ዮሃና ን መበል 31' መዓልቲ ናጽነት ሃገረ አርትራ። |
Blina News -
brk/news
|
እዚ መዓልቲ’ዚ ኣብ 1991ዓም ኮይና ክንርእዮ ከሎናን ሎሚን ዝተፈላለይ ስሚዒታት ኣይፈጥረልናን፣ እኳ ድኣ ሎሚ ካብ ቅድም ዝለዓለ ፍናንን ክብርን ይህበና።ናጽነት ሱዉኣት ጀጋኑና ዘረከቡና’ያ፣ ክሳብ ሎሚ ምዕቛባ ድማ ሕድሪ ናቶም ዘይምጥላም’ዩ። ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብሂወትን ብግዜን ብንብረትን ብገልታዕታ ስደትን ዝኸፈልናዮ ዋጋ ክሳብ ሎሚ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጽበጻብ ዘይምግባሩ እቲ ዝዓብየ በደል’ዩ። ንናጽነት ብሓላፍነት ዝተቐበሉ እሞ ክሳብ ሙሉእ ፍትሒ ከይትበጽሕ ዝተጻረሩን ዝዓንቐፉን ኣብ መንግስታዊ መዋቕር ዘለዉ ብወጄል ይሕተቱ፣ እቶም ግዳያት’ና ንብል’ውን ሰሚርና ተኻኣኢልና ከም’ቲ ቅድሚ ናጽነት ተሰዊኦም ናጽነት ዘጨበጡና ተወፊና ስለ ዘይሰራሕና ንህዝብና ኣብ ሕማቕ ሂወት ክጸንሕ ስለ ዝገብርና ብሕመቕና ተሓተቲ’ና። ኣብ ግዜ ቓልሲ ብዘጓነፈ ሓድሕድ ሙውጋና ሂወት ብዙሓት ስለ ዝጠፍኤ፣ ብዕርቕን ፍትሕን ከይተዕጽወ፣ ነዚ ጠላም መንግስቲ ኣብ ሕጊ ደዉ ከየበልና መበል 31 ዓመት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ በጺሕና። ዝተቓለሰ ዝተሰዉኤ ዝተሰደ ዝጠምየ ዝተኣስረ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዛ ናጽነት’ውን ሸረፍ ድያ ስባር ብዘየገድስ ነቲ ዋንኣ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብ መበል 31 ዓመት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብጻሓካ ንብሎ፣ ዮሃና ህዝብና!!! ዮሃና ንሱዉኣትና ነዛ ክብሪ ናዛ ሂወት ዘልበስኩምና!!!!
ዳግም ዮሃና!!!
ብሊና ኦርግ። G. K.
|
Blina News -
brk/news
|
Eid me ruk. Kulu sena wa entum taybin. |
8 መጋቢት ዓለም'ለኽ መዓልቲ ደቂ'ንስዮ። |
Blina News -
brk/news
|
ኡሰሪ ካኒልድኻ ሸምጠጥሮ፣ ብሪልድኻ ሕንፍልዶ፣ መንደርትኑ ኣርጝናዂ ዳለትል ካብሪዲ ገሽዲ ሰጘቲ።
ቢልድኻ ጎድስታዂ፣ ደርብ ሺራዂ ፈርዶኻ ሰቐጥራዂ፣ ኤመሪሲ ዪሮ እንኲርዳዂ ዳልት እንተሰናኻ፣ ነሳዂራ ርድቕ እንኲልኲልኒል ኤዋዂ ናን ሻዂዂ። ንድ ኻ ደፋ ዮ ነሳዂራ ቦሎቲከስር ጎምጨጩ ፈሩዂ። እና ክብር ጙርዊዂሲ ዓውዲስኽር፣ ፍትሕድር፣ እምነትድር፣ ንቊርስቊርሊ ሓለፍዱዂሉ።
ኡሰሪ ንብርፍልድ ግርወስ ሓሸምድቶ ፈጠርስረርጝን፡ ጭፍር ልኲልድ ሽብካ ኣኾሩኹል ኣኽራሲክ ሰርቶ ሻኽቲ፡ ዲብትነበዲ፣ ተበነዲ፣ (ርድቕ እንኲልኩልና) መሀርስነዲ ንርቲ ቛለው ኣኽላ፣ ያዂ በዳን ዓውዲ፣ ለገዱ እንትነዲን፣ ኡሰሪ ዓለምሊ ንር ክብር ነቀሱ እንቱዂ።
እዚ ጽሑፍ ንዳግም ፖስት ተገይሩ።
ምለእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ PDF link ጽዓን
|
Blina News -
brk/news
|
ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ከቢድን ዘስካሕክሕን ውግእ፡ ብሕቡራት ሃገራትን (UN) ብካልኦት ማሕበራዊ መድያታትን ይቃላሕ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ህዝብታት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራዎት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ክኸይድ ዝጸንሔን ዝኸይድ ዘሎን ህልቂት፡ ኣዝዩ መሪርን ዓሚቝን ሓዘን ከም ዝተሰመዓና ንገልጽ።
በዚ ጭካኔ’ዚ ንዝሓልፍ ዘሎ ህይወታት ሰላማዊ ዕረፍቲ፡ ንስድራ-ቤታትን ትካላትን ድማ ጽንዓት ንምነ። ንፈጸምቲ ገበናትን ተሓባበርትን ኣጥቢቕና ንኹንን።
ብመንጎኛን ነጻን ኣካል ተጸኒዑ ፈጸምትን ተሓባበርትን ናብ ቤት-ፍርዲ ብምቕራብ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክፍጸም ነማሕጽን።
ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ተሓላቒን (UNHCR) ከምኡውን ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላትን ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ፡ ህይወት ንምድሓን ዘድሊ ዘበለ ብህጹጽ ሓገዛቶም ከቕርቡ ንጽውዕ።
To continue choose the language you wish from the link...
Tigrigna.PDF
English.PDF |