www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news መስከረም ኔት ንእተእንግዶ፣ ንደላይ ፍትሒ ህዝብና ዝንዕቕን ዝዘልፍን ጽሑፋት መልስና። ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ጀኔቫ 26.06.2015
መስከረም ኔት ንእተእንግዶ፣ ንደላይ ፍትሒ ህዝብና ዝንዕቕን ዝዘልፍን ጽሑፋት መልስና። ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ጀኔቫ 26.06.2015
Monday, 27 July 2015 17:06

ኽቡራትን ክቡራንን  ኣሓትን ኣሕዋትን፣

ተቓለስትን ፈተውትን ፍትሒ፣ ኣብ ዉሽጥን ዲያስፖራን ትነብሩ፣ ሰላምን ሰናይን ንምነየልኩም። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 26.06.2015 ዝተኻፈልኩምን ክዉን ዝገበርኩምን፣ ሰብ ሕልና፣ ኣቦታት ኣዴታት፡ ገዳይም ተጋደልቲ ብፍላይ ኣካለ ሱንኩላት፣ ደቕና መናእሰይ ነበርትን ሓደስቲ ስደተኛታትን፣ እንቛዕ ኣዓወትና እናበልና እንቛዕ ከኣ ብሰላም ኣብ ቦቦታኹም ተመለስኩም። ዓወትኩም ሩሑቑ ኣይኮነን። ነቲ ሓቂ ከኣ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኒቫ ኣመስኪሩ’ዩ። ነዛ ተሪፋ ዘላ ዋግዋግታ ክንሰጋር ጸኒዕና ዕርፍና ነጽንዕ።

ሰላምዊ ሰልፊ ጅኔቫ ከጸልሙዎ ዘይክእሉ ብርሃን ጸሓይ’ዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ደቂስካ ዝተሓልመ ወይ ብድፊኢት ናይ ደገ ዝተገብረ ኣይኮነን። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዉጹዕ  ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ብድልየቱን ብጉልበቱን ብረሃጹን ዝገበሮ’ዩ። ኣብ’ዚ ሰልማዊ ሰልፊ ክርከብ ዘይከኣለ ከኣ ብጸሎትን ብገንዘብን ብጾምን ዝደገፎ’ዩ። ህዝብና ዝዓጠቐሉን ዝወፈሩሉን ስለ ዝኾነ ከኣ ተዓወቱ። ፋሺስታዊ ጉጅሌ ኢሳይስ ከኣ ዝመስከሮ’ዩ ካብ’ዚ ነቂሉ’ውን ከጸልሞ ንሰምዕ ኣሎና።

ናይ ሎሚ መጽሓፊና ከኣ ንዚ ዝምልከት’ዩ። ንሓደ ሰብ ኣምሲልካ ንሽማግሌን ንተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቭን ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብናን ዝንዕቕን ዝጸርፍን ጽሑፍ ኣብ መስከረም ኔት ነንብብ ኣሎና። ነዚ መልሲ ምሃብ ኣየምድለየን። ምስ ንፋስ ምንፋስ ባህልን ራኢን ስለ ዘይብልና። እንተኾነ ንስምና ተጠቂሞም ዝጽሕፉን ዝምልሱን ምስ ተዓዘብና መርገጽና ክነብርህ ደሊና። (ነዚ ዝምልከት መተሓሳሰቢና ኣብ መወዳእታ ጹሑፍና ተመልከቱ)

ኣብ መርበብ መስከረም ኔት ብቀይሕ ሕብሪ ተወቂጡ፣(Breaking News)  ‘’ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭስ ብኢትዮጵያዊ ተመርሑ ?’’ ዝብል ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ተንኮንል’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 26.06.2015 ኢድ ኢትዮጵያ ኣለዎ ንምባል’ዩ። ነዚ ጸለመ ከዕውቱ ከኣ ወጄል ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ንመሰል ዜግነቱ ኣቛሲሎምን ኣናሹዮምን ኣለዉ። ኣምሰሉታት ስለ ዝኾኑ ነታ ታሪኻዊትን ኣዋናዊትን ደርፊ ኣቶ ኣቶወብርሃን ሰጊድ፣ ‘’ሓቂ ኣበይ ኣሎኺ--እንክደልየኪ‘’ ንዉድዓዊ ኩነታት ሃገርና ትገልጽ መሪጾም። እዚ ኹሉ ኮለል ኣብ ሩሑቕ ንዝነብር ንምድንጋር ንኣባገነን መራሒኦም ከኣ ከይተረድኦም ምጽረፍ’ዩ።  ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም እምነት ጠሪሹ ተጸንቂቁ ከም ዘሎ ዓቢ ምልክት’ዩ።

