www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ጻዊዒት ኣዴታት ዞባ ኤዉሮጳ ፍራንክፎርት 08.03.2019 ካብ መዓልታዊ ዲያርየይ ጎይትኦም ኩፍሎም
ጻዊዒት ኣዴታት ዞባ ኤዉሮጳ ፍራንክፎርት 08.03.2019 ካብ መዓልታዊ ዲያርየይ ጎይትኦም ኩፍሎም
Tuesday, 26 March 2019 20:52

ክቡራት ነበብቲ እዚ ጽሑፈይ ብቐዳምነት ግዜ ሂብኩም ምንባብኩም የመስግነኩም። ነቶም ዘይነበርኩም መደብ ጻዊዒት ኣዴታት ከመይ ኔይሩ ኢልኩም ንትሻቐሉ ብዉልቐይ ብሓላፍነተይ ትዕዝብተይ ከካፍለኩም’የ። ነዚ ክጽሕፍ ዘበገሰኒ ኣብ ኣደ ዘሎኒ ክብሪ’ዩ። እዚ ብኣደ ዝተገብረ ጻዊዒት ካብ 1961ዓም ጠፊኡ ዝነበረ ታሪኽ ህዝብና’ዩ። ኣዴታት ንዓዲ ንጎደቦ ዝዓርቓ፣ ንመሬት በርበረን ጭማራን ሒዘን ዝዋጋኣላን ዘዋግኣን ኔረን ንሰሚዕ ኢና። እዘን ናይ ሎሚ ኣዴታትከ ታንክን ረሽራሽን ሒዘን ዕልል እናበላ ኣብ ሕሰምን ጸገምን ኲናትን ዝኣትዋ ሎሚ ድማ ንሓምሽተ ኮንቲኔንቲ ጻዊዒት ክገብራ ከለዋ ክንኮርዓለን ዝግባእ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ሓድነት ኣዴታት እዚ መጀምርታኤን ኣይኮናን  ብ1974ዓም ሽኮርን ብስኮትን ክዳንን ተሰኪመን ብኣፍ ጨበንጃ ጦርሰራዊት ሓሊፈን ንጀብሃን ሻዕብያን ክዓርቓ ሂወተን ንሓደጋ ዝወደቓ’ውን ክንዝክሮ ኣሎና። ሎሚ’ውን ደጊመን ናይ ስደት ጸብባ ተጻዊረን ንሓድነት ደንበ ተቓዉሞ ክጽዉዓ ከለዋ እንቛዕ ኣሓትናን ደቕናን ኮንክን ክንብለን ኣሎና።

ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ኢዉሮጳ ኣብ’ዚ ፍሉይ ግዜ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ብዓይነቱን ብኽብደቱን ፍሉይ ጻዊዒት ብምግባረን  ኒኢደየን ኣድኒቐየን። ሚስጢር ኣደ ንዉስጠ ማየን ኣብ ሂወት ቀዪረን ትንፋስ ዝፈጥራ፣  ኣብ ጸልማት ብርሃን ዝኾና፣ ኣብ ዝተመሳቐለ ግዜ ኮንፓስ ከይነን መንገዲ ዝሕብራ፣ ብኣዴታትና ንኹራዕ። በዘን ናይ ሂወትና ምፍጣር ማእከል ሚስጢር ዝኾና ‘’ጻዊዒት’’ ክግበር ከሎ ዘይኮነ ዕሕሕ ክብላ ከለዋ እኳ ኣሎኹ ክንብል ዪግባእ። ኣሓትናን ደቕናን ንብዓተን ዉሒጠን ንብዓትና ክደርዛ ምትንሳኤን ዓቢ ታሪኽ’የን ገይረን። ኣብ ኣኼባ ምምጻእን ዘይምምጻእን ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ሕደሪ በታ ዝቖመት ሽማግሌ ክትግበር ከሎ ሕቆ ክንከዉን መታን ኣይነበራን ክይንብል’የ ዘዕልለኩም።

