www.blina.org

ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ፣ ንዕብየታን ሓድነታን ዘውሕስ’ምበር ዘፈራርሳ ኣይኮነን። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 22 December 2016 16:32

ሃገርና ኤርትራ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር እያ። ምኽንያቱ ድማ ህዝብታታ ብዝተፈላለዩ ብዝሑነታት ስለ
ዝልለዩ ማለት፡ ብብሄራዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻዊ ረቛሒታትን ክብርታትን ዝውንኑን ዝግለጹን ስለ
ዝኾኑ’ዮም። እዞም ብዙሑነታዊ ክብርታትን መግለጺታትን እዚኣቶም ንህዝብታት /ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን/
ኤርትራ ናይ መንነቶም መግለጺ፡ መልከዖምን ጽባቐኦምን ክብሮምን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ኩሉ-መዳያዊ
ውሁድ ሂወት ኣብ ምምራሕን ሓቢሮም ኣብ ምንባርን ይኹን፡ ኣንጻር ተበራረይቲ ገዛእቶም ኣብ ርሑቕ
ይኹን ናይ ቀረባ ታሪኾም ንናጽነቶም ኣብ ምቅላስ ዘጸገምሎም ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ ሓይልን ሞራልን
ድንፋዐን እናሃቡዎም ዝመጹን ዘዐወትዎምን፡ ብፍቕርን ምትሕልላይን ሓቢሮም ክነብሩ ዘኽኣልዎምን
ረቛሒታት ‘ዮም። ስለ ዝኾነ ብዙሕነት ናይ ህዝብታት /ብሄራትን-ብሄረ-ሰባትን/ ኤርትራ ከም ጸጋን ጠቓምን
ተገይሩ ክውሰድ ዘለዎ ደኣምበር ከም ጸገም፡ ኣስጋእን በታታንን ተገይሩ ክውሰድ ዝግበኦ ኣይኮነን።
እቲ ከም ጸገምን ዕንቅፋትን ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል መሰረታዊ ነገር፡ ንወድዓዊ ክውንነት ናይ ህዝብታት
/ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን/ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይምሃብን ዘይምቕባል’ዩ። ቋንቋኦምን ባህሎምን
እናኣዘውተሩን እናተጠቕሙን ኩሉ-መዳያዊ ሂወቶም ብነጻነት ከይመርሑን ከየማሓድሩን ምግባር’ዩ።
ንዝሓለፈ ይኹን ህልዊ ታሪኾም ብምስናድን ምዕቃብን ነብሶም ክገልጹን ብታሪኾም ከይኮርዑን
ከይተኣማመኑን ከየውርሱን ምስ ዝግበሩ’ዩ። ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካዊ ጉዳይ ከይሳተፉን ነብሶም ብገዛእ
ርእሶም ከየማሓድሩን ምጽባእን ምንፋግን ምስ ዝህሉ’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ መዳይ ተዋፊሮም ተጠቀምቲ
ብምዃን ከይምዕብሉ ምፍራድ፡ ጥቕልል ብዝበለ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናይ ህዝብታትና
ብምግሃስ፡ ዝመርሕ /ከም ጸረ- ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ/ ዝኣመሰለ ግዝኣት መሬታዊ ሓድነት
መሰረት ዝገበረ ኣሃዳዊ ስርዓት ምስ ዝህሉን ዝቕጽልን’ዩ ናብ ዘይተደልየ ግጭትን ዕንወትን ምፍልላይን
ክበጽሑ ዝኽእሉ።


ካብዚ ወጻኢ ህዝብታትና /ብሄራትና/ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ደሞክራስያን መሰላቶም ተኸቢሩሎም
ንብዙሑነቶም ዝሓቁፍን ዘገልግልን ዘይተማእከለ ኣሰፋፍራ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን መሰረት ዝገበረ
ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ምምሕዳራዊ ቅርጻን ብምውናን፡ ብማዕርነት ክነብሩን ክጥቀሙን
