ብረት’ውን ተኻፊለን ኢየን። እንተኾነ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሰል ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዘይኣምን ኮይኑ ስለ ዝረኸብኦ ተስፋ ቖሪጸን፣ ንድሕሪት ዝተመልሳ ብዙሓት ኢየን። ነተን ንሰውራ ዝኣተዋ ከኣ መሳፍንቲ ሰውራ፣ ንስደት መሪሖመን። ካብ’ዚ እዋን’ዚ ጀሚረን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብሌን ንሱዑዲ ዓረብ ክስደዳን ኣብኡ ክበልያን ኮይነን ኢየን። ብሰንኪ’ዚ ዘይቅኑዕ መስመር ከኣ ክሳብ ሰብዓታት ተራ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሰውራና ትሒቱ ንረኽቦ። ነዚ ዘይቅኑዕ ዕላማ ክእርማ ብደርፊ ዝነቐፋን፣ ንሓድነትን፣ ንማዕርነትን ከይተሓለላ ከም ዝተቃለሳ ታሪኽ ይምስክረለን።

ህሓሓኤ ዝተመስረተትሉን ዝተንቀሳቐሰቶን ቦታታት ምስ ህዝቢ ብሌን ዘይዳወብ ስለ ዝነበረ፣ ብዘይካ ተሓኤ ትህቦ ጸረ ህሓሓኤ ካልእ ኣፍልጦ ኣይነበረን። እዚ ከኣ ኣፍልጦ ህዝቢ ብሌን ብዛዕባ ህሓሓኤ ብዙሕ ጋግ ፈጢሩ እዩ። ህሓሓኤ ነዚ ጋግ’ዚ ብመጽናዕትን ብቃልስን ብንቅሓትን ክንዲ ምፍታሕ፣ ብሓይልን ብንዕቐትን ክፈትሕዎ ስለ ዝደለዩ ነቲ ጋግ ዝይዳ ኣግፊሓቶ። ብ1977ዓ’ም ከኣ ህግሓኤ ንከረን ምስ ሓረረት ዝያዳ ክገፍሕ ተራእዩ። ካብ’ዚ ዝነቀለ፣ ህዝቢ ብሌን፣ ንህሓሓኤ ይኹን ንመንግስቲ ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ከም ዘይናቱ ንኽርእያ ስለ ዝደፋፍኣቶ፣ ደቂ ኣንስትዮ ብሌን’ውን ነዚ ብደርፊ ቅሬተአን ኣስሚዔንን የስማዓን ኣለዋ።

ድሕሪ ሰማንያታት ግን ካብ ስደት ከይተረፋ ንሜዳ ኤርትራ ኣትየን ዝተቓለሳ ብዙሓት ኢየን። ድሕሪ ናጽነት ግን፣ ደቂ ኣንስትዮ ብሌን፣ ኣብ ታሪኸን ከም’ዚ ዓይነት ሕሰም ረኺበን ኣይፈልጣን። ህግሓኤ ኣብ ሃገር ካልኦት ፖለቲካውያን ሓይልታት ከይምለሳ ምስ ኣወጀት በሌነይቲ ኣደ ደቃ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፉ ስለ ዘይተመልሱ ናጽነት ኣየስተማቐረትን። ስርዓት ህግደፍ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዝተቃለሳሉ ማዕርነት ይትረፍዶ ክረኽባ፣ ከም ሰብ ብሰላም ምስ ሓዳረንን ደቀንን ክነብራ’ውን ዕድል ኣይረኸባን። ኵናት ብቀዳምነት ንልቢ ኣደ እዩ ዝሃስን ዝቀትልን። ኣዴታት ሰብኡተን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ስለ ዝኸዱ ባዕለን ክሓርሳን ማል ክሕልዋን ደቐን ከዕብያን ኣረጋውያን ክኣልያን ኣብ መግለጺ ዘይብሉ ጭቆና ወዲቐን ይርከባ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብሌን ፍትሓዊ ብዝይኮነ ኣገባብ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክሳደን ጠዊዮም ዝቀተልወን ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ተግባር ህግደፍ እዩ። ከምኡ’ውን ዝኣልየን ስኢነን ኣደዳ ጥሜትን ሕማምን ዝኾና ዘለዋ ማእለያ የብለንን።

ብስርዓት ህግደፍ፣ ዕፈናን፣ ትምክሕትን፣ ጭቆናን፣ ከይተዳህላ፣ ምስ ብሄራዊ ቃልሲ ደው ኢለን፣ ካብ ሱሩ ንጭቆና ክድምስሳ ንመሰለን ዝረባረባ ከኣ ኣለዋ።  

5.    ፍትሒ እንዳ’ባ
“ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣዛብእ ኣይፍለን”

እቲ ዝገደመ ፍትሒ እንድ’ባ ኣብ ምድሪ ብሌን ከም ዝነበረ ይዝንቶ እዩ። ፍትሒ መጋርሕ ዝበሃል ንኹሉ ብሄር ብሌን ብጠቕላላ ይድይን ነበረ። እዚ ግን ብሰንኪ ወራራትን ጽልዋታት ጎረባብትን ምስ ምዕባለ እናተሓደሰ ስለዝከደ ንኹሉ ዘጽግብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብሄር ብሌን ድማ እናሰፍሐን ጠለባቱ እንዳዓመቖን ምስ መጽአ በብቕሩብ ናይ ጎረባብቲ ፍትሒ እንዳባታት ኣብ መሬት ብሌን ክልሑኽ ጀመረ። ህዝቢ ብሌን ከምቲ ዝጸንሐ ባህሉ ኮፍ ኢሉ መፍትሕ ሽግሩ ከይረክብ ድማ ናይ ገዛእቲ ኢድ ተሓዊስዎ። ብፍላይ እንግሊዛውያን “ፈላሊኻ ግዛእ” ዝብል ዕላምኦም ኣብ ኤርትራ ምስ ዘርግሑ ህዝቢ ብሌን ግዳይ ናይዚ ተንኮሎም ኮይኑ’ዩ። ሰውራ ናይ ዉጹዓት ብጓሶትን ሓረስቶትን  ኣብ ሳሕል ምስ ነቐለ ነቲ ብሰላምን ምክብባርን ሓቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ብሌን ለኪምዎ። ነቲ ናይ ኣቦታትና  ባህልን ውርሻን ተቆጺሩ ብሰላም ዝኸይድ ዝነበረ ዘይምሕላብ ከም ናይ ናይባት’ን ድግለላት’ን ባህሊ ጎይታን ጊላን ደርብታት ከመጣጥንዎ ምስ ጀመሩን ኣብ ግዜ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ድማ ናይ መስፍንነት ባህሊ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገርና ስለ ዝተቐልቐለን እቲ ፍትሓውን ሰላማውን ምዕቡልን ዝነብረ ባህሊ ብሌን ክቆጽዩዎ ፈቲኖም እዮም። መሳፍንቲ ኢትዮጵያ መታን ብሰላም ክገዝኡ ኣብ ምድሪ ብሌን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኤርትራ መስፍናዊ ባህልታቶም ከም ዝነግስ ስለ ዝገበሩ፣ መሳፍንቲ ብትውልድን ብእምነትን ወይ ከኣ ብመውስቦ ምስ ኣምሓራ ክተኣሳሰሩ ፈቲኖም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕልሚ ግዝኣቱ ንምስፋሕፋሕ ስልጣን ክህብ ከሎ ኣብ ሕብረተሰብ ምፍልላይ ዘምጽእ ንዕላማኡ ከኣ ዝተግብር ሰብ ይደሊ ስለ ዝነበረ፣ ነቲ ብሰላም ዝማሓላለፍ ዝነበረ ናይ ኣሓዋት ቆጽሊ ምውዳቕ ሰሪዝዎ። ካብ ኩሉ ማሕበር ኣንድነት ድሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብፈደረሽን ምቕልቃል ነቲ ናይ ስልጣን ቦታ ስለ ዝተቆጻጸሩ ናቶም ሰባት ኣብ ምምሓድር ሸይሞም። ንፖለቲካ ሃገር ክሕዙ ከኣ ነቲ ሕብረተሰብ ፈላልዮሞ። እዚ ኣብ ባህሊ ብሌን ኣብ ፍትሒ እንዳ’ባ ዝያዳ ምፍሕፋሕ ኣኸቲሉ። ምስ እዚ ኹሉ ጸገም ግን ሽማግሌታት ህዝቢ ብሌን ባይቶ ገይሮም ንመርዓን ንሞትን ዘርኢ ንእንዳ ጓልን ንካሕሳ ዝምልከት ከኣ ንመዋቲ ስድራን ዝሕደግ’ዩ ኣተዓራቂ ሕጊ ኣዊጆም። እንተኾነ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ መታሕት ኤርትራ ኣውቶኖምያዊ ምሕደራ ክእውጅ ስለ ዝደለየ መሊሱ ካልእ ቅልውላው ኣብ ምድሪ ብሌን ኣላዒሉ። እቲ ንጹር ዕላማን ፕሮግራምን ዘይነበሮ ሰውራ’ውን ኣሉታዊ ግዴ ኣብ ፍትሒ እንዳ’ባ ነይርዎ እዩ። ካብ ኩሉ ምውዳቕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ብሌን ከቢድ ናይ ሰብን ባህልን ድኻማት ኣስዒቡ እዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣይሓለፈሉን። ኣብ ሕቶ ፍትሒ ሓደ ሕብረተሰብ ክካታዕን መሰሉ ከርጋግጽ ክቃለስን ናይ ምዕባለ ጩራ’ዩ። ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለምና ዝሓልፎ ንቡር ኣንፈት ምዕባሌ’ዩ። ኣቦታትና’ውን ብኸምኡ ሓሊፎም’ዮም ሕጊ ዘምሃሩና። እንተኾነ ኣብ ምድሪ ብሌን ጉዳይ ናይ ፍትሒ ምስ ተላዕለ፣ እቲ ምምሕዳራዊ ትካላት ኣብ ኢድና ስለ ዘይነበረ ዝያዳ ጎዲእና። እቶም ገዛእትና ዝነበሩ ከኣ ብኣግኡ ከይንፈትሖ ነቲ መንገዲ ዓጺዮምልና። ብ2005ዓም ነዚ ኹሉ መፈንጠራታት ሰጊሮም ሓርበኛታት ሽማግለታት ናይ ኩሉ ዓሌታት ነዚ ሕቶ ፍትሒ እንዳ’ባ ምዕረፊ ገይሮምሉ ኣለዉ። ንሽማግሌታትና ንሙጉሶም። ኣብ ሕጊ ሓደ ዝኸስብ ሓደ ዝኸስር የልቦን። ኩሉ ብሄር ብሌን’ዩ ከሲቡ። ምኽንያቱ ነቲ ዘይረዳድኣካ ብሰላማውን ብፍትሓውን ኣገባብ ምእላይ ናይ ምዕባሌ ምልክት’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ምዕባሌ ምድላይ’ውን እዩ። ከባቢና ብሰንኪ ጎበጣ ወጻኢ ዝሳቐ ዘሎ ናትና ዘምጽዉዋር ምስ ዝሕወሶ ኣብ ድሕረትን ኣብ ጥሜትን ድንቁርናን ክነብር ኢና። ሆደ’ውን ንምሉእ መሰል ብሄርና ዝሓትት ዘሎ ንጉዳይና ባዕልና ክንፈትሕን፣ ብሰላምን ብምጽዉዋርን ከብርን፣ ልምዓትን እንጀራን ክረክብን’ዩ።

6.    እምነት
“እምነት፣ ብውልቂ ሃገር ብሓባር”

ብሄር ብሌን ቅድሚ ዓሰርተ ሸሞንተ ክፍሊ ዘመን ኣመንቲ ክርስትና ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ከም ዝነበሩ ብታሪኽ ይዝንቶ እዩ። ካብ 1849ዓ’ም ግን ሰሜናዊ ብሌን ብሓይሊ ጥይት ናይ ግብጻውያን ኣብ እምነት እስልምና ኣእትዮምዎ። እቲ ደቡባዊ ወገን ከኣ ብ1950ዓ’ም ብወራር በጃ ምስ ተሸነፉ ብዙሓት ንባርነት ክሽየጡ ንሱዳን ምስ ተወስዱ ሓደ ቐሺ እስተላ ዝበሃል ስለ ዘገላገሎም፣ ንድሕነቶም ክብሉ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊት ሮማ ክኣምኑ ተገዲዶም። ገለ ዉሑዳት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ፕሮቲስታንትን ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶን ዝኣምኑ’ውን ኣለዉ። ካብ’ዚ ናይ መጀመርታ እምነትና ዝነቐለ ክርስትያንን እስላምን ነምልኾም ታቦታት ኣለዉ። ምጽዉዋር ሃይማኖት ኣብ ባህልና ሱር ዘለዎ ስለ ዝኾነ ስምና መጸዊዒና ይምስክር። ስም መጸውዒ ኢና ንጥቀመሉ ዝነበርና እንበር ናይ እምነትና መግለጺ ኣይኮነን ዝነበረ። ሎሚ ኣስማት ደቅና ንእምነትና ክመስል ብትግሪኛን ዓረብን ይትካእ ኣሎ። ንበጃዊ እስላማዊ ምስፍሕፋሕን ናይ ከበሳ ክርስትያናዊ ምስፍሕፋሕን ብሓደ ንምክቶ ነይርና ኢና። ኣብ ባህሊ ብሌን ጓልካ ዝሓተተ ብእምነቱ መዚንካ ጓልካ ኣይኽላእን እዩ። ኣብ ባህሊ ብሌን እምነት ፍቅሪ እዩ። ኣቦታትና ክልተ ጤል ሓሪዶም ናይ ሓዲኦም ስጋ ብላኻ ኣሲሮም ኣብ ሓደ ቁራዕ የብስልዎ ነበሩ፣ ነቲ መረቅ ሓቢሮም ሰትዮም ነቲ ስጋኦም ከኣ ተመቓቒሎም ከም ዝበልዑ ዝነበሩ ይዝንቶ። መንእሰይ ብሌናይ ክርስትያን ይኹን ኣስላማይ መን ሓረዶ ንዕኡ ዝርኢ ኣይነበረን። ከም ቃሕ ዝበሎ ክበልዕን ክጻወትን ባህልና ተጸዋርነት ነይርዎ። ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻፈሉ ክርስትያን ይኹኑ እስላም ብሌን፣ መን ሓረዶ ይግደሱ ከም ዘይነበሩ ታሪኽ ይምስክር። ክሳብ ክርስትያን ናይ ኣስላማይ ስም ክወሃቦም ከሎ ብዓይኒ እምነት ስለ ዘይርኣይዎ ኣይተቓወሙን፣ በዚ ናይ ሜዳ ስም ከኣ ክሳብ ሕጂ ይፍለጡ ኣለዉ።

ክልተ ሃይማኖታት ኣብ ሃገርና ብሕጊ መንግስቲ ማዕረ መሰል ረኺበን ኣይፈልጣን እየን። ብሃገር ደርጃ ካብ ኣርብዓታት ኣትሒዙ ገለ ተኽታሊ እምነት እስልምና፣ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተቀበለን፣ ንሰውራ ስለ ዘንቀለን፣ ብዓይኒ ጥርጠራ ተኣሲሩን ሞይቱን እዩ። እንተኾነ ኣብ ብሄር ብሌን እዚ ፍልልይ ኣይነበረን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንሃይማኖት ክርስትና ተጸጊዑ ድኣ ይግዛእ እንበር ንኹልና ብሌን ኣሕቢሩ’ዩ ኣጥፊእናን ኣንዲዱናን።

ብ1961ዓ’ም ዝጀመረ ሰውራና ዓረባዊ ባህልን ቋንቋን ስለ ዝተኸተለ፣ ብሄር ብሌን ከኣ ደጀን ስለ ዝነበረ በዚ ዓረባዊ ባህሊ ተጸልዩ እዩ። ካብ’ቲ ጽቡቕ ባህላዊ እምነት ወጺኡ ኣብ ዘይደለዮ ምፍሕፋሕ ከም ዝዝንብል ገይርዎ እዩ። ድሕሪ 1971ዓም ኣብ ሰውራና ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ንባህልን ንእምነትን ኣገባብ ብዘይብሉ ድሑርን ዘየቓልስን’ዩ፣ ስለ ዝበለ ገታር ባህሊ ኣማዕበለ። ምስ ደጀን ሰውራና ዝነብረ ህዝብና ብፍላይ ኣስላም ከኣ ምፍሕፋሕ ጀሚሩ። ኣስላማይ ሕብረተሰብና ኣንጻር’ዚ ኮምኒስታዊ ሰነ-ሓሳብ ክለዓል ናይ ግድን ኮነ። እንተኾነ ነዚ ሕቶ ህዝብና ብምርድዳእ ክንዲ ምፍታሕ ሰውራና ሓይሊ ስለ ዝተጠቅመ፣ ሓይሊ ብሓይሊ ክዕገት ኣለዎ ዝብል ድፊኢት ናይ ዉሽጥን ደገን ስለ ዝዓብለለ፣ ጀሃዳዊ ምንቅስቓስ ተወሊዱ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ብዓይኒ ህዝቢ ብሌን ናይ መሰል ሕቶ ስለ ዝነበረ ብኽልተ እምነታት ተደጊፉ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ 1977ዓ’ም ህግሓኤ ከረን ምስ ሓረረት፣ ጸጋማዊ ምሕደራ ክተታኣታቱ ምስ ዝጀመረት ኩሉ ብሄር ብሌንን ነባሪ ከተማ ከረንን ኣማኒ ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሓባር ተቃልሲዋ እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት መሰል ወዲሰብ ከም’ውን መሰል እምነት ጊሂሱ ስራሑ ክጅምር ከሎ መታን ሓይሉ ክደልድል ንቤተ-ክርስትያን ተዋሃዶ ጸግዒ ክኾኖ ቤተ ክርስትያን ክመላልስ ተራእዩ። ኣብ ብሄር ብሌን ይኹን መልእ ኤርትራ እቲ ካቶሊካዊ ሃይማኖት ነዚ ምግሃስ እምነት ብሓባር ተቓዊምዎ’ዩ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ከኣ ነቲ ንብረት ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ንናይ ረድኤት ማሕበር ካሪታስን፣ ናይ ሕክምና ረድኤትን፣ ቤት ትምህርትታትን፣ ዩንቨርስትን፣ መንግስቲ ሃጊርዎ። ህግደፍ ፈሊኻ ውቓዕ ዝብል ስልቲ ተጠቒሙ ንኣመንቲ እስልምና ኣጥቂዑ፣ ብዙሓት ንጹሃት ከኣ ካብ ከረንን ከባቢኡን ኣሲሩን ቀቲሉን’ዩ። እዚ ከኣ ንብሄር ብሌን እስላም’ዩ ክርስትያኑን ኣቆጢዑ’ዩ። ብሰበ-ስልጣን ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ከኣ እዚ ተግባር ብወግዒ ኮኒኖሞ። ህግደፍ ግን ደው ኣይበለን። ንኣምንቲ ኽልቲኡ ሃይማኖታት ኣልሒሙ ምስ ጨቆነ ወላ እቲ ክርስታያንዊ ወገን ብሌን ምስ ጀሃድ ክደናገጽ ጀመረ። ነዚ ኣመኽንዩ ከኣ ህግደፍ ንብሄር ብሌን ንጀሃድ ትመርሑን ትምግቡን ኣለኹም፣ ሸፋቱ ህዝቢ እናበለ፣ እቲ ምእሳርን ምሕቓቅን ገኒኑ ኩሉ ህዝብና ይሳቐ ይርከብ።

ሆደ ብሌን ኣብ ቀዳማይ ኮንፈረንሱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ብሃይማኖት ክናቆት እሞ ነዛ ሃገር ከንበርክኽዋ፣ ብህግደፋዊ ስርዓትን ድኹማት ደቂ ሃገርን መደብ ሰሪዖም ከም ዘልዉ ብመጽናዕቲ በጺሑዎ። ህዝቢ ብሌን ከኣ ብቀዳምነት ክልተ ሃይማኖታት ምስ ዝጓነጻ ቀንዲ ግዳይ ዝኸውን ንሱ ስለ ዝኾነ ነዚ ዕንወት ኢዱ ኣኪቡ ክርኢ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ ሆደ ክምስረት ተሰማሚዑ። ንብሄር ብሌን እዘን ክልተ ሃይማኖታትና ጸጋማይን የማናይን ዓይንና እየን። ሓንቲ ካብ ዓይንና ክትነቁር ከኣ ኣይነፍቅድን። ኣብ ዝኾነ ግዜ ከኣ ኣብ ምድርና ይትረፍ ኵናት ሓድሕድ ብሃይምኖት ምትፍናን ሃይማኖት’ውን ክህሉ ኣይነፍቅድን። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከም ተርእዮ ዝረኤ ዘሎ ብትምክሕቲ መንግስቲ ህግደፍ፣ ዝተዳህሉ፣ ኣሕዋትና ገለ ካብ ክርስትያን ወገን፣ ‘ዝያዳ ሓለዋን ሓለፋን ክንረክብ ምስ ክርስትያን ከበሳ እንተለገብና ይሕሸና፣” ዝብሉ ከምኡ’ውን ገለ እስላም ኣሕዋትና “ዝያዳ ሓለዋን ሓለፋን ክንረክብ ምስ ዓረባዊ ባህልን ምንቅስቓስ እስላማዊ ጀሃድን ንወግን” ዝብሉ ኣለዉ። ኣብ ሓምሳታት መብዛሕትኡ ወገን ክርስትያትና “ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ ዝያዳ ሓለዋን ሓለፋን ክትረክብ ትኽእል” ኢሎም ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ቆሪኖምና። እቲ ነዚ መድሕን ክኸውን ዝግብኦ ናይ 1961ዓም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ምስ ሃገራት ዓረብን እልምናን ዝያዳ ረብሓ ኣሎና ኢሎም ነቲ ሰውራ በታቲኖም። ኩሉ ናይ ትማልን ናይ ሎምን ስቓይ ኣምጺእልና ዘሎ ብሃይማኖት ፈላልዮምና ዝረከብናዮ ናይ ኣደዳ ሞትን ስደትን ሞትን ከይኣኽለና ሎሚ’ውን ብሃይማኖት መፍትሒ ክንረክብ ምሕሳብና ወንጄል’ዩ። ብሄር ብሌን ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ መሰል ብሄራት ኣረጋጊጾም ብድልየት ህዝቢ ዝኾነ ዝምድና ክትገብር ቅኑዕ’ዩ። ካብኡ ዝተረፈ ተመቓቂልና ገለና ንምዕራብ ገለና ንምብራቕ ቁልሕ ክንብል እሞ ኽንጠፍእ፣ ዝሓልሙ ታሪኽ ዘይምንባብ’ዩ። ኣቦታትና ካብ ሃይማኖታቶም ናይ ነፍሲ ድሕነት ከም ዝርከብ እንበር ናይ መሬት ሂወትሲ ብቃልስን ብጻዕርን ብሓድነትን ከም ዝርከብ’ዮም ኣምሂሮምና።  ስለ’ዚ ብሃይማኖት ኣሳቢቦም ክፈላልዩና ዝደልዩ ንዱያት ሃይማኖትን፣ ዓሌታውያንን፣ ጸረ ብሄራዊ እምነትና’ዮም። ብሄርና ካብ ዘበናት ሻርነትን ልዕልነትን ሃይማኖት ዘየፍቅድ እዩ። ስለ’ዚ ንሕብረተ-ሰብና ዘይፈልጦ ሕማም ኣይነእትወሉ። ኣብ ካልእ ብሄራት መሰል እምነት ዘይብሎም ደቂ ሃገርና መሰል ሃይማኖቶም ከረጋግጹ ምስ ዝቃለሱ እስላምን ክርስትያንን ዮሃና ንብሎም፣ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንቃለስን ከኣ ድልየትና ነረጋግጸሎም።

7. ቋንቋ
“ቋንቋ፣ ካብ ልሳን ህጻን እንተተሓኺኻ ተቐቢራ”

