መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!! ‎ Print
Written by Administrator   
Thursday, 02 December 2010 16:40

መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!! ‎

 

‎ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ‎‎ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዋዕላ ንዝተነብረሉ እምነት ‎‎እናንኣደ፡ ንውሳኔታቱን ለበዋታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ።  ‎

 

‎ካብቲ ቀንዲ ዕማማት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ከኣ ትጽቢት ህዝብና ንምርግጋጽ፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ‎‎ንምቅልጣፍን ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን፡ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘይዝኾነ ‎‎ፍልልይን ኣድልዎን ናብ ሓደ መኣዲ ዘተ ብምምጻእ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስልጡን ልዝባት ንምክያድን ዕውት ሃገራዊ ‎‎ጉባኤ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ኢዩ።‎

 

‎ነዚ ሃገራዊ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ኮምሽን ምዕሩይ ተሳትፎ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት ሕ/ሰብናን ‎‎ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘይስገር ምዃኑ ይኣምን።ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኮምሽን ምስ ‎‎ኩሎም ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ድሌት ዘለዎ ኣካላት ብንጹህ ሕልና ሓቢሩ ክሰርሕ ‎‎ምዃኑ ባህግታቱ ይገልጽ።‎

 

‎ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝተሰከሞ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ሕድሕድ ምትዕግጋብ፡ ‎‎ምትእምማንን ግልጽነትን ኣገዳሲ መሳርሒ ዕዮታቱ ምዃኑ ይግንዘብ።ስለዚ ኩልኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ‎‎ክፍልታት ሕ/ሰብና፡ ሃገራውያን ባእታታት፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን…...ወዘተ ኣብ ከባቢኩም ምስ ‎‎ዝርከቡ ኣባላት ኮምሽንን ከምኡ’ውን ምስቶም ንኮምሽን ንምትሕግጋዝ ዝቆሙ ዘለዉ ህዝባዊ ሽማግለታትን ሓቢርኩም ‎‎ክትሰርሑ ኮሚሽን ብክብሪ ይጽውዕ። ‎

 

‎በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቀጥታውን ቁኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ሕቶታትን ሃነጽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ‎‎ኮምሽን ዝምልከት ንምቕራብ፡ በዚ ወግዓዊ ኢ-መይል ናይ ኮሚሽን This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ክትሓቱን ሓሳባትኩም ‎‎ከተቕርቡን ይጽውዕ። ‎

 

‎ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!‎

‎ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !! ‎

‎ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !! ‎

‎ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ‎

‎06 ጥቅምቲ 2010 ‎

This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ‎

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 17:10