www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ሓደ መስከረም ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን’ያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
ሓደ መስከረም ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን’ያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
Sunday, 16 September 2018 01:36

ሓርበኛ እዲርስ ዓዋተ ብ1961 ዓም ምስ ብጾቱ ምስ ኩሉ ዝድግፎ ዝነበረ ህዝቢ ኮይኑ ሓደ መስከረም ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዉሑድ ቁጽሪ ሰብን ብረትን ንሓያላን ሃጸያት ዓለምና መሰልና ኣብ መሬትና ዪከበር፣ ክብል ከሎ ወላ ኣብ ሞትውን ክብሪ ከም ዘሎ ፈሊጡ ቀዳመይቲ ጢይት ነጻነትን ሓርነትን ዝተኮሰ። ንሕናውን ማእሰርትን ሞትን ይብዛሕ፣ ስደትን ናፍቆትን ዪዉሓጠና፣ ንጥልመትን ትምክሕትን ጭቖናን ስርዓት ኢሳያስ ክነፍርሶ ሓደ መስከረም ንራኢናን ንውደባናን ክነጥንክር ቓል ንኣትወላ ዕለትያ። ሓደ መስከረም ሃገራዊት በዓልና ክነብዕላ ከሎና መልእኽትናውን ንህዝቢ ብወግዕ ንዝርግሕ።

ናይ ሎሚ ዘመን መልእኽትና ህሉዉ ኩነታትን ዝሕቶ ሕቶ ስለ ዝኾነ ንመንእሰይ ኤርትራ ዘተኮረ ክኸዉን’ዩ ኣብ ታሪኽና ክወራረስ ዝጸንሔ ንሃገሩን መሬቱን ንኽብሪ ንመሰል ዝግደስ ቅድሚ ኹሉ መንእሰይ’ዩ ። መሬቱ ዘውዲ ህወቱ ስለ ዝኾነት ከኣ ብቀዳምነት ንሱ ይምክተላ። ሓደ መስከረምውን ብባህላዊ ደረጃ ክንርእያ ከሎና ንመንእሰይ ፍሉይ ቦታ’ዩ ዘለዋ። ስድራ ቤታት ዕሙር ክረምቲ ሰናይ ምህርቲ ክእትዉ ከለኦዉ ንዉላዶም ሕጸን መርዓን ዪምነዩ። መንእሰይ ጻወታን ሆየ ሆየ ክብል ከሎ ነታ ናይ መጻኢ ሂወቱ ትኸዉን ወይ ዝኾና ዝተሓራረዩ ዕለት’ያ። ኣብ ሃገርና ሰላምን ክብርን ጎደሉ ሃገራዉን ባህላዉን መሰላት መንእሰይ  ስለ ተረግጸ መንኣሰይ’ዩ ሓደ መስከረም ዝመከተ። ስለ ጻዊዕትና ንመንእሰያትና ምግባር ታሪኻዊ ሓላፍነት ንምዝኽኻርዩ።

ብቐዳምነት እቶም ሹዑ ብንእስነትኩም ዝመከትኩም ሎሚ ገዳይም ወይ ሽማግሌ ኮንኩም ዘሎኹም እንቋ ንሓደ መስከረም ኣብጻሓኩም። እታ ሽግ ነስኹምን ዝተሰዉኡ ብጾትኩምን ዘልዓልኩማ ሱር ነቀል ለዉጢ እኳ እንተዘይምጸኤት ሃገር ከይትበታተን ጠሚርኩማ፣ ዕድላ ግዝእቲ ኮይኑ ከይተርፍ ነጻነት ኣሕቑፍኩማ፣ ግርማ ሉላውነት ኣልቢስኩም፣ ምስ ኩለን መሓዙታ ኣብ ቂጦ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኮፍ ኣቢልኩማ፣ ኢኹም እሞ ብሓባር ህዝብን ተጋደልትን ካብ 1961 ክሳብ 1991ዓም ዝመከትኩም እንቛዕ ንሓደ መስከረም ኣብጻሓክም ንብል።

መንእሰይ ደቅና ታሪኽ ሃገር ድምር ናይ ወለዶታት’ዩ። ሓንቲ ሃገር ብበግዜኡ ዜጋታታ ‘’እንቢ ኣይንግዛእን’’ ‘’እንቢ ኣይንብርከኽን’’ ‘’ኣነ ከሎኹ ሃገረይ ኣይትድፈርን’’ ‘’ህዝበይ ዪንበር ዪኽበር ኣነ ግን ሚእንታኡ ዪብጆ’’ ዝብል ናይ መኸተ ሓልዮት ብኣሻሓት መስዋእቲ ክፍጸም ከሎ ግደፉ ነት ኲናት ሲዕርናዮ ተሳዒርና እንተንነብር’ውን መስዋእትን ሓርበኝነትን ናይ ግዜና ብደም ኣቦታትኩም ዝተጻሕፈት ብራና ስለ ዝኾነ ከም ታሪኽ ነባሪ’ዩ።

