ንሕቶ ዶብ ብሰላም ንምፍታሕ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ Print
Written by Administrator   
Sunday, 17 June 2018 13:42

ኽቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ብቀዳምነት ቅንያት ናጽነት ስለ ዝኾነ ንመላእ ህዝብና ዮሃና ንብል። ምስኡ
ለጊቡ ድማ ሰማእታትና ዝዝከሩሉ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ ንስድራ ሱዉኣት ሓዘና እናገለጽና ሱዉኣትና
ዝሓደጉልና ሕድሪ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተተግበረ መንፈስ ቓልሲ ኣሓዲስና ምስ ህዝብና ኮና ብፍትሒ
ዲሞክራሲ ክነተግብሮ ቅሩብነትና ንገልጽ።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፈጻሚት
ስራሕ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያን (ኢሃወደግ) ንሃገሮም ብዙሕ ተስፋ ዝሃበ ዉሳኔታት ከሕልፉን ገለ
ከኣ ብግብሪ ክሰርሑሉን ሪኢና። እዚ ዓይነት ተባዕ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ንሰላምን ዲሞክራስን
ምዕባሌን ኣብ ዞባና ዳርጋ ኣብ ቀድማይ ቦታ ዝስራዕ ታሪኽ’ዩ። ንኹሉ ኣፍሪቓን ዓለማዊ ሰላም
ዘርብሕ ስለ ዝኾነ ከኣ ንምጉሶም። ምስኡ ተአሳሲሩ ድማ ሰሉስ 5 ሰነ 2018 እቲ አብ መንጎ ኤርትራን
ኢትዮጵያን ንዘሎ ናይ ዶብ ጎንጾ፡ብመሰረት ናይ አህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ ኩነት
ተቀቢልናዮ አብ ምትግባሩ ድማ ድልዋት ኢና ምባሎም ነቲ ዳርጋ 20 ዓመት ዝጸንሔ ናይ ጥፈኣት
ደመና ዝቅንጥጥ አዋጅ ንሓድሽ ምዕባሌ ርሒብ አፍደገ ዝኸፍት መግለጺ ኢሂወደግ በአውንታ
ተቀቢልናዮ አለና።
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተውሲዱ ዘሎ አውንታዊ ምዕብልና ተጠቒሙ፣ እቲ
ንነውሕ ግዜ አብ ደውታ ዝጸንሔ ጉዳይ ዶብ ዘላቒ ሰላም ንኽርክብ፡ አብ ዞባና ንዘሎ ተአፋፊ ኩነታት
አብ ምህዳእ ብግዲኡ አውንታዊ መልሲ ክህብን ንህዝቢ ዘማእከለ ሰላም ክእምምን ንጹዉዕ።
ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ፖለቲካዊውያን ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን
ከምኡ’ውን ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ነዚ ንህዝብን ሃገርን ጅሆ ሕዙ ዘሎ አይ ሰላም አይ ኩናት ፖሊሲ
መሊኡ ክስዓር ጸቅጢ አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ሓቢሮም ከካይዱ ንላቦ። ምኽንያቱ ካብዚ ዘሎ አይ
ሰላም አይ ኩናት ተጎዳአይ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ነሱ ባዕሉ ሰለዝኾነ፡ ነዚ ሰናይ አጋጣሚ`ዚ እዚ
ተጠቂምና አብ ኤርትራ ሃገርና ምሉእ ሰላምን ደሞክራስን ክህሉ ሓቢርና ክንሰርሕ፡ዲሞክራስያዊ
ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡ጻዊዒቱ የቅርብ።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘላዓለማዊ ክብሪ ንሱዉኣትና!!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡06/14/2018