Written by ብጎይትኦም ኹፍሎም
|
Sunday, 12 August 2018 10:49 |
‘’ጎረቤትካ ክላጻ ንስኻ’ውን ርእስኻ ማይ ኣጠልቂ’’
ኸም ኩሎም ናይ እምነታት ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝብልዎ ‘’ሰላም ባዕሉ ኣምላኽና’ዩ’’8ሰላም ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ’ዩ። ‘’ብሰላም ክነብር ምስ ኩሉ ብሰላም ንመላለስ’’8ሊቕና ጳጳሳት መንቆርዮስ ካብ ኣትላንታ ኣብ እዚ ወርሒ ንህዝቢ ዝሃብዎ ምዕዶ’ዩ። ልብኻ ሸፍጥን ኣብ እኩይ ስራሕን ተዋፊርካ ከሎኻ ሰላም ኣብ ሃገርን ጎረባብትን ክተንግስ ግን ከም ዘይከኣል ሊቓዉንቲ ዪምዕዱና። ከም ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ዝደለየን ዝተቓለሰን ዝተሰዉኤን ዝጾመን ዝጸለየን የሎን። ‘’ንሰላም’’8እኮ ዘሚርናላን ቀዲስናላን ተሰዊእናላን ንደቕና ድማ ስም ኣዉጺእና ኣጠሚቕናላን ንትካላትና ድማ ሰላም ዝብል ስም ሂብና ደሊናያ’ና። ደለይቲ ሰላም ስለ ዝኾና ሃንቐዉ ስለ ንብላ ዝኾነት ሕማቕ ቓል ኣንጻር ሰላም ኣይነተንፍስ’ና። ኣብ ግብሪ ግን ካልእ ከም ዘሎ ዪዕዘብ ስለ ዘሎኹ ናተይ ሻቕሎት ክገልጽ ከሎኹ ንሰላም ካብ ልቢ ስለ ዝደልያን ዝትምነያን ሙዃነይ ክትርድኡኑ በዓል ተስፋ’የ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ pdf ሊንክ ጽዓን !
|
Last Updated on Sunday, 12 August 2018 11:14 |