ፖለቲካዊ ውሳኔታት መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ) Print
Written by ብጎይትኦም ኹፍሎም   
Monday, 20 December 2021 17:33

መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ፡ ካብ 18 ክሳብ 20 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ተኻይዱ፤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ንኩላትና ደለይቲ ለውጢ፡ ዓብይ ብስራት ብምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ እንቋዕ ኣሐጎሰና፡ ክንብል ንፎቱ።
መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ኣብ ፍሉይን ኣዝዩ ተኣፋፍን ኩነታት ተሰላሲሉ። መስራቲ ዋዕላና፡ ንኩነታት፡ ዓለም፣ ዞባን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ማለት፡ ሃለዋት ህዝብና፣ ደመኛ ጸላኢና ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ-ህግደፍን ሓይልታት ተቓውሞናን ድማ ብፍላይ፡ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ገምጊሙ። ዋዕላ ስሙር ሃገራዊ ግንባርና፡ ፖሎቲካዊ ቻርተርን ሕገ-ህንጻን ብሙሉእ ስምምዕ ኣጽዲቑ። ምስ'ዚ ብዝተታሓሓዘ፡ ዓበይቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ፖሎቲካዊ ውሳኔታት መስራቲ ዋዕላ ስሙር ሃገራዊ ግንባርና(ኤስሃግ) ዝስዕቡ እዮም።

To read more click on this Tigrinya PDF

Last Updated on Thursday, 23 December 2021 17:22