እንተበቒዖም፡ ውሑስ ዝኾነ ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓደነት ኣረጋጊጾም፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተማለኤ ሰላም፡
ደሞክራስን ልምዓትን ብምዃን፡ ኣብ መስርሕ ሰላምን ምዕባለን ብዘተኣማምን ፖለቲካዊ ኩነታት ክቕጽሉ
ዝኽእሉ’ምበር፡ ናብ ሕድሕድ ግጭትን ምብትታንን ዝሳጥሑ ኣይኮኑን። ስለዚ እቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ
ንህዝብታትናን ሃገርናን ዝጠቅም ክህነጽ ዘለዎ ስርዓት፡ ብወድዓውን ታሪኻውን ፍትሓውን ዓይኒ ዝምረጽ፡
ንወድዓዊ ኣከናውና ናይ ሕብረተ-ሰብና /ብሄራትን ብሄር-ሰባትናን/ መሰረት ዝገበረ ብምልኣት ዘገልግልን
ዘውሕስን መልክዕ ስርዓት “ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት” ‘ምበር ንመሰል ናይ ህዝብታት
ብምጉሳይ፡ ኣብ ግዝኣት መሬታዊ ሓድነት ዝስረት ኣሃዳዊ ስርዓት ከም ዘይኮነ፡ ካብ’ዚ እነሕልፎ ዘለና
መግዛእቲ ናይ ህግደፍ ኩሉ-መዳያዊ መሪር ሂወት ብቐሊሉ ምግንዛብ ዝካኣል‘ዩ።
ይኹን ደኣምበር ኣብ ኣከናውናን ጠቕምን ፍቶታዊ ሓድነትን ህዝብታት ኤረትራ ዝተሰረተ ህዝባዊ ፌደራላዊ
ስርዓት፡ “ንሃገርናን ህዝብታትናን ዘይጠቅም፡ ብኣንጻሩ ናብ ዝተፈላለዩ ግጭታት ዘእቱ፡ ዘዕኑን ዝበታትንን
እዩ” ካብ ዝብል ዘይወድዓውን ዘይፍትሓውን ፖለቲካዊ እምነት እናተበጉሱ፡ ጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ
ስርዓት ዝኾነ ርእይቶ ዝገልጹን ንከይዕወት በብዝዓቕሞም ዝቃለሱን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ባእታታትን ብቀጻሊ
ክሰብኩ ጸኒሖምን ይሰብኩ ኣለዉን ‘ዮም። ነዚ ዘይቅኑዕን ዘይፍትሓውን ርእይቶኦም ሓቅነት ዘለዎ ንምምሳል
ዘዘውትርዎ ሓሳብ ድማ፡ ህዝባዊ ፌደራላዊ ስርዓት ዝኽተላ ሃገራት ዝረአ ዘይመሰረታዊ ግጭት ይኹን
ተቓውሞ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ጠንቁን ደረጃ ሳዕቤኑን ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ብሄር ዝተሰረተ ፌደራላዊ ስርዓት
ብባህርኡ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገም ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ከንቱ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ኣብ ምንዛሕ ዝነጥፉ ኣካላት
ህልዋት‘ዮም።
እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብ’ዚ ዘይፍትሓውን ዓጋትን እምነት’ዚ እናተበገሱ ድማ፡ ህዝብታት /ብሄራትን
ብሄረ-ሰባትን/ ኤርትራ፡ ኣብ ብሄራዊ ኣከናውነኦም ዝተመስረተ “ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት”
ከም ዘይጠቕሞም፡ ብኣንጻሩ ናብ ዕንወትን ምብትታንን ከሳጥሖም ዝኽእል ምዃኑ ተረዲኦም፡ ካብ ስግኣት
እናተበገሱ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንከይምስረት ክቃወሙን
ክንጽጉን፡ ብኣንጻሩ ነቲ ምስ ወድዕነት ኣከናውና ሕብረተ-ሰብናን መሰላቶምን ቀጻልነት ሓድነት ሃገርናን
ዘይሳነን ዘየገልግልን ኣብ ግዝኣተ-መሬታዊ ሓድነት ዝስረት ተጻራሪ ዝኾነ ናይ ጭቆናን ዕንወትን ”ኣሃዳዊ
ስርዓት” ክኣምኑን ክቕበሉን ብዘይዕረፍቲ ኣብ ምስባኽ ዝርከቡ ዘለዉ ኣካላት ‘ዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም
ነዚ ዘይወድዓዊ፡ ዘይፍትሓውን ዘይደሞክራስያውን ፖለቲካዊ እምነት’ዚ ብምጭባጥ ዝነጥፉ ዘለዉ፡ ካብ