ካብ 1961 ዓ.ም ጀሚርና ነዚ ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝብና ክሳብ ሎሚ ክነዕዉቶ ዘይምኽኣልና ንኹሉ ህዝብናን ንፈታዊናን ዝሕዝን ጉዳይ ሙዃኑ ንኣምን፣ ኩልና ኣብኡ ዝተኻፈልናውን ‘’ዓሕ’’ ንብል ኣሎና። እዚ ቓልሲ ግን ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዘዩ። ብጹሑፍ ክነምሓላልፈልኩም ምተገብኤ። ኣብ ግዜና ግን እዚ ናይ ሎሚ ምቾት ኣይነበረን። ሎሚ ዕድል ረኺብኩም ኣሎኹም ነዚ ብዙሓት ጀጋኑ ዝውደቑሉ ቦኽርን ሕሳስልደን ዝተቀባበልዎ ዕላማ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። ‘’ሓሚቕኩም’’ ‘’ተሸዊድኩም’’ ‘’ሰውራ ኣየካየድኩምን’’ ‘’ፈተዉቲ ርእሱኹም ሱሱዓትኹም’’ ብሕጽር ዝበለ ከኣ ‘’ሸፋቱ ኔርኩም’’ ወዘተ ክትብሉና ንሰሚዕ ኣሎና።

መን ዝጠለመ? መን ዝደነነ? ታሪኽ ነዚ ኣይብል ነቲ ንታሪኽ ንግደፎ። ጉድለታት ክነብረና ንቡር’ዩ። እዚ ኣጉዲልኩም እዚ እባ ኣይገብርኩምን ምባልኩም ኣይገርመናን። ንሕና’ውን ንኣቦታትና ኣብ ሓምሳታት እንተትሰምሩ እዚ ናይ ሎሚ መዋእቲ መይከፈልናን ንብሎም ኔርና። ንታሪኽ ክትፈልጦ ኣብ ቦታ ታሪኽ ምርካብ ኣየድልን’ዩ። እንተኾነ ንታሪኽ ክትፈልጥ ናተይ ኢልካ ኣብ ዉሽጡ ኣቲኻ ብሳንሳዊ ፍልጠት ብናጻ ሓንጎል ክትመራምረሉ ምስ ትኽእል’ዩ። ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣይተተኽላ ወላ ኣይቆማ። ኩለን ጸሊምን ጻዕዳን ታሪኽ ኣለወን። ኤርትራዉያን ከኣ እዚ ዘሎናሉ መደረኽ ጸሊም ታሪኽና’ዩ።

ኤርትራ ኣብ ቐንዲ መትኒ ቑጠባ ምዕራባዉያን ምስራቓዉያንን ስትራተጂ ከም ዘላ ኣብ ብዙሓት ጹሑፋትና ተገሊጹ ኣሎ። ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅምር ከሎ ጹጹይ መጽናዕቲ ከም ዘይነበሮውን ኩልና ንሰማማዓሉዩ። ድሕሪ ሓደ መስከረም ብረታዊ ቓልሲ ምጅማሩ ዓለም ብዓለማ እዛ ንእሽቶ ሃገር ነዚ ናይ ኩሎም ህላውየ ዝኾነ መስመር ባህሪ ሓደጋ ከይትኸዉን ብዝለዓለ ወጻኢ መጽናዕቲ ክግብሩ ጀመሩ። ነዚ ሰዉራ ሓፍ ከይ በለ ክደቑስዎ፣ ካብኡ ዝተረፈ ክበታትንዎ፣ እንተሓሚቖም ንኡ መሲሎም ክሰርቕዎ መደብ ኩሎም’ዩ ዝነበረ። እዚ ሓላልን ለዋህን ህዝቢ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሙሁራት ሒዙ ኣብ ግልበቱ ተኣማሚኑ ‘’መሰለይ’’ ይከብር ዝበል ንረብሓኦም ዘይሕሉ እንተኾነ ገደል ይእቶ ዝበል ዘይሰብኣዊ መደብ ሒዞም ብሓይልን ብዝተጠናነገ ስለያን በዲሆሞ። ሕጅ’ውን ልቢ በሉ  ክሳብ ሎሚ ኣይደቐሱን’ዮም ዘለዉ