ቋንቋ ብሌን መሰረታዊ መንነት ህዝቢ ብሌን እዩ። እዚ ቋንቋ’ዚ ናይ ኩሻውያን ከም ዝኾነ ሓድጋታን ቅርስታትን ኣሎ። ኩሉ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነዚ ቋንቋ ይዛረብ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብር። እቲ ናይ ዛጔ ንግስነት መንግስታዊ ቋንቋኡ ከም ዝነበረ ይዝንቶ። ኣብ እንዳታት ብሌን ካብ ላስታ ከም ዝመጽኡ እሞ ነዚ ቋንቋ ብሌን ሒዞም ከም ዝመጽኡ’ውን ኣፍኣውን መርትዖታት ዘልዎም ኣለዉ። ካበይ መጺኡን ከመይ ኢሉ ክሳብ ሕጂ ጸኒሑን ንታሪኻውያን ዝሕደግ ኮይኑ ኩሎም ጽሓፍቲ ግን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክጠፍእ ዝኸይድ ቋንቋ ኢሎም ኣስሚሮምሉ ይርከቡ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃን ወለዶ ኩሽ ዝኾኑ ቋንቋታት ከኣ ኣለዉ። እቲ ናይ ሰማውያን ቋንቋታት ንቋንቋ ብሌን ኣብ ማእከል ቀርቂሮሞ ስለ ዝርከቡ ሓያል ቃልሲ ዋናታቱ ከም ዝነበረን ከም ዘድልን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ቋንቋ እዚ ብዙሕ መቐረትን ምዕቡል ባህልን ስለ ዘለዎ ንህዝቢ ብሌን መተካእታ የብሉን። ብናይ ጎረባብቲ ቋንቋታት ዕብለላ፣ ኣብ እዚ ግዜ ዝያዳ ተህስዩ ይርከብ። ምስ እዚ ኹሉ ጸገማቱ ግን ብሄር ብሌን ክሳብ ሕጂ ብቋንቋኡ፣ ይዛረብ፣ ባይቶታቱ የካይድ፣ ይደርፍ፣ ይሓሊ፣ ይስሕቅ፣ ይበክ፣ ይጽልይ፣ ኣሎ።

ህዝቢ ብሌን ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ቋንቋኡ ይኹን ባህሉ ዓቂቡ’ዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ንሃገርን ንሓድነትን ክብል ናይ ውድባት ወግዓዊ ቋንቋታት ስለ ዝተቐበለ እተን ውድባት ድማ መሰል ቋንቋ ብሌን ይኣምና ስለ ዝነበራ ብዙሕ ሃስየንኦ። ኣብ ፈስቲቫላት ጥራይ ከም ቀመም ጸብሒ ንኸዳምቐለን ይጥቀምሉ። ዝኾነት ውድብ ቅድሚ ናጽነት ይኹን ድሕሪ ነጻነት በዚ ቋንቋ ዝሓሰበት ወይ ምጽናዕቲ ዝገበረት የላን። እንተኾነ እዚ ቋንቋ’ዚ ሃብታም ታሪኽ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ንኹልና ደቂ ሃገር ብፍላይ ድማ ንብሌን ክንዓቁቦን ታሪኹ ከይሃስስ ክንቃለሰሉን ይግባ’ዩ።

ኣብ ግዜ ምጅማር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጋደልቲ ደቂ ብሌን  ቋንቋኦምን ባህሎምን ከይጥቀሙ ብሕጊ ኩልኩል ከም ዝነበረ ክሳብ ኣስማት ክርስትያን ተጋደልቲ ድማ ኣስላማዊ ስም ክሕዙ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ የዘንትዉ። ብተሓኤ ዝጀመረ ሰውራ ብዓረብ ክንዛረብን ክንመሓደርን ዕላማ ስለ ዝነበሮም ንሓርነት መሬቶምን ቋንቋኦምን ባህሎምን ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ከውጽኡ ዝወጽኡ ደቂ ብሌን ካልእ ጭቆና’ዩ ገጢምዎም። እቲ ናይ ብሄር ትግሪኛ መሰለይ ተጋሂሱ ኢሉ ዝመከተ ህ.ሓ.ሓ.ኤ’ውን ኣብ ዘመኑ ብትግሪኛ ክንዛረብን ክንመሓደርን ስለ ዝፈረደ፣ ብሌናይ ኣብ ውድባት ዝነበሮ እምነቱ በብቅሩብ ተጸንቂቑ። ድሕሪ ናጽነት መሰል ቋንቋናን ባህልናን መሬትናን ክረጋገጸልና ብቀዳምነት ዝሓተትና ኢና። እዚ ግን ፍትሓዊ መልሲ ኣይረኸበን። ኣብ ከተማና ይኹን ኣብ ኩሉ ምምሕዳራት ምድሪ ብሌን ብትግርኛ ዘይዛረብ ተደቒሱ። ቋንቋ ትግርኛ ዘይክእል፣ ከኣ ኣብ መሬትና ከም ተላኣኣኻይ እኳ ንክቁጸር ዕድል ስኢኑ።  

ኢትዮጵያዊ ክትከውን ኣምሓርኛ ክትክእል ናይ ግድን ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ  ኤርትራዊ ክትከውን ቋንቋ ትግርኛ ክትፈልጥ ናይ ግድን ኮይኑ። ኣብ መሬት እንዳቦኻ፣ ብቋንቋኻ ክትሰርሕ መሰል ምስ ትኽላእ፣ትተርፈካ እንኮ ምርጫ ወይ ክትቃለስ ወይ ክትስደድ’ዩ። ኩሎም ደቅና ከኣ ንስደት ተቓሊዖም ኣብ ምድረ-በዳን ባሕርን ዝተርፉ፣ ወይ ኣብ ስደት ሓንቲ ናይ ጽባሕ ተስፋ ዘይብሎም ኮይኖም ይርከቡ።

ካብ’ዚ ነቒሎም እቶም ተስፋ ዝቆረጹ፣ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ እንጌራ ስለ ዝርከብ ንደቕና ትግርኛ ክነምህሮም ኣሎና ዝብሉ ገለ ካብ ክርስትያናዊ ወገን ይርከቡ። እዚ ካብ ቃልሲ ምህዳምን ንታሪኽ ኣቦታና ምጥፍእን እዩ። ንብሄርካ ምኽሓድ’ውን እዩ። ባህሊ ብሌን ይኹን ምድሪ ብሌን ንደቁ ክቅልብ ይኹን ከሕንቅቕ ዝሰኣኖ የልቦን። ዝተሳእነ ፍትሒ ብሄርና’ዩ። ነዚ ፍትሒ ከኣ ደኺምና ከይበልና ክንቃለሶ ምዃና ዘጠራጥር የብልናን። ናይ ህዝብና ድልየትን ተኻፋልነትን ስለ ዘሎ ከኣ ክዕወት እዩ። ምሉእ መሰል ብሄራትና ክረጋገጽ መስዋእቲ ይኽፈል ኣሎ። ንመሰልና ሞት ዓወት እዩ። ንሕና ንዕኦም ክንመስል ወይ ንሶም ንዓና ክመስሉ ምድላይ ኣብ ሃገርና ሰላምን ምዕባሌን ከምጽእ ከም ዘክእል ክርድኣና ይግባእ። ቋንቋና ድሕሪ ናጽነት ብ40% ንታሕቲ ወዲቑ ይርከብ። ከምኡ እንተቐጺሉ ግን ንብሄር ብሌን (ዋናታቱ) ናይ ዘልኣለም ዘይምለስ ጣዕሳ፣ ንደቅና ድማ ጭቆና ክነውርሶም ስለ ዘይንደሊ ንቃልሲ ቁሩብነትና ክነርኢ ይግባእ። እቲ ዝጭቁን’ውን ገለ ብመደብ ክኸውን ከሎ ገለ ከኣ ስኣን ምፍላጡ’ውን ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ትጭቁኑና ኣለኹም፣ ቋንቋና ብቋንቋኹም ይዕብለል ኣሎ ክንብሎም ግቡእና’ዩ።   

8. ፊደል (ብብሌን ሆሄያት)
“ፊደል ወይ ሆሄያት፣ ንምዕባሌ ዝመርሑ ናይ ጎደናታት መብራህቲ’ዮም”

ቋንቋ ብሌን ናቱ ሆሄያት ብወግዒ ብህዝብና ዝጸደቐ የብሉን። ንኹላትና ዘርብሓና ንሓድነትና ዝሕሉ ምስ ቁጠባና ዝሳነን ምስ ምዕባሌ ዝቀዳደም ንባህልና ዘዕቑብን ሆሄያት ክንመርጽ ግዴታ ብሄር ኣሎና። እዚ ምርጫ’ዚ ድማ ሓደ ዝኸብረሉ ሓደ ዝኸስረሉ ኣይኮነን። ንደቅና ክንብል ንገብሮ ምርጫ ስለ ዝኾነ ምስ ዝኾነ ሃጓፋት እምነትን ውልቐ ሰባትን ውድባትን ክተኣሳሰር የብሉን። ባዕልና ንባዕልና ምድንቋር ድሕረት’ዩ። ሆሄያት ዘይብሉ ቋንቋ ይርሳዕን ነብረ ይኸውንን። ንቋንቋና ብኣፍ ህጻውናትና ክዝረብ ክንገብር እንተዘይከኣልና ቀተልቲ ቋንቋና ንሕና ብሌን ባዕልና ኢና። ሆሄያት ንቋንቋና ከይጠፍእ ቀንዲ ጸውርቲ’ዮም። ህግደፍ ብድልየቶም ፊደል ላቲን ንሱ ድማ ደገፍን ቆላሕታን መንግስቲ ብዘይብሉ ኣብ ገለ ቤት ትምህርትታት ምስ ዘርግሐ ደገፍትን ተቓወምትን ፈጢሩ። እንተኾነ ብጌጋን ብመሰል ዘረጋገጸን ኣገባብ ከም ዘይተተግበረ ኩሉ ዝፍልጦ ኮይኑ ኣብ ታሪኽና ኣውንታዊ’ዩ። ብሄር ብሌን ነዚ ጸገም ሆሄያት ብፍትሓዊ ኣገባብ ክፈትሖ ንቅሓት ክውንን ኣለዎ። ምኽንያቱ ብሌናይ ብቋንቋኡ ክጽሕፍ ይኹን ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ባይቶ ተኣኪቡ ውሳኔታት ንኹሉ ህዝቢ ብሌን ክዝርግሕን ሓደ ዕላዊ ሆሄያት የድልዮ። ሆደ’ውን ምስ ህዝቢ ክትራኸብ ብቋንቋ ብሌን እሞ ብሆሄያት ግእዝ ክትጽሕፍ ምስ ጀመረት 90% ክነንብቦ ኣይከኣልናን ዝብል ርኢይቶ ተቐቢላ። ብላቲንን ብዓረብን’ዉን ከምኡ ጸገም ኣሎ። ነቲ ህርኩት ህዝቢ ብሌን፣ ሓደ ሆሄያት ስለ ዘይመረጽና ካብ ስራሕን ምዕባሌን ደው ኣቢልናዮ ንርከብ። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣብ’ዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ብቋንቋኡ ዘይጽሕፍን ዘይኮርዕን እንተኾነ ብቐዳምነት ተሓታቲ እቲ ብሄር ባዕሉ’ዩ። ንስሙ ኣነ ብሌናይ ኢየ ኢልካ ኣብ በረኻ ምዝራብ ግዜኡ ኣብቂዑ ስለ ዝኾነ ንምዕባሌ ብሄርና ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝሕሸና ሆሄያት ክንመርጽ ናይ ግድን ይኸውን ኣሎ። እዚ ሽግር እዚ ናይ ሙሁራት ደቂ ብሌን ዕዮ-ገዛ ክኸውን ይግባእ። ሆሄያት ንህዝቢ ክዛረብ ክጽሕፍ ርእይቶ ክህብ ክመርሕ ክምራሕ ታሪኹ ክመሃር ንልምዓት ክሓስብ የኽእሎ። ነዚ ዕድል እዚ ንህዝብና ንኸልእ ኣብ ታሪኽ ተሓተቲ ክንክውን ኢና። ንብሄር ብሌን ዝኣክል ከም ጨራሩ ተዛሪቡ ክተርፍ ምግባር በደል’ዩ። ብስንኪ እዚ ሕመቕና ብሄርና መንነቱ ይኹን ህላዊኡ ይሓቅቕ ከም ዘሎ ክንግንዘብ ኣሎና። ሆደ እዚ ናይ መግዛእትታት ውጺኢትን ናይ እተሓሳስባ ጸገምን ስለ ዝኾነ ንህዝብና ሓራ ክንገብሮ ስለ ንደሊ ነዚ መዕረፊ ክንገብረሉን ደገፍ ኩሉ ህዝብና የድልየና ኣሎ። ህዝቢ ብሌን ኩሉ ዝሰምረሉን ባህሉ ዘኦቁበሉን ሆሄያት ክንቅበልን ክነጽንዕን ከኣ ብሄራዊ ግዴታ’ዩ።

9.    ትምህርቲ
“ትምህርቲ መብራህቲ”

ትምህርቲ ኣብ ምድሪ ብሌን ብሚስዮናውያን ካቶሊክ ካብ 1850ዓ’ም ንዉሑዳት መስቀላዊ ተልእኾ ንኽፍጽሙ ብቋንቋ ባዕዲ ጸኒሖም ድማ ብትግርኛ ከም ዝጀመሩ ይዝንቶ። ኣብ እምነት እስላም’ውን ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ጀሚሩ ንቑርዓን መንበቢ ጥራይ ፊደላት ዓረብ ምቑጻር ተጀሚሩ። ክልቲኡ እምነታት ግን ንህዝቢ ብሌን ንመሳጋገሪ ሃይማኖታቶም ናብ ካልእ ኣህዛብ’ዩ ዓሊሙ ትምህርቲ ዝህብ እንበር ካብ ከርሲ ብሌን መሃይምነት ከጥፍእ ብቋንቋ ብሌን ዘምሃረ ወይ ዝጸለየ ኣካል የሎን። ኣብ ግዜ እንግሊዝ ኣብ አሸራን ዋዝንተትን ሓሊብ መንተልን ቤት ትምህርትታት ተጀሚሩ። እንተኾነ ብኡ ንብኡ መንግስቲ ፈደረሽን ባጀት የብልናን ብዝብል ምስምስ ዓጽዩወን። ኣብ ሃገርና ኣብ ግዜ ፈደረሽን ቤት ትምህርትታት ክህነጻን ቆልዑ ከምሃሩን ከለዉ ደቂ ብሌን ግን ኣብ ናይ ድሕረትን መሪር ድንቁርናን ተሸሚሙ’ዩ ተሪፉ። ድሕሪ ሓምሳታት ኣብ ከተማ ከረን ብሚስዮናውያንን ብመንግስትን ክልተ ቤት ትምህርቲ ተኸፊተን። እቲ ኣብ ከተማ ከረን ዝተኸፍተ ቤት ትምህርትታት’ውን ነቶም ዓቕሚ ቁጠባን ትግርኛ ዝሰምዑን እዩ ዝነበረ። እቲ ትግርኛ ዘይክእል ክተርፍ ከሎ ገለ ናይ እስላም ወገናትና ከኣ ንሱዳን ተሰዲዶም ክመሃሩ ተገዲዶም። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብምስዮናውያንን ብመንግስትን ኣብ ከተማ ከረን ንሱ’ውን ብቋንቋ ትግርኛ ምስ ተጀመረ ጉዳይ ጸጥታ ተባሂሉ ተዓጽዩ።  

10.ትምህርቲ ድሕሪ ነጽነት፣
“ትምህርቲ፣ ንመሰልን ፍትሕን ማእከል ዘይገብረ
መብራህቲ ኣይከውንን’ዩ፣ ጸልማት’ዩ”

ዕድል ትምህርቲ ኣብ ምድሪ ብሌን ክሳብ ግዜ ናጽነት ዕጹው ከም ዝነበረ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ናይ ትምህርቲ ድልየትን ህርፋንን ከሎ ብመደብ ንብሄር ብሌን ዝወጽአ ካሪክለም ይኹን ቤት ትምህርቲ ስለ ዘይተሰርሐ ኣብ ጸልማት ኣሎ። ገለ ብህዝብን ብሚስዮናውያንን ዝሰርሕዎ’ውን ሕቶ ካሪክለም እናበሉ ፍቓድ ኣይወሃብን እዩ። እቲ ዘሎ ከኣ መደብ ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ብትግርኛ እዩ። ህግደፍ ንዕላምታቱ ኢሉ ኣብ ምድሪ ብሌን ንመጀምርታ ግዜ  ብቋንቋ ኣደ ብሌን ትምህርቲ ጀሚሩ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ገለ ሓሙሽተ ቤት ትምህርትታት ኣለዋ። ቆልዓ ብቋንቋ ኣዲኡ ኣምሂርካዮ ክተብቅዕ እቲ ኣብ ዞባኡ ዘሎ ድማ በወግዒ ብትግርኛ ዝሰርሕ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ዝገደደ ጭቆና ምድቕዳቑ እዩ። እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር ነቲ ቆልዓ ንቋንቋኡ ከም ዝጸልእ ክገብርዎ ብመደብ ዝተገብረ እዩ። ብዙሓት ስድራ-ቤታት ካብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ብሌን ደቆም ስሒቦም ኣብ  ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ክወስድዎም ተገዲዶም ኣለዉ። ህግደፍ ንህዝቢ ብሌን መሰል ቋንቋ ኣደ ከም ዝሃበ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳኡ ይጥቀመሉ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ኣብ መሬት ብሌን ክዕብልል ብመደብ ዝሰርሖ ስለ ዝኾነ ህዝብና ነዚ ጭቆና ዓው ኢሉ ይዛረበሉ ኣሎ። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማቱ ግን ብሄር ብሌን ትምህርቲ ዝፈቱ ስለ ዝኾነ ሓደ ካብ እቶም መንቋሕቋሕታ ትምህርቲ ዘለዎ ብሄር እዩ። እዚ ምሁር ኣካል ብሌን ግን ብቛንቋ ኣዲኡ ጀሚሩ ስለ ዘይተማህረ፣ ብሄራዊ ንቕሓቱ ትሑት ኮይኑ ክንዲ ንቋንቋኡ ዘኽብር ንቋንቋ ካልኦት ዘፍቅር ንመሰል ብሄሩ ከኣ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ዘእተወ እዩ።
 
11. ቁጠባን፣ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ብሌን፣
“ፖሎቲካዊ ታሪኽ ከም ገንዘብ ተዋህላላይ’ዩ ብግቡእ እንተዘይሓዝካዮ፣
እቲ ቁስሊ ኣብ ሕብረተሰብ የትርፍ እቲ ክኣ ምስ ድኽነት የምሓዙ ”

ሕርሻ ምድሪ ብሌን ኩሉ ዝደርፈሉን ዝናፍቆን ሃዋኡ፣ ንከብቲ ምርባሕን፣ ዝደለኻዮ ዘራእቲ ክዝራእ ዝኽእልን፣ ኩሉ ዓይነት ኣሕምልትን ፍሬታትን ዝፈሪ፣ ደጋን፣ ወይኒ ደጋን፣ ቆላን፣ ኪሊማ ዝሓቆፈ’ዩ። ዓሰርተ ሓምሽተ ሺሕ ኣብ ግዜ ክራማት ዝሕዝ ዝነበረ ጃርዲን ዒላበርዕድ ምህርቱ ክሳብ ኤውሮጳ በጺሑ ብኹሉ ዓይነቱ ተወዳዳር ዘይነበሮ’ዩ። ሎሚ ባዲሙ ኣሎ። ካብ ዓይነት እኽሊ ብልቱግ እቲ ዝለዓለ ፕሮቲን ቆርበት ዘለዎ ኣብ ዕዳጋታት ኤውሮጳ ደሊኻ ዘይርከብ ናይ ሃብታማት መግቢ’ዩ። ካብ ዓይነት ስጋ ዝምረጽ ስለ ዝኾነ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝዓበያ እንስሳ ዝኸበራ እየን። ሓልሓል፣ ሃገር፣ ሓመደይ፣ እዚ በራኽቲ ስለ ዝኾነ ልክዕ ከም ናይ ከበሳ እኽሊ ይሕፈስ። መንደሪን፣ ኣራንሺ፣ ዘይቱን፣ ለሚን፣ ባናና፣ ፓፓዮ፣ ወይኒ፣ ወዘተ ፍርያት ጀርዲን ብጣዕሙ ዝፍለ ዝተመስከረን’ዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ኣግራብን፣ ሳዕርን፣ እንስሳን በረኻን፣ ማዕድናትን፣ ማእለያ የብሉን።      
 
ኣብ ፖለቲካዊ ድሕሪ ባይታ፣ ህዝቢ ብሌን፣ ኣብ ክሳድ ናይ መታሕትን ከበሳን፣ ኣፍ ደገ ንባጽዕን እሞ ንሃገራት ዓረብን ኤውሮጳን ዝውስድ መንገዲ ናይ ምዕራባዊ ወገን ኣፍሪቓን  ስለ ዝነብሩ ኣብ ዝሓለፈ ዘበነት ምድሪ ብሌን ብኣራግጽን ብውግኣትን ዕርፍቲ ዘይነበሮ ቦታ’ዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ውን ጸሓፊ ጻዕዳ ቨርነር ሙዚንገር ኣብ ጽሑፉ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ብሌን ፖለቲካዊ ታሪኽ ጸብጸብጻብ ኣይሃበን። ከም’ዚኦም ጸዓዱ ዝሕስዉ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት'ዮም። ህዝቢ ብሌን ሓቢሩ ንመሬቱ ጥራይ ምክልኻል ዘይኮነ ንመሬት ካልኦት’ውን ወራር ምስ ዝቅልቀል ረዳት ዝኸይድ ከም ዝነበረ ኣፋዊ ታሪኻት ኣሎ። ተዋጋኣይ፣ ስሙር፣ ምስጢራዊ፣ ተባዕ ከም ዝነበረ ኩሉ ዝምስክሮ’ዩ። ብምዕራ ብወራራት በጃ ካብ መታሕት፣ ብደቡባዊ ሸነኽ ድማ ብመሳፍንቲ ጎንደርን ከበሳን ትግራይን ዝነቐለ፣ ብዉዑይ ውግኣት ሰላም ረኺቡ ኣይፈልጥን። ናይ’ዚ ኩሎም መሳፍንቲ ወራራት ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሞራላውን ትሕዝቶ ህዝብና ስንብራት ገዲፉ። ካብ’ቲ ኣብ መጠረሽታ ዝተራእየ ናይ በጃን ናይ መሳፍንቲ ከበሳን ትግራይን ወራራት ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኸኣል። ብ1848 ዓ’ም ኣብ ጭንድቕ (ዔላ መርዕድ) ጸረ መሳፍንቲ ትግራይ ዝተገብረ ኵናት ብውህር ሃኪን ወዲ መዲን ዝተመርሐ ደማዊ ውህር ሃኪን’ውን ኣብ’ዚ ኵናት ተሰዉአ። ናይ’ቲ ኵናት ምረት ንምግላጽ እቲ ቦታ ጭንድቕ ይበሃል ብደም ዝጨቐወ ማለት’ዩ።

ምስ መሳፍንቲ ትግራይ ካብ 1830ዓ’ም ክሳብ 1849ዓ’ም ዝኸደ ውግኣት ንህዝቢ ብሌን ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ስለ ዝድከሞ፣ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቂሞም፣ እቶም ኣብ ክልተ ውግኣት ዝተሳዕሩ መሳፍንቲ በጃ ብ1852 ብቱርካውያን ግብጻውያንን ተተባቢዖም ካብ ምዕራብ ወራር ምስ ፈነዉ፣ ህዝቢ ብሌን ናይ መጠርሽታ ዓቕሞም ከም ዝተዋግኡ፣ ስረ ዝዓጠቐ ሰብ ከም ዘይተረፈን ይዝንቶ። ብሄር ብሌን እዚ ወራራት ካብ ምዕራብን ደቡብን ምብራቕን ዝፍኖ ዝነብረ ልዕሊ ዓቕሞም እናኾነ ምስ ከደ፣ ገለ ፍታሕ መታን ክረኽቡ፣ ኣብ እተን ሓያል ዓቕሚ ዝነብረን እምነታት ክጽግዑ ናይ ግድን ኮኖም። ብ1849 ሰሜናዊ ወገን ብሌን እስልምና ብግብጻውያን ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመጽአ ክቅበሉ ከለዉ፣ እቲ ደቡባዊ ወገን ብሌን ድማ ድሕሪ ናይ ኣባ ዮሃንስ ተኣምራታዊ ምልቓቅ ደቆም ካብ ሓያላን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንካቶሊካዊ ሮማዊ ቤተ ክርስትያን ተቐበሉ።

