መግሊጽ ሓዘን ብሞት ኣቦናን ብጻይናን ተ|መምህር ሳልሕ ሓምዲ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ Print
Written by Administrator   
Thursday, 30 July 2015 23:11

እዚ ግዜ ይኸይድ ኣሎ። ምስ ግዜ ምኻዱ ከኣ ዓብይትን ናኣሽቱን ተቓለስቲ ነቲ ዝተበገሱሉ ዕላማ ኣብ ዝግባእ ከየብጽሑ ይፍለዩና’ለዉ። ንደንበ ተቓዉሞን ንሃገርን ከም እዚኦም ዝመሰሉ ሙኩራትን ናይ ታሪኽ ሰነዳትን ብጾት ምኽሳርና ብዙሕ ንሓዝን። መምህር ሳልሕ ሓምዲ ካብቶም ቀዳሞት መመህራን ግዜ እንግሊዝ’ዮም። ብዙሓት ብሉጻት ተማሃሮ እሞ ሽግ ሰውራ ዘልዓሉ ዘፍረዩ’ዮም። ንሶም’ውን ነታ ሽግ ሰውራ ክሳብ እዛ ዕለት መስዋእቶም ካብ ኢዶም ኣየውረድዋን። ጽንዓት ዝመለለዩኡ ክፍለዩና ከለዉ መሪር ሓዘን ዪስማዓና።

መምህር ሓምድ ምስኣን ንስድራ ቤቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ንደለይቲ ለውጢ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ’ዩ። ንመቓልስቱን ንስድራ ቤቶምን ጽንዓት ያሃብኩምን ዪሃበናን ንብል።

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ

Last Updated on Thursday, 30 July 2015 23:18