ኣብ ሰዉራ 97% ሓረስታይ ኣኽቲትካ ትሓፍሶ ሙሉእ ዓወት የሎን። ዓቕሚ ጎዲልና። እወ። ጥርናፌ ጎዲልና እወ። ሓድነትና ኣይተረረን። እወ። ኩሉ እዚ ግን ካብ ዉሽጥና ዝመንጨወን ድኻማና ኣይኮነን ነቲ ድኻምና ድኻም ክዉሱኹ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ብፍልጠትን ብቑጠባን ብዘመናዊ ብረትን ኣብ ዉሽጥና ኣትዮም ምሸት ንኣስራ ንግሆ ፈቲሖማ የጽነሑ ነበሩ። ንስኹም’ውን ኣብ ተካይድዎ ዘሎኹም ቓልሲ ብርግጽ እዚ ከም ዝጓነፈኩም ዘሎ ንርኢ ኣሎና። ንሕና ንገድሊ ክንከይድ ከሎና ከም’ዚ ናትኩም ዕድል ትምህርትን ንቅሓትን ናይ ሳይበር ልኡላዉነትን ኣይነበረን። ‘’ሃገረይ ነጻ ከዉጽኣ’’ ዝብል ሕልሚ ኔርና። ኣብ ቅድሜና ዝጸንሕና ዝተጠናነገ ውረድ ደይብ ናይ ሰዉራ ካብ ወልድና ዝወረስናዮ ምህሮ ኣይነበረናን። እታ ዓቕሞም ክመኽሩና ከለዉ’ውን ብናተይ ናትካ ተጸሊና ስለ ዝነበርና ንሶምዖም ኣይነበርናን።  ብ1974ዓም ሰዉራ ኣብ ኣፋፈት ኣስመራ ስለ ዝቐረበት እቶም ሹዑ ዝወጻና ዳርጋ ኩልና ድሕሪ ስለስተ ወርሒ ነጻነት ሒዝና ክንኣቱ’ዩ ዝመስለና ዝነበረ። ሰውራ ግን ቅብብል ወለዶታት’ያ። ሰውራና በላሕትን ተባዓትን ሓላላትን ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ ባሃልትን ጭዋታት ሰብ እምነት ሰብ ሰብኣዉነት መሊኦማ’ዮም ዝነበሩ። ጽቡቕ ዝገበሩን ክፉእ ዝገብሩን ኣቦታትኩም’ዮም እሞ ነቲ ጸጽቡቑ መሪጽኩም ቓልሲ ቀጽሉ።

ኣብ ናይ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ መንእሰይ ጎሊሕኩም፣ ብተሞኩሮን ብፍትሕን ተወሊዕኩም ሪኢና። መጻኢት ኤርትራ ኣብ ኢድኩም ከም ዘላ ተዓዚብና። መንነት ኤርትራዊ፣ ናይ ኤርትራ እምነታትን ባህልን ታሪኽን ምኽባር’ዩ። ዝብሉ ሓቕታት ነቂሎም ኢዮም። እዚ ባህሪ’ዚ ድማ እዩ ዝጸብቐልኩምን ንዓወት ዝብጻሓኩም ሓዝዎ። ኣብ ቓልስና ዝጎፋሓፍናዮም ዓሌትነትን ትዕቢትን ጸበብነትን ወጊድ በልዎ። ኩሩዕ ታሪኽ ኣቦታትኩም ኣሎኩም እሞ  ኣብ ትማሊ ኣይትንበሩ። ናይ ዘመነ  እኒ እኒ ሕንባሻ ከሎ እምኒ ታሪኽ ወላ ሕልም ሓዲርኩም ሕልም ዊዒልኩም ኣይትረኽቡዎን’ኹም። ኣብ ጎንኹም ዘሎ ማይን ሓዉን ትልምንዎ ወይ ትህብዎ፣ ምስኡ ትሰግዱ ትቆርቡ፣ ኣብ ሓደ ታባን ኣብ ጸበባን ዝደመኹም፣ ብዓጽምን ደምን ዝተወሃህድኩም፣ ሓዉኹም ጎረቤትኩም ውዲ ሃገርኩም ምሳኹም ንዘሎ ገዲፍኩም ነብረ ያ ነብረ ‘’ንሕና ከም’ዚ ኔርና’’ ምባል ጸሊም ታሪኽ’ዩ። ስለ’ዚ መንእስይ ልቢ ግበር። ኣብ ናይ ሎሚ ኣብ ሓድነትን ምክብባር ኣሚንካ ትባዕ ንፍትሒ ድለያ ተሰዋኣላ። ብኔት ዎርክ ተወደብ፣ ብጥበብን ብንቕሓትን ነፍስኻን ሰዉራኻን እናሓሎኻ ንሓደ መስከረም ምሰል። ዕላማታት፣ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራስን ንታሪኽካ’ዩ። ሓደ መስከረም ነዚ ተምህርን በዚ ሓቕታት ጥራይ ትዝከርን ስለ መንእሰይና ወርቒ ከሎኻን ወርቂ ከሎካን ናይ ካልኦት ወርቂ ተሰካሚ ክተከዉን ኣይትተምነ። መንእሰይ ናይ ኩሉ ሓገዝን ጸሎትን ምርቓን ኣሎካ። ውደባኻ ዘፍርሖም ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽናዮ ተጻባእቲ ኣለዉኻ ስለ’ዚ ጥበብ ዪዓድልካ።