ኩሎም ገዛእቲ ቅዱስ ወንጌልን ቅዱስ ቁርዓንን እናኣምርሑ ንዓይኒ ግዙኣት ከም ዝዓመቱ ግብጺ’ውን ሃይማኖት እስልምና ኣይእንታዮምን ዝነበረ፣ ነቲ ሸውሃት መግዝእቶም ክዝርግሑ ኣብ ክልተ ኵናት ብሃጸይ ዮሃንስን መሳፍንቲ ከበሳን ምስ ተሳዕሩ ኣዕሪፎም’ዮም። ፖርቱጋላዋይን ፍረንሳን እንሊዝን ጣልያንን’ውን ሃይማኖት ኣምሪሖም ነዚ ከባቢና ክገዝኡ ብዙሕ ፈተነ ገይሮም። ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስዌዝ ከኣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስፋሕፋሕቲ ሸውሃቶም ከፊትሎም ስለ ዝኾነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ርሱን ውግኣት ደቅዲቆማ። ጣልያን ኣብ መጀመታ ፈተነኡ ምስ ተዳዕመሰ፣ ኣብ ባጽዕ ኣጽቂጡ ጸኒሑ ፖለቲካዊ ባዶነት ኣጽኒዑ ንኤርትራ ክጎብጥ ከሎ ቀንዲ ዝመርሑን ዝሓገዝዎ ወንጌል ዝሓዙ ኣቕሽሽቲ’ዮም። ሃይማኖት ሮማ፣ መግዛእቲ ጣልያን ንህዝብና ብፋሺሽታውን ቆርበታውን ጭቆና ክድህኸና ከሎ ኢዱ ኣኪቡ’ዩ ዝረኣየ። ጣልያን ንእስላማይና ንክስትያና ኣሕቢሩ ምስ ገዝኣናን ዝሰብሐ መሬትና ምስ መንጠለናን፣ ንኣቦታትና ኣብ ግዱድ ዕስክርና ኤእትዩ ምስ ወድኤን፣ ብጭቆና ኣሕዋት ምዃና ፈሊጥና። እዚ ከኣ  ሃገራዊ መንቋሕቋሕታ ሃገር ኤርትራ ወለዱ። ምህላውና እንበኣር ቀንዲ ሱሩ ጭቆና’ዩ። ኣባላት ናይ’ዚ ጭቆና ከኣ ትሽዓተ ብሄራት ኢና። ካብ ደገ ይኹን ካብ ዉሽጢ ጭቆና ካብ ሱሩ ክነቅል ሃገራዊ ተቃውሞ ጸረ ፋሺሽቲ ጣልያን መስሪትና ተዋዲቕና።

ኣታኣታትዋ እንግሊዝ ደጋፊናን ንመሰልና ዘእንግድን መሲሉ ኣትዩ። እንተኾነ ግዜ ምሕደራ እንግሊዝ ፈላልዩ ክገዝኣና ይደሊ ስለ ዝነበረ፣ ንኤርትራ ከኣ ኣብ ክልተ ክመቅላ ውጥን ስለ ዝነበሮ፣ ንሃይማኖት ቀንዲ መሳርሕ ተጠቂሙ። ንባህልና ኣሳቕዩዎ። ካብ ኩሉ እቲ ኣብ ሃገርና ዝተወልደ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብፍላይ ኣንድነትን ኣል ራቢጣ እስላምን ኣብ ሃይማኖት ዝተጽግዔ  ፖለቲካ ይኽተሉ ስለ ዝነበሩ፣ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ጸገም ሃይማኖት ዘይነበሮ ህዝቢ ብሌን ሕማም ኣልጊብሉ። እቲ ክርስታይን ብሌናይ፣ ንኣንድነት እንተነጸገ፣ “ነታ ክርስትያናዊት ኢትዮጵያ ከም ምንጻግ” ገይሮም ከርድእዎ ከለዉ፣ ነቲ እስላማይ ብሌናይ ከኣ “ንኣል ራቢጣ እስላም ምጻግ ንቅዱስ ቁርዓኑ ከም ዝኽድ ዘሎ” ገይሮም ስለ ዝረድእዎ ሓባራዊ ጥቅምን ሓድነትን ሰንከል ከል ኢሉ። እዚ ጸወታ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ግዜ ፈደርሽን ኣብ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢለን ንስልጣነን ክማቕርሓ  ከለዋ ህዝቢ ብሌን ምስ ፍልልያቱ ተሪፉ። ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ’ውን ንሃጻያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምሕጓስ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተሓጺሩ ተረፈ። ኣብ ምድሪ ብሌን ዝገበሮ ለውጢ ሓንቲ የሎን። ተተኺሉ፣ ተበንቁሱ ዝብል ወረ ኮይኑ ተሪፉ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብ1961ዓ’ም ምስ ተጀመረ፣ ጭቁን ህዝቢ ብሌን ካብ’ዚ ኩሉ መከራ ክናገፍ ብቐዳምነት ዝወሓዘ ኮነ። ክሳብ ሙሉእ ስልጣን ወተሃደር ኣብ ሱዳን ዝነበሮም ደቂ ብሌን ንቃልሲ ተጸንበሩ። እንተኾነ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንጹር ፖለቲካዊ ሕንጻጽ ስለ ዘይነበሮ፣ ናይ’ዚ ጉጉይ መስመር ግዳይ ብሄር ብሌን’ዩ ኮነ። ባህሉን ቛንቛኡን፣ ብዓረባዊ ቛንቛን፣ ባህልን ክትክእዎ ምስ ጀመሩ፣ ብሄር ብሌን ብኣግኡ እዚ ሰውራ ንኽእረም፣ ብደርፍን ብዝተፈላለየ ኣገባብን ኣብ ቃልሲ ተረባሪቡ እዩ።

“ኤርትራ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ፋሽሽታዊ ጭርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጨርሐ ብቀዳምነት ካብ 1967ዓም ክሳብ 1970ዓም ኣብ ምድሪ ብሌን ዓድታትን ዘራእትን ነዲዱ፣ ከብቲ ተዘሚተን፣ ዓድታት ዖናን፣ በስክዲራ፣ ኩሉ ዝፈልጦ ህጻናትን ኣዴታትን ሽማግለታትን ብምትሬስ ብዙሑል ደም ዝተረሸኑ ሰማእታት ሃገር ኢየን። ኣብ ሽንጥሮ ገዛ ባንዳ ዝተቐትሉ መንእሰይን፣ ኣብ ምድሪ ጀንግረን ሰላሳን ሰለስተን ኣጉባዝ ኣብ ኣደ ግዜ ብሓዊ ዝነደዱን፣ ኣብ እግሪ መንገዶም ዝቐትልዎም ዝነበሩ መንእሰያትን፣ ክሳብ ሕጂ ጹጹይ ምዝገባ ዘይተገብረሎም’ዩ። ኣብ ባህልና ከኣ እዚ ከም መርገም’ዩ ዝረአ። ብሓይሊ ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮን ጡበን ዝተቆርጻን ሽልማተን ዝተመንዝዓ ኣዴታት ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ካብ’ዚ ግፍዒ ሃዲሙ ንሱዳን ዝተሰደ መንእሰይ ብቁጽርን ብሓይሊ ጉልበትን ንህዝቢ ብሌን ድሕሪት ኣትሪፍዎ። እዞም ስደተኛታት ከኣ ክሳብ ሎሚ ዓዶም ኣይተመልሱን። ወሰን ኢሎም ዝመንዝዕወን ከብትን ዘንደድዎ ዘራእትን ንህዝቢ ብሌን ኣብ ድኽነት ደቅዲቅዎ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት እዚ ወጽዓ ብሄር ብሌን ብሃገር ደረጃ ተራእዩ፣ ናይ ልምዓት ወፍሪ ኣብ ምድሪ ብሌን ክሰላሰል ዝግባእ ዝነበሮ፣ ክሳብ ሕጂ ቁልሕ ዝበሎ ኣካል የሎን።

ኣመሳራርታ ህግሓኤ ብ1971ዓም ኣብ ከበሳታት ስለ ዝነበረ፣ ህዝቢ ብሌን እንትርፊ እቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትህቦም ትምህርቲ እንተዘኮይኑ ዝፈልጦ ኣይነበሮን። ካብ’ዚ ዝነቀለ ህግሓኤ ብ1977ዓ’ም ከረን ምስ ሓረረታ፣ እቲ ነባሪ ከተማ ከረንን ህዝቢ ብሌንን፣ ንህግሓኤ ከም ሓንቲ ሃገራዊት ውድብ ንኽኣምን ግዜ ክወስደሉ ንቡር’ዩ ዝነበረ። ህግሓኤ፣ ትምክሕታዊት ውድብ ስለ ዝነበረትን ህዝቢ ከረንን ህዝቢ ብሌንን ብጥርጠራን ብኣድልዎን ብምእሳርን ምቕጥቃጥን ኣጨነቕዎ። ነቲ ህዝቢ ከኣ ኣብ ከተማኡ ወሪዱ ዕዳጋ ከይገብር ከልኪሎሞ። ነዚ ትምክጥን ጭቆናን ከኣ ህዝቢ ኣፉ ከፊቱ ብደርፍን ብገጽ ንገጽን ክቃወሞም ምስ ጀመረ ነቶም ሓለፍቲ ናዕቢ ዝበልዎም ኣሰርዎም። እዚኦም ሽምግሌታትን መራሕቲ ዓድን ዝነበሩ ከኣ ብዘይፍርዲ ቀቲሎሞም፣ ሬሳኦም እኳ ንስድራኦም ኣይሃብዎምን። በዚ ዘስካሕክሕ ክቅትለት ሓደ ዉህር ብሌናይ ሰርጀንቲ ተወልደ በይን ዝበሃል ብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ቤት ማእሰርትን ካብ ኣፍ ሞትን ዘድሓነን፣ ንሰውራ ኣብ ከተማ ከረን ክትቀሳቀስ ጽላል ዝነበረን፣ ይርከቡዎም።

ብ1991ዓም ነጻነት ብኽንደይ ጻዕርን መስዋእትን ኩውንቲ ምስ ኮነት ባህጊ ህዝቢ ብሌን ኣብ ረፈረንዱም ዘርኣዮ 99% እወ እኩል ኣብነት’ዩ። ከይደንጎየ ግን ትምክሕትን ጭቆናን ህግደፍ ብኸም’ዚ ቀጺሉ። ብመንግስቲ መደበሲ ናይ ሱዉኣት ታባሂሉ ንስድራ ሱዉኣት ክወሃብ ከሎ ብዙሓት ሱዉኣት ብሄር ብሌን ስሞም ኣብ ጽሑፍ የለዉን ተባሂሎም፣ እታ ኣብ ምጅማር ዝነበረት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሃገር ከይትኣቱ ስለ ዝተኣገደት ከኣ ጽሑፍ ይኹን ምስክር ኣይተረኽበን። ብኸም’ዚ ኣድልዎ ከኣ ስድራ ሱዉኣት ጥራይ ኢዶም ተሪፎም። ከምኡ’ውን ጉዳይ ፍትሒ እንዳባ ሙቕ ክትዕ ድሕሪ ነጻነት ከም ዝለዓል ገይሮሞ። ህዝብና ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹን ናይ ጀሃድ ምንቕስቃስ ኢድ ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝጥርጥሩ እዚ ህዝቢ ሓድነቱ ከልሕልሕ ኣለዎ ዝብል ክፉእ ምደብ ስለ ዝነበሮም፣ ህዝብና ባዕሉ ብሰላምን ብፍትሓውን ኣገብብ ከይፈትሖ ንዓሰተ ሓምሽተ ዓመት መንገዲ ዓጽዮሞ። ነቲ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ብቀደሙ’ውን ንህዝቢ ብሌን መሰሉ ዘይሕሉ ዝነበረ፣ ዝገደደ ካብ ዓዲ ተከሌዛን ጅሚሮም ኣብ ልዕሊ ብሌን ስለ ዝጸዓንዎ፣ ቋንቋኡን ባህሉን ዝያዳ ከም ዝህሰ ገበሩ። ናይ መጋርሕን፣ ሓልሓልን፣ ዔላበርዕድን፣ ሓጋዝን መሬት ንኮረኔላት ብዘይ ፍትሒ ዓደሉ። እንበኣር ናጽነት ኤርትራ፣ ንህዝቢ ብሌን ብዘይካ ባንዴራ ምንብልባል ሓንቲ መሰልን ፍትሕን ከም ዘይረኸበ ንኹሉ ተወላዲ ብሄር ብሌን ብሩህ ኮይኑና። ጆኦግራፊካዊ ኣቐማምጣ ምድሪ ህዝቢ ብሌን ምስ ባሕሪ ይኹን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ስለ ዘይዳወብ ናይ እቶት ዘመን ክውሕድ ከሎ ካብ ገበርቲ ሰናይ’ዩ ንዓመት ዝሰጋገር። ሓምሽተ ዓመት ድርቂ ከኣ ንመሬትና ስለ ዝጎድአ ኣደዳ ሞት ክኸውን ከሎ መንግስቲ ኤርትራ ናቱ ኣይህብ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ስለ ዝወገደ ህዝቢ ብሌን ብዓጸባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ክሰርሕ ዝኽእል መንእሰይ ሰሪሑ ንስድራ ከይኣሊ ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ኣገልግሎት ጅሆ ሒዝዎ ስለ ዝርከብ ክልተ ሞት ይርአ ኣሎ። ካብ’ዚ ጭቆና ዝነቐለ ብሄር ብሌን ጸረ እዚ ዲክታቶር ናይ ሞትን ሂወትን ቃልሲ ሒዙ ኣብ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባት ተዘርጊሑ ግዲኡ ምስ ኩሎም ደቂ ሃገር የበርክት ኣሎ። እዚ ቃልሲ ውድባት ግን ንጥፍኣትን ምሕቓቕን ብሄር ብሌን ይኹን ካልእ ህዝብና ኣብ ካልኣይ ኣጀንዳኡ ስለ ዝሓዞ መንእሰይ ተስፋ ቆሪጹ ኣብ ስደት ፍታሕ ክረክብ ባሕርን ምድረ-በዳን ክሰግር እሞ ኣብ ባሕሪ ክጠልቕ፣ ኣብ ሳሃራ ክነቅጽ፣ ብጥይት ክወድቕ ንርኢ ኣሎና። እዚ መርገም ስለ ዘሎና ኣይኮነን። ብሄር ብሌን ካብ ዋጋሕታኡ ንመሰሉ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ስለ ዝገበሮ’ዩ። እንተኾነ ኩልና ህዝቢ ኤርትራ ተጠሊምና። ኣብ ድሕሪ ሕጂ ዝግበር ቃልሲ ጥልመት ከይርከብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሱ ገምጋም ክገብር፣ ግዴታ ታሪኽ ኣለዎ። ነዚ ገምጋም ሕግዝ መልስና ንርአ።

12. ሃገረ ኤርትራ፣
ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታን፣
ፖለቲካውያን ውድባትን፣
“ተሞክሮና ንመርቕ ተሞክሮና ንርገም ”

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ህዝብና ፖለቲካዊ መንቛሕቛሓታ ከይርክብ ትምህርቲ ንደቅባት ክልኩል ነበረ። መታን መግዛእቲ መሓዉራቱ ከንቀሳቅሰሉ ግን ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ንቁሩባት ምሩጻት የምህር ኔሩይ። ጭቆና ኣብ ዘሎ ተቓውሞ ክህሉ ንቡር ስለዝኾነ ህዝብና ንመሰሉ ንምሕታት ሓንቲ ለይቲ እኳ ብዘይ ተቛዉሞ ኣይሓደረን። ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ጣልያን ግን ሃገራዊ ተቓውሞ ህዝብና ብሓጺናዊ ጭቆና ንሓርበኛታትና ንገለን ኣብ ባሕሪ እናደርበየ፣ ንገለን ኣብ ናዅራን ደንከልን እናኣሰረ፣ ብጃምላ ዘራእትን ዓድታትን እና ኣንደደ እዩ ዝቀጽዕ ዝነበረ።  ካብ’ዚ ሕሱም ጭቆና ዝነቀለ ተቃውሞና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገርን ክዓብን ክዉደብን ኣይከኣለን። እዚ ስለ ዝኾነ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ወጺኦም ክቃለሱ ግድን ኮነ። ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተሰዲዶም ከኣ ቃልሶም ቀጸሉ። ንኣብነት ኣብቲ ጸረ ፋሽሽታዊ ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓርበኛታት ኤርትራዉያን ይርከብዎም። ምውጻእ መግዛእቲ ጣልያን ኮይኑ ምእታው እንግሊዝ ምስ ተክኦ ኣብ ኤርትራ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይነበረን። ሓደ ወይ ሀሁ ኢልካ ዝጅመር ስራሕ ድማ ኮነ። ምስ ተንኮል እንግሊዝን ናይ ኢትዮጵያ መስፍናውን ባህሊ ከኣ እቲ ዕሸል ሃገራዊ ፖለትካዊ ምንቅስቓስ ብዙሕ ተጻብኦ ረኸበ። ኣብ ሃይማኖታትን ቀቢላን ዝተሸኽላ ፓርታት ከኣ ዓንበባ።

ድሕሪ ፈደረሽን’ውን ነቲ ተደኻኺሙን ተመቃቂሉን ዝነበረት ፖለቲካዊ መንቓሕቛሕታ፣ ማሕበር ሰራሕተኛታትን፣ ምንቅስቓስ ተማሃሮን ከበራብርዎ ምስ ጀመሩ ሃጸያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ጨፍለቆ። እዚ ዓመጽ እዚ ድማ ንቕሓትን ውደባን ከም ዘድሊ ዝተረድኡ ሓርበኛታት ኤርትራዉያን ማሕበር ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ብሓራካ ወይ ብማሕበር ሾውዓተ ትፍለጥ ውድብ መስረቱ።

ጎበጣ ሃጸያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዝተረድኡ ሓርበኛታት ብ1961ዓ.ም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መኸተ ብረት ብወግዒ ጀመሩ። እዚ ውድብ፣ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይነበሮ ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ንማሕበር ሓራካ ብሓይሊ ብረት ደምሲሱ ንሜዳ ኤርትራን ንፖለቲካ ኤርትራን ተቆጻጺሩ። እንተኾነ ንዝኾነ ጎነጽ ብሓይሊ ክፈትሕ ስለ ዝጀመረ፣ ምትእምማንን፣ ምጽዉዉዋርን፣ ኣብ ዉሽጡ’ውን ኣጥፍአ። ነዚ ጉጉይ መስመር ንምእራም ከኣ ኣብ ማእከሉ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ክውለድ ናይ ግድን ኮይኑ። እዚ ምንቅስቓስ’ዉን ናይ ህዝቢ ተኻፋነት ስለ ዘይነበሮ ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ መትከላት ከምጽእ ኣይከኣለን። ብሰለስተ ውድባት ስምረት ዝፍለጥ ህሓሓኤ ብ1971ዓ.ም ተወሊዱ። ካብ’ዚ ክልተ ውድባት ሓደ እንዳዊ መሰለይ ኣይተሓለውን ዝብል፣ እቲ ብሰልፊ ነጻነት ዝበሃል ዝፍለጥ ግንባር ግን ብተወለድቲ ብሄር ትግርኛ ዝቆመ፣ መሰል ብሄርናን ሃይማኖትናን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣይተሓለወን ዝብል ብወግዒ ብልሳኑ ንሕናን ዕላማን ዝኣወጀ ይርከብዎ። እቲ ሳልሳይ ግን ሙሉእ መሰል ህዝብና ተጋሂሱ ዝብል ብሱድሕ ዔላ ዋዕልኡ ንህዝቢ ዝኣወጀ’ዩ። ብ1972ዓ.ም ዝተጋብአ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ እዚ ዝተፍንጨለ ክምለስ እንተዘይተመልሰ ግን ብሓይሊ ክድምሰስ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ስለ ዝኣወጀ፣ ዝወጻአ ኣይተመልሰ እቲ ኣብ ውሳኔኡ ስለ ዝደረቀ ኵናት ሓድሕድ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ማእከል ኣሕዋት ደማዊ ኵናት ኮነ። ሳላ ህዝብናን ገለ ወገን ተጋደልቲ ተሓኤ ንኵናት ስለ ዝኾነኑን ንግዜኡ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ሜዳ ኣዕረፈ። ጸኒሑ ከኣ ህሓሓኤ ኣብ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈትን ናይ ዉሽጢ መርሕነትን ተመቃቂሉ፣ እቲ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ከኣ ብስም ህግሓኤ-ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝፍለጥ ግንባር ኣቆመ። ሜዳ ኤርትራ ከኣ ሰለስተ ውድብ ከብድን ሕቆን ዝኾኑ ጾረ። ንካልእዊ ግርጭት ንምብላሕ ከኣ ናይ ግዜ ሕቶ ኮነ።

ህግሓኤ-ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣይጸንሓትን ብተጋድሎ ሓርነት ብሓይሊ ብረት ተድምሲሳ ንሱዳን ኣቲያ። ከምኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ኤርትራን ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ብሓይሊ ብረት ተደምሲሳ ንሱዳን ኣትያ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ደቁን ገድልታቱን ሲኢኑ። ድሕሪ እዚ ኣብ ሱዳን ዝመደበረን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ውድባት ተወሊደን። ህግሓኤ ከኣ ንሜዳ ብሒታ፣ ነቲ ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበሃል ዝነበረ ደርጊ ምስ ኢሂወደግ እስትራተጂካዊ ዝምድና ገይረን ካብ ሱሩ ምሕየን ንክልቲኡ ሃገራት ነጻ ገበራ። ኢሂወደግ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብራ መትከል ድሕሪ መንግስቲ ምሓዛ’ውን ስለ ዝዓቆበቶ ህዝቢ ኤርትራ ረፈረንዱም ገይሩ ልኡላውነቱ ብድምጹ ከኽብር ሕጋውን ኣህጉራውን ደገፍ ክረክብ ተዓጢቃ፣ ኤርትራ’ውን ኣብ ዓለም ብ99% ድምጺ ህዝባ ልኡላውነታ ኣዊጃ።

ህግሓኤ ኣብ ጽልእን ቂምን ዝተመስረተ ውድብ ስለ ዝነበረ ድሕሪ ነጻነት ካልኦት ውድባት ከይፍጠራን እተን ነባራት ሃገር ከይኣትዋ ኣዊጃ። እተን ዝበዝሓ ውድባት ናይ ናጽነት ከኣ ኣብ ደገ ተረፋ። ህግሓኤ ኣብ 1994ዓም ውድባዊ ጉብኤ ገይራ ብህግድፍ ክትስመ ወሲና፣ ብብቁሩብ ከኣ ኩሉ ሂወት ሰብን ንብረት ሰብን ኤርትራ ኣብ ኢድ ሓንቲ ውድብ ክጥቕለል ተቃሊሳ። እቲ ኩሉ ጻዕሪ ግን ኣብ ናሓደ ሰብ ዋና ጸሓፊ ጸኒሑ ፕረሲደንቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቒ ኣተወ። ንስልጣኑ ኣሕሊፉ ከይህብን ንሃገርና ኣብራኻ ክሰብር ምስ እታ ሰውራና ዝሓቆፈት ሃገረ ሱዳን ኵናት ውልዔ፣ ንሱ ምርሳን ምስ ኣበዮ ምስ የመን፣ ንሱ ምፍላሕ ስለ ዝኣበዮ ከኣ ምስታ ንዓመታት ምስኣ ሓቢሩ ዝተጋደለን ሓቢሩ ዓወት ዝጨበጠን ሃገረ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣሳቢኣቡ ንባድሜ ጎቢጠ። ብትምክሕቲ ተንፊሑ፣ ሽምግልና ኣብዩ፣ ንቁጠባና ጸንቂቁ፣ ንደቅናን ኣጥፊኡ፣ ንታሪኽና ደምሲሱ፣ ኣብ ዓራት ስዕረት ይድቅስ ኣሎ። እዚ’ውን ስለ ዝዘሓለ፣ ጥር ኢሉ ምስ እሜሪካ፣ ጸኒሑ ንጁቡቲ ወጊኡ፣ ንህዝብና ጆሆ ናይ ኵናት ጌይሩ ሒዝዎ ይርከብ። ነቲ ሓምቕ ሕልሙ ክዉን ክገብር ብዓለም ዝተኾነነ ሓይታትን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዝና እንተተመለስና ንኤርትራ ክወርር ኢና ዝብሉ ሓይልታትን ሓቁፉ ሰላም ንሃገርናን ንቀርኒ ኣፍርቃን ከሊኡ ዕሉል ዲታቶር ኮይኑ ይርከብ። “ሕደግ ንዝበልዎ” መሳርሕቱን መቓልስቱን ኣሕቂቁ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዕድሜ ኮይኑ፣ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ደቓ ኮይና ኣላ።