ንዕለት 08.03.2019 ዓም ምስ ገበራ፣ ሕማማይን ጸገመይን ወንዚፈ ክርእየንን ክሰምዔንን ዓቕመይ ድማ ክገብር ንዝምልከቱኒ ወኪለ ንጉዕዞይ ምቅርራብ’የ ገይረ። ጽቡቕ ዕድል ድማ ረኺበ ሓደ ጎረቤተይን ዓርከይን መቓልስተይን ጋዜጠኛ ሕድሪ ዝነበረ ማንኪኑኡ ገይሩ ክወስደኒ ቓል ኣትዩኒ። በል ሓደ ሰብ ኣሎኒ ምስ በልኩዎ ድማ መርሓባ ንማልኦ በለኒ። ኣብ ቆጸራና ክርከብ ሰዓት ሓምሽተ ክትንስእ ኔርኒ። ከም ቆጸራና ካብ በርን/ስዊስ  ሰዓት 8ተ ንግሆ ነቂልና  ድሕሪ ሓምሽተ ሰዓትን ፈርቓን ፍራንክፎርት ብሰላም ኣቲና።

ኣብ ምጅማሩ ስለ ዝበጻሕና ኣዴታት በዝን በትን ቅልቅል ክብላ ዕዱማት ብኽልተ ሓምሽተ ተታሒዞም ከምጽኡ ምስ ረኤና ተሓጉስና። እዚ ህዝብና እኳ ዕዉት’ዩ በልና። ኣብ ማዕጾ ብዕድሜን ብስራሕን ብቓልስን ኣደ ዝኾነት ሓብትና ኣስገደት እንቛዕ ብሰላም መጻእኩም ምስ በለትና ተስፋና ዘዪዱ። መታሕትን ከበሳን ኣዴታት ኩለን ብፍሽኽታን ብተስፋን ክሰዓዓምን ስላም ክብላን ክበሃሃላን ዕልል እናበላ ክቅበላን ከለዋ ኣብታ ገዛና ትቅበለና ኣዴ ገዛ ዝኣቶና መሰለና። እንቛዕ ደሓን መጻእኩም፣ ዓይኒ ኣባይኩም ዪደፋእ፣ ማይ ስተዩ፣ ሕጂ ክጅመር’ዩ ቦታ ሓዙ ክብላኻ ከለዋ ዝያዳ ፍቅረንን ሓልዮተንን ንኹልና ጸለወና። ኣብ ገጸን ተስፋ፣ ጽንዓትን ተወፋይነትን ይንበብ ኔይሩ። ንኣዴታትና በዝን በትን (ብመንግስትን ብደንበ ፍትሕን) በዲልናየን  ድሕሪ ሕጂ ምፍልላይ ወጊድ ክንብል ድማ ቓል ዝኣቶና ንመስል ኔርና። ከም’ዚ ሓቦን ሓሳብን ሒዝካ ምብጋስ ከኣ ፍርቒ ዓወት’ዩ። ከም ኣበዋት ዝብልዎ ‘’ሰበይቲ ትልእኾ ካብ ኣፍ ኣንበሳ ዓጽሚ ይምጥል’’ ከም ዝበሃል ኩልና ደቂ ተባዕትዮ ቁልፍና ሸጥ ኣቢልና’ና ኣብ ኣደራሽ ኣቲና።

ናይ ዓርቢ ምሸት መደብ 8 መጋቢት ምብዓል’ዩ ዝነበረ። ተራ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቓልሲ ዘሎን ዝነበረን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተገሊጹ ብሰላም ተዓጽዩ ንጽባሕ የራኽበና ተበሃሂልና ናብ መደቀሲና ከድና።