መሰረታዊ ኢ-ደሞክራስያዊ ባህሪኦምን እምነቶምን ተበጊሶም ዝብሉዎ ዘለዉ ምዃኖም ምግንዛብ ኣገዳሲ‘ዩ
ዝኸውን።
እቲ ቀንድን ቀዳማይን ካብዞም ኣካላት’ዚኦም ድማ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን መንግስቲ ህግደፍ ‘ዩ።
መንግስቲ ህግደፍ ከም ጨቋኒ ገዛኢ ደርቢ መጠን፡ ንጭቡጥ ኣከናውናን ህልውናን ናይ ብሄራትን ብሄረ-
ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ዝኸሓደን፡ ብኣንጻሩ “ኣብ ኤርትራ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ‘ምበር ብሄራት ዝበሃላ
የለዋን” ክሳብ ዝበለን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ከቢድ ደርባውን ብሄራውን ጭቆናን ኣድልዎን ከካይድ
ባህሪያዊ’ዩ። ንጭቡጥ ብሄራዊ ኣከዋውና ናይ ብሄራትና ንምሕንፋጽን ንምህሳስን፡ ብኡ ኣቢሉ ደሞግራፍያዊ
ለውጢ /ኣብ ኣከናውና ሕብረተ-ሰባትና/ ንምምጻእ ዓሊሙ፡ ህዝቢ ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ቦታ
ብምድንጋርን ኣስገዳድን እናስፈረ፡ ንህዝብታትና ኣተፋኒኑን ኣቀራሒኑን ዕድመ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ስርዓቱ
ንምንዋሕ ክሰርሕ ግድን’ዩ፡፡ ስለዚ ከኣ፡ ብዛዕባ መሰል ብሄራትን ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን፡
ኣብኡ ክራኣዩ ንዝኽእሉ ጸገማት፡ ጠንቆምን ዓይነቶምን ብዘየገድስ፡ ኣመልኪቱ ዝበለ እንተበለ ንዕኡ
ዝምልከትን ዕላምኡን ስለ ዘይኮነ ዋጋን ትርጉምን ክወሃቦ ዝኽእል ርእይቶ ኣይኮነን። ህግደፍ ምስ ጸረ-ህዝቢ
ኣተሓሳስብኡን ኣፍራሲ ተግባራቱን ብህዝባዊ ቃልሲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገድ ዘለዎ ስርዓት’ዩ።
እቲ ብካልኣይ ደረጃ ክረኤ ዝኽእል፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ካብ ዝርከቡ ዝተወሰኑ ተቓወምቲ ውድባትን
ካለኦት ኣካላትን፡ ብዛዕባ መሰል ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ምህላው፡ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ
ስርዓትን ኣበርክትኡን፡ ብዕላማ ደረጃ ዘይኣምኑን ዘይቅበሉን ዘቃልሕዎ ዘለዉ ዘይቅኑዕ እምነት ‘ዩ። እዚ
ግጉይ ርእይቶ’ዚ ድማ ብመትከላዊ እምነቶምን መጻእን መንጽር፡ ኣብ ኤርትራ ንመሰልን ጠቕምን ናይ
ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ዘረጋግጽ “ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት” እንተተኺሉ
ንእምነቶምን ናይ ምግዛእ ባህጊታቶምን ዘምክን ስለ ዝኾነ፡ ካብ’ዚ ርሑቕ ዝጠመተ ፖለቲካዊ እምነቶም’ዚ
እናተበገሱ፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከይህሉን ከይስራሓሉን ኣቐዲሞም
ዝቃወሙን፡ ከም ናይ ሓደጋ ስርዓት ገይሮም ዝርእዩ ዘለዉን። ነቶም ኣብ’ቲ ፊደራላዊ ስርዓት ክራኣዩ
ዝኽእሉ ንኡሳን ጸገማት ኣጋኒኖም ብምግላጽ ድማ ንዉጽዓት ህዝብታትና ንምሽቚራርን ምድንጋርን
ብቀጻሊ ዝፍትኑ ዘለዉ። ካብ’ዚ ወጻኢ ናይ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘይቅኑዕነትን ሓደገኛነትን
ዝጭበጥ ሓቅን መርትዖን ስለ ዘለዎም ኣይኮኑን።
እቲ ብሳልሳይ ደረጃ ክጥቀስ ዝኽእል ግጉይ ርእይቶ፡ ብውልቀ ምሁራት ሰባት ፍትሓዊ ፖለቲካዊ እምነት፡
