www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news
Blina Blog
EID Al Adha Mubarek
Thursday, 28 May 2026 22:09

Last Updated on Thursday, 28 May 2026 22:48
 
ብምኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ዮሃና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ. ቤ/ጽ:ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ።
Monday, 25 May 2026 10:18

መዓልቲ ናጽነት ውጽኢት ናይ ወሎዶታት ቃልስን ክቡርመስዋእትን ስለዝኾነ
ንዘለዓለም ከቢሩ ክነብር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር
መላእ ህዝብና በብመንገዱ ነዚ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ዘብዕሎ ዘሎ።
ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም
ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።
ብፍላይ፡ ብደገን ብውሽጥን ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ተረኽቦታት ኣብ
ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሓያላት ሃገራት ጸረ-ኣሀጉራዊ ሕጊ ድልየቶም
ኣብ ዝፍጽምሉ ዘለዉ እዋን፣ ነፍሲወከፍ ዜጋ ንልዑላውነት ሃገርና ናይ ምክልኻል
ግዴታ ኣለዎ።

ምሉእ ጽሑፍ ንምንባብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን: PDF-Link

Last Updated on Monday, 25 May 2026 10:35
 
ጽንብል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ 24 ግንቦት 2026.
Monday, 25 May 2026 09:39

ብ1961 ዓም ዝተበገሰ ብረታዊ ቓልስና ብ1991ዓም ኣብ ምዕራፉ ካብ ዝበጽሕ እነሆ 35
ዓመትና ንቆጽር ኣሎና። ብቐዳምነት ነዚ ብርሃን ናጻነት ዘብርሁ ሱዉኣትናን ኣካለ-ሱንኩላናን
ንኹለን ዉድባት ኤርትራን ንኩሉ ህዝብናን ዮሃና ንብል። ንሕና ሎሚ ብሂወት ዘሎና፣ ሪህና
ካፊኢና ነዞም በጃ ዝሓለፉን ከርፋሕ ናብራ ገድሊ ተጻዊሮም ዝተቓለሱን ኩሉ ግዜ ክዝክሮምን
ታሪኾም ክብ ኣቢልና ክንሕዞን ግዴታና’ዩ። ነዚኣ ሂወቶም ዘይበቐቑልና ሰማእታትና ንዘላኣለም
ክዕርፉን ክቐስኑን እቲ ካብኦም ዝተረፈ ሓርነት ህዝብና ክነማልኦ ቓል ንኣትወላ ዕለት ትኹነና።
ግዜ ብናቱ ስርዓት ዝኸይድ፡ ስለ ዝኾነ 35 ዓመታት ናይ ናጽነት ንቖጽር ኣሎና። ወዲ ሰብ
ንተፈጥሮ ልጟም ክገብረሉ ኣይክእልን’ዩ።

 

ምሉእ ጽሑፍ ንምንባብ፣ አብ ዝስዕብ ቀለብት ጽዓን: PDF-Link

Last Updated on Monday, 25 May 2026 22:33
 
ግዜጣዊ መግለጺ ስሪሕት ፈንቅል ትማልን ሎሚን ዲውብብኤ/ሆደ
Sunday, 15 February 2026 19:13

ንኲናት ብፍልፍስና ክንርኦ ከሎና ፍትሓዉን ዘይፍትሓዉን ኢልና ንምድቦ። ፍትሓዊ ንመሬትካን ንሉኡላዉነትካን ንታሪኽካን ባህልኻን ንሂወት ሰብካን ክትከላኸል ትገብሮ ህዝባዉን ፍትሓዉን ይበሃል። መሬት እንዳማትካ ወሪርካ፣ ረብሓ ፕሎቲካኻን፣ ቑጠባኻን፣ ክትግብት ትገብሮ ትዕምጽ ስለ ዝኾነ ዘይፍትሓዊ ይበሃል’ዩ። ኲናት ኩሉ ግዜ ሂወትን ቑጠባን ዝበልዕ ስለ ዝኾነ ጸረ ሰብን ሰብኣዉነትን’ዩ። ብሰላምዉን ብምድርዳርን ክትፈትሖ ምስ ዘይትኽእል ግን ተገዲዲካ ክትኣትዎ ይከእል’ዩ። ኣብ’ዚ ኲናት ተዓዊትካ ክትወጽእ ንዉሽጣዊ ኩነታትካ ምጽናዕን፣ ምቅርራብን ኣሎካ። ህዝባዊ ደገፍ ክትረክብ ትርግታ ልቢ ህዝብኻ ምስማዕን በብኸባቢኡ ክኸትት ናይ ክተት ኣዋጅ ክተስሚዕ ይግባእ።

ቀጺልካ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ  ቐለበት(PDF link) ጸዓን።

Last Updated on Sunday, 15 February 2026 19:42
 
PRESS RELEASE FOR IMMEDIATE RELEASE February 9, 2026
Tuesday, 10 February 2026 11:35

ENCDC - EPF–ECDC Joint Diplomacy Team Calls for Unified Eritrean Action to Support Refugees in Cairo, Tripoli and across the region.
The Joint Diplomacy Team of the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC), Eritrean Political Forces (EPF), and Eritrean Coalition for Democratic Change (ECDC) expresses its deep concern regarding the deteriorating humanitarian conditions faced by Eritrean refugees in Ethiopia, Sudan, Tripoli, and other parts of the region. Of particular urgency is the situation currently unfolding in Cairo -Egypt, where refugees are experiencing increased hardship and vulnerability. The team calls upon relevant authorities and the international community to intensify efforts to address these pressing issues, ensuring the protection and well-being of Eritrean refugees in Cairo and across the region.

For Full text go to this PDF link.

Last Updated on Tuesday, 10 February 2026 11:47
 
The Eritrean Declaration for National Unity and Defense of Sovereighnty.
Monday, 06 October 2025 08:21

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 74 guests online