ኣብ’ዚ ኣቐባብላ ኣጋይሽ ኣብ ዳስ መርዓ ሃገርና ዝግበር’ዩ  ዝመስል።  ካብ ኩሉ ብዕድሜ ንእስ ዝበለት ትርሓስ ትበሃል ምስ በዓል ቤታን ካልኦት ብጾታን ኮይና ብኹሉ ቋንቋ እናተላዘባ ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብን መሕደሪ ቦታ ኣትሓዛና። እቲ መደብ ብዕሊ ኣተኸፍተን እንበር ኣብ ኮፍ ዝበልካዮ ‘’ሓቐን ኣኽፊእና’’ ‘’ጽባሕሲ ክንዕወት’ና’’ ዝብል ጽቡቕ ትምኒት ክስማዕ ኣምሲዩ። ለይቲ ዓርቢ ኣብ ዝበለጸ ዓራትን ህዱእ ቦታን ደቂስና ክነስና ኣይደቀስናን። መኣስ ኢያ ትወግሓልና ክንብል ሓዲርና። ኩሉ ሰብ ቅድሚ ሰዓቱ ተንሲኡ ጉዕዞ ናብ ቦታ ኣኼባ ምቅድዳም’ዩ ዝነበረ።

ኣኺባ ንምኽፋት ሻምግሌ ኣዴታት ንቅድሚት ምስ ተቀልቀላ ብድርብ ጣቒዒት ህዝቢ ተቀበለን። ብዝገርም ትሕትናን ጭዉነትን እዚ ኣኼባ ንሕና ክንከፍቶ ኣይኮናን ኣብ ቅድሜኹም ዘሎና ኣብ ማእከልና ብመንፈሳዊ መዓርግ ካባና ዝዓብዩ ኣለዉ እሞ ሸኽ መሓመድ ኢማምን ቐሺ ዮሴፍ ዮሓንስን ብኽብረትኩም ብጸሎትን ብምርቓን ብምኽርን ክፈቱልና ብትሕትና ናብ እዚ ቦታ ክትመጽኡና ንጽዋዓኩም በላ። እዚ ኣገባብ’ዚ ካብ ግዜ ብረት ቓልሲ ጀሚሩ ዝሓደግናዩ’ዩ። ሎሚ ኣብ ሓዲድ ባህሊ ክንምለስ ከም ዝግባእ ብስራሕ ኣምሂረናና። ንሕና’ውን ተሓጉስና ብጣቒዒት ኣማዕሪግና ቓለን ደጊፍና። ንሰን’ውን ንዕላማኤን ንምዕዋት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተቐረባ ክንርዳእ ኪኢልና። ከም ተሞኩሮይ ኩሉ ኣኼባታትና ኣብ ምጅማሩ ክዓወት ወይ ክፈሽል ሙዃኑ ግልጽ ኢሉ’ዩ ዝረኤ። ካብ ምጅማሩ ዘይጸበቐ ዲሒሩ ክጽብቐልካ ምጽባይ ድማ ዕሽነት’ዩ። ጽቡቕ ምጅማር ድማ በልኩ።

እዞም መንፈሳዉያን ኣቦታት (ብዕድሜ ኣይኮኑን ኣቦታት ዝብሎም) ብማዓርጎምን ብዘስምዕዎ መደርን’ዩ። ድሕሪ ነቲ ጉባኢኛ ምብራኽ ዘስሙዕና ምኽሪ ካብ ናይ ናብያት ዝፍለ ኣይነበረን። ነዚ ልብና ብሓዘንን ብጸገምን ብስደትን ዝቦኹቦኸ ሂወት መሊሶሙሉ። ክንግበር ከም ንኽእል ኣምላኽ ኣብ ጎንና ከም ዘሎ ኣረጋጊጾምልና። ኣብ ቪድዮ ክትርእዩዎ ስለ ዝኾንኩም ኣብኡ ኣትየ ሕደትን ብዙሕን ክብለኩም ኣይትጸበዩኒ። ክጽሕፎ’ውን ዓቕሚ ቓላት የብለይን። ብነጎዳ ጣቒዒት ኣሰኒናዮም ወሪዶም እተን ዝመርሓና ከኣ ኣብ ቦታኤን ኮፍ በላ።