ህዝባዊ ወገንነትን ሓልዮትን ዘይውንኑ ዘነጣጥፍዎ ዘለዉ ርእይቶ እዩ። ገለ ካብ’ዞም ባእታታት እዚኣቶም ኣብ
መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልስና፡ ናይ ተስፋ ምቚራጽ ፖለቲካዊ ርእይቶን እማመን ዘንጸባርቑ ዝነበሩን፣ ሃገራዊ
ነጻነትና ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ምስ ተረጋገጸ ድማ፡ ኤርትራ ምስ ናይ ከባቢና ሃገራት
ብኮንፌደሬሽን ተኣሳሲራ እንተዘይኮኑ፡ ንበይና ከም ሃገር ነጻነታ ዓቂባ ክትዓብን ክትስልጥንን ከም ዘይትኽእል
ኮንቱ ፖለቲካዊ ስብከት ዝነዝሑ ዝነበሩ ባእታታት ዝርከቡዎ ርእይቶ’ዩ። እዚ ናይ ውልቀ ምሁራን ርእይቶ’ዚ
ናተይ ዝብሎ ዝተቐረጸ ዕላማ ዘይብሉን ዘይተወደበን ብቱንን ኮይኑ፡ ኣንጻር ብሄራዊ መሰልን ምቛም ህዝባዊ
ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ዝብሎን ዘዘውትሮን ዘይደሞክራስያዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ርእይቶ እዩ። እዚ
ርእይቶ’ዚ ብባህሪኡን ዕላምኡን ክምዘን እንከሎ ድማ በይኑን ርእሱ ዝኸኣለን ዘይኮነስ፡ ኣካል ኣምሳል
ናይቶም ካለኦት ኣካላት ዘዘውትርዎ ዘለዉ ዘይቅኑዕ ዕላማን እምነትን እዩ።
እዚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፡ ክውንነትን መሳርዕን /ኣብ ደምበ ጸላእን ፈታውን/ ብምዃን፡ ንመሰረታዊ
ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ክጻረሩ ከለዉ፡ ከም
መሕብእን መመሳመስን ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ዘለዉ ፖለቲካዊ ብሂል “ህዝባዊ ፌደራላዊ ስርዓት ንኤርትራን
ህዝባን ኣይጠቅምን’ዩ፡ ብኣንጻሩ ዝበታትናን ዘዕንዋን እዩ” ዝብል ኣሰካፊ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር እዮም
ዝነጥፉ ዘለዉ። ስለ ዝኾነ እስከ ንጭቡጥ ክውንነት ናይ ህዝብታትናን፡ ዝተማለኤ መሰሎምን ተጠቃምነቶምን፡
ውሑስ ሓድነቶምን ቀጻልነቶምን፡ ኣብ ህልዊ ግዜ ይኹን ንመጻኢ ሂወቶም ዝምረጽ፡ ኣሃዳዊ /ዝተማእከለ/
ስርዓት ዲዩ ዝጠቅም ወይስ ዘይተማእለ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እናመዛዘና ንርአ።
ዝተማእከለ /ኣሃዳዊ/ ስርዓት መብዛሕትኡ፡ ናይ’ታ ሃገር ማሕበራዊ ብዙሕነት ስለ ዘይቅበል፡ ብኣንጻሩ
ንምሕንፋጹን ንምህሳሱን ብዘለዎ ዓቕሚ ስለ ዝሰርሕን ጨቚኑ ብምሓዝ ስለ ዝምዝምዝ /ልክዕ ከም ህግደፍ/
ኣብ’ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምትእምማንን ብምዝራግ፡ ናብ ግጭትን ዕንወትን ምብትታንን ስለ ዝድርኽ
ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ከቢድ ‘ዩ ዝኸውን። ፖለቲካዊ ስልጣን ብውሑዳት ዝተታሕዘን ዝተገበተን ስለ ዝኾነ፡ ናይ
ህዝብታት /ብሄረ-ሰባት/ ተራን ተሳትፎን ዘግልል፣ ህዝብታት ብቋንቆኦምን ባህሎምን ከይጥቀሙን
ከየማዕብሉን፡ ታሪኾም ከይስንዱን ከየውርሱን፡ ብመንነቶምን ታሪኾምን ከይተኣማመኑን ከይኮርዑን ዝቕይድ
‘ዩ። ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝብታት መሬት ብፍትሓዊ ኣገባብ ብምርካብ ይኹን፡ ኣብ ካለኦት ናይ ቁጠባ
ጽላታት /ጨንፈራት/ ብምውፋር ብዓቕሞም ኣልሚዖም ከይጥቀሙ’ዩ ዝገብር።
ብኣንጻሩ ብመንግስታዊ መሓውራት ዝግበት ስለ ዝኸውን፡ ስእነት፡ ድኽነትን ድንቁርናን ናይ’ቶም ህዝብታት
ብኣሰካፊ መልክዑ ክዓሙቕ ዝገብር ኩነታት‘ዩ ዝሰፍን። ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ ህዝብታት /ብሄራት/
