www.blina.org

መርሆ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Tuesday, 19 September 2017 16:37

ብባህርን ምስልን ንክልተ፡ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ዝጣመሩ ተርእዮታት ብማዕረ ዝውክል፡ ማንታ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ወይ
ቃል’ዩ፡፡
ካብ ድቅድቕ ጸላም፣ ካብ ዓሚቕ ባዓቲ ወይ’ውን ካብ መሪር መግዛእታዊ ኣርዑት ሓራ ንምውጻእ ዘገልግል፡ መዋጽኦ
ወይ’ውን ባብ ራህዋ ክህሉ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ባብ’ዚ ካብ ጭንቅን ሕሰምን ዘናግፍ መስተርሆ ናይ'ቲ ኣደራዕ ብምዃኑ፡ እቲ ባብ
መርሆ’ዩ፡፡
ናብ’ቲ ክትበጽሖ እትብህጎ መስተርሆ-ባብ፣ ጫፍ ዓወት ንምብጻሕ፡ ንጊዚያዊ ግድላት ካብ እምኒ-ዓረ ብዝተረረ ጽንዓት፣
ውፉይነትን ቅሩብነትን ምብልሓት ዝሓትት’ዩ፡፡ ምንጪ ናይ’ዚ ተኣምራታዊ ሓይሊ፡ ብንጹር ራእይን እስትራቴጂን ዝግራሕ
ቅኑዕ መስመር ምዕታር ድማ የድሊ፡፡ እዚ ቅኑዕ መስመር’ዚ መንገዲ ዓወት’ዩ፡፡ ነዚ መንገዲ ዓወት ዝቕልስ ከኣ መርሆ’ዩ፡፡
መርሆ ዕላዊት ልሳን ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ኮይና፡ ከም ውድብ ንዝተበገስናሉ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ
ቃልስና ንምዕዋት፡ ውድባዊ ፖለቲካዊ ኣማራጺታትና እትእምት፡ መንገዲ ሓቀኛ ዓወት ብምምራሕ፡ ብመንፈስን ተልእኾን
ነቲ ዝተሰመየትሉ ዓሚቕ ትርጉምን ረዚን ዕላማን ብብቕዓት ንምፍጻም፡ ኣብ መስርዕ ጸረ-ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ
ዝካየድ ህዝባዊ መኸተ፡ ናይ ቃልሲ ግቡኣ ንከተበርክት ዝተሰለፈት፡ ዳግም መርሆ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ዕላማታትና ኮይና ከተገልግል፡ ቃለ-መሓላ ዝኣተወት ልሳንና’ያ፡፡


ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ሰደግኤ


ትሕዝቶ መጋዚን ንምንባብ  ኣብዝስዕብ ሊንክ ጸዓን፤ መርሆ

Last Updated on Tuesday, 19 September 2017 17:03
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 89 guests online