ነቲ ናይ መኽፈቲ ቓል ኣዴታት ዞባ ኤዉሮጳ ብወከልተን ናይ እንቛዕ ብሰላም መጻእኩምን ስለምታይ ነዚ ኣኼባ ክጽዉዓ ሓሊመንን ነዛ መዓልቲ በቂዔንን ብዓረብን ብትግሪኛ ክቕርባልና ሙዃነን ብትዕግስትን ብልቦናን ጽን ክንብለን ዓደማና። ብትግርኛ’ዩ ተጀሚሩ እንተኾነ እታ ብትግሪኛ ክተንብብ ዝጀመረት፣ ድሒረ ዝተረዳእኩዎ ነዚ መደብ ክዉን ክኸዉን ብዙሕ ዝጸዓረት እሞ ብዕድማኣ መንእሰይ ብምሕር ስሚዒት ነቲ ጽሑፍ ክተንብብ ኣይከኣለትን። ወላ እንተ ኣተባባዕናያ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። ብዝገርም ግን ኣብ ጥቓእ ዝነበረት ዓረብ ክተንብብ ዝተቀረበት፣ ህድእትን ፍቅሪ ኣደ ዝተዓደለትን ስለ ዝነበረት ነታ ሓብታ ሓቑፋ ክትእብዳን ንብዓታ ክደርዘላን ሓደ ዘገርም ተኣምር ክልተ መላእኽቲ ኣብ ክልተ እምነታትና ብግብሪ ክተሓጋገዛን ክተሓላለያን ሪኢና። ንሕና’ዉን ምጽዋር ሲኢና ዓይኑ ዘይደረዘ ኣይነበረን። ሳላ’ታ ሓብቲ ዓረብ ኣንባቢት እቲ እንቛ መጻእኩም ብጽቡቕ ተወዲኡ። ኣብ’ዛ ሓጻር መልእኽተን ነቲ ጸጋማትና  ብዝርዝር ጠቢሔን ስጋን ዓጽምን ቆርበትን ፈላልዪን ኣቅሪበናልና። ንሽግርና ግደፍ ኣደ ክትዛረበካ ንባዕሉ’ውን ዝሓዝንን ዘሕፈርን ምህላዉና ሂወት ብዘይ ሂወት’ዩ። ጸበባ ህዝብና ካብ ኩሉ ድማ እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ጽርየቱን ዓይነቱን ዘይተመርመረ ካብ ትግራይ ዝመጽኤ ባኒ ክገዝእ ካብ’ዚ ዝኸፍእ ናብራ እሎዶ ድዩ? ዘሕፍር ድማ ንሕና ኣብ ስደት ዘሎና ብስመረት ሓደ ነገር ክንገብር ዘይምኽኣልና’ዩ። እዚ ብኣፈ ኣዴታት ክገለጽ ከሎ ድማ ‘’ፈጣሪ ሓደ ሙሴ ፍጠረልና’’ ዘብል’ዩ። ኩልና ንሃገርና ሙሴታት ክንከዉን ተላቢየን ኣብ መኣዲ ዘተ ኣእተዋና።

ኣብ ሽድሽተ ጉጅሌታት ተመቂልና ኣብ ዝተመደበልና ገዛ ኣቶና። ነፍሲ ወከፍ ጉጅሌ ካብ 27-36 ሰብ ሒዘን ነበራ። ቁጺር ኣኼበኛ ግን ካብ’ዚ ቁጽሪ ንላዕሊ ከም ዝነበረ ርዱእ’ዩ ዝነበረ።