ነብሶምን ከባቢኦምን ብገዛእ ርእሶም ከየማሓድሩ ስለ ዝንፈጎም፡ ምስ ካለኦት ህዝብታት ተሓናፊጾም፡
ብመሓዉራት ናይ’ቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ብኣድልዎን ጽቕጠትን ክመሓደሩ ስለ ዝግበርን ወዘተ ተደማሚሮም
ናይ’ቶም ህዝብታት /ብሄራት/ ወጽዓን ኣድልዎን ክኽሰቱን ክዓምቁን ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ እቶም ህዝብታት
ብፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ብሓባር ናይ ምንባር ዕድሎም ስለ ዝጽልምት፡ ናብ መምርጨኦም
ምውሳድን ምፍልላይን ምብትታንን ‘ዮም ዘምርሑ። ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነት ንምጥቃስ እንተተደልዩ፡
ኣብ ሱዳን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዩጎዝላቭያ ቅድም ክብል ዝተራእየ ናይ ብዙሓት ህዝብታት ምፍልላይን
ምቛም ነናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራትን መንግስታትን ብከፊል ምጥቃስ ይካኣል። ካብዚ ወጻኢ ካብ ከቢድ
ጭቆናን ብሄራዊ ኣድልዎን ጭቆናን ንምንጋፍ ክብሉ ኣብ መሪር ቃልሲ ናይ ዝርከቡ ብዙሓት ህዝብታት
ጸገማትን ህልዊ ታሪኽን ብኣብነት ምጥቃስ ዝካኣል‘ዩ።
ኣብ ኩነታት ህዝብታትና /ብሄራትና/ ኣመልኪትና ክንርኢ እንከለና ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተማእከለ /ኣሃዳዊ/
ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን እነሕልፎ ዘለና ጭቆናን ኣድልዎን ኩሉ-መዳያዊ ሓሳረ-መከራን ናብ
ወድቀትን ምብትታንን ዝድርኸና ዘሎ ኣስጋኢ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምዃኑ፡ ነዚ ብቃልሲ ዓጺፍና ክንቅይሮ
እንተዘይክኢልና ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣብ ሓንቲ
ከም ሃገርና ዝኣመሰለት ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር፡ ንወድዓዊ ኩነታትን ኩሉ-መዳያዊ መሰል ናይ’ቶም ህዝብታት
ነጺጉ ዝተማእከለ ዘይደሞክራዊ ስርዓት ሃኒጹ ዝመርሕ ስርዓት ምስ ዝህሉ፡ ነታ ሃገር ይኹን ህዝብታታ
ዘይጠቅምን፡ ኣብ መስርሕ ዝበታትናን ዘዕንዋን እዩ ዝኸውን።
ዘይተማእከለ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፣ ኣብዚ ስርዓት’ዚ ዝህሉ መንግስቲ ውክልንኡ ካብ
ብዙሓት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ዝተወጻጸኤን ዝተወከለን ስለዝኸውን ዝምራሓሉ ሕገ-መንግስቲ /ቅዋም/
ድማ በቶም ህዝብታት /ብሄራት/ ብተሳትፎኦም ተቐባልነት ረኺቡ ስለ ዝጸድቕ፡ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክረኤ
ከሎ ንኩሎም ህዝብታት ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ብምዃኑ ፖለቲካዊ ኣድልዎ ዝረኣየሉ ስርዓት ኣይኮነን። ካብዚ
ዝብገስ ኣብ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናይ ህዝብታት /ብሄራት/ ብማዕረ ዘሳትፍ፡ ንብሄራዊ
መንነቶም ብኩሉ-መዳዩ ዘዕብን ዝዕቅብን ኩነታት ስለ ዝፈጥር፡ ህዝብታት ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳራዊ
ቅርጻ ወኒኖም፡ ኣብ ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓደነት ዝተመስረተ ሓባራዊ ሂወት እናመርሑ፡ ነፍስ-ወከፍ
ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ቋንቋኦምን ባህሎምን እናተጠቕሙን እናኣዕበዩን እናዓቀቡን፡ ታሪኾም እናሰነዱን
እናኣውረሱን ክነብሩ ዘኽእሎም‘ዩ።
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ቁጠባዊ ፖሊሲ
ንጠቕምን ዕብየትን ናይ’ቶም ህዝብታት ማእከል ዝገበረን ዘውሕስን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ህዝብታት ኣብ
ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ጽላታት /ጨንፈራት/ ተዋፊሮም ኣፍርዮምን ኣጥርዮምን ክጥቀሙን ክዓብዩን
ዘኽእል’ውን እዩ። ስለ ዝኾነ፡ እቶም ህዝብታት ኣብ ኩሉ-መዳይ ተወሃሂዶምን ተደጋጊፎምን ናይ ምጥቃምን
ምዕባይን ብሰላም ብሓባር ናይ ምንባር ዕድሎም ዘረጋግጽን ዘውሓስን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ድሌትን
ምትእምማንን ዝተሰረተ ሓደ ፖለቲኮ-ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ሕብረተ-ሰብ ሃኒጾም ናይ ምቕጻል፡
መጻኢኦም’ውን ክውን ንክኸውን ኩሉ-መዳያዊ ባይታ ዘንጽፍ እዩ። ስለ ዝኾነ‘ዩ ድማ ኣብ ሓንቲ ሕብረ-
ብሄራዊት ሃገር ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክርስያዊ ስርዓት ምውዳብ ቅኑዕን ተመራጽን እዩ ዝባሃልን ብተግባር
ዝሕረን ዝስራሓሉን።
ኣብ ሓደ ህዝባዊ ፌደራላዊ ስርዓት ዝተፈላለዩ ዘይመሰረታዊ ጸገማት ክረኣዩ ባህሪያዊ እዩ ዝኸውን።
ይኹን’ምበር ከምቲ ነቲ ዘይተማእከለ ፌደራላዊ ስርዓት ዝቃወሙ ኣካላት ”ካብቲ ባህሪ ናይ’ቲ ስርዓት ዝብገስ
‘ዩ” ዝብሉዎ ግን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ናይ’ቶም ህዝብታት /ብሄራት/
ህልውናን መሰልን ተጠቃምነትን ብመሰረታዊ /ብወሳኒ/ መልክዑ ዝመለሰን ዘውሕስን ስለ ዝኾነ። እቶም
ክለዓሉ ዝኽእሉ ዘይመሰረታውያን ፍልልያትን ጸገማትን’ውን እንተኾኑ፡ በቲ እቶም ህዝብታት ወኒነሞ ዘለዉ
ሕገ-መንግስቲ /ቅዋም/ ዝእዝዞ መትከላትን ሕግታትን መሰረት ዝፍትሑን ዝማሓደሩን ‘ዮም ዝኾኑ። ካብዚ
ወጻኢ ከም’ቲ ኣብ ዝተማእለ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝረኣዩ መሰረታውያን ናይ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልን፡
ብሄራዊ መንነትን ነጻነትን ሕቶን ቁጠባዊ ረብሓን ኮይኖም፡ ናብ መሰረታዊ ግጭትን ዕንወትን ምፍልላይን
ዘምርሑን ዘብጽሑን ኣይኮኑን፡፡ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ከኣ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
/ደ.ግ.ሓ.ኤ/፡ ኣብ ሕብረ ብሄራዊት ሃገርና ኤርትራ፡ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክህነጽ ዝኣምንን
ክውን ንምግባሩ ዝቃለስን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ፡
ንዕብየታን ሓድነታን ዘውሕስ’ምበር ዘፈራርሳ ስለ ዘይኮነ።
ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደ, ግ, ሓ, ኤ, ጥቅምቲ 2016 ቁጽሪ 14 ዝተወስደ
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-12-2016

Last Updated on Thursday, 22 December 2016 17:36
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 26 guests online