ስለምንታይ ህዝብና ሰፍ ዘይብል ከቢድ መስዋእቲ  ከፊሉ ሓርነቱ ዘየረጋገጸ? ድሕሪ ሕጂ’ኸ ህዝቢ ኤርትራ ብሰልፍታትን ብውድባትን ዳግማይ ከይጭቆን እንታይ ውሕስነት ኣለዎ? ንዝብል ሕቶታት ኩሉ ደላይ ሰልማን ምዕባሌን ክምልሶ ኣለዎ። ብሄራውያን ምንቅስቓሳት ነዚ ሕቶታት ብጭብጢ መሊሰን ኢየን ኣብ ቃልሲ ዝርከባ። ነዚ ሕቶታት እዚ ብነጻ ሓንጎልን፣ ንውድባት ከም ውርሻ ከይወሰድናን ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ህልውናን፣ ምርኩስ ገይርና፣ ወላ ከም ዕረ ይምረረና ክንግምግም ኣሎና።

እተን ቀንዲ ፖለቲካውያን ውድባትና ካብ ግዜ እንግሊዝ ጀሚረን ክምስረታ ከለዋ፣ ኣብ ዝና ውልቅን፣ ኣውራጃዊ ዝንባሌን፣ ሃይማኖታዊ እምነትን፣ ሃጓፋት ሕብረተሰብና ተጸጊዔን እየን ዝቆማ። ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ታሪኽ ምስ ንርኢ ኣብ ቀዳማይ ገጹ ናይ እስላም ድልየትን ስልጣንን ከንግስ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ሎሚ ብጉሁድ ክንዛረበሉ ጸገም ዘሎ ኣይመስለናን። ካብ ሓምሽተ ክፍልታት ከኣ ሓንቲ ክፍሊ ንክርስትናዊ ወገን ክበሃ ከሎ ካብ’ዚ ዝዓቢ መርትዖ የሎን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ’ውን ኣብ መጀመርታ ንሃይማኖት መትከሊ እግሪ ተጠቂማትሉ’ያ። ጸንሓ ከኣ ናይ ጸጋም ርእይቶ ዓለም ከም ትኽተል ብኣፋ ክትዛረብ ኣብ ግብሪ ግን ናይ ብሄር ትግሪኛ ሕዛእቲ ኮይና ክሳብ ሕጂ ትምርሽ ኣላ። እዚ ሕማም ሃይማኖትን ወገንን ክሳብ ሕጂ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባትና ኣይጸረየን። ህዝብና’ውን “እንዳ እኸለ” እናበለ’ዩ ዝጽውዐን። ካብ’ዚ ነጻ ዝመስላ’ውን ኣብ ስነ ሓሳብ ፍልልይ ኣሎና እንደበላ ከይቐራረባ ዝመሓላ’የን። እንበኣር ብሰንኪ እዚ ድሑር ዝንባሌ ካብ ኣርባዓታት ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰፍ ዘይብል ጥፍኣት ኣብ ሂወትን ንብረትን ግዜን ይኸፍል ኣሎ። ካብ’ዚአን ውድባት ሓንቲ ውድብ ገምጋም ጌይራ “ንህዝቢ ተጋጊና ኔርና” ዝበለት ትትሓረም’ዩ። ዝገደደ “መትከል” ወይ “ዲሞክራሲ” እናበላ ክፈናጣሓን፣ ጸኒሐን ድማ ሰሚርና ኣሎና ክብላን ንሰሚዕ። ስለምንታይ ፋሕ ኢልክን? ስለምንታይ’ከ ሕጂ ሰሚርክን? ዝብለን ከኣ። ንጸርፍን ንሞት ክቃልዕ ጸኒሑ።

እቲ ሓቂ ንካልኣዊ ግርጭታተን ከይጻወራ እቲ ኣመሰራርተአን ዝወጽዔን’የን። ንካልኣዊ ግርጭታት ብሰላም ክፈትሕን ክጸዋወርን ዘይክእል ውድብ ከኣ ንርእሱ ዘየድሓነ፣ ንህዝቢ ከድሕን ዝየሕሰብ’ዩ። ብሄራውያን ውድባት ቀንዲ ምኽንያት ክውለዳ ዘገደደ ናይ’ዚኤን ውድባት ብቅዓት ምምራሕን ንመሰል ምግሃስን’ዩ። ከም ኣብነት ኣብቲ ከይዲ ታሪኽ ህግሓኤ ኣብ ግዜ ሰውራን ድሕሪ ናጽነትን ምስ ንርኢ እኹል መለበሚ ክኾነና ይኽእል። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ ውድብ እዩ። ናይ ቃልስና ውጽኢት ኣወንታውን ኣሉታውን’ውን እዩ። ዋጋ ጻዕርና ናጽነት ረኺብና። እንተኾነ ኪኖ ሃገራዊ ናጽነት ዝኸይድ ፍትሕን ሰላምን ከነንግስ ኣይበቕዐን። ዋጋ ሃይማኖታውን ወገናውን ጸግዕነትና ዓስብና ባርነት’ዩ ኮይኑ። እዚ ካልኣይ ግዜ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ህዝብና ከይመጽእ፣ ሓቀኛ ገምጋም ቃልስና ክንገብር ከሎና ንረብሓ ኩልና እዩ። እተን ንኣሽቱ ብሄራትና ዓቕሚ ሰበንን ባህለንን ቋንቋአንን መሬተንን ብሰንኪ’ዚ ከይዲ ሰውራን ዲክታቶርን ተጸንቂቑ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ሸርተኽ በርተኽ ቃልሲ ዳግማይ ክኣትዋ ክሕሰብ የብሉን። እተን ዓበይቲ ብሄራትና፣ ብሄር ትግሪኛን ትግረን’ውን መሳርሒ ናይ ውለቐ ሰባት ክኾና ክሳብ መዓስ’ዩ? ሃገር መንእሰያን ቁጠባኣን ምስ ጸንቐቐት ዝመጽእ ሳዕቤን መን ክስኮሞ’ዩ? ሶማል እኳ ሓንቲ ብሄርን ሓደ እምነትን ዘልዎም ብሰንኪ ዲክታቶርን ዘይብሱላት ፖለቲካውያን ውድባትን ኣብ ሓደጋ ምብትታን ዝበጽሑ፣ ንሕናኸ ነዚ ከይዲ ውድባትና ክንእረም ወይ መተካእታ ዘይንረክብ እንተኾና ካብ’ዚ ሓደጋ ናይ ሶማል ኣይረሓቕናን። ኣብ ስልጣን፣ ካብ ኣርባዓትት ሕልፍ፣ ሕልፍ ኢልካ ናይ ንኣሽቱ ብሄራት ተወለድቲ ኔይሮምን ኣለዉን። ነቲ ዝገብርዎ ቃልሲ ምስትንዓቕ ዘይኮነ ኣብ ምዉሳንን ምትግባርን ዘለዉ ግን ብድሕሪት፣ ደቂ ዓበይቲ ብሄራትና’ዮም። ካብ’ዚ ገምጋም ክነቕል ከሎና ነማርር ወይ ሽግር ንጽሕትር የሎናን። እኳ ድኣ ሽግር ሃገርና ብትብዓት ገምጊምና፣ ኩለን ብሄራትና ምሉእ መሰለን ረኺበን ነቲ ዝዕንቅፈና ሃጓፋትና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንምፍታ’ዩ። ንሕማማትና ፍታሕ ረኺብና ንምዕባሌን ንሃገራዊ ሓድነትን ክነቀላጥፍ ድማ’ዩ። ንጣብቕን ንቃለስን ዘሎና። ካብ’ዚ ዝዓቢ ፍቅሪ ሃገርን ናይ ሓቢርካ ምንባር ድልየትን ድማ ካልእ መርኣያ የሎን። ኣብ ግዜ ምግዛእትታት ድኽመት ቴክኖሎጂ ኔይሩ። ሎሚ ግን  “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እንተዘይበልና ኩሉ ሓቅታት ኣብ ቃልዕ ሜዳ ወጺኡ ኣሎ። ንሕና ካብ ጸግዕትነት ነጻ ኮይና ኢሂን ምሂን ምስ ንብል፣ ተኣምራት ክንፍጽም ንኽእል ህዝቢ ኢና። ንዘፍርሑናን ንዘጠራጥሩናን፣ ንዘየተኣምኑናን ክንውገግዶም ጸገም የብልናን። ነዚኦም ካብ ሱሮም ክንምንቑሶም ከኣ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ይሓትት። ካብ ዘበናት “ትም በሉ ንሕና እንተጸዓናኩም ኣድጊ እንተተጻዓንኩም በቕሊ ኮንኩኑና ዝብሉና ሕዝና ግን ገጽ ሰላምን ምዕባሌን ክንርእያ ኣይኮናን። “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ” ኮና ኣብ ሰንፈላል ክነብር ኢና። ሕጂ ሓርነትና ንረኽበሉ ግዜ ክኸውን ኔርዎ። ምኽንያቱ ንህግደፍ ሰብን ኣምላኽን ዝጸልኣሉ‘ዩ። ኣብ ከመይ መደረኽ ናይ ፖለቲካዊ ባዶነት ከም ዘሎና ከኣ ኩሉ’ቲ ቃልሲ ዝፈልጥ ዝግምጎ’ዩ። ሕጂ’ውን ተፋጢፍና ነዛ ሕማቕ እዋን ንስገራ ግን ናይ ሃገር ሓላፍነት ዘይምቅባል’ዩ። ሃገር ብሓቅታትን ብመሰልን ብፍትሕን ኢያ ትህነጽን ትነብርን ትብልጽግን።

ነዚ ዕብለላ መራሕቲ ውድባት ዘስተብሃሉ ተሰዊኦም’ዮም። ገለን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሓቑ ኣለዉ። ዝተርፉ እንተለዉ ከኣ ኣብ ፈቀዶ ስደት ይንከራተቱ ኣለዉ። “ብእዋኑ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድረኒ” በለ ጓሳ ከም ዝበሃል፣ ነዚ ዕብለሊ ኢሰያስ ብኣጉኡ ካብ ዝተረድኡ፣ እሞ ዝተቀትሉ፣ ካብኦም ስዉእ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል፣ ኣባል ናይ 73 ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ህሓሓኤ ዝነበረ ንኢስያስ ከም’ዚ ኢሉ ኣብ’ቲ ግዜ ገሊጽዎ። “ህሓሓኤ መንዲል ወዲ ኣፍወርቂ ኮይና እንተደለያ ፊጥ ይብለላ እንተደለየ ጠቕሊሉ ይድርብያ” ኢሉ ኔይሩ። ሚኒስትር ናይ ወጻኢ ሃይለ ወልደ ትንሳኤ ከኣ “ ምጥቓዕ ጥራይ ኣይትኹኑ፣ ነቲ ከይዲ ናይ ዲሞክራሲ ከንዕውቶ ንቐፉና ከኣ” ኢሉ። ኣብ ውድባትና’ዚ ሕማም ናይ ውልቐ ሰባት ምግባትን ናይ ኣባልት ምጥቓዕን የሎን ዝብል ዝተበደለ’ዩ። ውድባትና እቲ ዝመርሕ እንተሓመመ ይሓማ፣ እንተሞተ ይሞታ። ናይ ቀረባ ከይተንከፍና ነፍሱ ይምሓራ ኣቶ ሳባ ዑስማን ምስ ንዝኽር ንሱ መይቱ እት ወድብ ከኣ ተሓኤ-ህግሓኤ ቅሂሙ።

ነቲ ንሶም “ንቑሕ” ኣናበሉ ዝውጥዩሉ “ሓፋሽ ውድባት” እስከ ንገምግም። እቲ ብስም “ሓፋሽ ውድባት” ዝፍለጥ ማሕበራውያን ሓይልታት ናይ ህግሓኤ፣ ክምስረት ከሎ ብዉሽጢ ዉሽጢ ዝተወደቡ ልኡኻት ናይ ዋና ጽሓፊ ኢሰያስ ዋህዮታት፣ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተኻሉ ካብ ዝጅመር ስለ ዘዓብለልዎ፣ ካብ ቲፎዝነትን፣ መዳምቅቲ ፈስቲቫላትን፣ ምንጪ እቶትን፣ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ሓንቲ ኣንፈት ዲሞክራሲ ከይርኣዩ ነጻነት መጺኣ። ደስክሉ ክበሃሉ ይድስክሉ፣ ሳዕስዑ ክበሃሉ ዝስዕስዑ፣ ኮኑኑ ክበሃሉ ይኹኑኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም ሓንቲ መዓልቲ ንፍትሒ ወጊኖም ኣይፈልጡን። ኣብ 1980ዓም ኵናት ሓድሕ ምስ ውድቦም ወጊኖም። ካብ ኣካለ ስንኩላን ዝዓቢ ሰብን ንብረትን የብልናን። ሳልኦም ብርሃን ነጻነት ሪኢና። እዚኦም ብጥይቶም ክርሽረሹ ከለዉ “ሓፋሽ ውድባት” ህግሓኤ ተቓውሞ ኣየርኣዩን። ንግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣይተዛረቡን። ሕጂ እሞ ብጉሁድ ጭቆናን ስደትን ህዝብና ዘየሕዝኖም፣ ቀንዲ መሻርኽቲ ጉጅለ ኢሰያስ ኮይኖም ደለልቲ መሬት (ብዶላር) ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ንስደተኛ ህዝብና ናይ ስደት ናብራኡ ከይኣኽሎ ብዕጽፍታት ይሓልብዎ ኣለዉ። ኣብ ሃገር ዘልዉ ሸፋቱ ከይኣኽሎ ብ”ሓፍሽ ውድባት” ኣብ ወጻኢ ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ብዝነብሩ ዲክታቶር ንህዝብን የረኻኽበሉ ኣሎ። ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ደሞዝካ 2% “እንተድኣ ዘይከፈልካ ሃገር ኣይትረግጻን ኢኻ” ዝብሉ ሃገር ጎቦን ኢስያስን ጥራይ ዝመስሎም ደም ዘንብዕዎ ዘልዉ “ሓፋሽ ውድባት” እዮም። ንጻዕዳ ጸሊም ዝብሉ “ሓፋሽ ውድባት” እዮም።

እቶም ጎሓላሉ መሪሕነታቶም ዝነበሩ ከኣ ቀንዲ የማናይ ኢድ ናይ ዲክታቶር ኮይኖም ዘለዉ፣ እኒ ማንኪ፣ እኒ ክሻ፣ እኒ ድንሽ፣ እኒ ሳንቲም፣ እኒ ዘመደ፣ እኒ ግርማ፣..ወዘተ ጓንቲ  ዲክታቶር ኮይኖም ንሕሰም ሰውራ ተጻዊሮም፣ ንሞት ሰጊሮም፣ ንዝኣተዉ ተጋደልቲ ዝኣስሩን ዝፈትሑን ሓደግትን ገበርትን ኮይኖም ከም ዘልዉ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ኣብ ድገ ከኣ ኤምባስታትን ቆንስላትን ተሸይሞም ንክትመውት ትጻዓር ዘላ ሃገር “ጽቡቕ ኣላ ሃገርና” እናበሉ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኮይኖም ይርከቡ። ካብ’ዚ ተመኩሮ ናይ ህግሓኤ ነቂልና ናይ እቲኤን ካልኦት ውድባትና “ሓፍሽ ውድባት” ምስ ንምከልከትከ? እንታይ ንረክብ? መራሕቶም ክፈናጨሉ ከለዉ ከም ንብረት ገዝኦም ተመቃቂሎሞም ክኸዱ፣ “እቲ ወይ እቲኣ ናተይ’ዩ” ክብሉ፣ ካብ ውድብ ናብ ውድብ ዘኹድድዎም ሪኢናዶ?። ስኹም ናትኩም መልሲ እህልወኩም ንሕና ግን ሪኢና። ነዚ ከኣ ገምጊምና። ነቲ ካልኣዊ ግርጭት ክንዲ ኮፍ ኢልካ ምፍታሕ፣ “መትከል” “ዲሞክራሲ” እና ኣመሳመስካ ብብረት ክፍታሕ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብጥይት ህዝብና ክረግፉ ሪኢና። ዝሰንከሉን ካብ ንቡር ናይ ሓዳርን ምውናን ሃብትን ዝተሓረሙ፣ ዉፉያት ተጋደልትን ሱዉኣትናን ብኽብሪ እናሓዝና፣ ነቲ ቄናን መስመር ክንእርሞ ብዘይናሓፍነት ክንቃልዖም ብሄራውን ሃገራውን መሰልና’ዩ። እዚ እቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ውደባ፣ ጀብሃዊ ወይ ሻዕብያ ኩን ብሓቂ ንቑሕ ሃገራዊ ክትከውን ኢሎም ዘምሃሩና ድሕሪ ነጻነት’ውን ይቅጽል ኣሎ። ውርሻ ውድባት ኮና “ኣብ ፈስቲቫልና ዊዒልና” “መራሒና ከም’ዚ ኢሉ” ምባል ሃገራውነት ዝመስለና ብዙሓት ኣሎና። ካም’ቲ ዓቢ ሳኣላይ ሎረንሶ ዳቪቺ ንሞናሊዛ ምስ ሰኣለ ፍቕራ ሒዝዎ ከም ኣምላኹ ዝሰገደላ ዝነበረ፣ ንሕና ከኣ ውድባትና ንሓደ መድረኽ ከሰጋግሩና ባዕልና ዝፈጠርናያን ምዃነና ዘንጊዕና፣ ከም ኣማልኽቲ ክንስግደለን ንነብር ኣሎና።

ዳርጋ ኩሉ ህዝብና ኣብ ኮፍ ዝበልካሉ ኣብ ሃገርና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከም ዘሎ ይኣምን እዩ። እዚ ግን እኹል ድዩ?። እዚ ስርዓት’ኮ ብቃልሲ ህዝብና ወይ ብባህሪ ክወድቕ እዩ። እንተኾነ ሃገርና ንመንገዲ ምዕባሌን ሰላምን ፍትሕን ሒዛዶ ትኽየድ ኣላ? ክብልን ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ከኣ ክንቃለሰሉን ኣሎና። ኣብ ሰውራ ዝተጋደልና ንሕና ኢና። ድሕሪ ሕጂ’ውን እታ ነፍሲ ካብ ስጋ ክሳብ ትፍለ ክንቃልስ ዝማሓልና እቶም ዝባዝሕና ኢና። እንተኾነ “ጥራይ ነዚ ዲክታቶር ሕጂ ሰሚርና ነውድቆ ምባል” ጎደና ዕሽነትዶ ኣይኮነን። “ጽባሕ መሰልና ዝኸልኣና የሎን” ምባልከ? ናይ መንግስቲ ኣነዳድቓን ናይ ውልቐሰባት ተራን ኣብ ግዜ ህግሓኤ ኣይተመኮርናን ዲና? ካብ መርሕናት ህግሓኤ “ግደፍ” ስለ ዝበሉ ዓሰርተ ሓምሽተ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ክእሰሩን ክሓቑን እኳ ብሂትና ዝረአናዮ’ዩ። “ጽባሕ ዝብል ኣይጽባሓሉ” ዝብል ብሂል ባህልና እባ ንዘክር። እዚ ናይ ተስፋ ምቑራጽን ንሽግርካ ካልኦት ክፈትሑልካ ምጽባይን ንስቓይና ምንዋሕ’ዩ። ነዚ “ጽባሓ” ብሂል ዝቓንያን ዝመርሓን ከኣ ውድባትና ኢየን። “ነዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ጥራይ ንመንቑስ ጽባሕ ንመሰልኩም ዝኽልኽለኩም የልቦን” ከም ዝበሃል ዝነብረ ክንርስዕ ኣይባእን። ስለ’ዚ ኮፍ ኢልና ተሞኩሮታትና ምግምጋም ናይ ግድን ይኾነና ኣሎ።

ከም ሓሳብና ሰሚርና ንበል፣ በዚ ንኸዶ ዘሎና ኣሃዱኣዊ ወይ (ዘይምእኩል ዝበሃል’ውን ናይ ቃል ዓለም ኣፍ መዕጸውን)  መንግስቲ ተኺልና “ሓንቲ ዲምክራስያዊት ሃገር መስሪትና ንበል፣” ግን ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝረኣናዮ ብሓደ ኮሬኔል ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዕልዋ መግስቲ ተጌይሩ እቲ መስርሕ ክኹልፍ ከም ዝኽእልከ ንርድኦ ዲና? ኣፍሪቃና እናሓደረት ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ትኽይድ ዘላ ፖለቲካውያን ውድባት ዘየለዋ ወይ ምርጫታት ዘይገብራ ኮይነን ኣይኮነን።

ኣብ ምደምደምታ ክንብሎ ንደሊ ኣብ ሃገርና በዚ ከይዲ ናይ ሰውራና ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ንኹሉ ሕቶታትና ከማልእ ዝኽእል ክንሃንጽ ኣይበቓዕናን ዘሎና። ፖለቲካውያን ውድብትና ነዚ ዕማም ክዓማ ኣብ ላዕሊ ብዝጠቐስናዮ ምኽንያት ኣይበቅዓን። ኣብ ኣፍርቃ ዝተወልዳ ፖለቲካውያን ውድባት ኪንዲ ንናይ ኣፍሪቃ ባህልን ልምድን ቁጠባን ተመርኩሰን ዝምስረታን ዝዓብያን ዝሰርሓን ጽላዋ ኤውሮጳ ዘጥቀዔ ስለ ዝኾና ንኣፍሪቃ ንቅድሚት ኣየሰጎማን። ንሕና’ውን ጽልዋ ናይ ደገ ስለ ዝነበረና ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ንሃገርና ዝመስልን ካብ ባህልታቱ ዝተሃንጸን ኣይወአናን። ጽልዋ ኤውሮጳ ሓይሊ’ዩ። ብሓይሊ ኩሉ ክትበጽሕ ትኽእል ዝብል’ዩ። ኤውሮጳ ከኣ ቀዳማይ ካልኣይ ኵናት ዓልም ናይ ሃይማኖታት ኵናት፣ ናይ ዓሌታት ትምክሕቲ ዝነብራ ክፍሊ ዓለም ኢያ። ብዝኾነ ኣገባብ ንተዓወት’ውን ናይ ኤሮጳዊ ባህሊ’ዩ። ነዛ ናይ ሎሚ ኤውሮጳ ሪኢና ኣይንተሃመል። ናይ ትማሊ ኤውሮጳ ናይ ኩሉ ጸገምና ቀንዲ ሱር’ያ።

ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዕቡል ከም ዝነበረ ታሪኽ ይምስክረልና’ዩ። ግን ካብ 1255ዓም ምሕረት ጀሚሩ ናይ ምግዛእትታ ኤውሮጳ ተንኮላት ናንሕድሕድና ከም ንናቆት ጌርና። ነቲ ሓደ ይድግፉ ነቲ ሓደ ይወግኡ፣ በዚ ስልቲ እዚ ከኣ ጎዛዝዮምና። ኤርትራ ኣካል ናይ እዚ ከባቢ’ያ። ንዉሽጣዊ ጸገማታ ክትኣሊ ከኣ እኹል ዓቅሚ ሰብን ባህልን ተሞኩሮን ኣለዋ። ኣብ ሃገርና ዴሳ መሬት ክግበር፣ መሰል እምነት ክኸብር ከሎ ኣብ ካልእ ዓለማት እዚ ብሓውን ብሴፍን’ዩ ተትግቢሩ። ሕጅ’ውን ብሰላምን ብሓድነትን ብማዕርነትን ብፍትሕን ክነብር ባህሊ ኣበዋትና ነኽበር። ንኡ ከይናዓቕና በብብሄርና ምስ ንጥርነፍ ነቲ ወዲቁ ዘሎ ባህልና ነጊፍና ምስ ንሕዞ መፍትሒ ሽግርና ኣብ ኢድና ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ንሕቶ ብሄራት መዕረፊ ዝገበራን፣ ዝርግሐ ስልጣን ናብ ኢድ ህዝቢ ዝሃባን፣ ፈደራላዊ ምሕደራ ዝመረጻን ክብልጽጋ ምርኣይና ብሃቦ ተረኽቦ ዝመጽኤ ኣይኮነን። ተስፋ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ከኣ ዓለም ይምስክረለን ኣሎ። ጎረቤትና ኢትዮጵያ፣ ስለስተ ሽሕ ዓመት ካባ ናጽነት ዝለበሰት ተባሂላ ዝምኩሑላ፣ ንርእሳን ንኣናን ለኪማ ኣብ ጸልማት ከም ዝነብረት ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እተን ነባራት ሃገራት ከም ከንያን፣ ሱዳንን፣ ናይጀርያን፣ ግብጽን ከኣ ከመይ ከም ዝኸዳ ዘለዋ ካብ ዓይንና ስዉር ኣይኮነን። ብስም “ሓድነትን” “ሉኡላውነትን ሃገር” እናሸቐጡ ካብ ናይ ኣቦታትና ውርሻን ርጉእ መንፈስን ምስ ንፋስ ከጓይዩና ዝነብሩ፣ ርሑቕ ከይከድና፣ ዲክታቶር ዓድና ንርኢ ኣሎና። እዚ ብፍጹም ክድገም የብሉን ንበል። “መለበምን ኣይግበርካ መለብን ኣይኽላእካ” ንሕና ክልቲኡ ኰና። እዚ መርገም ኣይኮነን። “ካብ ብጾታ ትነውሕ ማሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጪፍ” ከም ዝበሃል ንሕና ካብ ናይ ኣቦታትና ወይ ናይ ሃገርና ባህሊ ኣመና ሪሕቅና። ብሄራዊ ውደባ ነዚ መፍትሒ’ዩ።

13. ብሄርን ሕቶ ብሄርን
“ኣደ ኣብ ምዕባይና፣ ብሄር ኣብ ሂወትና ሓደ ተልእኾ ኣለወን”

ብሄር፣ ድምር ስድራ-ቤታት ኢያ። ብሄር፣ ናይ ብዙሓት ስድራ-ቤታት ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ቁጠባን ባህላውን ቋንቋን መሬትን ዝምድና ኢያ። ከም’ቲ ሓንቲ ስድራ ውዕል ሓዳርን ሓቢርካ ምንባር ዘለዋ፣ ብሄር ድማ ኣብ ዝተናውሐ ዝተጠርየ ባህርያውን ማሕበራውን ቁጠባውን ውዕል ኣለዋ። ከም’ቲ ሓንቲ ስድራ ቤት ንደቃ ክተዕብን ንዉሽጣዊ ጉዳያታ ባዕላ ክትፈትሕን ብሕጊ’እንዳባን ብመንፈሳዊ እምነትናን ነጻነት ዘለዋ ብሄር’ውን ንጉዳያ ባዕላ ክትፈትሕ፣ ብደቃ ክትመሓደርን፣ ብቋንቋኣ ክትዛረብን፣ ባህላ ክትዕቅብን፣ መሬታ ክትውንን ሕጊ እንዳባና፣ መንፈሳዊ እምነትና፣ ባህልና ዘጽደቆ’ዩ። እንተኾነ ኣብ’ዚ ከይዲ ሰውራን ናጽነትን ባህልናን ልምድታትናን እንዳሃሰሰ ስለ ዝመጽአ ርትዓዊ ፍርዲ ከይህልወና መሰናኽላት ፈጢሩልና ይርከብ። ንሕቶ ብሄር ዝጻረሩ ብዙሕ ጠቐነታት ኣብ ምንቕስቓስ ብሄር ይገብሩ’ዮም። ከም ኣብነት ካብ እቲ ክትዓት ዝለዓል መሰልን ዋንነትን ሕቶ መሬት ኣልዒሎም ዝጥቅኑ “መሬት ናይ መንግስቲ እዩ፣ ነዛ መሬት ኩልና ተሰዊእናላ፣ ስለ ዝኾና ኩሉ ዜጋ ኣብ ቓሕ ዝበሎ ከይዱ ገዛ ክሰርሕን ኣብ ልሙዕ መሬት ክሓርስን መሰሉ ዕቁብ” ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ዝገደደ “እዚኤን ብሄራውያን ውድባት መሰል መሬት ስለ ዘይኣምኑ ኵናት ሓድሕድ ክፈጥራልና ኢየን” ዝብሉ ፈሊጣን ኣለዉ።

ህግደፍ ውሳኔ “መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ክብል ከሎ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንህዝቢ ተወኪሱ ከም ዘይወሰዶ ኩልና ንኣምን ኢና። ዲክታቶር ዕላማታቱ ከዕውት ምፍንቓል ዓድታትን ስግር ሕርሻን ዝገበሮ ከኣ ጽበት ዝሕረስ መሬት ስለ ዘሎ ዘይኮነ ንህዝብና ንዝብና ከናቑት’ዩ። ኣብ ሃገርና ጸገም መሬትን ጸገም መግብን የብልናን። ከምኡ’ውን ሰኣን ዝሕረስ መሬት ጠምያ ትሕድር የብልናን። ጸገምና ሓንቲ ብሄር ብነጻ ተኣኪባ ኣፍራይነት መሬታ ክትግምግም መሰል ኣይረኸበትን። ብሄራትና ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ስለ ዝተሳጋገራ ንመሬተን ዘለወን ኣፍልጦ ብመጠኑ ተሃስዩ እዩ። ሓደ መሬት ንማሕረስ እንተሓመቐ፣ ካልእ ኣማራጺታት ንመግቢ ክቕርበልና ከም ዝኽእል ግደፍዶ ምሁር ዘይተማህረ’ውን ዝርድኦ’ዩ። ሃገርና ወይ መሬት ብሄራትና ድኽነት የብሉን። ምንጪ ድኽነትና መሰል ምስኣን’ዩ። ዝምድና ብሄራትና ከኣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝተሰጋገረ ሕርሻ ኣብ ሃገርና ዝጸንሐን ናይ ህዝብና ባህልን’ዩ ነዚ ዝቃወም ከኣ የሎን። ንቓወሞ ንወዲ መሬት ቀቲልካ ወይ ከም ዝስደት ጌርካ ኣብ መሬቱ ንስልጣንካ መገበሪ ዝኾኑ ሰፈራታት ምፍጣር’ዩ። ድኻታት ሓረስቶትና ከኣ ብሓይሊ ካብ ዓድታቶም ይንቅልዎም ከም ዘለዉ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝርድኦ ስለ ዝኾነ ንሕና’ውን ንኹንኖ። ሰብ ዶላራት ምስ መንግስቲ ተጸጊዖም ንህዝብና ክምዝምዙን መሬት ክግብቱን ከኣ ኣይነፍቅድን። ገለ ፖለቲካውያን ውድባት ግን ነዚ ዓመጽ ክንዲ ዝኹንና መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ እናበላ ዘሳውራ ካብ’ዚ ጭቆና ያኢ መኽሰብ ክረኽባ ዝፍትና ግን ኣለዋ። ንጽባሕ ጸገም ሃገር ከይኮናና ካብ ሎሚ ክንእረማ ወይ ኣልሚምና ክንቃለሰን ይግብኣና።

ካልእ ዝለዓል ሕቶ “እዚ ተንኮል ወያኔ እዩ፣ ንኣብነት ንዓፋር መሰሎም እንተ ኣመና ጽባሕ ዓሰብ ክወስዱልና ደልዮም’ዮም” ዝብሉ ቅጽል ኣቢሎም ከኣ “ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ድኹም መንግስቲ ክፍጠር ስለ ዝደለየት ንብሄራዊ ምንቅስቓሳት ትድግፎ ኣላ” ዝብል ይስማዕ’ዩ። ዓፋር እቶም ቀዳሞት ንናጽናት ኤርትራ ዝተቃለሱ’ዮም። ኤርትራውያን’ዮም ኤርትራውያን ከኣ ክንብሩ’ዮም። ምቁንጻብን ትምክሕትን ክተርፍ ኣለዎ። መን’ዩ እሙን ሃገራዊ መንከ’ዩ ዘይእሙን ሃገራዊ። ጭቅና ምስ ዝህሉ ግን ድሕሪኡ ዝመጽእ ኵናት’ዩ። ኵናት እንታይ ይወልድ ዝኾነ ኣቀዲሙ ዝፈልጦ የሎን። ወያኔ እንተኾኑ ጎረባብታን ኣሕዋትናን’ዮም። ክልተ ግዜ ምዝራብ ኣይባህልናን’ዩ። ወያኔ ትሽዓተ ልቢ ኣለዎም ንብል ሓደ’ዩ ልብና ኢልና ንምካሕ። ምኣስ ኢና ወላ ሓምሽተ ልቢ ዝህልወና። ኵናት ግዜኡ በሊዑ ሓሊፉ’ዩ። ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ ገዲፍና ሓቅታት ንርኤ። ዝሓመመ ሰብ ፈውሲ’ዩ ዘናዲ። ሓኪም ጻዕዳ ድዩ ጸሊም ኣየገድሶን’ዩ። ፈውሲ ፖለቲካዊ ጸገማትና ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማርካቶ ወይ ፒያሳ እንተ ንረክብ፣ ብዘይምሽቑራርን ብዘይ ወቐሳ ሕልናን  ምገዛእናዮ። ንህዝብና ከኣ ቅልጥፍ ኢልና መድሃኒት ምብጻሕናሉ። ንፖለቲካዊ ጸገማት ሓንቲ ሃገር ግን ቅሙጥ ፈውሲ ካብ መንግስታት ዝግዛእ ወይ ዝዕደል ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢዱን ካብ ርእሱን ፈውሲ ሽግሩ ክረክብ መትከላዊ እምንቶና ይኹን። ንህዝብና ኣይንንዓቆ። ህዝቢ ኤርትራ ተኽእሎ ኣለዎ ሽግሩ ክፈትሕ። ትምክሕተኛታት ግን እንታይ ዘይብሉ “ካብ እታ ኢትዮጵያ ንሕና ፋርኬታን ማንካን ሒዝና ፓስታ ምብላዕ ዘምሃርናያ፣ ዝኾነ ትምህርቲ ይኹን ጽቡቕ ነገር ካብኣ ኣይርከብን” ዝብሉና ኣለዉ። እዚ’ውን ትምክሕቲ’ዩ። ክፍወስ ኣለዎ። ተመሃራይ ንመምህሩ ዘይበልጾ እንተዝኸውን ዓለምና ኣብ ሓደ ክቢ ሸንኮለል ክትብል ገጽ ምዕባሌ ኣምይረኣየትን።

ብሄራዊ ኣወዳድባና ንናይ ኢትዮጵያ ምምሳል ግን የኹራዓና እንበር ኣየሕፍረናን እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር እያ። ኣፍሪቃ ከኣ ኩርዓትና እያ። ነዚ ቃልስና ፈተውትን ደገፍትን ምርካብና ዘሕዝኖም እንተለዉ ከይደቀሱ ይሕደሩ። ነዚ ዘሎና ዝምድና ኣብ እስትራተጂካዊ ዝምድና ክነሰጋግሮ መዓልትን ለይትን ክንቃስ ኢና። ንሓደ ሃገራዊ ነጻ ኮይኑ ብሃገሩ ከይሓስብን ከይነብርን “ኣነ ዝበልኩኻ ግበር፣ ብኣነ ዝፈቐድኩልካ ንበር፣ ንኣይ ሰዓብ” “ክሳብ ኣነ ዝዕርቆም ኣይትቅረብዎም” ዝብል ናይ ጎይቶትን ዓብለልትን ትምክሕቲ ክንሰብር ንቃለስ ኣለና። እዚ ብሂል’ዚ ክፈውስ ወይ ክሰዓር ኣለዎ።

“ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ድኹም መንግስቲ ክፍጠር ስለ ዝደለየት ንብሄራዊ ምንቅስቓሳት ትድግፎ ኣላ” ዝብል ከኣ ድኹም ውደባ ህዝቢ፣ ድኹም መንግስቲ የቑውም። መጻወቲ ጓኖትን ተበለጽትን ከኣ ይኸውን። ህግደፍ ዓቢ ምስክር እዩ። ኣፍሪቃና ብከም ህግደፋውያን ትሳቐ ኣላ ኢልና ኣብ ላዕሊ ጠቒስና ኣለና። ሰላማዊ ዝምድናታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራና እዚ መንግስቲ ወይ ንሕና ዝጀመርናዮ ዝምድና ኣይኮነን ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እዩ። ንሕና ንኹን እዚ ህልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጽቡቕ ሸነኹ ክነማዕብሎ ወይ ንሕማቕ ገጹ ክንሰዶ ንኽእል ንኸውን። ናይ ዘበናት ዝምድናናን፣ መስዋእቲ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ህወሓት ኣብ ሳሕልን፣ መስዋእቲ ኤርትራውያን ኣብ ጎላጉል ሽሬን ግን ነባሪ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ክድምስሶ ዝኽእል ሓይሊ የሎን። ህግደፍ ምስ ህዝቡ ብሰላም ክነብር ዘይመረጸ ምስ ጎረባብቲ ብሰላም ክነብር ዘይምኽኣሉ ግን ኣየገርመናን’ዩ። ሕጂ’ውን ሰለማዊ ጉርብትናና “ክሳብ ህግደፍ ዝምርቐልና ዘይትጽበዩ ዝብሉና” ጸረ ሰላም’ዮም። ንሕና ንሰላም ደው ዝበልና ኢና። ህዝብና ምስ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳንን የመንን ጁቡትን ሰላም‘ዩ ዝደሊ፣ ነዚ ክነዕውት ከኣ ንቃለስ ኣሎና።
   
ካልእ ምስ ብሄር ትግሪኛ ይኹን ምስ ብሄር ትግረ ከጻልኡና፣ ብሄራት “ይጭቁኑና ኣለዉ ይብሉኹም ኣለዉ፣ ካብ’ዚ ዲክታቶር መን ረብሑ” ኣናበሉ ጽልእን ቅርሕንትን ክዘርኡ ዝደልዩ ሕማቓት ፖለትከኛታት ኣለዉ። ክሳብ ከም ዘይተጨቆና ነጥብታት ክዝርዝሩ ዘይሓንኩ ኣለዉ። ንሕና ንብሄራዊ መሰል ንቃለስ፣ ኣብ ስርዓት መንግስቲ ህግደፍ ደቂሱ ዝሓደረ ብሄር ኣሎ፣ ወይ ነዚ ዕሉል ዲክታቶር ብምርጫ ብሄር ኣብ ስልጣን መጺኡ ኣይበልናን። ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ስቓይን መከራን ኣብ ጭቆናን ሕሰምን፣ ከም ዘሎ ኣጸቢቕና ስለ ንፈልጥ ከኣ’ዩ ንባህሊ ይኹን ንመንነት ብሄርካ ተላዓል ንብል ዘሎና። ዝኾነ ጨቛኒ ስርዓት ከም’ቲ ቁማል ኣብ ርስሓት ዝነብር ጨቛኒ ስርዓት’ውን ኣብ ድኻማትን  ፍልልያትን ድሕረታትን ሕብረተሰብና ኣንጺፉ’ዩ ዝነብር ዝበልና። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ሃጓፋት ናይ ሕብረተ-ሰብና ብማሕበራዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ክንመልኦ ብብሄራዊ ውድባ ንቃለሶ ንብል። ምኽንያቱ ብሄራዊ ንቅሓት ንጨቛኒ ስርዓት መኸወሊ ቦታ ኣይህብን’ዩ። ብሄራዊ ቃልሲ ንመንነትን ንባህልን ንቋንቋን ንሕጊ’ባን መሬትን ብማዕረ መሰል ስለ ዝህብ ጸገም ዘይምትእምማንን ምንጽጋግን የሎን። ንካእዊ ጎንጽታት ከኣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ስለ ዝፈትሕን፣ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ከኣ ብፈደራላዊ ምሕደራ ንርእሳ ባዕላ ስለ ተማሓድርን፣ ሃጓፋት ኣይሓድግን’ዩ። ነዚ ከዕውታ ከኣ ነቲ ብጨቆንቲ ተናዒቁን ሃሲሱን ዝጸንሐ ባህልና ንሓድሶ ብማሕበራዊ ፖለቲካዊ ንቅሓት ንነፍስና ንህነጽ ንብል ኣሎና። ህዝቢ ከኣ ገባር ታሪኽ ስለ ዝኾነ ሂወት ዲክታትር ይሓጽር። ንብሄራዊ ውደባ ጸረ ዲክታቶር መድረኻዊ ዘብሎ ከኣ እዚ እዩ። ከም ኣብነት ዝጥቀስ ንዲክታቶር ቀለብ ዝኾኑ ሃጓፋት ገለ ካብኡ፣ ንርአ።

1.ትሽዓተ ብሄራትና ምስ ሕጂ ክትፍለጥ ትሓትት ዓስረይቲ፣
2.ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ዘሎና ፍቅሪ፣
3.ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ዝተፈጥራ ናይ ፖለቲካውያን ውድባትና ፍልልይ፣
4.ቅርጺ ጂኦ-ግራፊካዊ ኣቀማምጣ መሬትና ከበሳን መታሕትን፣
5.ክልተ ሃይማኖታትና እስላም ክርስትያን፣
6.ሰለስተ ኣውራጃታትና፣ ሓማሴን ኣኮሉጉዛይ ሰራየ፣
7.ምስ ጎረባብትና ዘሎ ዶባዊ ዝምድናና፣
8.ሕቶ ዜግነት፣ ..ወዘተ እዮም።
 
እዚኦም ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትና ብሰላም ስለ ዘይወገንዎም ክሳብ ኵናት ሓድሕድ ዝወለዱ’ዮም። ከም ኣብነት ብዙሕ ክጥቀስ ይኽእል። ናይ 1982ዓ’ም ምድምሳስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፣ ምንዋሕ ቃልስናን ምስ ንርኢ፣ ናይ ሃይማኖታት ውድባትና፣ ምስ ኢትዮጵያ ዶብ ኣሳቢብካ፣ ብዙሕ ሂወትን ንብረትን ጊዜን ዝጠፍአ ከምኡ’ውን ምፍሕፋሕ ውድባትና ናይ’ዚ ግዜ ባዕሎም ዝምስክሩ ሓቅታት’ዮም። ንኩሉ ብሓይሊ ክንፈትሖ ስለ ዝደለና ንደቅና ኣራኽበናሎም። ክልተ ወለዶ ኣብ ኵናት ተወሊዶምን ዓብዮምን።

እዚ ፍልልያትና ግን ኣብ ብሄራዊ ውደባ ሃብትናን መንነትናን’ዮም። ዝፈላልዩና ዘይኮኑ እቶም ብሓቂ ዝጥርንፉናን ዘኽሩዑናን’ዮም። ብሄራት ነዚኦም ሸሞንተ ሃጓፋት ብሕግን ብመሰልን ምሉእ መሰል ስለ ዝህቡ ነቲ ሃጓፍ ይመልእዎ። ህዝቢ ድማ ተኣማሚኑ ንስራሕን ንምዕባሌን ከም ዝብገስ ይገብርዎ። ህግደፍን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ግን በዚ ሃብትና “ነቲኦም ተጠንቐቑ ነቲኦም ኣይትእመንዎም” እናበሉ ሂወቶም ይመርሑ። ሃገርና ሳላ እቲ ዘይንቕነቕ ፍትሓዊ ባህሊ ብሄራትና ክሳብ ሕጂ ጸኒሓን ትነብርን ኣላን። ካልእ ምስጢር ንሃገርና ዘቆማ የሎን። ብሄራዊ ባህልናን ሕጊ እንዳ’ባን ምስ ዝድምሰስ ከም ኣኽላባት ነንሕድሕድና ክንናኸስን፣ ኣብ ባርነት ክንነብርን ምዃና ርዱእ እዩ። ነዚ ዕማም እዚ እተን ብሄራውያን ውድባት ጥራይ ከም ዝዓሞኦ ታሪኽ ምስክር’ዩ። ብሄራዊ ንቕሓትና ኣብ ጽልእን ቂምን ዝተመስረተ ኣይኮነን። ነተን ዓበይቲ ብሄራትና ከኣ ጸገምና ክነርድኤን ዝጋርደን ሕማቕ ባህሊ የብለንን። ዝጋርዱ ዘለዉ ንስልጣኖም ክብሉ ነዚኤን ብሄራት ካብ ኣርባዓታት ኣትሒዞም ብሃይማኖትን ብወገንን ዝሰክርወን ዘለዉ’ዮም።

ነዚ ቃልሲ ብሄር  “ጽበትን” “ምንጽጻግን” “ጸረ ሓድነትን” “ጸረ ሃገራዊ ምዕባሌን” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ጽበት ዝበሃል ብብሄርካ ምሕሳብ ድዩ ወይስ መሳፍንቲ ውድብ ኣብ ስልጣን ክተመጽእ ምቅላስ? ምንጽጻግ ዝበሃልከ ካብ ሓደ ውድብ ሓረካ ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ናብ ሰላሳ ውድባት ምምቕቓልዶ ኣይኮነን። ሓድነት ብሓይሊ’ዩ ዝርከብ ኢሎም ኵናት ሓድሕድ ዝወልዐ መን’ዩ። ካብ ንሰን ዝፍጠራ ህዝብና ምዕባሌ ሪኡ እንተኾይኑ ንሱ ይዛረብ። ካብ ጥንቲ ብሄራትና ብሓደ ክነብራን ክከባበራን ብዓይንና ዝረኣናዮ ስለ ዝኾነ ብሄራዊ መሰልና ምስ ዝረጋገጽ ከኣ ዝያዳ ስፍሓት ሓንጎልን ምጽውዋርን ሓድነትን ተረኺቡ ንምዕብል እንበር ኣይንፈራሸኽን ከም ዝኾና ዘካትዕ የብሉን። ህዝብና ብብሄራት ብሃይማኖት ብመሬት ተዋጊኡ ወይ ተነጻጺሉ ኣይፈልጥን። ናይ ውድባት ኵናት ሓድሕድ ግን ብጥይት ኣዕሪፉ ኣሎ እንበር ኣብ ወረቐትሲ ንርኦ ኣሎና።

ህዝብና ሓራ ኮይኑ ንነፍሱ ከይመስልን ንጉዳዩ ባዕሉ ከይፈትሕን “ንሕና ኢና ንፈትሓልካን ንሓስበልካን” ዝብልዎ ጸረ ምዕባሌ መን’ዩ? ቀንዲ ፋሕተርቲ ኵናት ሓድሕድከ መን’ዩ? ህዝብና ይመልስ። ብ“ሓድነትን” “ብሃገራውነትን” ክዕፉኑና ንዝደልዩ ህዝብና ክነቅሓሉ ኣለዎ። ኤርትራ ናይ ትሽዓተ ብሄራትን ሃገር እያ። ሓንቲ’ውን መሰል ብሄር ይግባኣኒ’ዩ ትብል ኣላ። ሃገርና ብሰላም ክትነብር ንኹሉ ህዝብታትን፣ እምነታትን፣ ቋንቋታትን ባህልን ዝሓቖፈት ሃገር ክትከዉን ኣለዋ። እዚ እንተ ዘየረጋጊጽና ግን ምስ ርእስናን ምስ ጎረባብትናን ብስላም ክንነብር ኣይኮናን። ጎደና ምዕባሌ ከኣ ተሓሪምና ክንነብር’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ሓድሽ መንገዲ ሃሰው ክንብል ሃገራውን ብሄራውን መሰልናን ግቡእናን እዩ። መንነት ዘይብሉ ህዝብን ዋና ዘይብሉ ጥሪትን ሓደ እዩ። ኩሎም ገዛእቲ፣ ህዝቢ ደኒኑ ክግዝኣሎም መንነቱን ባህሉን ቋንቋኡን ከም ዝድምስሱዎ ተምሂርና ኢና። ህግደፍ ድማ ነዚ ብመደብ ኣብ ሳው ይሰርሓሉ ኣሎ። ንደቅና ባህልናን ቋንቋናን ሕጊ እንዳባን ፍቅርን እምነትን ከይነውርሶም፣ ህግደፍ ይቃለስና ኣሎ።