መበግሲ ዘተ

  • ካብ 1961ክሳብ 1991ዓም ገምጋም ብረታዊ ቓልስና
  • ካብ 1991ዓም ክሳብ 2019 ገምጋም ናጽነታዊ መድረኽና
  • ካብ 1991ዓም ክሳብ 2019 ንፍትሒ ዝተገብረ ቓልስና
  • ደንበ ፍትሒ ንምህላዉና ንምርግጋጽ ተራ እንታይ ምግባር’ዩ  

ኣነ ዝነበርኩዋ ጉጅሌ ዉዕይ ዝበለት ጉጅሌ’ያ። ንኣደ መንበርና’ውን ሰኸም ንኾና ነበርና። እቲ ዋዒ ምፍልላይ ሪእይቶ ኣይነበረናን። ጥምር ኢልና ዝሓለፈ ንቤት መዝክርን ንምጽናዕትን ገዲፍና ሕጂ እንታይ ንግብር ኣብ ዝብል ኢና ኸድና።  ኩለን እተን ጉጅሌታት ከም ናትና ከም ዝበላ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ተረዲእና። ‘’ይኣክል ምልኪ’’ ‘’ይኣክላ ምፍልላይ’’  ሓባራዊ መርግጽና ኔይሩ። ቓልስና ሰላማዉን ዲሞክራስያዉን’ዩ፣ ሰላምን ፍትሕን መሰልን ንደሊ ነዚ ክነዕዉት ግን ንኹሉ ኣገባብ ቓልሲ ክንጥቀም ዘገድደና ዘሎ እቲ ስርዓት ኣስመራ’ዩ ንጉንጺ ዝዕድም ዘሎ በልና። ጎሬበትና ኢትዮጵያ ነቶም ወጻኢ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሃገሮም ተመሊሶም ብቑዋም መሰረት ክድግፉ ክነጽጉ ማዕጾ ከፊታ ንዑ ክትብል ከላ ስርዓት ኣስመራ ግን ሰላም እናበለ ገና ማሃንድስ ስደትን ሞትን ጭቆናን ኮይኑ ኣሎ። ሰላም ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ መን ኣሎ? ሰላም ክንበሃሃህል ሰላም ከመይ ኣሎኻ? ብሰላም እንቛ ኣቶኹም። ጓልና ሰላም ትካልና ሰላም ሃገርና ሰላም’ያ ስማ። እንተኾነ ብሰንኪ ጨቛኒ ስርዓት ኣስመራ እዚ ካብ ኮነ ዕድልና እዚ ቓልሲ ክዕወት ሓድነት የድሊ። ስለ’ዚ ጻዊዒት ኣዴታት መድረኻዉን ሕቶ ኩሉ ጭቑን ህዝብናንን’ዩ። ሕጂ’ውን ከም ዝሓለፈ ሕራይ ሕራይ ኢልና ከይንጠልም ንኣዴታ ቓል ንእተወለን ኣዴታት’ውን ነዚ መድብክን ክሳብ ዝለዓለ ብርኪ ውደባ ዝበጽሕ ድርድሪት ተዓጢክን ደኺምና ከይበልክን ክትሰርሓ ቓልክን ሃባና ዝብል መደምደምታ ዘተ እናኾነ መጺኡ። ንስራሕ እጅጌና ንሰፍስፍ ቁልፍና ቐጥ ነብል ብሞራልን ብቑጠባን ነዕብዮ ነዛ ሽማግሌ ንመርጻ ከኣ ኣብ በቦታና ሕቆ ንኹና ዝብል ናይ ዓብየትን ናሽቱን ለበዋታት ዛረየ።

