www.blina.org

ብምኽንያት መበል 26 ዓመት ባሕሮን ዝኽርን ናጽነት ኤርትራ፡ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Tuesday, 30 May 2017 16:59

ክቡራትን ክቡራንን ዜጋታት ኤርትራ እንቛ ናብ መበል 26 ዓመት ኣብጻሓና። ኤርትራ ሃገርና ተሸራሪፋ
ብቱርኲን ግብጽን ንብዙሕ ዓመታት ተጎቢጣ ድሕሪ ምጽናሓ ብ1892 ዓም ኣብ መግዛእቲ ጣልያን ምስ
ወደቀት እዛ ኤርትራ ኢልና ንኮርዓላ ስም ኣጠሚቑ ንማላእ ህዝባ ረጋጊጹ፣ ብቀለማዊ ኣድልዎን ንዕላማኡ
መሳርሒ ኲናትን ንህዝብና ምስ ገበሮ ሃገራዊ ንቅሓት ዜጋታት በብቅሩብ ኣናዓበየ ክኸይድ ከሎ
ሓድነቱ’ውን እናሰጠመ መጽኤ። እዚ ሃገራዊ ንቕሓት ክብ ከይብል ሕቶታት ከይስዕበሉ ስለ ዝፈርሔ ከኣ
ትምህርቲ ንደቂ ኣባት ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ንሶም’ውን ምሩጻት ንደቂ መሳፍንቲ ጥራይ ኣፍቀደ።
ብ1944 ዓም ጣልያን ብእንግሊዝ ተሳዒራ ክትወጽእ ከላ ዝተበታተነ ሃገራዊ ሓይልታት ገደፈ። ጎበጣዊ
ምሕደራ እንግሊዝ ትምህርትን ውደባን ንደቂ ኣባት ወላ እንተፍቀደ ዕላማኡ ንኤርትራ ኣብ ክልተ መቒሉ
ንኢትዮጵያ ወደብ ክህባ መደብ ስለ ዝነበሮ ምስ ሃጸይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ‘’ከፋፋሊ ግዛእ’’ ዓላማኡ
ንኣቦታትና ዓቢ ብደሆ ኮኖም። ኣቦታትና ምስ እዞም ናይ ሽዑ ሓያላን እናተዋደቑ ከኣ ሓንቲ ሉኡላዊት
ኤርትራ እንተኾነ ብፈደራላዊ ምሕደራ ምስ ኢትዮጵያ ብባይቶኡ ብወግዒ ንዓለምና ኣወጀ።

 

ሃጻያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ፈደራላዊ ምትእስሳር ምስ ኢትዮጵያ ንኻልኦት’ውን ሕማቕ ኣብነት ስለ ዝነበረ
ንኤርትራ ብወተሃዳራዊ ሓይሊ ጎበጣ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓንቲ ምርጫ ዝነበረቶ ብረት ሕዚካ መሰልካ
ምምዛዕ ነበረ። ነዚ ብቀዳምነት ብሓረካ ወይ ማሕበር ሾብዓተ (ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ) ጸንሑ ከኣ
በቲ ኣብ ወጻኢ ዝተጠንሰ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1961ዓም ብኣዋጅ ብሓርበኛ እድሪስ ዓዋተን
ብጾትን ናጽነታዊ ኲናት ተጀመረ። ተሓኤ ብብረት ንምንቅስቓስ ሓረካ ደምሲሳ እንኮ ውድብ ኤርትራ
ኮነት። ናይ መጀመርታን ክፉእን ታሪኽ ከኣ መዝገበት። ብዝኾነ ህዝቢ ናጽነት ዪደሊ ስለ ዝነበረ ናብ ሜዳ
ክዉሕዝ ጀመረ። እንተኾነ ዘይደሞክራስያዊ ምሕደራ ተሓኤ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣ ካብ ዉሽጢ ተጋድሎ
