www.blina.org

ሃይማኖታውን ብሄራውን ምፍልላይ ንረብሓ ህግደፍዩ!! PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 09 March 2017 19:34


ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዕድለኛ ኮይኑ ንሕና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለና ኣካላት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስን መንግስቲ ኢሰያስን እንገብሮ ናይ ቃልሲ ወኒ፡ ኣብ ሕድሕድና እንገብሮ ተጻብኦታት ይዓቢ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንሱ ዕድመ ስልጣኑ ክነውሕ ንሕና ድማ ዕድመ ስደትና ክነውሕ ይኸውን ኣሎ።
እዛ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣደ ኩሎም ሃማኖታት ክርስትናን እስልምናን ተኸተልቲ ባህላዊ ሃይማኖታትን፡ ከምኡውን ኣደ ብዙሓት ብሄራትን ሃገር እያ። ክርስትያን ጥራሕ ዝርከብዋ ሃገር ወይ እስላም ጥራሕ ዘለዉዋ ሃገር ክትክውን እንተኾይና እታ ንፈልጣን ንነጻነታ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ሕጂውን ንሓርነታ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝተቃለስናላ ሃገረ-ኤርትራ ዘይኮነትስ ካልእ ብሕጂ ትፍጠር ዘይንፈልጣ ሃገር ጥራሕያ ክትከውን ትኽእል። እወ ስደትን ሽግርን ክነውሕ ከሎ ብኽንድቲ ኣብ ልዕሌና ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ሕድሕድና ምፍሕፋሕ ክፈጥር ከምዝኽእል ፍሉጥ ነገር እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሌና ጸቕጢ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን ሕርቃንናን ነድርናን ኣብ ልዕሊ እቲ ቀንዲ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ደኣ ክኸውን ይግባእ እምበር ኣብ ሕድሕድና ኣብ ውሽጢ እቶም ደለይቲ ለውጢ ክኸውን ኣይግባእን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዉሑዳት ዓመታት ብሄራዊ፡ ሃማኖታዊ ወይውን ኣውራጃዊ መልክዕ ዝሓዘ ምልዕዓላት ክካየድ ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ኢና። እቲ ወፍርታት ወይ ምልዕዓላት ንኻልእ ከይተንከፈ ኣብ ሕድሕዱ ንክፋቐርን ክተሓጋገዝን ብኡ ኣቢሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓቕምታቱን ዝምድናታቱን ንምዕባይ ጥራሕ እንተዝኸውን ብሃይማኖት ይኹን ብዝኾነ ካልእ መልክዕ ስለ ዝተወደበ ጥራሕ ከምጽኦ ዝኽእል ብዙሕ ሽግር ኣይምሃለወን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማዩ ኣብቲ ንኹላትና ከጽልል ኢልና ዝፈጠርናዮ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ብሄራዊ ውደባታት ዝተቐበልና። ካብዚ ሓሊፉ ግን ሓደ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ሃይማኖት ወይ ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ብሄር ወይ ወገን ወዘተ ዘነኣእስን ዘቋሽሽን ክሳብውን ክሳብ ሃገራውነቶም ዝኽሕድ ኣካይዳ ግን ዓዲ ኣየእቱን ጥራሕ ዘይኮነስ ዓዲ ዘፍርስ ስለ ዝኾነ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ኣትሪርና ንቃወሞ ጉዳይ ምኳኑ ክንገልጽ ንደሊ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ሕጂ ብተስፋጽዮን ዝፍለጥ ብስም ኣግኣዝያን ዝሰብኽ ዘሎ ኣካል ይኹን ሕጂ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ ክበሃል ዝጸንሐ ካብቲ ካልእ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተልዩ ብዘበናዊ ህዝባዊ መራኸቢታት ቀልጢፉ ናብ ኣእዛን ብዙሓት ሃገራውያን ስለ ዝበጽሐ እንተዘይኮይኑ ከምኡ ዝበለ ካብ ትምክሕቲ ይኹን ካብ ጽበት ዝነቅል ኣረኣእያታት ከምዘሎ ፈሊጥና ንምእራሙ እምበር ብኣሉታ ዓጸፌታኡ ክንምልሰሉ ዝግባእ ከምዘይምዃኑ ከነስምረሉ ንደሊ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ግጉይ ኣረኣእያታት ንክርስትያን ጥራሕ ዝፈታተን ነገር ከምዘይኮነ እውን ክንሓብኦ ኣይንደልን። ሕጂ በቶም ዓበይቲ ውድባዊ መራሕቲ ኣሕዋትና እስላም እውን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ክርስትና ይኹን ኣብ ልዕሊ ብሄረ ትግርኛ ካብዚ ናይ ኣቦና ሃብተማርያም ዝኸፍኤ ርእይቶታት ክበሃል ከምዝጸንሐ ዝተመዝገበ ሓቂ እዩ። ክልተ ጌጋ ናብ ጽቡቕ ስለ ዘይመርሕ ግን ኣስማቶምን እንታይ ከምዝበሉን ሕጂ ምዝርዛሩ ኣድላዪ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕጂ ምዝርዛሩ ማለት ነቲ ብኣቦይ ሃብተማርያም ይኹን ብተስፋጽዮን ዝበሃል ዘሎ ነገር ንከላኸል ከምዘለና ኮይኑ ከስምዕ ስለ ዝኽእል።