እዚ ጻዊዒት ናብ ባዶ መሬት ከም ዘይነበረ ብግብሪ ዘመስከረ እዘን ኣዴታት ብደርጃ ኣቦ መንበራት ወይ ወግዓዉያን ወከልተን ንዉድባትን ንምንቕስቓሳትን ንሲቪካዊ ማሕበራትን ንናይ እምነት ትካላትን’ውን ናይ በይኖም ባዕላኦም ንባዕሎም ዝመርሕዎ ኣኼባ ገበራሎም። ኣነ’ውን ዪምልከተኒ ስለ ዝነበረ ምስኦም ተኣኪበ’የ። ካብ 10 ክሳብ 14 ንኸዉን ኢና ተኣኪብና። ኣብ ገጽና ዝረኤ ዝነበረ ጸጸት’ዩ። ዘይገበርናን ዘይተቓለስናን ኮይኑ ኣይኮነን እንተ እቲ ኩሉ ደንበ ተቓዎሞ ዝጽዉዖ ግን ብዕላማ ዘይኮነ ብናይ ዉልቒ እንቢታታት ክንገብሮ ዝግባኣና ዘይምግባርና’ዩ። ነዚ ናይ ኣዴታት ጻዊዒት’ውን እተን ዝተኣከባ ዉድባት ብዝበዝሓ  ደገፍ ሂበን። ኣብ ጋዜጣ ብስም ኩለን ተኣኪበን ዝነበራ’ውን ሓደ ናይ ድገፍ ጽሑፍ ክወጽእ ተርቕቕ ሽማግሌ መዚዝና። ዝተዋህበና ግዜ ሓጺር’ዩ ዝነበረ።  ዝኾነት ውድብ’ውን ብዕላማ ከም ዘይትሰማምዓ ዝገለጸት ኣይነበረትን ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘሎ ነዚ ድማ ምስታ ትቆዉም ሽማግሌ እናተረዳዳእና ክንፈትሖ ሓደራ ተበሃሃሂልና። ዝኾነት ውድብ’ውን ሽምግሌ ቀሪባ ሓግዝ ምስ ትሓትት ዓቕማ ክትገብር ተላቢና። ነዚ ናትና ጽቡቕ ድልየት ድማ  ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ተመሊስና ብወግዒ ገሊጽና።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ዘተ መታን ሓባራዊ ምርድዳእን ወግዓውነት ክህልዎ ጽማቕ ዘተ በተን/በቶም መራሕቲ ጉጅሌ ንኣኸበኛ ተገሊጹ። ዝፈላሊ ከም ዘየሎ ምስ ተመዝገበ ሕጂ እንታይ ንግብር ኣብ ዝብል ኣቲና። ኩለን ጉጅሌታት እዚ ተበግሶ ኣዴታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣደ ኣብ ሃገር ዘላን ኣብ ስደት ዘላን’ዩ ኢሉ ደምዲሙ። እዞም ተኣኪብና ዘሎና ድማ ብሓላፍነትን ብተወፋይነትን ክንሰርሓሉ ኣሎና ኢልና።

እዚ መደብ ብፍራንክፎርት ክስመን ነዚ ናይ ፍራንክፎርት መደብ ተሰላልስ ድማ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ሽማግሌ ክነቑዉም ተሰማሚዕና። ካብ ዝተኣከቡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከክልተ ሂብና። (ዝተረፋ ሃገራት እቲ ጻዊዒት በዛ ሽማግሌ ክበጽሔን ሓደራ ተነብርላ።) ካብ’ዞም ሓንቲ ፈጻሚት ሽማግሌ 9 ኣባላታ መሪጾም። ነቶም ዝተረፉ ድማ ኣማኸርቲ ክኾኑ ኣጽዲቕና።  እታ ዝጸዉዔት ዝገብአረት  ሽማግለ ኣዴታት ዞባ ኤዉሮጳ ድማ ተቆጻጻሪት ክትከዉን ኣጽዲቕና።