ሓርነት ኤርትራ ብ1971ዓም ብስለስተ ስም ዝጀመሩ ኣብ ሓድ ግንባር ሰሚሮም ህዝባዊ ሓይልታት
ሓርነት ኤርትራ መስረቱ። ተሓኤ ነዚ ሙዉላድ ህሓሓኤ ከም ወንጄል ስለ ዝረኣየቶ ‘’ሜዳ ኤርትራ ካብ
ሓደ ዉድብ ንላዕሊ ኣይስከምን’ዩ’’ ኢላ ጸሊም ታሪኽ ኲናት ሓድሕድ ኣወጀት። ነዚ ወስታ ዝተጻወረት
ህሓሓኤ ብግዲኣ ብ1981ዓም ብግዲኣ ነቲ ጸሊም ታሪኽ ደጊማ ብሓይሊ ብረት ንተሓኤ ንሱዳን
ኣእተወታ። ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ጀሚሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንኹሉ ሓድነታዊ ጻዊዒታት እዝኒ
ከይሃበት ኣብ ዉሽጣን ወጻእን ንዝነበሩ ሃገራውያንን እናደምሰስት ንፖሎቲካ ኤርትራ ወኒና ብ1991ዓም
ንሶቭያትን ነቲ መሬት ኣይትጹረኒ ዝብል ዝነበረ ሰራዊት ደርግን ስዒራ ብ1993ዓም ኩሉ መሬት ኤርትራ
ሓሪራ ኣብ ህላውየ ሕቡራት መንግስታት ብረፈረንዱም ነዛ ሎሚ 26 ዓመት ንቁጽረላ ነጻነት ክዉንቲ
ገበረት። ብኣዋጅ ኤርትራ ሓንቲ ሉኡላዊትን ነጻን ሃገር ኮይና ኢላ ከኣ ኣብ ዓለም ኣፍለጠታ። ኣብ
ሙእዋጅ ሃገር ህግሓኤ ብዲሞክራስያውን ብፍትሓውን ቑዋም ዝማሓደር መንግስቲ ክተቑዉም ንህዝቢ
ቓል ዝኣተወት። ህግሓኤ ክሳብ እዚ ዕለት ቀሚሽ ኣደይ ሓንኮለኒ ሚኽኒታት እናገበረት ዕጭ ኢላ
ትርከብ። ኤርትራን ህዝባን ልዕሊ ኩሉ ህዝብታት ዓለም ዲሞክራስያውን ፍትሓውን መንግስቲ ዝግብኦ’ዩ።
ምኽያቱ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ቓልሲ ህዝብና በዂሩን ሓሳስልዲኡን ካብ ናውቱ ከኣ ገመልን በቕልን
ካብ ፍልጠቱ ከኣ ንጽባሕ ከይበለ ብዘይ ናይ ሓደ ሓገዝ ናጽነቱ ንዝጨበጠ እዚ ክፍደ ዝስደምም’ዩ።
ውልቐ መለኺ ኢሳያስን ጭፍራኡን ነዚ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ጨዉዮም ካብ ዝሓለፉ ባዕዳዉያን
መግዛእትታት ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጭቆና ኣዉሪዶምን የውርዱን ኣለዉ። ስለ ዝኾነ ደጊምና
‘’ንወደብ ንንቓሕ ንተዓጠቅ ’’ ክንብል ተገዲድና። ሃብትን መሬትን ሃገራዊ ሰራዊትን ኣብ ኢድ ፋሺስቲ
ስለ ዘሎ ኤርትራዊ ክንደይ ኣትዩ ክንደይ ከ ጠፊኡ? መሬት ንመን ተዋሂቡን ስለምታይ? ሃገራዊ ሰራዊት
ስለምንታይ ብቑዋም ዘይማሓደር ኣስጋእነት ሉላውነት እንተሎ ስለምታይ ብባይቶን ብህዝብን ተዘትዩሉ
ሃገራዊ ግቡኡ ዘይገብር? ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዞባዊ ሰራዊትን እናበልካ ንህዝቢ ጆሆ ምሓዝ ስለምንታይ?