ውድብና ኤስደለ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ውድብ ንስብከት ተስፋጽዮን - “ኤርትራ  ኣደ ብዙሓት ሃይማኖትን ኣደ ብዙሓት ብሄራትን እያ” ኢሉ መልሲ ዝሃበ ውድብ እዩ። ሕጂውን ከምኡ ናይ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ ርእይቶ ንዓወት ደለይቲ ፍትሒ ዘቀላጥፍ ዘይኮነስ፡ ደለይቲ ለውጢ እቲ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ሕድሕዶም ክኸውን ስለ ዝገብር ብትሪ ክንቃወሞ ዝግበኣና ነገር ምዃኑ ንገልጽ። ብርእይቶና ሒዝናዮ ዘለና ናይ ሕጂ ይኹን ናይ ጽባሕ ቃልሲ ኩላትና ብሓባር ሒዝናዮ እውን ከቢድ ምዃኑ ኢና ንኣምን። ስለዚ ንሕና ኣብዛ ኤርትራ እትበሃል ሃገር እንነብር ዘለና ኩልና መበቆልና ብዘየገድስ፡ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትህሉ ኣይኮነትን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና።
ኤርትራ ዝፈቱ ኣስላማይ ንክርስትያን ክፈቱ ኣለዎ ወይውን ምስ ክርስትያን ምንባር ክቕበሎ ኣለዎ። ኤርትራ ዝፈቱ ክርስትያን እውን እንተኾነ ንኣስላማይ ክፈቱ ኣለዎ ወይ ድማ እንተወሓደ ምስ ኣስላም ምንባር ክቕበል ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዘይገሃድ ሕልሚ ምንባር ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ኣብ ዘይጋሃድ ሕልሚ ምንባር ከኣ ንሓላሚኡ እዩ ዝሳቒ።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብዛ ንእሽቶ ሃገርናን ትሑት ዓቕምናን ቁሩብ ንጃሃረሉ ነገር እንተልዩ፡ ብዙሕ ሃይማኖታውን ብሄራውን ፍሉይነት እናሃለወና ብሰላም ተኸባቢርና ክንነብር ስለ ዝከኣልና ጥራሕዩ። እቲ ካልእ ኩሉ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትን ሕጂ ከኣ ብሰንኪ ህግደፍን ዝነበረና ኣጥፊእና ክነዓውቶ ዝግበኣና ኣውን ከሲርና ኢና። እዛ ሕድሕድ ምክእኣልን ምክብባርን እንተጠፊኣ ግን ዳግማይ ክንትሰኣሉ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ክንወርድ ኢና። ካብ ከምኡ ዝበለ ውድቀት ክንድሕን ከኣ ኣስላም ወገንና ክጋገዩ ከለዉ እቶም ክርስትያን ተኣኪቦም ዓጸፌትኡ ክፈድዩ ኣብ ክንዲ ዝሓስቡ እቶም ኣስላም ባዕላቶም ክእርሙ
እንተዝፍትኑ፡ ካብ ክርስትያን ወገን ክጋገዩ ከለዉ ድማ እቶም ኣስላም ተኣኪቦም ሕነ ክፈድዩ ኣብ ክንዲ ዝሓስቡ እቶም ክርስትያን ባዕሎም ክእርሙ እንተዝፍትኑ ልቢ ሕድሕድ ክትርክስ መንገዲ ክኸፍት ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለና።
ኣብ መጨረሽታ ኩላትና ከነስተንትኖ ኣለና ንብሎ ነጥቢ ክንድርቢ። ብጣዕሚ ብዙሕ ኤርትራዊ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ሕጂ ከኣ ብዝገደደ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ብጣዕሚ ብዙሕ ኤርትራዊ ባሕሪ ሰጊሩ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ዑቕባ ሓቲቱ ድሕሪ ቁሩብ ልክዕ ከምቶም ደቀባት ናይ ዜግነት መሰሉ ክሕለወሉ እናረኣናን እናተሞከርናንሲ፡ ኣብታ ዝተፈላለየ መስዋእቲ
ዝኸፈለላ ሃገር ከም ካላኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ሓደ ነቲ ካልእ እዛ ሃገር ካባኻ ንላዕሊ ንዓይ ትብጻሓኒ ክብል ከሎ ምስ ምንታይ ይቑጸር?


ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 61 guests online