www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news 30 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
30 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
Tuesday, 25 May 2021 09:44

24 ግንቦት ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጠቅሊላ ናጻ ዘውጽትላ ክብርቲ ዕለት`ያ፡ እዛ ብዓቢ
ኽብሪ እነብዕላ ዘለና ናይ ናጽነት ዕለት እዝአ ቅድሚ ምብጻሕና፡ ህዝቢታት ኤርትራ ብዝተፈለለየ አገባብ
ንልዕሊ 70 ዓመታት አንጻር እቶም ብሓይሊ ጎቢጦም አንበርኪኾም ክገዝኡዎም ንዝመጹ ሓይልታት
ከይተሓለለ ተቃሊሱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ብቅልጽሙ ሃገራዊ ናጽነቱ ዘረጋግጸላ ታሪኻዊት ዕለት`ያ።
ብፍላይ እቶም ድሒሮም ዝመጹ ባዕዳውያን ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብመጀመርያ ዘውዳዊ
ስርዓት ሃይለስላሴን ስዒቡ ዝመጸ ፍሽስታዊ ስርዓት ደርግን ዓንገልቶምን ዝተኸየደ መሪር ቃልሲ ዝተኸፍለ
ሰፍ ዘይብል ከቢድ ዋጋ እዩ ነሩ፡፡ አብ ፍቕዶ ስድራ-ቤት ኤርትራ ዝሓደጎ ናይ ኩናት በሰላን ዘስዓቦ ዕንወትን
ቀሊል ከምዘይነበረ ግሉጽ ሓቒ`ዩ።
ድሕሪ ሰፍ ዘይብል ሰብአውን ንዋታውን ዋጋ ዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነትና ብዓቢ ድምቀት ሓጎስና ዝገለጽናላ
ታሪኻዊ ምዕራፍ ትኹን ዳአንበር፡ ድሌትን ባህግን ህዝብናን ሱዉእትናሲ ዘይተጸበናዮ ጥልመት`ዩ አጓኒፍና።

To continue click this PDF link

Last Updated on Tuesday, 25 May 2021 09:53
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 112 guests online