ናይ ፖሎትካን ሕልናን እሱራት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘይቀርቡ ዝብል ፍትሓዊ ሕቶታት ህዝብና መልሱ
ንኣዴኻ ማይ ውረደላ ኮይኑ ከሎ ና 26 ዓመት ንሃጽነትን ንዝክር ኣሎና። ኣብ’ዛ ናይ 26 ዓመት ናጽነት
ነብዕለላ ዕለት ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ መሬቱ ጋሃነብ ኮይናቶ ብፍላይ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ
ክሃድም እሞ ግዳይ ምድረበዳን ባሕርን ክኸውን ንርኢ ኣሎና።
ነዚ ጥልመት ካብ ብጋሓቱ ዝመከቱ ብዙሓት ሃገራውያንን ውድባትን ምንቕስቓሳትን ነይሮምን ኣለዉን።
ኩሉ ቓልሲ ወይ ገድሊ ግን ከም ስሙ’ዩ። ብፍላይ ጸላኢና ሓይሊ ሚድያን ቑጠባን ሰብን ስለ ዘለዎ
ንገለን ክጨዊ ሃሱሳቱ ዝርጊሑ ክብትኖ ድቓስ ዘይብሉ ዪሰርሕ ጸኒሑ ክሳብ ኣብ መቓብር ዝወርድ ከኣ
ቐጻሊ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ድንግርግር ዝበለ ፖሎቲካ ምርኣይና ንብዙሓት ሃገራውያን
ዘሕዝንን ዝተሓሳስብን ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ጸላኢና ፋሺስቲ ዘመናዊ መሳርሒ ሳይበር ጽቡቅ አጋጣሚ
ፍጢሩሉ አሎ። ሳይበር ጠቓምን ጎዳእን’ዩ። ብጥቅሚ ክንርእዮ ከሎና ቀደም ንተግባራት ብዓመታት እሞ
ብክንደይ ወጽኢን ምብካን ግዜን ብፍልጠን ንበጽሖምን ንዉንኖም ንራኽቦምን ዝነብርና ሎሚ ካብ
ትንፋስና ብዝቕልጥፍ ኣብ ገዛና ኮና ንበጽሖምን ንዉኑኖምን ንራኸብን ኣሎና። ስላ ሳይበርያዊ ተግባሬ
ዓለምና’ውን ዳርጋ ኣብ ሓደ ባህልን ዝተጠናነገ ቁጠባዊ ምዕባሌን ትረክብ ኣላ። ብዙሓት ሓንቲ ቑሸት
ኮይና ዝብልዋ ሓቂ’ዩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ፖሎቲካ፣ ቁጠባ፣ ባህልን ብቀሊል ክዋሳእ ዕድል ከፊቱልና ኣሎ።
ሳይበር ግን ንብልጫታቱ ብፍልጠትን ብሞራልን ብባህልናን ብፍትሓዊ ኣገባብን ምስ ዘይጥቀመሉ
ክጎድኣና ከም ዝኽእል ህዝብና ዝተረኦ ኣይመስለናን። ሳይበራዊ ትግባሬ ብፍልጠትን ብፍትሓውነትን
ብሃገራዊ ባህልን ሰብኣዊ ሞራልን እንተዘይተጠቂምናሉ ቀዛፊ ዉጹዕ ህዝብታት ከም ዝኾነ ኣብ ኩሉ
መዓልታዊ ሂወትና ንሙኮሮ ዘሎና’ዩ። ሳይበራዊ ትግብሬ ንሓደ ሕብረሰብ ጥራይ ዘይኮነ ነዛ ዓለምና
ትሕቲ ሃገራዊ ዝንባሌታትን ብሓሶት ወሬታትን ብእምነትን ብረብሓን በታቲኑ ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም
ክድቕድቓ’ውን ተኽእሎ ኣሎ።