ኽቡራትን ክቡራንን  ኣሓትን ኣሕዋትን፣

ፋሺስታዊ ስርዓት ኣስመራ ካብ’ቲ ህዝባዊ መስመርና ከዉጻኣና  ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዓሌትነትን ኣውራጅነትን ሃማኖትን፣ ኣብ ክንቱ ጃህራን ኣነንትነትን ከእትወና ካብ ነዊሕ ግዜ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ሎሚ ብፍላይ ካበይ መጺኡ ? መንከ’ዩ? እምነቱኸ ? ዝብላ ፍልፍስና ፋሺስቲ ክዝርግሑ ተብተብ ዪብሉ ኣለዉ።   መስከረም ኔት ነዚ ከም ብዕሪር እንተሓየኾ ከኣ ኣይገርመናን ምኽንያቱ ስማን ግብራን ካብ ዘይሳነ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ትኽስ ድሙ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይ’ዩ፣ ስለ ዝኾነ ኣይንዘንግዕ። ህዝብና፣ ብጭውነት ሰብኣውነቱ humanity ዝልለ ዝነበረ  ኣብ’ዚ ክወድቕ ክነፍቅድ የብልናን። ንመንግስቲ ዝደገፈ ዉጹእ ኤርትራዊ ንመንግስቲ ዝተቓወመ ዉጹእ ‘’ኢትዮጵያዊ’’ ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ዝደገፈ ዉጹእ ኢትዮጵያዊ ንመንግስቲ ዝተቓወመ ዉጹእ ኤርትራዊ ዝበሃል ሳይንሳዊ ሓቕነት ስለ ዘይብሉ ኣብ ከም’ዚ ሓሽወየ ከእትዉና ኣይነፍቕድ።

ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ካብ’ዚ ጎዳኢ ባህልህታት ክንገላገል ንቓለስ ስለ ዘሎና ወላ ምድሪ ትገልበጠና ቓንዛና ይምረረና ሰብኣውነትና (humanity values) ኣብ ዕዳጋ ክንውርዶ የብልናን። ንሕና ታሪኽ ንውንን’ና። ብደምን ብዓጽምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። ብእምነትና ከኣ ደቂ ሓደ ኣምላኽ’ና።  ሰብ ብስሩሑ ክምዘን ንቓለስ ኣሎና። ናይ ኣቦታትናን ኣዴታትና ናይ ሱዉኣትናን ሕድሪ ንሱ ስለ ዝኾነ ከየመራስሕዎ ንሓልዎ።  ስግር ዶብ ከድና ተቓሊስናን ተሰዊእናን’ና። ንናጽነት ኤርትራ’ውን ዝወደቑ ኤርትራውያን ዜጋታትን ጥራይ ኣይኮኑን ፈተውቲ ካብ ቐረባን ሩሑቕን ኣለዉ። ሳላ ደሞም ምስ ደምና ዝተሓወሰ ከኣ ነጻ ኤርትራ ሓቑፍና። ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ ነዚኦም ጀጋኑ፣ ብዝኽርን ብሃውልትን የቐንየልና ክትብልን፣ ስድርኦም መቓብር ሓርበኛታት ደቆም ሪኦም ክቐስኑን፣ ከምኡ’ውን ኣዴታት ኤርትራውያን መቓብር ጀጋኑ ደቐን ክርእያን ምተገብኤ፣ ምስ መን ግን ክኸውን ? ጽልኢ፣ ቅርሕንቲ፣ ሓሳዳ፣ ኲናት ዝጽሕትር መንግስቲ ሒዝካ ዝሕለም እኳ ኣይኮነን። በዚ ናይ ሎሚ ቓንዛ ከይተሸነፍና ኣብ መቓብሩ ሰላምን ስኒትን ክነንግስ ኣብ ማእከል ጭቑን ህዝብናን ጎረባብትናን ምክብባርን ምትሕልላይን ክሰፍን ናይ ወትሩ ዕላማና ይኹን።