ደንበ ፍትሒ ብዉልቕን ብወደባን ከምኡ’ውን እተን ኣብ መንገዲ ዘለዋ ምዉህሃድን ጽላላትን ባይቶን ግንባራትን’ውን ነዚ ተበግሶ ኣዴታት ብዕቱብ ሪኤን ምስ እዛ ሽማግሌ ክሰርሓ ጻዊዒት ኣቅሪብና። ኣብ ታሪኽና ዓቢ ቦታ ዝሓዘ ጻዊዒት ስለ ዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ’ዚ ቅዱስ ሓሳብ ክጥርነፍ እሞ ንዝዓበየ ጥርናፌ ክሰርሕ ደጊምና ጸዊዕና። እዚ ናይ ኣዴታት ጻዊዒት ሕንብርቲ ቓልሲ’ዩ፣ ካብ’ዚ ሸተት ምባል ብሓላፍነትን ብሞራልን ዘዉቅስ’ዩ።

ብሓባራዊ ስምምዕን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ስራሓትና ደምዲምና።  ብእልልታ ኣዴታትንን ብጸሎትን ብባርኾትን መንፈሳዉያን ኣቦታት በውግዒ ዘተ ፍራንክፎርት ብዓወት ተዛዚሙ።

 ኣምላኽ ሃገርና ዪሓልዋ።

እዚ ዪመስል ኔይሩ ፍራንክፎርት መደብ። ኣነ እኳ ኣብ ፍራንኮት ካልእ መደብ ኣጋጢምኒ’ዩ። ሓደ መደብ ብትጉሃት መንእሰያት ብሌን ተሰሪዕኒ ኔይሩ። እዞም መንእሰያት ብሌን፣  ባህልን ቋንቋን ብሌን ኣብ ስደት ከይጠፍእ ብመደብ ቲቪ ትምህርትን ምዕዶን ዝህቡ’ዮም።  ከምኡ’ዉን ምስ ጎረባብቶም ብሰላም ክነብሩ ብትምህርትን ሓብሬታ ምሃብን ዪሕግዙ። መደቦም Shalot.tv ሻሎት ቲቪ ዩ ቱብ እናዘርግሑ ዓቢ ኣድንቆት ዘትረፉ’ዮ። እዞም መንእሰይ እዞም ምስ ካልኦት መንእሰያት ኤርትራ ብሓባር ከም ዝሰርሑን ሓብሬታት ከም ዝወሃቡን’ውን ገሊጾምለይ። ብቅዓት ጋዜጠኝነትን ካሜራን ፊደዮን ኣዉድዮን ዝረኤኹዎ ዘደንቅ’ዩ። ንዝኾነ መደብ ብፊደዮን ካሜራን ክቀርጹ ክትዕድሙዎም ዪከኣል’ዩ። ብሞያ ዝተመረቑ ስለ ዝኾኑ ድማ ንጽፈት ዘማትእ ኣይሃሉኹም። መንግስቲ ኤርትራ ንመንእሰይ’ዩ ብቀዳምነት ብባህልን ብስነ-ምግባርን ኣብ ሳዋ ኣዉሪዱ ኣበኹቢኹዎም። ኣብ ስደት ከም’ቲ ንሱ ዝደልዮ ከይነበርኩም ከም ስድራኹምን ከም ዕድሜኹምን ዝሓቶ ብትምህርትን ብስራሕን ክትልወጡ ነዞም መንእሰይ ሪኢኹም ወላ እቲ ክብጻሕ ዘይመለኩም ክትበጽሕዎ ከም ትኽእሉ ኣብነት’ዮም። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ናይ’ዞም ንፉዓት መንእሰይ ብመደብ ክጽሕፍ ስለ ዝኾንኩ ነዚ ናተይ ሓበሬታ Shalot tv ተመልከቱ። በዚ ኣጋጣሚ ደለይቲ ፍትሒ ብስራሕን ብትምህርትን ክልወጡ ነመእሰያትና ነተባባዓዮም።  

ጎይትኦም ኩፍሎም ጀኔቫ Saturday, 23 March, 2019

 

 

 

 

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 85 guests online