መንእሰያት ደቕና፣ ካብ ሓደ መስከረም ንመሃሮ እንተሎ ምምካትዩ። ዘይምክት ባርያ፣ ሕሱር፣ ሃገር ኣልቦ’ዩ። ተውደብ፣ ተወደብ፣ ተወደብ ንብለካ።  እንተዘይተወዲብካ ነዚ ናይ ሎሚ መኽተ ዝተዓጻጸፈ ምስትዉዓልን ምክብባርን፣ ምጽዉዋርን፣ ትምህርትን፣ ጻዕርን፣ ቆራጽነትን ዘድልዮ ክትዓሞ ኣጸጋሚ’ዩ። ናይ ሎሚ ኲናት ናይ ሳይበርዩ። እዚ ሳይበር ክሰብረና ወይ ተጠቂምናሉ ዓወት ከብስረና ኣብ እድኩም ኣሎ እሞ ብፍልጠትን ሕልናን ሓዝዎ ። ነዚ ቓልሲ ግደፍ በይንኻ ጎዪኻ ተወዲብካ እኳ ከቢድ’ዩ። ንውደባ መልኪዕ ኣይትድለዩሉ ሓርበኛ ኤርትራዊ ሙዃን እኹልዩ።

ተወሳኺ እዋናዊ ሕቶታት ብሕጽር ዝበለ መርገጺና ንምምልካት።

ኣብ ጀንቫ ዝተገብረ ኣኼባ ዕለት 01 መስከረም 2018ዓም ብዕቱብ ዝረኣዮ ኩሉ ናይ ደንበ ፍትሒ ድልየታትን ዓላማታትን ንህዝብናን ንጎረባብትናን ክነረድእ ንቓልስና ክብርን መንገዲ ዓወትን ክነትሕዞ ጽላል ናይ ኩሉ ደንበ ተቓዉሞ ሓይልታት ፖሎቲካን ማሕበራታትን ክሳድ ሙዃኑ ኣስሚርና፣ ሓንቲ ሽማግሌ ብሾብዓተ ሰባት ነዚ መሬት ትምድምድ ኣቑምና ኣሎና። ሃየ መርሓባ በልዋ፣ ዝጎደለ መልኡላ፣ ዘይነበረ ዪጸንበራ፣ እናበልና ሃገራዊ ሓደራና ንኹሉ ነመሓላልፍ።

ህሉዊ ዂነታት ንኹልና የዛርበና ኣሎ። ካብ ኩሉ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ዝዝመርን ዝግበርን ዘሎ ነድቆ’ና። ክልተ መንግስታት ዝወስዶ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቕን ኣገባቡ እናተቓወምና ነቲ ዕርቒ ግን ንድግፎ። እንተ እቲ ክልተ ህዝብታት ተዓሪቑ ዝብልዎ ግን ቀደም’ውን ክልተ ህዝብታት ኣይተባእሰን ንብሎም። ዘባእስወ ንሶም ክልተ መንግስታት’ዮም ዝነበሩ ክልተ ህዝብታት እንቛዕ እዞም ክልተ ብኡሳት ተዓረቑልና ንበል። ምስ ጃንዳ ኢሳይስ ዝግበር ዕርቒ፣ ዕርቒ ስለ ዝኾነ እናደገፍና፣ ሚኽያቱ ሓራምዝ ክበኣሱ ንሳዕሪ ይኸፍኦ ከም ዝበሃል ብፍላይ ህዝብና እዚ ኲናት ሰፍ ዘይብል ስንብራት ድኽነትን ስደትን ማኣሰርትን ጌርዎ ከም ዝኾነ ስለ ንኣምን ብሓቂ ሰላም ክኸዉን ሕረስ ሓረስታት ንገድ ነጋይ ኮይኑ ዲሞክራሳዉያዊት ቑዋማዊት ኤርትራ ክትእወጅ ንጹዉዕ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሱዉኣትና። ዓወትና ናይ ግድንዩ።

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 213 guests online