www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ዮሃና ን መበል 31' መዓልቲ ናጽነት ሃገረ አርትራ።
ዮሃና ን መበል 31' መዓልቲ ናጽነት ሃገረ አርትራ።
Tuesday, 24 May 2022 19:47

እዚ መዓልቲ’ዚ ኣብ 1991ዓም ኮይና ክንርእዮ ከሎናን ሎሚን ዝተፈላለይ ስሚዒታት ኣይፈጥረልናን፣ እኳ ድኣ ሎሚ ካብ ቅድም ዝለዓለ ፍናንን ክብርን ይህበና።ናጽነት ሱዉኣት ጀጋኑና ዘረከቡና’ያ፣ ክሳብ ሎሚ ምዕቛባ ድማ ሕድሪ ናቶም ዘይምጥላም’ዩ። ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብሂወትን ብግዜን ብንብረትን ብገልታዕታ ስደትን ዝኸፈልናዮ ዋጋ ክሳብ ሎሚ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጽበጻብ ዘይምግባሩ እቲ ዝዓብየ በደል’ዩ። ንናጽነት ብሓላፍነት ዝተቐበሉ እሞ ክሳብ ሙሉእ ፍትሒ ከይትበጽሕ ዝተጻረሩን ዝዓንቐፉን ኣብ መንግስታዊ መዋቕር ዘለዉ ብወጄል ይሕተቱ፣ እቶም ግዳያት’ና ንብል’ውን  ሰሚርና ተኻኣኢልና ከም’ቲ ቅድሚ ናጽነት ተሰዊኦም ናጽነት ዘጨበጡና ተወፊና ስለ ዘይሰራሕና ንህዝብና ኣብ ሕማቕ ሂወት ክጸንሕ ስለ ዝገብርና ብሕመቕና ተሓተቲ’ና። ኣብ ግዜ ቓልሲ ብዘጓነፈ ሓድሕድ ሙውጋና ሂወት ብዙሓት ስለ ዝጠፍኤ፣ ብዕርቕን ፍትሕን ከይተዕጽወ፣ ነዚ ጠላም መንግስቲ ኣብ ሕጊ ደዉ ከየበልና መበል 31 ዓመት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ በጺሕና። ዝተቓለሰ ዝተሰዉኤ ዝተሰደ ዝጠምየ ዝተኣስረ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዛ ናጽነት’ውን ሸረፍ ድያ ስባር ብዘየገድስ ነቲ ዋንኣ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብ መበል 31 ዓመት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብጻሓካ ንብሎ፣ ዮሃና ህዝብና!!! ዮሃና ንሱዉኣትና ነዛ ክብሪ ናዛ ሂወት ዘልበስኩምና!!!!

ዳግም ዮሃና!!!

ብሊና ኦርግ።  G. K.

Last Updated on Tuesday, 24 May 2022 20:25
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 41 guests online