ኽቡራትን ክቡራንን  ኣሓትን ኣሕዋትን፣

ዶር ዳኑኤል ረዘነ ነዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ዘገልግል እንተዝነብር እዚ ሕቶ ይኹን እዚ ጸለመ ምመጽኦዶ ? ብፍላይ ናይ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ ነዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ዘየሰንበሮ እንተዝኸውን ንዶር ዳኑኤል ምዘከሩዎዶ ? ፋሺስታዊ ጉጅሌ፣  ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ ካብ እዚ ዝረስሕ ትፋእ ክተፍእ ሙዃኑ ቐዲምና ነቒሕናሉ ክንጸንሕ ንላቦ። ዕላማና ህዝብታትና ዝጸምኦ ሙሉእ ፍትሒን መሰልን  ምንጋስ’ዩ። እዚ ከይዲ ክዕወት ከኣ ምክብባር፣ ምትሕልላይ፣ እዛ ሃገር ናይ ኩልና ሙዃና ኣሚና ንሽርክነትና ብሕጊ ክነረጋጊጾ ክንቓለስ ኣሎና። ኣብ ኮበሮን ዳንኬራን ባህልን ፋሺስቲ እናሳዕሳዕካ ሓርነት ክንዓትር ዘበት’ዩ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ደንበ ተቓዉሞ ንገዛ ነፍሱ ብፍትሕን ሰብኣውነትን ክህንጻ ንላቦ። ከምኡ ምስ ዘይንገብር ግን ስርዓት ኢሳይስ ምስ ውደቐ፣ ከም ኣዚ ናይ ሎሚ ካብ ኢስያስ ድርጊ ምሓሸና ዝበሃል፣ ንኣና’ውን ኢስያስ ምሓሸና ዘብለና ባህልታት ንወግዶ።

‘’ንጫባበጥ’’ ዝበልኩም ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ድሑር ፋሺሽቲ ባህሊ ዘጨባብጥ የብልናን። እኳ ድኣ በዚ ኣዕናዊ  ባህሊ ምጽላውኩም ብዙሕ የጉህየና። እዚ ሕሱር ፕሮፓጋንዳ ንሂወት ፋሺስቲ ከድሕኖ ኣይኮነን። ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 26.06.2015 ቀድማይ ወስታ ዉጹዕ ህዝቢ’ዩ። ብዉሽጢ ሃገር፣ ብከተማታትን ብገጠርን ሓይሊ ህዝቢ ምስ ዝነጉድ ማዕቐሊ የብልኩምን፣ ስለ’ዚ ንፍርሕን በለጽን ውጊድ ኢልኩም ምስ ዉጹዕ ህዝብኹም ክትውግኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላበውኩም።

ሓበሬታ፣ ንኣንበብቲ ወስ ክነብሎ ንደሊ ኣብ መርበባት ኤርትራ ‘’ብስም ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቭ ብዝብል ስም፣ ንመስከረም ኔት መልሲ ዝጸሓፈ\ፉ ነቢብና። ንተኸታተልትን ንኣንበብትን ብትሕትና ክንሕብሮ ንደሊ እዚ ጹሕፍ እዚ ኣይንፈልጦን’ና። ምስ ረኤናዮ’ውን ብዙሕ’ውን ጉሂና። ሕጊ ክነንግስ እናተቓለስና ኣብ ጎንና ኮይኑ/ኮይኖም መሰልና ስለ ዝገሃሱ/ሰ ብትሪ ንኹንኖ።

ምልኪ የብቒዕ፣ ሕጊ ይንገስ !!!

ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 26.07.2015 ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓለፍነት ንወስደሉ፣ ዝኾነ ርእይቶን ነቐፌታን ከኣ መርሓባ ንብል።  ኢሜይልና፣ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

1. ጎይትኦም ኩፍሎም  2. ሲዒድ ሳልሕ  3. ሴም ሃይለ  4. ተስፋልደት ዑቅበ 5. ማህሙድ ኢብራሂም                 6. ቬሮኒካ ኣልመዶም 7. ግርማይ ኣብራሃ ----------------------------------------------------

Last Updated on Monday, 27 July 2015 18:27
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 127 guests online