እዚ ካብ ኣምላኽ ዝወረደና ትእዛዝ ኣይኮነን፣ ሰባት’ዮም ንስልጣኖም ክብሉ ዝጭቁኑና ዝገብሩና ዘልዉ። ተስፋ ምቁራጽን፣ ንስደት ከም መፍትሒ ወሲድካ ካብ ሃገርካ ምውጻእን፣ ካብ ሓንቲ ውድብ ናብ ካልእ ውድብ እናነጠርካ ምንባርን፣ ንሽግርና ኣይፈትሖን እዩ። እቲ ሽግር እግሪ እግርና ክስዕበና ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ጸብሒ ጻሕሊ እንተቐየርካሉ ኣይጥዕምን እዩ። መፍትሒ ክነናዲ ነዊሕ ጊዜ ብኾንቱ ኣባኺና። ሕጂ ግን ተረኺቡ ኣሎ። ህዝብታት እናተጨቆኑ፣ ቋንቋኣምን ባህሎምን እናጠፍአ፣ መሬቶም እናተገበተ፣ ኣብ ሓደ ውድብ ንሰለፍ ዝብል ናይ ሰይጣን ጽድቂ እዩ። ብሰንኪ እዚ ግጉይ መትከልን ኣመራርሓን ድማ ኢና ንህግደፍ ንቃለሶ ዘሎና።

ስለ’ዚ ተሞኩሮ ቃልስና ክንግምግም ናይ ግድን ይኾነና ኣሎ። ብሄራዊ ምንቅስቓስና’ዉን ነዚ ጭቡጥ ህላዌና ዝገምገመ ቃልሲ እዩ። ካብ ናይ ኣቦታትና ጽቡቕ ባህልታትን፣ ስነ ምግባርን፣ ሪሕቕና፣ ሃገር ክንሃንጽን ዘይሕሰብ እዩ። ግበረለይ ኣይ ከም ዋንኡን ከም ዝበሃል ብሄራትና ከም ቀደመን ፖለቲካውን ቁጠባውን ባህላውን ሓላፍነት ኣብ ኢደን ክሕዝኦ ኣለወን።

ንብሄራዊ መሰላት ዝኣምና ውድባት ዮሃና እናበልና እቲ ነሰን ዝኸድኦ ከይዲ ቀሊል ከም ዘይነበረ እናዘከርና፣ ኣፍን ግብርን ከዛምዳ፣ ናይ ብሄራውያን ውድባት ምምጻእ ከሕጉሰን እንበር መወዳድርተን ገይረን ከይርእያ እና ተላቦና፣ ሕጂ’ውን ነዚ ተርፍና ዘሎ ጎኒ ንጎኒ ሓቢርና ክንከዶ ሰፍሕ ግንባር ናይ መሰል ብሄራት ዝኣምና ክንምስርት ንትስፎ።

14. ሕቶ መሰል ተገንጽሎ ብሄር፣
“ፍትሕ ዝደልዮ የሎን፣ ካብ ሂወት ትጠፍእ ግን ፍትሕ ትምርጽ”

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ መግዛእቲ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ፣ ሃገር ብወተሃደርን ብወተሃደራዊ ሕግን ጥራይ ከም ትሕሎ ኢና ተማሂርና። መንግስቲ ህግደፍን’ውን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ከም ሃገር ትምዕብልን ከም ትነብርን ዝብል ኮንቱ መደብ ኣብ ሃገርና ስለ ዝመርሐ “ሓይሊ” መፍትሒ ኩሉ ንገር ኮይኑ፣ የተዓሻሽወና ይነብር ኣሎ።  መሰል ኣህዛብ ወይ ብሄራት ዘይኣምና ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ’ውን መሰል ብሄር ምእማን “ምብትታን ሃገርን” “ንረብሓ ወጻእተኛታትን ዝውዕልን” እዩ እናበሉ ስለ ዘፈራርሑና ዘለዉ፣ ንፍትሒ ክንሃድማን ክንርሕቃን ንነብር ኣሎና። ኣብ ሓቂ ግን ንሕና ንሰላሳ ዓመት ካብ መግዛእቲ ኢዮጵዮጵያ፣ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምንጻል ዕላማ ሒዝና ኢና ተቓሊስና። ኣብ ኢትዮጵያ ተረፍ ናይ ልዕልነት ኣምሓራ ዝኣምኑ ወይ መትከል መሰል ኣህዛብ ዘይቕበሉ ሓይልታት እንተ ዝነብሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኲናት ምሃሎና። እንተኾነ ትምክሕቲ ኣምሓራዊ ዝሰበረ፣ ምሉእ መሰል ኣህዛብ ዝኣምን መንግስቲ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ስለ ዝነገሰ፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሪፈረንዱም ገይርና ምሉእ ናጽነትና ክንጭብጥ በቂዕና። ካብ’ዚ ዝዓቢ ኣብነት ንመሰል ዝጣበቕ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሊዱ ኣይፈልጥን። እንበር ክሳብ ሕጂ ነዚ መሰልና ዘይኣምኑ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብዲክታትርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይሕብሓቡ ከም ዘለዉ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ንመሰልን ንመንነትን ዝተላዕለ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ካብ ኮነ ክድገፍ ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ከኣ ብሄር ብድልየታን ብንቅሓታን ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ክትኣምንን ክትጥመርን ብኣ ዝውሰን ዘይኮነ ኹላትና መሰል ምስ ንኣምን’ዩ። ጉቡኣ ፈጺማ መሰላ ምስ ዘይሕሎ ግን ካብ ኩልና ክንጸል እደሊ እንተበለት’ውን ናይ ምንጻል መሰላ ቅቡል ክኸውን መሰላ’ዩ። ምኽያቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓንቲ ወንጄል ኣይፈጸመትን። እዚ ከኣ ንሕና ነጻ ምዃና ዘረጋግጽ መርኣያና እዩ። ምኽንያቱ መሰል ዘይኣምን ግዙእ እዩ። ንሕና ድማ ካብ መግዛእትታት ነጻ ክንከውን ንቃለስ ዘለና ስለ ዝኾና ንኻልኦት “ብሃገራዊ ሓድነት” ኣመኽኒና ክንጭቁን መሰል የብልናን። መሰል ካልእ ምኽባር ሓርነትናን ጭውነት ባህሊ ኣቦታትናን’ኢና ነረጋግጽ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ክትገዝኣ ከላ ሓንቲ ምዕባሌ ኣብ ዉሽጢ ሃገራ ኣየምጽአትን። ንሕና ከኣ ንኻልኦት እንተጨቆና ግዙኣት ኬንና ኢና ንነበር። ኣብ ኵናት ሓድሕድ ከኣ ብዘይካ ሞትን ዕንወትን ዝርከብ ሰላምን ምዕባሌን የሎን። ሰላምን ምዕባለን ኣብ ምሉእ መሰል ብሄር ክሳብ ምንጻል እዩ ከም ዘሎ ኣብ ፈደራሊዝም ዝያዳ ኣብሪህናዮ ስለ ዘሎና ኣብኡ ንርአ። ነዚ ኣህጉራዊ ሕግን ባህሊ ኣቦታትናን ከይሸራረፈና ደው ክንብለሉ ይግብኣና። ሃገር፣ ብወተሃደርን ብጎነጽን ብዕብለላን ብትዕቢትን ብትምክሕትን ትምዕብል እንተትኸውን ህግደፍ ፖሊቲካዊ ሓጥያት ፈጺሙ ኣይምበልናን። እኳ ድኣ ብ“ሃገርን” ብ“ሓድነትን” ኣሳቢቡ፣ ዉሽጣዊ ኵናት ሓድሕድን ዶብ ሰጊሩ ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ኵናትን ኣብ ዝባና ዘይሓዊ ስንብራት ገዲፉልና ክኸይድ’ዩ ዝርከብ። ነዚ ዝገድፈልና ዓሚቕ ሽግራት ክነሕዊ ከኣ ሰላማዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ብቀዳምነት ዝስራዕ ናይ ጽባሕ ዕዮና’ዩ። ነዚ ናይ ህግደፍ ሜላ ክንስዕብ እንተኼና ግን ዕሽነት ጥራይ እዩ።ናይ’ዚ ሕቶ መትከላዊ ርእይቶና፣ ንብሄር ብሌን ዝምልከት ኣብ ትሕቲ ሆደ ብሄር ብሌን ኣስፊርናዮ ስለ ዘሎና ኣብኡ ንመልከት።
 
15. ሆደ (ሰውራ) ብሄር ብሌን
“ሆደ ተልእኾ ኣለዎ፣ ተልእኾኡ ምስ ህዝቢ ብሌን ክቓለስ’ዩ”

ሆደ (ምንቕስቃስ ብሄረ ብሌን) ጸረ ዉሽጣውን ግዳማውን ጭቆና ከም ዝኾነ ኣብ ቀዳማይ ክንፈረንሱ ሓቀኛ መርገጺ ወሲዱ’ዩ። ድሕሪ ሕጂ’ውን ከም ህግደፍ ዓይነት መግዛእቲ ኣብ ሃገርና ከይመጽእ ንህዝብና ከነነቓቕሕን ንውድብን ንቃለስን ኣለና። ህዝቢ ብሌን ንመንነቱን ንባህሉን ንቋንቋኡን ንመሬቱን ክከላኸል ዘለዎ ዓቅምን ንድልየትን ዝጎድሎ የሎን። እንተኾነ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ንቅሓቱ ንነዊሕ ዘበናት ብመግዝእትን ብጭቆናን ስለ ዝተዳህከ ንናቱ ማዕርነት ክቃለስ ክመርሖ ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ግድን ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ኮንፈረንሱ ዓይኑ ከይሓሰየ’ዩ፣ ሆደ ብሄር ብሌን ዘቆመ። ናይ ሓደ ወገን ብሄር ብሌን ጥራይ ዘይኮነ ድማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ መሰል ኢና ንጣበቕ። መሰል ኣህዛብ ኣብ ኩሉ ዓለም ለኻእዊ ሕቡራት መንግስታትን ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብንጹር ሰፊሩ ዝርከብ መሰል እዩ። ህዝቢ ብሌን ንኹን ህዝቢ ኤርትራ ከም ሰብ ክንሓስብን ክንነብርን ክንምዕብል ዘኽእለና ባህልን ቋንቋን ታሪኽን ኣሎና። ዝተሰርሐ ስራሕ ክንምርቕ ወይ ንዕኡ ክንከላኸል ክንነብር ኣይተፈጥርናን። ናትና ንብሎ ካብ ኣስመራን ኢዮሩሳሌምን ፓሪስን ማሕተም ተወቂዑ ክመጽኣና ተጸበይቲ ክንከውን የብልናን። ተጸበይቲ ኬይና ክንነብር እንተኼና ካብ ድኽነት ክንላቐቅ ኣይንኽእልን። ንሕና ክንፈጥር ዓቕምን ፍልጠትን ባህልን ታሪኽን ኣለና። ሆደ መንነተይ ቋንቋይ ባህለይ መሬተይ ይሓቕቕን ይምንዛዕን ኣሎ፣ ነዚ ድማ ከም ኣቦታተይ ክምክት እየ ብሃላይ እንበር፣ ጻሕቲሩ ጻሓቲሩ ጸላእቲ ንኸብዝሕ ድልየትን ዕላማን የብሉን። ካልኦት ንኸይቅየሙ ድማ ንመሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእቱን እዩ። ንመሰሉ ምስ ዝድግፉ ማይን ጸባን እዩ። መሰሉ ምስ ዘይኣምኑ ግን ክሳብ መጠረሽታ ጠብታ ረሃጹን ደሙን ክረባረብ ዝቆረጸ ምንቅስቓስ እዩ።

ዉዱባት ክምርቓልና ክንጽበ ፍርቂ  ዘመን ሓሊፉ። ውድባት ንስልጣነን እየን ዝቆማ። ስልጣን ከኣ ንዋንነት ሃብቲ ሃገር’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣምር ኤውሮጳ ከኣ እቲ ኣንጊሁ ስልጣን ዝሐዘ’ዩ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ከም ድላዩ “ዲሞክራሲ” እናዘመረ ጸረ ረብሓኡ ዘሰልፎ። ኩሉ ኵናት ሓድሕድ ሓንቲ ውድብ ብኡ ክትሕተት ትደሊ የላን። ኩሉ “ብዲሞክራሲ” ዝሓለፈ ውሳኔ’ዩ። ኣብ ኣብዝሓ ስልጣን ከኣ ወላ እቶም መራሕቲ ብዓጽመ ስጋ ኣሓዋትና እንተኾኑ ህዝቢ ስልጣን የብሉን። ገለ ብስጋ እና ቆንጠዉ ከተዓሻሽዉና እንተፈተኑ ንብሄርና ይኹን ንዝህብና ዘምጽእሉ ረብሓ ሓንቲ የብሎምን። ሰብ ካብ ገዝኡ ንዓዱ ንወረዳኡ ከምኡ እናበለ ንብሄሩ ንሃገሩ ክሓስብን ከገልግልን ምስ ዝጅምር’ዩ ኣፍራይን ብቅዓትን ዝህልዎ። ባንካ መን ከመሓደረልና ንመርጽ የሎናን፣ ህዝቢ ከመይ እንተ ተመሓደረን እንተ ተወደበን ብፍትሒ ይነብር። ብልምዓት ነፍሱ ከመይ ገይሩ ይኽእል ዝብል ፍልፍስና‘ዩ። ሆደ ብሄር ብሌን ካብ ፖለቲካ ሃገር ዝተነጸለ ኣይኮነን። እኳ ድኣ ዘይበርስ ርስቲ ናይ ኣቦታት ባህሊ ሒዙ ንፖለቲካ ሃገር ከቅንዕ ዝጋደል’ዩ። እዚ ፖለቲካ’ዚ ከም ዘይነበረን ኣብ’ዛ ዓለምና ከም ዘይገዝአን ገይሮም ከረዱኡና ዝፍትኑ እንተለዉ ነቲ ፈጣርነት ባህሊ ኣፍሪቃ ዘናእሱ’ዮም። ንዕኦም ቅኑዕ ካብ ዋሺንግቶን ወይ ካብ ሞስኮ ጥራይ ከምጽእ ኣለዎ። እዚኦም ድማ ንዱያት ባህሊ’ዮም። ንሕና ጥራሕ ጅባና ዘዅርዕ ባህልን ተኽእሎን ካብ ዘበናት ዝተሃንጸ ፍልጠትን ምስትብሃልን ኣሎና። ኤውሮጳውያንን ኣዕራብንን ገዛእትና ግን ብእምነትን ብኻልእ ጽልዋን ዓጊቶሞና እዮም ጸኒሖም። ብቁጠባ ንውላድና ክንምግብ፣ ብትምህርቲ ናትና ኣገባብ ስርዓተ ትምህርቲ ክነትኣታቱ፣ ንቋንቋናን ባህልናን ከኣ ከም ንንዕቕ ገይሮምና’ዮም። ብፍልስፍና እሞ ናትና ከም ዘይነበረናን ዘይብልናን ነዳያት ኬና ካብ መጽሓፍቶም ጥራይ ክንውከስን ብኡ ክንግዛእን ገይሮምና። ንሕና ሰብ ኢና፣ እቲ ስልጣኔ ከኣ ቅድሚ ካልኦት ዓለማት ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ከም ዝነበረ ስለምታይ ንዝንግዕ። ነዚ ናትና ንብሎ ክንምለሶን ከንማዕብሎን ከኣ ፣ናትና ኣገባብ ምሕደራን ውደባን ክነኣታቱ ናይ ግድን’ዩ። ሆደ ነዚ ሓድሽ ፍልፍስና ዝኣምን ምንቅስቓስ እዩ። ብሄር ብሌን ይኹን ሃገረ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎም ጸገማት ተላቒቖም ደቆም ክምግቡ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጎይቶት ክኾኑ ብሄራዊ ውደባን ምሕደራን ናይ ጊዜና ሕቶ’ዩ። ነዚ ኣገባብ ምሕደራ ንዝሓዛ ሃገራት እንተኾነሎም ክብትኑ፣ እንተዘይኮነሎም ከኣ ንኻልኦት ኣብነት ከይኮና ክዕንቅፉ ብሜላ ድግድጊት ተዓጢቖም ዝሰርሑ ካብ ህግደፍ ጀሚርካ ብዙሓት ሃገራት ኢየን።

ሆደ ንካልኣይ ግርጭት ብሰላማውን ብዲሞክራስያያውን ክፍታሕ ባህላውን ፖለቲካውን ዘይንቕነቅ ፍልስፍንኡን’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ እምነትና ንውድባት ኤርትራ ምስ’ዚ ኹሉ ናተን ትምክሕትን ጸረ መሰል ብሄርን ዘለወን መርገጺ ምስአን ሓቢርና ክንቃልስ ንደሊ። ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ሓባራዊ ቅልጽምና ክወርዶ ሓደ ዲሞክራስያዊ ግንባር ክንምስርት መትከላዊ መርገጺና’ዩ። ንኪዳንን፣ ንዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ውጺኢቱን ከኣ ክነዕውት ክንቃልሰሉ’ኢና። ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ዕላማ ሆደ ብሌን እዚ ኾይኑ፣ ምእንቲ ሓርነት ህዝቡ ነዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ሜላኡ ቀልዓለም የብሉን።

 ብሄር ብሌን ዝኾነት እንዳ ታሪኽን መበቆልን ሃይማኖትን ኣለዋ። እዚ ከኣ ክብሪ ናይ ኩሎም ደቅና’ዩ። ብሌናይ ታሪኹ ክፈልጥ ከኣ መሰል ኣለዎ። ኩሉ ግን ገግዜኡ ኣለዎ። ግዜ ሆደ ኣሎና። ግዜ ሆደይ ከኣ ሓላፍነትና፣ ኣቦታትና ዝሓደጉልና ቋንቋን ባህልን መሬትን ብሓይን ብሜላን ንምንዛዕ ኣሎና። ነዚ ክንመልስ ሙሉእ መሰል ብሄርና ንሓትት ኣሎና። ከም’ቲ ኣቦታትና ብሓውን ብሴፍን ዝጽንሑልና ንሕና ከኣ ንደቅና ክነሰጋግሮ ሓላፍነት ኣሎና። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ክነዕውት ከኣ ሓላፍነት ኩሉ ህዝቢ ብሌን እንዳታቱን ቀቢላታቱን፣ ሃይማኖታቱን፣ ዝምልከት’ዩ። ቀሽን ወንጌል ሒዙ ሸኽኒ ቁርዓን ሒዙ፣ ስድራን ደቆም ሒዞም ጾታን ዕድሜን ከይፈለና፣ ምሁርን ዘይምሁርን ከይበልና፣ ኣብ ሆደ ክንጥርነፍ ታሪኻዊ ሓላፍነትና’ዩ። ሎሚ ብደርጃ ብሄር ክንሓስብ ይግባእ። ኣብ ብሄራዊ ሓድነት ጥራይ’ዩ ክብርን እንጀራን ሃይማኖትን ዝርከብ። ንመሬትና ክንፋለላ ቅዱስ ተግባር’ዩ። ስለ ዝኾነ ገዛእቲ ንረብሓኦም ክብሉ ዝነዝሕዎ ብሂላት ወጊድና ዓወት ንህዝብና ክነበስሮ ብሓድነት ኣብ መትከላት ሆደ ደው ንበል። እዚ ጽባሕ ዝበሃል ኣይኮነን ምኽንያቱ ዘሎናሉ መድረኽ ከም ብሄር የሎኹም ንበሃሃለሉ ዘሎና’ዩ። ብዘይ ቋንቋን ባህልን መሬትን እምነትን ኣቦታትና ከኣ ንዱያት ኮና ብጎረባብትና ፉንፉናት ኮና ክነብር፣ ኣይባህልናን’ዩ። ደቅና’ውን ጽባሕ ንመሰል ብሄሮም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ከይብሉና ሓደራ።

ሕቶ መሰል ብሄር ክሳብ ተገንጽሎ፣ ሆደ ብሄር ብሌን ከም መሰረታዊ ሕቶ መሰል ብሄርን ዲሞክራስን እዩ ዝኣምነሉ። እንበር፣ እዚ ይግባኣና’ዶ ኣይግባኣናን መልሲ ህዝብና ዘድልዮ ስለ ዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊ መደብና እቱው ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ከኣ ሓንቲ ብሄር ኤርትራ ክንጸል ኣሎኒ ኢላ ዝኣወጀት ኣይንፈልጥን። መሰል ብሄረይ ይከበር ግን ናይ ኩልና እምነት’ዩ። ንመሰላት ብሄራት ዘይኣምኑ ዝብልዎ ጠቐነ ከኣ ምስ ጊዜ ክበርህ ስለ ዝኾነ ከይደቀስና ኣይንሓድርን። ሆደ ብሄር ብሌን ኣብ ህልዊ ምዕባሌ ዓለምና ዝነብር እዩ። ዓለምና ከኣ ናብ ቁሸት እናተለወጠት ትመጽእ ምህላዋ ንርኢ ኣሎና። ግደፍ’ዶ ምስ ብሄራት ሃገርና ብታሪኽን ብባህልን ብመሬትን ንራኸብ ምስ ጎረባብትናን ምስ ምሉኡ ኣፍርቃን ኣብ መትከል ምሉእ መሰል ናይ ኩልና ዝተነጽፈ፣ ሓባራዊ ዝምድና ክሳብ ምሉእ ውህደት ክህሉ ንኣምን ኢና። ካልኦት ሰሚሮም ክውሕጡና እንተዘይኮነሎም ከኣ ከሰናኹሉና እናተሸባሸቡ ብውልቂ ብሄር ወይ ሃገር ዝግበር ውድድር ግዜኡ ከም ዝሓለፈ ንርእዮ ኣሎና። ስለ ዝኾና ሆደ ከም ኣብ ላዕሊ ዘመልከትናዮ ኣብ ዉሽጢ ዲሞክራስያዊ ፈደራላዊ ቅዋም ኣውቶኖም ምሕደራ ኢና ንጣብቕን ንቃለስን። ነዚ ግን ዋሕስ ከም ዘድልዮ ኩሎም ናይ ሕጊ ፈላጣት ዝኣምኑሉ ሕጊ ኣሎ። ብዘይ ሕጊ ከኣ “እመኑና” ንዝብሉና ኣይንኣምኖምን ኢና። ናይ’ዚ ጥቅምን ጉድኣትን ከኣ ኣብ ፈደራሊዝም ንመልከት። ንንድፊ ቅዋምናን ድልየታትናን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ስለ ዘሎ ንዕኡ ንመልከት።

16. ፈደራሊዝም ፍትሓዊ ምሕደራ’ዩ፣
“ንማዕርነት፣ ሓድነት፣ ብዙሓውነት፣ ንልምዓት፣ ስለ ዝእንግድ”

