www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ድሕነትና ብስሙር ቃልስና!!
ድሕነትና ብስሙር ቃልስና!!
Thursday, 30 June 2022 21:04

ርእሰ ዓንቀጽ፦
ውሕስነትን ቀጻልነትን ኤርትራ፡
ብቐንዱ ኣብ ዝተጠምረ ቅልጽም ደቃ።

ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ንዘበናት ተጻዒኑዋ ዝነበረ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተናገፈት፡ ብምዑት ቃልስን መስዋእትን ህዝባ
ብሓፈሻ፡ ብጅግንነታዊ ተጋድሎ መንእሰያት ደቃ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ሕሉፍ ናይ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ተጋድሎና ምስክር
እዩ። ሃገራዊ ነጻነትና ኣብ ምቅልጣፍ ተራ ማሓዙት መንግስታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ድማ፡ ፈጺምና እንዝንግዖ
ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ካልኣዊ ተራ ዝነበሮ'ዩ።
እቲ ህዝቢ ኤርትራ ን13 ዓመታት ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ስርዓት ሃይለስላሴ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ
ንግዝይኡ ኣጽኒሕና፡ ኣብ'ቶም ዳሕረዎት 17 ዓመታት ዘበነ ኣገዛዝኣ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ነጻነታዊ ቃልሲ ህዝቢ
ኤርትራን ብሄራዊ ቃልስ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ደመኛ ጸላኢኦም ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ዓቕምታቶም
ኣዋሃሂዶም ዝቃለሰሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ኣብ መስርሕ ዝነበረ ሓርጎጽጎጽን ዘኽፈለና ከቢድ ኪሳራን ከምዘሎ ኮይኑ፡
ዕድመ'ዚ ፋሽስታዊ ስርዓት'ዚ ኣብ ምሕጻር፡ ተወሃሂድና ምቅላስና፡ ነቲ ሓደ ሓለፋ ነቲ ካልእ ንኡስ ተራ ክበሃል ዘይከኣል፡
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ክትከውን እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ኣርዑት ጭቆና ፋሽስታዊ ደርጊ
ክትገላገል ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ፤ እዚ መስርሕ ምውህሃድ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ሓርነቱ ይኹን፡ ህዝቢ
ትግራይ ድማ፡ ኣብ ምውሓስ ብሄራዊ መሰሉ፡ ነናይ ባዕላቶም ወሳኒ ተራ ነበሮም።

 

ሙሉእ ትሕዝቶ ክተንብቡ፣ ኣብ ዝስዕብ 'ሊንክ' ጽዓኑ። PDF link.

Last Updated on Thursday, 30 June 2022 22:03
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 58 guests online