www.blina.org

You are here:   Home Blog Blin/ብሊን ደምዳሚ መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡
ደምዳሚ መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡
Friday, 10 December 2021 13:35

ሓደን መተካእታ ዘይብሉን መንገዲ ዓወት፡ ንኹሉ ፍልልያት ብጥበብ ኣመሓዲርካ፡ ዘሎካ ሰውራዊ ዓቕምታት
ብምስማርን ብምጥማርን ከም ዝኾነ ዝተሰማምዑ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዘቐመጡ ኤርትራውያን
ሃገራውያን ውድባት፡ ድሕሪ ናይ 4 ኣዋርሕ ጽዑቕን ዓምዩቕን ርክባትን ብሱል ክትዓትን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ
ተበጺሑ። እቲ ዝተበጽሐ ሓባራዊ መረዳእታ፡ ነቲ ብሰንኪ ገባቲ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ/ኢሳያስ ኣብ ፍጹም ሓደጋ
ወዲቑ ዘሎ ሃለዋት ህዝብን ሃገርን ህጹጽ ፍታሕ ንምሃብ ዘብቅዕ ኣንፈት ቃልስን ኣወዳድባን ምኽታል ኣማራጺ
ዘይብሉ መንገዲ ምዃኑ ዘነደረ እዩ።
ብመሰረት ዝተበጽሐ ሓባራዊ ዕግበትን ውሳኔን ከኣ፡ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ሕዳር 2021፡ ንሰለስተ መዓልታት
መስራቲ ዋዕላ ተሰላሲሉ። እዚ ኣብዚ ፍሉይ ወቕቲ ብሓድሽ ኣገባብ ተተኺሉ ዘሎ ግንባር ቀንዲ ዕማሙ ነቲ ጠንቂ
ምብትታንና፡ ብርሰትናን፡ ሓደጋ ህላወናን ቀጻልነትናን ዝኾነ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ/ኢሳያስ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ምፍራስን
ምድምሳስን ኮይኑ፡ ንኹሉ'ቲ ብህግደፍን ንሱ ዝፈጠሮ ግንባርን መሻርኽቱን ዝተኣልመ ንነጻነትናን ልዑላውነትናን
ዝጓነጽ ሸርሕታትን ተንኮላትን ምፍሻል እዩ።

To continue chose the Language of your preference down the list..

Tigrinya.pdf

English.pdf

Arabic.pdf

Last Updated on Friday, 10 December 2021 13:51
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 873 guests online