ኣብ ታሪኽ ቃልስና መን ውድብ ትመርሓና ተረባሪብና እንበር፣ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራ ንሃገርና ይሕሻ ከም መደብን ዓቢ ኣጀንዳን ተዘራሪብናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ውድባትና “ንኹሉ ክገብራልና ከም ዝኽእላ” ተማሂርና። ካብ ኤርትራዊ ምዃን ከኣ ኣባል ናይ ሓንቲ ውድብ ምዃን ከም ዘኹርዕ ኣምሂሮምና’ዮም። ዓይንና ዓሚትና ከኣ ንውድባትና ነምልኽ ኔርና። ውድብ መስርሕ ቃልሲ ክንዲ ንወስዶ ዳርጋ እንዳ’ቦና ኮይኑ። “እዚ ሃገራዊ ድዩ ክንዲ ንብል ከኣ’ዚ ካባና ድዩ?” ንብል። እዚ መስመሩ ዝሰሓተ ኣወዳድባ ከኣ ንህዝብና ሃሲዩዎ እዩ። ነዚ ንምፍዋስ ሕጂ’ውን ብውድባት ዝሓዊ ዝመስሎም ገርህታት ኣለዉ። ውድብ ንርእሱ ዘይሰመረን ንርእሱ ክፍውስ ዘይከኣለን ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ቁስልታት ከሕዊ ዘይሕሰብ’ዩ። ድሕሪ ናይ ህግደፍ መንግስቲ፣ ውድብና ዝያዳ ዓቕምን ሓይልን ኣጠናኺሩ ስልጣን ክሕዝ ኣለዎ ኢልካ ምጉያይ፣ ድሕሪ ሕጂ’ውን ንህዝብና ምጭፍላቕን ምጭቋንን ከስዕብ ከም ዝኾነ ተገንዚብና፣ ኣሎና። መንግስትና ጽባሕ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራ ይሃልዎ ክንሰግሮ ዘይግባኣና እጀንዳ ቓልስና’ዩ። ጽባሕ ነርክበሉ ዝበሃል ሕቶ ከኣ ኣይኮነን። “ንኽትበልዓ ዝደለኻ ኳኽስ ዛግራ ትብላ” ከም ዝበሃል ንግዜኡ “ዘይምእኩል መንግስቲ ኢልናዮ ንሓለፍ” ናይ በለጽ መርገጽ’ዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ጽባሕ ነርክበሉ’ዩ ኣጥፊእና ንግስነት ሓደ ሰብ ከኣ ሓቁፍና። ደሓን ንህግደፍ ጥራይ ንዕሎ ምባል ገምጋም ቃልሲ ዘይምግባር’ዩ።

እቶም ብዛዕባ ፍትሓዊ ምሕደራ ካብ ሎሚ ምርጫ ከይህልዎን ኣፍናን ዓይንናን ሓንጎልናን ዝዕፉኑናን ዘለዉ ይዕምጹና ኣለዉ። ናይ ቅዋም ሕቶ ስለ ዝኾነ ጽባሕ ክፍታሕ ዝኽእል’ዩ ምባል ከኣ ኣብ ፖለቲካ ናይ ዕሽነት መንገዲ’ዩ። ሎሚ ኣብ ወረቐት ዘይኣምኑ ጽባሕ ወተሃደርን ስልጣንን ምስ ሓዙ ክፈትሕዎ ምጽባይ ኣብ ዓለም ከም ንነብር ዘሎና ምስሓት’ዩ። እዚኣ ዓለም ናይ ብዙሓት ጽቡቕን ሕማቕን ዝሓስቡ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ውድባትን እያ። ሓደ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ የሎን። ንሕና ንምሕደራ ዝምልከት ኣብ ጻዕዳን ጸሊምን ብዘይሕድገት ኣስፊርናዮ ዘሎና ፈደራሊዝም እዩ። ፈደራሊዝም ንማዕርነት፣ ንሓድነት፣ ንብዙሓውነት፣ ንልምዓት ዝኸፍት ኣፍ-ደገ ምሕደራ እዩ። ኣብ’ዚ ምሕደራ ከኣ’ዩ መሰል ብሄራትና ይኹን ኣውራጃታትናን ሃይማኖታትናን ዝረጋገጽ። ኣሃዱኣዊ መንግስቲ፣ ህግደፍ ዘመሓድሮ ዘሎ ኣገባብ ምሕደራ’ዩ። ንሱ’ውን ነዚ መግስቲ ናቱ “ዘይምእኩል ምሕደራ” ይብሎ’ዩ። ክልቲኡ ናይ ቃላት ፍልልይ’ዩ እንበር ኣብ ግብርስ ንዓብለልቲ ዘርብሕ’ዩ። ህግደፋዊ ምሕደራ ከኣ ህያው ምስክር እዩ። ብ“ሓድነትን” ብ“ሃገራነት” እናሰበኹ ኩለን ብሄራትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዋ። “ንሕና ከም ህግደፍ መኣስ ኬና ንሕና እኳ ደሞክራስያውያን ኢና” እንበልካ ጎደና ማዕርነታዊ ምሕደራ መንግስቲ ምንጻግ ልዕልነት ውድብ ኣብ ልዕሊ ሃገር ምንጋስ’ዩ። ጽባሕ ከኣ “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ” ኮና ክንተርፍ ኢና። ኣብ መሬት ካብ ሎሚ ምስ ባህልናን ብሄራትናን ኣሳኒናን ክንሰርሓሉ ምስ ዘይንጸንሕ ጽባሕ ናታ ዋና ኣለዋ። ዲሞክራሲ ካብ ጥዑማት ቁዋማት ውድባትን መጻሕፍትን ዝቅዳሕ፣ መራሕቲ ካብ ተመዛዚ ዝህቡና ወርቐት’ውን ኣይኮነን።

ናይ ህዝብና ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለ ብመግዛእቲ ተቆጽዩ እንበር ካብ ናይ ፖለቲካዊ ደረጃ ምዕራባውያን ዝሓሸ ቦታ ከም ዝነበሮ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ሕግታት እንዳ’ባ ምስ ንርኢ ቅድሚ ናይ ፓሪስን ናይ ቮልቸቪክ ሰውራን ዝተሓንጸጸን ኣብ ግብሪ ከም ህዝቢ ዘነባበረ ታሪኽና ይምስክር። እዚ ባህልን ሕግን ግን ከይምዕብልን ቅዋም ሃገር ከይከውንን ገዛእቲ ቆጺዮሞ። ናቱ ፍትሓውነትን ምዕባሌን ንኻልኦት ከይንዝርግሕ ድማ ብድንቁርና ዓፊኖምና። ንምሁራትና ድማ ብባህልታቶም ጸልዮሞም እዮም። ታሪኽና ከም ዝምስክሮ ፈደራላዊ ምሕደራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ደኣ ይንበር ኣብ ባህሊ ሃገርና ዝውቱር እዩ ጸኒሑ። ካብ’ቲ መስፍናዊ ኣገባብ ማእቶት ናብ ርእሰማላዊ ኣገባብ ማእቶት ብደፋእታዊ ጎደና ከይንሰግር ግን ኩሉ ተጻቢእና። ብደረጃ ብሄራትን ኣውራጃታትን ብደርጃ ዓድን ሕጊ እንዳ’ባን ግን ንሰርሓሉ ኔርና ኢና። ህዝብና ምስ መዓልታዊ ሂወቱን ሕቶታት መሬቱን ባህሉን ቋንቁኡን ምዕባለ ቁጠብኡን ኣዛሚዱ ነብሱ ከማሓድር (ሎሚ ፈደራል ምሕደራ ዝብሃል) ክሰርሓሉ ኣርኪብና ኢና። መግዛእትታትን ውድባትን ነ’ዚ ምዕቡል ጎደና ንጥቅሚ ስልጣኖም ክብሉ ሰሪዞሞ። ፋሕፋሕ ዝበላ ዓድታትን ወረዳታትን ብሄራትን ንረብሐኦም ከም ዘይኮና ስለ ዝፈልጡ ኣብ ሓደ ክእክቡወን ጀሚሮም። ርእሰ ምምሕዳር ወይ ፈደራልዊ ምሕደራ ንነፍሲ ወከፍ ብሄር ብቋንቋኣን ብባህላን ብቁጠባኣን ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ክትበጽሖ ክንዲ መሰል ምእማን ብጎነጽ ዲሞክራሲ ከእትዉ ፈቲኖም። ናይ’ዚ ኣብነት ወላ ነተን ኣውራጃዊ ምሕደራ ከይተርፈ ምድምሳስ እስዒቡ። ኣሃዱኣዊ መንግስቲ ይኹን ዘይምእኩል መንግስቲ ሓይሊ እዩ ዝኣምን። ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ናይ ህዝቢ ድልየትን ሕቶን ተኻፋልነትን ስለ ዝሓትት ህዝቢ ከኣ ብባህርዩኡ ጸረ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ብሰላም ናይ ምንባር ኣፍ ደገ ይኸፍትዮ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ከኣ ናይ ህዝቢ ወይ ናይ ብሄራት ምሕደራ ኣድላይነቱ ኣብ ዓለምና እናጎልሐ ይመጽእ ኣሎ። ኣሃዱኣዊ መንግስቲ ይኹን ዘይምእኩል መንግስቲ ናይ ውልቐ ሰባት መንግስቲ’ዩ። ንረብሓ ውልቐ-ሰባትን ውድባትን ዘቐደመ ስለ ዝኾነ ከኣ ብስም ዲሞክራሲ፣ ንህዝቢ ይረግጽ። ኩዴታን፣ ኵናትን፣ ምንቛት ኣህዛብን ከኣ ኣበር ዘለዎ’ዩ። እዚ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኣፍሪቃ ንዕዘቦ ኣሎና።

17. ስለምንታይ ፈድራላዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ሃገርና የድሊ?
“መርትዖታትና ንፈደራሊዝም እዚ ኮይኑ “ንእመኑና ዝብሉና ኣይንኣምንን”
ወረቐት ይዛረብ፣ ህዝብና ይምረጽ፣ (ላ ካርታ ካንታ’ዩ) ”
 
1. ንማዕርነት፣ ንሓድነት፣ ንብዙሓውነት፣ ንልምዓት፣ ዘተአንግድ እንኮ ስሉጥ መንገድን፣  ፍቱን መፍትሒ ንካልኣዊ ግርጭታት፣ (ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ..ወዘተ) ስለ ዝኾነን፣
2. ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ፍሉይ ባህላውን ቁጠባውን ዞባን ዝነብሩ ብርእሰ ተኣማንነት ምስ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ብፍትሓዊ ውዕል ዘዋሃህድን።
3. እቲ ዘወሃህድ ሕብረተ-ሰብ ከኣ ነቲ ንዕኡ ዝመስሎ ቋንቋን ባህልን ቁጠባን ዞባን ብነጻ ክውንን ከመሓድርን ዘፍቕድ ስለ ዝኾነን።
4. ንዝጸንሔ ኵናት ሓድሕድ ዝቕህምን፣ ከምኡ’ውን ንሓዋሩ ናይ ኵናት ፍርሕን ስግኣትን ስለ ዝቕንጥጥን።  
5. ብተናጸል ጸረ ግዳማዊ ወራርትን ጎበጣን ክንዲ ምምካት ናይ ሓባራዊ ምክልኻል ሓይሊ ስለ ዝፈጥርን፣
6. ዉሽጣውን ኣህጉራውን ብልጽግና ቁጠባን ዕዳጋን ስለ ዝሰፍሕን፣ ጸጋ ሃገር ናብ ኩሎም ዜጋታት ክባጻሕን ዕድል ዝኽፍትን ስለ ዝኾነን።  
7. ንውልቃዊ መሰል ብትካላዊ ሓይልታት (መንግስታዊ) ከይዕመጽ ዝኸላኸልን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዉሽጢ ኣባላት ፈደራሊዝም (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ናይ ኩሎም ዜጋታትን ሰብኣዊ መሰልን ምግሃስ ከይህሉ ስለ ዝከላኸልን።
8. ኣባላት ፈደራሊዝም (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ክሳብ ነጻ ቁጠባውን ድሩት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ስለ ዘፍቅድ፣ እዚ ከኣ ንሃገር ኣፍደገታት ስለ ዝኸፍትን፣
9. ኣባላት ፈደራሊዝም (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ንላዕለዋይ ባይቶ ዝወጽእ መምርሒታት ብምሉኡ ይኹን ብከፊሉ ክቕበልኦ ወይ ክፍጽምኦ ስለ ዘየገድድን፣ ብመሰል ናይ ቨቶ ነተን ንኣሽቱ ብሄራት መሰለን ስለ ዝሕሉን።
10. እተን ዝሓሸ ቁጠባዊ ሓይሊ ዘለወን (ኣውራጃ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ነተን ስልጣኔ ይኹን ቁጠባ ዘይብለን (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ክሕግዛ፣ ከምኡ’ውን ጾታውን እምነታውን ሲቪካውን ተጻብኦታት ንዘለወን፣ ምምሓዳራት ብህዱእ መንገዲ ኣብ መሰል ወዲ ሰብን ክኣምና ስለ ዝጣበቅን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ስለ ዘለዎን።
11. ዲሞክራስን ብዙሕነትን የሕይል፣ ቀጥታዊ ተሳታፍነት ህዝቢ የማዕብል፣ ኣብ ፖለቲካ ዝምዕብሉ ሓደስቲ ወለዶ ይፍጠር፣ ኣወንታዊ ውድድር የማዕብል፣ ካብ መንጠልቲ ስልጣን (ኩዴታ) የድሕን፣ ርእሰ ተኣማማንነት የሕድር፣ ኣድልዎ ስራሕ ከይህሉ የረጋግእ፣ ከም’ውን ብልሽውና ስልጣን ይውግድ።     
 
ንሕና ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ዝኾነ ኢልና ንጣበቐሉ ትኹላዊ ፈደራሊዝም (Symmetric Federalism) እዩ። እዚ ክትግበር ከኣ ኣባላት ፈደራሊዝም (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ኣብ ኩሉ ሸነኻት ማዕረ መሰል ምስ ዝህልወን እዩ።
   
ኣብ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ሰለስተ (3) ዓይነት ባይቶ (Parliament) ይህሉ፣

እዚ ኸኣ ካብ ሓደ ንዝጎደለ እቲ ካልእ ክምልኦ ወይ ክእርሞ ወይ ከጽድቆ፣ መሰል ስለ ዝህብ ከም ናትና ብዙሓውነት ብሄርን፣ ሃይማኖትን፣ ኣውራጃን፣ ዓሌታትን፣ ደረጃ ቁጠባን፣  ናይ ሰብዓ ዓመታት ፖሎቲካዊ ሓጎጽጎጽን፣ ብትምክሕቲ ዝፈሰሰ ደምን፣ ሰጊርና፣ ብሰላም ክነብር፣ ማዕርነት ከነረጋገጽ፣፣ ምትእምማ፣ ምጽውዋር፣ ምክብባር፣ ክሰፍን፣ እሞ ህዝብና፣  ንምዕባሌ ጥራይ ክጥምት፣ ምስ ዓለም ክወዳደር፣ መንግስትና ከኣ ብሓይሊ ብረት ዘይኮነ ብሓይሊ ህዝቢ ክሕይልን፣ ክድልድልን፣ ንልምዓት ቀዳምነት ሁቡ ክስርሕ ዝሕግዘና ኣማርጺ’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ባህልና ሰረት ዘለዎ’ዩ።

1. ሃገራዊ ባይቶ (ካብ መላእ ሃገር ብምርጫ ብመሰረት ብዝሒ ህዝቢ ብፓርትታት ደረጃ የቕዉም)።
2. ፈደራላዊ ባይቶ (ካብ ነፍሲ-ወከፍ ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሕዳር ብማዕረ ዓይነት ብዝሒ ቁጽሪ ብዝተወከሉ ወይ ብዝተመርጹ ይቐዉም)።
3. ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ባይቶ (ካብ ዜጋታት ኣውራጃ ወይ ብሄር ብምርጫ ይቐውም)

ኩለን ኣባላት ፈደራሊዝም (ብኣውራጃዊ ወይ ብሄር) ብነጻ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ፈደራላዊ ቅዋም ተምርኲሰን ናይ ገዛእ ርእሰን ቅዋም ኣውራጃ ወይ ብሄር የጽድቓ። ንኣባላት ፈደራሊዝምን (ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሓዳር) ንሃገርን ዝድይን ነጻ ማእከላይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ይቆዉም።



18. ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሆደ ብሄር ብሌን


1.መሰረታዊ ዕላማና፣
“ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ”

1.1 ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ መሰልን ንጭቁናት ዝጠልቦ ፣ ምሉእ መሰል ርእሰ ውሳኔን ንዓና ህዝቢ ብሌንን ንመሬትናን ይግብኣና እዩ ኢልና ኣሚንና ንቃለስ። ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን  ስልጣን ብሰላም ምትሕልላፍ ክህሉን፣፣ ንጥዑይ ከባብን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ፈጻምን ሓጋግን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ተፈላልዮም ብቅዋም፣ ኣብ ምሕደራ ብድሪ ብሌን ይኹን ኣብ ሃገረ ኤርትራን ክነግስ ንቃለስ።
1.2 ብሄር ብሌን ቀንዲ ምንጪ ናይ ሓይልን ሕጋዊ ዋንነትን ክህልዎ እዚ ድማ ብመሰረት ናቱ ቅዋም ዘፍቅዶ ትካላት ክኽውን፣ ክነረጋግጽ ንቃለስ። ቅዋምን ሕግታትን ብሄር ብሌን ልዕልነት ኣብ ምድሪ ብሌን ክህልዎ ንቃለስ።
1.3 ሆደ ብሄር ብሌን ኣብ ምድሪ ብሌን፣ ብሌንን ካልኦት ብሄራትን ከም ዘለዉ እዚኦም ከኣ ዜጋታት ናይ ቦታና ምዃኖም ይኣምን። ቅዋምና እስላምን ክርስታያንን እቶም ዝበዝሑ ናይ እምነት ሃይማኖታት ኣብ ብሄራዊ ቦታና ምዃኖም የረጋግጽ፣ ህዝቢ ብሌን ከም ባህሉ ነዚኦም ሃይማኖታት ይኹኑ ካልኦት ብዘይ ሕቶ እምነቶም ብነጻ ክገበሩ መሰሎም የረጋግጽ።
1.4 ህዝቢ ብሌን መሰል ርእሰ ውሳኔኦም ክንየቱሉ፣ ብነጻ ብውሳኔኦም ፖለቲካዊ ቦታን፣ ቁጠባን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን ምዕባሌን፣ ከረጋግጹ። ህዝቢ ብሌን ብድልየቶም ነጻ ሕብረት ምስ ኤርትራ፣ ናይ ህዝቢ፣ ናይ መሬት ከምኡ ሉኡላውነት ሃገር እዚ ግን እቲ መንግስቲ ድሕሪ ሓርነት ዝትከል ብፈደራላዊ ቅዋምን፣ ብፈደራላዊ ፓርላማን።
1.5 ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን፣ ብዙሕነት ፖለቲካን ምስ ዝቆውም፣ ንመሰል ወዲ ሰብን ናይ ውልቅን እኩባትን መሰላት ዘረጋገጸ ምስ ዝኸውን እዩ።
1.6 ህዝቢ ብሌን መታን ህላዊኡ፣ ንመሬቱ ካብ ወረርቲ ክሕሉን፣ ከምኡ’ውን ንኹሉ ናይ ዓሌት ወይ ብሄር ፈላላዪ discrimination ዕላማን ተግባርን ክኹንን፣ ደይመደይ ኢልካ ንህዝቢ ብሌን ካብ ጆግራፊካዊ ኣቐማምጥኡ ንምንቓል ዝግበር ናይ መሬት ምብሓት ክቃለስን፣ ነቶም ዓመጽቲ ኣብ ሕጊ ክቕርብን፣ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክወስድን መሰሉ እዩ። መሬቶም ዝተረስዩ ክምለሰሎም ከኣ መሰሎም እዩ።
1.7 ብደገ መጺእካ ናይ ርእይቶ ወይ ምርጫ ምግባር ኣብ ምምሓዳር ምድሪ ብሌን፣ ዝኾነ ውዕል መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ንሃገር ጠቐስ፣ ንህዝቢ ብሌን ከይሓወስካ ዝግበር መሰረታውን ቅዋማውን መሰል ህዝቢ ብሌን ምግሃስ ስለ ዝኾነ ንቃወሞ።
1.8 ህዝቢ ብሌን ኣብ ጎኒ እታ ፈደራላዊት ባንዴራ፣ ናቱ ባንዴራ ክውንን፣ ኣርማን መዝሙርን ህዝባዊ በዓልን ክህልዎ፣ ብባይቶ ዝጸድቕ ይኸውን።
1.9 ብሄር ወይ ሃገር ብሌን ኣብ ምምሕዳሩ ሕግን ጸጥታን ክሕሉ ናቱ ናይ ጸጥታን ፖሊስን መደበራት ክህልዎን ህዝባዊ ምልሻ ከኣ ንድሕነቱ ክምልምል እዚ ከኣ ብባይቶ ዝጸድቕን ብሕጊ ዝተሰነየን ክኸውን እዩ።
1.10 ኣብ ብሄር ወይ ሃገር ብሌን ቋንቋ ብሌን ዕላዊ እዩ። ቅዋም ከኣ ቆልዑ ብቋንቋ ኣዲኦም ክመሃሩ፣ እቲ ፈደራላዊ ካሪክለም ከኣ ምስ ጸደቐ ምስ እዚ ካሪክለም ህዝቢ ብሌን ዝሳነ ክኽውን፣ ትንሳኤ ቋንቋ ብሌን ቀዳማይ ቆላሕታ ሆደ ብሄር ብሌን እዩ። ሃልውናና ምምሕዳራትና ማሕበራዊ ሽግራትና ንዓለም’ውን ብመረጸን ቋንቋና ክንርእያ፣ ኣብ ምዕባሌ ቋንቋና ስለ ዝምርኮስ መንነት ቋንቋ ብሌን ክነረጋግጽ ናይ ግድን እዩ።
1.11 ሆደ ብሄር ብሌን አብ ከተማ ከረንን ከባቢአን ኮለጃትን  ዩኒቨርሲቲ ክትከልን ትሕተ-ቅርጺን ጸዓትን ዝርጋሐ ካልኦት አገዳስቲ ዕማማት ከህልው ንጡፍ አመራርሐ ክህሉ ይቃለስ።
1.12 ሆደ ብሄር ብሌን ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምንጻል ሰብኣውን ኣህጉራውን ሕጊ ስለ ዝኾነ ነዚ ብምልኣት ክጥቐም እደሊ ትብል ብሄር መሰላ ምኻኑ ንኣምን።
2.    ሓባራዊ ድልየታትና፡
“ናይ ህዝቢ ሙሉእ ዓወት፣ ናይ ኩሉ ግዜ ገዓት”

2.1 ንሕና ንሰላማዊት፣ ጸጥታ ዘለዋ፣ ኣብ ጥዑይ  ከባብያዊ ትነብር፣ ምሉእ መሰል ወዲ ሰብ ዝሐለወት፣ ንድኹም ትሕብሕብ፣ ንኹሉ ትዕንግልን ተምህርን ኤርትራ ንቃለስ።

2.2 ንሕና ኩለን ብሄራት  ብሰላምን ብስኒትን ክነብራ ምሉእ መሰለን ክሕሎ፣ እሞ ብዘይ ግጭትን ኵናት ሓድሕድን ክንነብር፣ ናይ ምዕባለ ዉድድር ጥራይ ኣብ መንጎ ብሄራትን ክህሉ ንቃለስ፣

2.3 ንሕና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣህዛብን ሰላምን ጸጥታን ብልጽግናን ናጻ ዕዳጋን ክምዕብል ንቃለስ።

2.4 ንሕና ኣብ መንጎ ጓለ-ንስተይትን ወዲ-ተባዕታይን ናይ ዕድላት ማዕርነት ንኽህሉን ፍልልያት ኣብ ክፍልታትን ሕልፈትን ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ንቃለስ።

2.5 ንሕና ሓላፍነት ብዝመልኦ ጻዕሪ፣ ንብልጽግናን ንናጻ ዕዳጋን፣ ቅኑዕ ናይ ሃብቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ንምክፍፋልን፣ ሓይሊ ርእሰ ማላዉያን ብዓይኒ ሕጊ ቁጽጽር ክግበሮ ንቃለስ።

2.6 ንሕና ኣብ ሕብረተ-ሰብና ክምዕብልን ክኹምተርን ዘለዎ ቁጠባዊ መዳይ ይኹን ባህላዊ ብኣገባብን ብመንገዲ ሕጊ ክዉሰን ከምዘሎዎን ከምኡ’ዉን ሃገራዉያን ኣብ ዝወስድዎ ናይ ምዕባለን፣ ቁጠባዉን ቴክኒካውን ዓይነታዉን ብሉጹን ንክኸዉን ንቃለስ።

2.7 ንሕና ሓንቲ ምዕብልትን ብፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እትመሓደርን ኤርትራ ንምህናጽ ጻዕርና ዘይሕለል ይኸዉን።ከምኡ’ዉን ብሄራት ናይ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ኤርትራ ተሸካሚ ዓንዲ ንክኾና ብቐጻልነት ንምስትምሃሩን ንምትብባዑን ንቃለሰ።