ብዙሓት ኣህዛብ’ውን ከም ናትና ንሳይበር ዪጥቀሙሉ እንበር ሽግሩን ጥቅሙን ክፈልጥዎ ኣጸጋሚ’ዩ።
እንተኾነ ንሶም ኣብ ቁዋማዊት ሃገር ስለ ዝነብሩ ተጸናናጸንቲ ሃገራዊ ድሕነት ስለ ዘለዎም ነቲ ሽግር ከም
ኣመጻጽኣኡ ክቓልሰዎ ንርኢ ኣሎና። ንሕና ግን ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ኮና ኣሎና። ድሕሪ ኮንፒተር
ኮይኖም ነዚ ለዋህ ህዝቢ እቲ ጸርዎ ዘሎ ኣደራዕ ጭቆና ከይኣኽሎ ክጸርፉዎን ታሪኹ ከነኣእሱን ናይ
ሓደ ወገን ኮይኖም ነቲ ብመስዋእትን ብቓልስን ብዜግነትን ሓዉ ዝኾነ ህዝብታት ከናእሱን ክጸርፉን
ክብታትኑን ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ነዚ ቐልጢፍና ደዉ ክነብሎ እንተዘይከኣልና መጻኢና ዘተሓስስብ
ክኽዉን’ዩ። ብዉዱብን ብስምረት ኩሉ ደላይ ፍትሕን ብሓደ ኣፍን ብርዕን ክንኩንኖ ዘይምብቓዕና ግን
የተሓስስብ’ዩ። ነዛ ጽሕፍትና እውን ክነስምረላ ንደሊ። ዘይፍትሓዊ ቓላትን ተግባራትን ክንርኢ ከሎና
‘’ዔራ ንኣይ ኮነን’’ ‘’ንዉድባይ እንቋ ዘይተከፈ’’ ኢልና መንነቶም ዘይተፈልጡ ’ሰማዕና ረኤና ዊዕልና’’
እናበሉ ክዉንጅሉ ምእንጋዶምን ምስማዖምን ሀየንታ ኣሎዎ። ንፍትሒ እንተቓለስካ ብጽልኢ ዒርካ
ህልኽን በቐልን ምትኹኹታኹ ሓላፍነት ህዝቢኻ ምርሳዕ’ዩ። ነዛ ጽሕፍትና እውን ክነስምረላ።
ስርዓት ህግደፍ ንደንበ ተቓዉሞ ከይስስን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይሰጋገር አብ ዉሽጢ ሃገር ብተግባር
ኣብ ድገ ከኣ ብሳይበር ይዋግኣና ኣሎ። ሃገራውያን መሰልቲ ንሃገራውያን ውደባትን ብሄራዊ
ምንቅስቃሳትን ምስ ኣውራጃዉን ሃይማኖታዉን ዝንባሌታት ኣጸጊዖም ክሃርሙዎ ንሰሚዕ ኣሎና። ገለ
ጉርሃት’ውን ‘’ናይ ሓድነትና ጸገም ብሄራዊ ምንቅስቃሳት’ዩ’’ ዝብሉ ኣለዉ። ነዛ ነጥቢ ጽቕጥ ኣቢልና
ክንገልጻ። ንሓድነትና ንሕቶ ብዝሕነትና ኣብ ግምት ከይእቶና ብሓይሊ ብረትን ዓመጽን ክንደልዮ
ዘመናት ሓሊፉ። ንህግደፍ ዝወለደ ከኣ እዚ ዘይሃገራዊ ኣመለኻኽታ’ዩ። ብሄራውን ሕብረብሄራውን
ኣወዳድባ ናይ ትማሊ’ዩ። ናይ ኩሉ ጸጋማትና ጠንቒ ከኣ ገለ ውድባትን ገለ ምንቕስቓሳትን ንሓድነት
ብግዝኣት ክኸውን ዝደልያ’ዩ። ንሰን ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢን ኣብ ኣተሓሳባናን ኣለዋ። ስም ብሄር
ክሰምዕ ከለሎ ዘሽቖቑርር ሃገራዊ እንበር ዲሞክራስያውያን ፍትሓዉያን ኣይኮነን። ሕቶ ብሄር
ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዪረኤ ምባል እንኮ ዓንዲ ዲሞክራሲ ስለ ዝኾነ’ዩ። ዉደባ ብሄር እምነታትን