2.8 ንሕና ኣብ ኩሉ መዳያት ፖለቲካውን ቁጠባዉን ባህላውን ምዕባለታት ህዝቢ ወሳኒ ተራ ንኽንጻወት ከምኡ’ዉን ምዕባለ ዘምጽኦ መኽሰባት ኣብ ጥቕምን ረብሓን ሃገርን መላእ ህዝብን ደኣ’ምበር ኣብ ጥቕምን ረብሓን ተበለጽቲ ዉልቐ-ሰባትን ሓለፍትን መራሕትን ማሕበራትን ናይ ፖለቲካ ፓርትታትን ዉድባትን ንኸይዉዕል ኣብ ምቁጽጻሩ ተሳትፎ ህዝቢ ንኽህሉ ንቃለስ።

2.9 ንሕና እቲ ዝመጽእ ምዕባለ ፍርሂ ህዝቢ ዝቅንጥጥን ተስፋን ሞራልን ዘለዓዕልን ንሰላምን ከምኡ’ዉን ንዉሽጣዉን ግዳማዉን ጸጥታ ሃገር ንኸገልግል ንቃለስ።

3. ፖለቲካዊ መዳይ

3.1 ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨካን፡ ወታሃደራዊ፡ ገባሪ ሓዳጊ  ዉልቐ-መላኺ  ረብሓ ህዝቢ ዘየገድሶ ብሓይሊ በትሪ ዝገዝእ ዘሎ ፋሽሽታዊ ስርዓት እዩ:: እዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ክጽገንን ክዕረን ስለ ዘይክእል ኣብ መተካእታኡ ሓዳሽ ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና።

3.2 ንሓድነት ህዝብን ልኡላዉነት መሬትን ማያትን ሰማያትን ምዕቓብ።

3.3 ስልጣን ምርካብን ምቕባልን ብዲሞክራያሲያዊ መስርሕ ይኸዉን።

3.4 ኣብዝሓ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ክህልዋ ንኣምን።

3.5 ወዲ-ሰብ ነጻ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ምእካብን ምዉዳብን ምቅዋምን ሰለማዊ-ሰልፊ ምግባርን ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ምዃኑ ንኣምን።

3.6 ሉዑላዉነት ሕጊ ንኣምን ነኽብርን።

4. ናይ ወጻኢ ፖሊሲ

1.    አብ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ልዑላውነትን ሰላምን ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዝተሰረተ ኣብ ናይ ሓባር ማዕርነታዊ ረብሓታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ዝኣምን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝኽተል ደሞክራስአዊ ስርዓት ንምትካል ይቃለስ።

2. ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር  ዲፕሎማስያዊ  ዝምድና ፍሉይ አድህቦ ብምሃብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ምውሓስ ብሓደ ወገን፡ አብ ናይ ሓባር ማዕርነታዊ ረብሓ ዘተተኽለ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ንምስልሳል ከኣ በቲ ካልእ ወገን ምቅላስ።

3. ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን መሰላት ተጠቒሙ ሰብአዊ መሰል ዜጋታት ይጣበቕ።

4. ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ሰላምን ርግኣትን ስኒትን ዘረጋግጽ ፖሊሲታት ምኽታል።

5. ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሰላምን ጸጥታን ዉዑል ምግባር።

6. ሕጊ ዓለም ምኽባር፣

7. ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ሰላምን ርግኣትን ዘምጽእ ፖሊሲታት ምኽታል።

8. ሓባራዊ ናይ ፖለቲካ አራኣእያ ምስ ዘለወን ፓርትታት አብ ዉሽጢ ከምኡ’ዉን ኣብ ግዳም ምሕዝነት ምግባር።

9. ካብ መሬት ኤርትራ ኲናት ከይብገስ ምጽዓር ብኻልእ ሸነኽ ንዝተበገሰ ኲናት ድማ ብሰላማዉን ሕጋዉን መንገዲ ከም ዝፍታሕ ምግባር።        

5. ሓይልታት ምክልኻል

5.1 ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘኽብርን ንዲሞክራስያዊ ፈደራላዊ ቅዋም ዝከላኸልን ብቁዕ ህዝባዊ ሰራዊት ምህናጽ።

5.2 ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ምዕሩይ ብሄራዊ ተሳትፎ ክህልዎም ምግባር።

5.3 ጸረ ህዝቢ ንዝኾኑ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ስርዓት ህግድፍ ምእላይ።
 
5.4 ሃገርዊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሱታፌ አብ ነጻ ዕግበት ዜጋታት ብቕዓትን ይሙርኮስ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስራዝ።

5.5 ካብ ብሕጊ ዘሕትት ገበናት ነጻ ዝኾኑ ወተሃደራት ህግድፍ ብነጻ ዕግበቶም ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ክኾኑ ይኽእሉ።

5.6 ምርጫና ንሃገራዊ ሰራዊት ዝርኢ፣ ብትምክሕቲ ህግደፍ ዝተጸልወ መደባዊ ስራዊት ክህልወና እንተኾነ ንህዝብና ክንምግብን ክነምህርን ዓቕምና ክንጽንቑቖ’ዩ ስለ እዚ ምስ ባጀትናን ባህልናን ዝሰማማዕ ሰራዊት ምህናጽ ይኸውን።

5.7 ኣፍሪቃ ኣብ ክፍሊ ዓለምና ብክዴታት ትሳቐ ትነብር ኣላ። ኤርትራ ካብ’ዚ ንሕጅን ንሓዋሩን ክትሕረር ምርጫና ክንዲ ሰራዊት ብጀነራል ብሲቪል ክምራሕ።

5.8 ሃገራዊ ሰራዊት ቁጠባ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወን፣ ኣብ ማእቶት ዝሳተፍን፣ ንምክልኻልን፣ ንሓደጋ ባህሪ ቀዳማይ ረድኤት ዝህብን፣ ጥራይ ዝዓለመ ክኽውንን።

5.9 ሓይልታት ምክልኻል፣ኣብ ትሕቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ዘትከለ ይኸውን።

6. ሰብኣዊ መሰላት

6.1 ወዲ-ሰብ ሃይማኖቱ ጾትኡ አካላዊ ይኹን ኣእምሮአዊ ሕማሙ ፖሊቲካዊ ኣራኣእያኡ ዓሌቱ ቛንቅኡ ሕብሪ ቆርበቱ ብዘየገድስ መሰሉን ሓርነቱን ወትሩ ሕሉዉ ይኸዉን።

6.2 ወዲ-ሰብ ብመንግስታዊ ትካላት ይኹን ብዉልቐ-ሰባት ካብ ግፍዕን ማህረምትን ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባራትን ወትሩ ክሕሎ ይግባእ።

6.3 ወዲ-ሰብ ብጭብጢ ድኣ’ምበር ብጥርጠራ ኣብ ሞቕሕ ወይ ቀይዲ ኣይኣቱን።

6.4 ወዲ-ሰብ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖትን ስነ-ሓሳብን ክኣምን መሰሉ እዩ።

6.5 ሕጊ ናጽነት ፕረስ ዝተረጋገጸ ይኸዉን።    

7. ህዝባዊ መዳይ

7.1 ኣብ ኤርትራ ኣብ ትኹላዊ ፈደራሊዝም (Symmetric Federalism) ዝተሞርኰሰ ሕገ-መንግስቲ ምቛም።

7.2 ኣብ ኤርትራ ሓባራዊ ናብራን ፈደራላዊ ምምሕዳርን ተግባራዊ ንክኸዉን ኣብ መንጎ ብሄራት ወይ ኣዉራጃታት ናይ ምክብባርን ምጽዉዋርን ናይ ሰላምን ጸጥታን ዉዕል ይኽተም (national treaty)።

7.3 ኣብ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ሰለስተ (3) ዓይነት ባይቶ (Parliament) ይህሉ።     

7.3.1 ሃገራዊ ባይቶ (ካብ መላእ ሃገር ብምርጫ፣ ብመሰረት ብዝሒ ህዝቢ ብፓርትታት ደረጃ ይቐዉም)።

7.3.2 ፈደራላዊ ባይቶ (ካብ ነፍሲ-ወከፍ ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ምምሕዳር ብማዕረ ዓይነት ብዝሒ ቁጽሪ ብዝተወከሉ ወይ ብዝተመርጹ ይቐዉም)።

7.3.3    ኣውራጃዊ ወይ ብሄራዊ ባይቶ (ካብ ዜጋታት ኣውራጃ ወይ ብሄር ብምርጫ ይቐውም)።

7.4 ኣውራጃታት ወይ ብሄራዊ ምምሕዳራት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ተሞርኲሰን ሕጊ-ኣዉራጃ ወይ ሕጊ ብሄር የጽድቓ፡ ትምህርትን ጸጥታን ጉዳይ መሬትን ናይ ቀረጽ ፖሊስን ብናይ ኣዉራጃ ሕጊ ይምእዘዙ።

7.5 ኣብ ከተማታት ከምኡ’ዉን ገጠራት ዜጋታት መባእታዊ ትምህርቲ ብቛንቛ ኣዲኦም ይመሃሩ:: ኣየናይ ዓይነት ቛንቛ ኣብ ሓደ ኣዉራጃ  ከም ዘገልግል ምምሕዳር ባዕላ ትዉስኖ።

7.6 ኤርትራ ዕልመናዊት ሃገር ኮይና ሃይማኖት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝጻወቶ ተራ ዓቢ ስለዝኾነ ኣብ ዝወስድዎ ሰናይ ተግባር ዘበለ ኩሉ ምትሕብባር።

7.7 ሲቪካዉያን ማሕበራት ምምዕባልን ምትብባዕን።

7.8 ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝመጽእ ሕማቕ ባህልታት ንምእላዩ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪካዉያን ማሕበራትን ዓበይቲ ዓድን ምኽሪ ምንዳይ።

8. ሕብረተ-ሰብአዊ መዳያት

8.1 ስድራ-ቤት፡ ዓንዲ-ሕቖ ሕብረተ-ሰብ ስለዝኾኑ ክሕብሓቡ ይግባእ።

8.2 ህጻናት፡ ካብ ከብዲ አዲኦም ጀሚሮም ክሳዕ ብርሃን ዓለም ዝርእዩ፣ ናይ ፈሊጣዉያን ክንክን ክግበረሎም ይግባእ:: ናይ ኣእምሮን ኣካልን ዓመጽ ከይወርዶም ምክልኻል:: መጻወትን መንቀሳቐስን ቦታ ምቕራብ:: እኹል ዝኾነ ብሞያዉያን እተሰነየ መዋእለ-ህጻናትን ቤት ትምህርትን ምህናጽ፡ ንስድራ ቤት ዘይብሎም ህጻናት ዝናበይሉ ትካላት ምቛም።

8.3 መንእሰያት፣ ኣብዚ ዘለናዮ ምዕባሌ ናይ ዓለም ብቕልጡፍ ይወናጨፍ ሰለዘሎ መንእሰያት ንረብሕኦም ጥራይ ዝዉዕልን ዘገልግልን ንኽጸምቁ ግቡእ መጽናዕቲ ምግባርን ሓበሬታ ምሃብን የድሊ:: እኹል ዝኾነ ቤት ትምህርትን ናይ ሞያን ባህልን ዕድላትን ናይ ስፖርት መዘናግዒ ቦታን ምቕራብ:: ከምኡ’ዉን ብወለዶም ንእተዘንግዑ መንእሰያት ፍሉይ ዝናበይሉ ትካል ምቋም።

8.4 ሰለማዊ ናብራ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ወለድን ሕብረተ-ሰብን ስኒት ንኽህሉ ምጽዓር።

8.5 ወለዲ፡ ወላዲ ሓላፍነት ብዝመልኦ ኣገባብ ደቁ ከዕብን ንኽኹስኩስን ከም ኣድላይነቱ ብሞያዉያን ኣካላት አስተምህሮን ምኽርን ምልጋስ:: ዓቅሚ ከም ዘፍቅዶ’ዉን ናይ ንዋትን ገንዘብን ሓገዝ ምዉፋይ።

8.6 ኣረጋዉያንን፡ ጥሮተኛታትን ብሓላፍነት ክኣልዮም ዝኽእል ኣካል ምስ ዘይርከብ ፍሉይ ዝናበዩሉ ትካል ምቛም።

8.7 ስራሕ፡ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ተዉህቦኡ ብዘፍቀዶ ነጻ ናይ ሞያን ናይ ስራሕ ዕድልን ዝረኽበሉ ሃዋህዉ ምፍጣር፡ ሰራሕተኛ ጉልበቱ ንኸይምዝመዝን ኣብ ቦታ ስራሕ ብዝተኻእለ መጠን ሓደጋ ከይወርዶን ዉሃብ ስራሕ ጥዑይ ናይ ስራሕ ሃዋህዉ ከም ዝፈጥር ምግባር፡ ንድሑራት ጸረ-ስራሕ ንዝኾኑ ልምድታት ንምውጋድ ኣብ ማእቶት ዘሳትፉ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ምቅራጽን ንደቂ ድኻ ሓረስታይን ዘኽታማትን ተማሂሮም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክሳተፉ ዕድላት ምፍጣርን፡ ጾታን ሃይማኖትን ዘይፈሊ ንመሰላት ሰራሕተኛታት ዝጣበቅ ነጻ ማሕበራት ክቖማ ምትብባዕ።

8.8 ቖልዑ፡ ትሕቲ 14 ዓመት ንክመሃሩን ንኽምዕብሉን ድኣ’ምበር ብናይ ጉልበት ስራሕ ከይምዝመዙ ጥብቂ ሓለዋ ምግባር።

8.9 ስፖርት፡ ኣካል ናይ ባህሊ ስለ ዝኾነን ጥዑይ ዜጋ’ዉን ክምልምል ስለዝኽእል ጥዑይ ዜጋ ድማ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ክሃንጽ ስለዝኽእል ፍሉይ ቖላሕታ ተዋሂብዎ ንናይ ስፖርት ማሕበራት ብሞራልን ብገንዘብን ምትብባዕ።

8.10 ሕክምና፣ ንኹሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ እኹል ዝኾነ ሆስፒታላትን መድሃኒትን ናይ ሞያ ምሁራትን ክቐርብ ይግባእ፣ ንዑኡ ዘገልግል ድማ ማእከላይ ሳጹን ይቐዉም፡ ከምኡ’ውን ንናይ ባህላዊ ሕክምና ኣኽእሎ ዘለዎም ዜጋታት ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂብዎም ንምምዕባሉ ምጽዓር።

8.11 ስደተኛታት፣ ብዂናት ይኹን ብቁጠባዊ ምኽንያት ካብ ቦትኦም ዝተዘናበሉ ዜጋታት ኣብ ንቡር ቦትኦም ተመሊሶም  ፍትሓዊ ናብራ ንኸሰላስሉ ዝከኣል ጻዕሪ ምክያድ።

8.12 ንሓርበኛታት ናጽነትን ሓርነትን ህዝቦም ኣንጻር መግዛእቲ ድሒሩ’ዉን ኣንጻር ዘሎ ጨፍላቂ ስርዓት ህግደፍ ዝብጀዉ ዘለዉ ዜጋታት፣መንግስቲ ኣድላዩ ምክንኻን ንኽገብረሎምን ኣላዩ ንዘይበሎም ድማ ፍሉይ ዝናበይሉ ትካል ከቅዉም ግዴታኡ እዩ።

8.13 ባህሪያዊ ስንክልና፡ ዝናብዮም ንዘይብሎም ናይ ኣእምሮ ይኹን ናይ ኣካል ስንኩላን ሕብረተ-ሰብና ፍሉይ ቆላሕታ ሂብካ ዝነበዩሉ ትካላት ምቛም።

9. ከባቢ

1.1 ኣብ ዓለምና ብሕጂ ዝመጽእ ኲናት ጠንቁን ሳዕቤኑን ናይ ከባቢ ጉዳይ ከይኮነ ስለዘይተርፍ ከባቢና ፍሉይ ኣድህቦ ክንህበሉ ንግደድ። ጥዑይ ከባቢ ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ንዘልኣለም ብቀሊሉ ብጥሜትን ጽምእን ሕማምን ክጥቃዕ ስለ ዝኽእል ንድሕነት ከባቢ ብሞያዉያን ፍሉይ መጽናዕትን ኣስተምህሮን ምግባር፣

1.2 መሬትን ማያትን ኣየርን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ሰሃራዊ ምድረ በዳ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ዓቕሚ ሃገርና ነዚ ቀዳምነት ሂቡ ነታ ክልተ ክረምቲ ዘለዋ ሃገርና ብተሳትፎ ሓምላይ ቃልሲ ህዝቢ፡ ኣብ ንቡር ጥዑም ኣየርን ኣፍራይትን ክትከውን ሓድሽ ኣገባብ ማእቶት ምሕንጻጽን።

1.3 ምዕባለ ኢንዱስትሪ ረብሓን ጉድኣትን ንመሬት ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ ነቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንመሬትናን ንጥዕና ሰብን ዘስዕብ ክንውግድ ካብ ሎሚ ሕጊ ከባብያዊ ሰነ ሓሳብ ክህልወናን፣ ንቃለስ።

1.4 ቀጻልነት ብዘረጋግጽ ምዕባሌ ኢንዱስትሪ ምትእታውን።

1.5 ጽዓታዊ ሓይሊ ንምዕባይ ጸሓይን ንፋስን ማይን ድኽዕን ካልእ ምንጭታትን ምንዳይን።

1.6 ነቲ ዝጸንሐ ኢንዱስትሪና ምስ ከባብያዊ ሰነ ሓሳብ ከም ዝዛመድ ምግባር።

10. ሃገራዊ ምዕባለ

10.1 ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዘሎ ጋግ ምዕባለ ብምጽባብ ትሕቲ ቅርጺ ናብ ኩሉ ገጠራት ከም ዝበጽሕ ምግባር።

10.2 ኩሉ ዜጋ ትምህርቲ ከም ዝረክብ ምግባር፣ ምርምርን መጽናዕትን ምምዕባል።

10.3 ንፋብሪካን ኢንዱስትርን መጎዓዝያን ንከባቢ ዝሕሉ ኣገባብ ምጥቃም።

10.4 ተበሃጋይ ዝኾነ ናይ ቀረጽ ፖሊሲ ምኽታል።

10.5 ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ናይ ዕዳጋ ፖሊሲ ምኽታል።

10.6 ወፍሪ ምጣኔ ሃብቲ ናጽነት ዘረጋግጽን ስሉጥን ቀጻልነትን ዘለዎ ምዕሩይ ፖሊሲ ምኽታል።

10.7 ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣብ ባንክታትን ቴለኮምኒከሽንን ካልእ ትሕቲ ቅርጽን፣ መሬትን፣ ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ክሳብ ዝረጋገጽ ምሕዛእ።

10.8 ንሃገራውያን ሰብ-ርእሰማልን ንፍርያት ሃገርን ዘተባብዕ ቁጠባዊ ፖሊሲ  ምኽታል።

10.9 ሃገራዊ ርእሰማል ንምውህላልን ደረጃ ብደረጃ መነባብሮ ናይ ህዝቢ ንምምሕያሽን ቅኑዕ ናይ ልምዓት እስትራተጂ ምኽታል።

10.10 ካብ ህዝቢ ዝተመንዝዐ መሬትን ንብረትን ከምኡ’ውን ብስርዓት ህግደፍ ዝውነን ንብረት፡ ድሕሪ ጽፉፍ መጽናዕቲ ናብ ዝምልከቶ ዋናታቱ ምምላስ።

10.11 ናይ ሃገርና ኢንዱስትሪ ዕዳጋታት ክረኽቡ ምስ ጎረባብትን ምስ ዓለምናን ጥብቂ ሰላማዊ ዝምድና ምግባር።

10.12 ናይ ምክልኻል ሓይሊ፣ ንልምዓት ሃገር ከም ዘይሃሲ ምምዕባል፣ ፍትሓውነትን ሰላምን ዘቐደመ ብቅዋም ዝቕየድ ሰራዊት ምቛም።

11. ሕርሻ

11.1 መብዛሕቲኡ ህዝብና ብማሕረስን ብመጓሰን ዝነብር ስለ ዝኾነ ነዚ ዝበዝሐ ህዝብና ቐዳምነት ዝሃበ ፍሉይ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ምኽታል።

11.2 ሓረስታይ ብሰንኪ ድርቅን እኹል ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርትን ጽበት መሬትን ናብ ከተማታት ከይውሕዝ፣ ካብ ባህሉን መሬቱን ከይንጸል፣ እሞ ዝኸበደ ሸኸም ሕብረተ-ሰብ ከይከውን፣ ባህልና ከኣ ከይቁጸ፣ ህጹጽ ረድኤት ምዉፋይ።

11.3 መብዛሕቲኡ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ብማሕረስን መጓሰን ሰለዝነብሩ መሬት    ብግቡእ ክዕቅቡን ክከናኸኑን ምህርቲ ከሰናስኑን ምትብባዕ።

11.4 ሓረስታይ ካብ ዘይተለምዳዊ አገባብ ማሕረስን መጓሰን ቀስ ኢሉ ክላቐቕን ምስ ብዙሕ ናይ ወጻኢ ሽርፊ ዘይሓቱ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክላለ ጻዕሪ ምክያድ።

11.5 ሓረስታይ ነጻ ናይ ፍርያቱ ተጠቃሚ ኮይኑ ናይ ዕዳጋ አፍልጦኡ ክዓቢ ምስልጣን።

11.6 ንሓረስታይ ምስ ናይ ገዛ ኢንዱስትሪ ምልላይ፣ ብመደብ ምስልጣንን ንፍርያቱ ከኣ ብዘይተወዳዳሪ ኣብ ዕዳጋ ከውርዶ ምሕጋዝን።

11.7 ሓረስታይ ብሓይሊ ዝተመንዝዐ መሬቱ ካሕሳ ወይ መሬቱ ክረክብ ንቃለስ።

12. ጉዳይ መሬት

12.1 መሬት ናይ ግሊ እዩ። ኮይኑ ግን ካብ ግላዊ ረብሓ ሓባራዊ ረብሓ ስለ-ዝቕድም መሬት ንሓባራዊ ረብሓ ምስ-ዘድሊ (ንኣብነት ንሆስፒታል ጽርግያ ቤት-ትምህርቲ ወዘተ…) መንግስቲ ካሕሳ ከፊሉ ክዉንኖ ይፍቀዶ።

13. ፍርዳዊ መዳያት

13.1 ባህላዊ ድንነትን ሽምግልናን ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ግምት ብምእታዉ ናጻ ካብ ፖለቲካዊ ጽግዕነትን ጽልዋን ኮይኑ ንፍትሕን መሰልን ዜጋ ብግቡእ አብ ሕጊ ተመርኲሱ ይፈርድ።

14. ኣገባብ ቃልሲ

14.1 ዕላማና ዝኾነ ጨቋኒ ብፍቶት መሰል ህዝቢ ስለ ዘይቅበል፣ ብፍላይ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ይጭቁንን የጽንትን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ንዓና ቅዱስ እዩ።

15. ባንዴራ ወይ ኣርማ ሆደ ብሄር ብሌን

15.1 ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዝርከብ ትሽዓተ ከዋኽብቲ ምሉእ መሰለን ዝተጓነጸፋ ብሄራት ኤርትራ ኢየን። ቐጠልያ መንጸፍ ከኣ ንልምዓት ዘሎና መትከላዊ እምነትና ዝገልጽ እዩ።

16. እዚ ንድፊ እዩ

16.1 እዚ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ሆደ ብሄር ብሌን ክወርድን ክጸድቕን’ዩ፣ ስለ’ዚ ኩሉ ብሄር ብሌን ንሰናይ ብሄር ብሌን ዝደሊ፣ ክውስኸሉን ክንክዮን፣ ብተግባር ከኣ ምስ ሆደ ክቃለስን፣ ኩሉ ሃገራውን ኣህጉራውን ደገፍን ሞራልን ከኣ ከይፍለዮ፣ እናጸዋዕና፣ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ዝጸደቀሉ ዕለት ኣብ ተግባር ክውዕል’ዩ።

ሆደ ብሄር ብሌን
ጨንፈር ዜናን ትምህርትን ፣ 8/31/2010
Last Updated on Tuesday, 15 February 2011 16:37
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 58 guests online