ዓድታትን ወረዳታትን ኹሉ ፖሎቲካዊ ጽልዋታትን ስለ ዝሓቑፍ ከም ገሊኦም ዝብልዎ ‘’ትሕቲ ሃገር
ዝንባሌ’’ ኣይኮነን። ብሄራት ከኣ ብሄራዊ ውድብ ስለ ዝደለየን ዝቆማ ኣይኮናን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ
ብመሬትን ብባህልን ዝጸንሓ ንቓልሲ ከኣ እጃመን ዝሃባን ዝህባን ዘለዋ’የ። መሰልና እንተበላ ናይ ካልእ
መሰል ክንምጥል ኢና ማለተን ከም ዘይኮነ ኩሉ ፍትሓዊ ክርድኦ ኣለዎ። ዝምጥልን ዝጭቑንን መሰል
ካልኦት ኣይቕበልን ዝብል’ዩ። ነዚ ኮንቱ ዘመተ ንንቓሓሉ ሚኽንያቱ ንኻልእ ዝገዝእ ህዝቢ ንርእሱ’ውን
ንጻን ሓራን ኣይኮዉንን’ዩ። እንበኣር ግደፉ ብብሄር ሙዉዳብ እቲ ዓዳዉን ኣዉራጃዉን እምነታዉን
ዉደባ እኳ ንጽልእን ንቅርሕንትን ዘሳዉር እንተዘይኮይኑ ንፍትሕን ንሕልና ምብርባርን ምስ ዘቀድም
ክድገፍ ዘለዎ ኣካል ቓልስና’ዩ ባሃልቲ ኢና። ካብኡ’ውን ኣብ ንነብረሉ ሃገራትን ከተማታትን ሲቪካውን/
ኮማዊ ዉደባታት ንቃልስና የሕዩሎ ስለ ዝኾነ ዓዂኹ ኣብ ቓልሲ ክኣቱ ንረባረበሉ ንብል።
ብዓቢኡ ግን ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዝርኤ ሕምቐት ክሽፈን’ውን ዘይኽእል’ዩ። ኩሉ ህዝብና ዝጽበዮ ሓደ
ዲሞክራስያዊ ንኩሉ ፍልልያትና ተጻዊርና ሓደ ጽላል ክንምስርት ዘይምብቓዕና’ዩ። ኣብ ስደት ንነብር እዛ
ጸላም ታሪኽና ክንሰግራ ነዚ ዝመጽእ ዓመት ከም መደብ ክንሕዞ ንጹዉዕ። ከምኡ’ውን ነዚ ዘቀራርብን
ዝዕድምን መደባት ክነዕዉት ብኢንተርነትን ፓልቶካትን ማዕከናት ሪድዮን ቲቪን ብፍትሕን ብሞራልን
ብባህሊ ሃገረን ክሰርርሕ ንጹዉዕ። ብሳይበራዊ ትግባሬ ዝፍነወና ዘሎ መጥቓዕቲ ወዓል ሕደር ዘይድልዮ
ስለ ዝኾነ ብፍትሓውን ብፍልጠትን ክንቓለሶ ነስምር እናበልና፣ ደጊምና ንመላእ ህዝብና ዮሃና ንብል። እዚ
ወደሓንኩም እናበልና ርእይቶኹም ኣይትቆጡቡልና።
24 ግንቦት ንዘለለም ተኸቢራን ተዘኪራን ትንበር!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብሪ ንሱዉኣትና!
ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ። This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it Friday, 24 May, 2017

Last Updated on Tuesday, 30 May 2017 17:34
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 28 guests online