Blina News -
brk/news
|
Blinaorg:ብሞት ሓውና ገ/ስላሴ ወልዳይ ብዙሕ ምሕዛና እና ገለጽና፣ ጽንዓት ይሃብኩም ንኩሎም ቀረባ ሰቡን ብፍላይ ድማ ንስድርኡ።
ሓው ገ/ስላሴ ወልዳይ ብ januari 21 1958 ተወለዱ ብ april 30 2022 ዓሪፉ።
እዝጊአብሔር፣ ኣብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበሎ ንምነየሉ።
Blina org: |
Blina News -
brk/news
|
ብምኽንያት በዓል ፋሲካ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሎም ኤርትራውያን ክርስትያንን፣ ንኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም ብምባል፣ ርሑስ ብዓል ፋሲካ ክኾነልና ልባዊ ምንዮቱ ይገልጽ። ዝመጽእ በዓልታትና፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ይኹን ዞናናን መላእ ዓለምን፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ምስ እንፈትዎም ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር። ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ 23ሚያዝያ 2022
To read full text click on the PDF link. |
Blina News -
brk/news
|
ብጹእ ዎ ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሳልሳይ ፓትሪያርክ ቅድስቲ በተክርስትያን ኦርቶዶክስ አርትራ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብድሕሪ 16 ዓመታት ማእሰርቲ ብዘይ ህግን ፍርድን ብዕለት 09/02/2022 ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፎም።
ርእሰ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ስርዓት ህግደፍን ካብ ዝፈጸምዎም ገበናት ልሉይ ዝኾነ ስኑድ ታሪኽ ምኳኑ ዘይሰሓት ሓቂ ኡዩ።
ብሞት ምፍላይ ኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዙሕ ዝጐሃየ ህዝቢ አረትራ ጽንዓት ይሃበና ፡ንኦም ድማ መንግስተሰማይ ከስፍሮም ንምነ።
Blina.org |
Blina News -
brk/news
|
ኤስደለ ካብ ዕለት 27–30 ታሕሳስ 2021 ሳልሳይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ እዚ `ኩሉ ዓቕምታትና ኣዋሃሂድና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ንቃለስ` ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተሰላሰለ ጉባኤ ኣብ መኽፈቲ ጽምብል ብርክት ዝበሉ ፈተውቲ ውድባትን ወከልቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ወከልቲ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግምባርን ደቂ-ኣንስትዮን ተረኺቦም ኣማዕሪጎሞ ውዒሎም ኣዮም። ነቶም ውድብና ኤ.ስ.ደ.ለ. ኣብ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ዝጸንሖ ኣዎንታዊ ተራ ምስክርነት ምሃቦም እናኣመስገንና ምእንቲ ሓድነትን ደንበ ተቓውሞ ቃልስና ብናህሪ ከምዝቕጽል ከነረጋግጽ ንደሊ።
ምሉእ ሓሳብ ንምንባብ፡ ዝስዕብ PDF link ጽዓን። |
ፖለቲካዊ ውሳኔታት መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ) |
Blina News -
Blin/ብሊን
|
መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ፡ ካብ 18 ክሳብ 20 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ተኻይዱ፤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ንኩላትና ደለይቲ ለውጢ፡ ዓብይ ብስራት ብምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ እንቋዕ ኣሐጎሰና፡ ክንብል ንፎቱ። መስራቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ኣብ ፍሉይን ኣዝዩ ተኣፋፍን ኩነታት ተሰላሲሉ። መስራቲ ዋዕላና፡ ንኩነታት፡ ዓለም፣ ዞባን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ማለት፡ ሃለዋት ህዝብና፣ ደመኛ ጸላኢና ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ-ህግደፍን ሓይልታት ተቓውሞናን ድማ ብፍላይ፡ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ገምጊሙ። ዋዕላ ስሙር ሃገራዊ ግንባርና፡ ፖሎቲካዊ ቻርተርን ሕገ-ህንጻን ብሙሉእ ስምምዕ ኣጽዲቑ። ምስ'ዚ ብዝተታሓሓዘ፡ ዓበይቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ፖሎቲካዊ ውሳኔታት መስራቲ ዋዕላ ስሙር ሃገራዊ ግንባርና(ኤስሃግ) ዝስዕቡ እዮም።
To read more click on this Tigrinya PDF |
Blina News -
brk/news
|
ሕክምሲ ሻኻዂ ገሽ ድገሩዂ ከዋ ፍሪርድ እንታዂ ኣከን ኮል ኣኽን ከደንሊ ኒ’እሰ ወራትክ ዲባ ድገሩዂድ መመይስሮኽር ኮኮይስሮኽር ደኩረሪ ኣኽረዉድ ግረሪ ግን። ኒንኻ መረርድን ሓረርድን ታሚትረሪ ግን። ና’ሒልድር ጉርበትድ ኤረጊስኽር ከያነትዲ ገለበድነዲስኽር እንተረዉ ሜሪኻ ዲመክ ናቂጦረስ ተከውድኖ ከውሲ ጨቐጥኖ መንደርተው ኣኸዉድ ና’ቖል ሕጊ ኣኸውድ ናድ ባህ ያዂስክሎም እሰነኩ። ኩወነኩ ፣ እንሸወነኲ ፣ ኒት ደኲኖኽር ሓርብ ድገር ነበክልኽር ከደንልኽር እሰነኲ ። ዲማ ናው ከው ምልኒል ነፍዕስተነሪ ምስምሳኻ ‘’ቅረን መታን እስናኹ ግን” የነኲ።
ንጉስ ሃይለስላሴ ኢትዮቢዂ ኒ’ከዋ ምራድድ ሜሪ ሻኽላ። እንግሊዝዲ ኣሜሪካዲ ና’ስላሕ መታን ጉርበትድ ትንክብኖ ናዕስናዂ ግን። ኒዕምርስካ እና ኒ ቒጦረትል ፍሪርድር ከዋ ገውረድር እንታኹሰና ኢትዮቢል ሓዲስ ሕክም እንትጊን ጁዊልኽር ከደንልኽር እሽኽሊ ተከልሶ ኒ ወክሲ ደኲሱዂ። ኒ ደንቢ እንታዂ ደርጊር ሕክምኽር ኒልድ ኪድላ። ይጝር 1991ዓ.ም. ይና ጀብረት ናዕስነሰና እና ሓከሞና እርገዉ ሑኩማትልድ ኪዳዂ ሕክም እሲኖ ሳድኑ ናልድ ሊኽ መረት ጂባዂ ድገኹራ በለዲት እንሽኽዲ ዓጨባዲሲ ሓምረጎላ ህንበኲ።
To read more click in this PDF link. |
መሪሕነትን አመራርሓን- Leadership, theory and practice |
Blina News -
brk/news
|
ክለሳ-ሓሳባውን ግብራውን ሓተታ
ብፍስሃ ናይር
መሪሕነት አብዚ ግዜዚ እቲ አገዳስን አድላይን አብ ኩሉ መዳያት ውዳቤ ናይ ሕይወትና ፣ ናይ ክሉ ሕይወትና ግላዊ ይኹን ማሕበራዊ፣ አብ ቁጠባውን፣ ፖሊቲካውን፣ ማሕበራውን፣ባህላውን ንስራሓትና ንምዕዋት አፍልጦን ትግባረን መሪሕነት አገዳሲ ኢዩ።
አብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ሕዝቢ ብዛዕባ ጽንሰ- ሓሳብ መርሕነት እንታይ ምዃኑን፣ ከመይ ገርካ ድማ ጥዑያት መራሕቲ ትምህዝ፣ከም ውልቀሰብ ድማ ጽፉፋት መራሕቲ ንክኾኑ፣ሓበረታን አፍልጦን ንክረኽቡ ይሓቱን ይጽዕሩን፣ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ሎሚ እዚ ኣርአስቲ እዚ ነፍሱ ዝኸኣለ አካደምያዊ ዲሲፕሊን ኮይኑ ብትምህርትን፣ ከምኡ ድማ አብ ኩለን ቤት ንባብ ብዛዕባ ምምራሕን መርሕነትን መሃርን መኻርን መጻሕፍቲ ከተነብብን አፍልጦ ክትቀሰምን ትኽእል።
ብዙሓት ሰባት መሪሕነት ማለት ወልቃውን፣ ማሕበራውን ሙያውን ሒይወትካ ንምምሕያሽ እትወስዶ መንገዲ ኢዩ ኢሎም ይአምኑ። ኩባንያታት ኢንዱስትሪ ወይ ድማ ንግዶም መታን ክዕወት ብቁዓት መራሕቲ ይደልዩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ናይ ምምራሕ ስልጠና ንሰራሕተኛታቶም ይህቡ፣ በዚ ምኽንያት ሎሚ መርሕነት ብምሁራት ተመራመርቲ ዓቢይ ቆላሕታ ረኺቡ ብዙሕ መጽናዕትታት ይካየድን ተኻዪዱን አሎ።
ሎሚ አብተን አብ ምስልጣን ዝረከባ ሃገራት አፍሪቃ ብፍላይ አብ ፖሊቲካዊ ሒይወት ስኣን ብቁዓት መርሕነታት ሕዝብታት አፍሪቃ አብ ድኽነትን ድንቁርናን፣ አብ ናይ ሓድሕድ ኩናትን ብርሰትን ይሳቀ አሎ።
To read the full text click on this PDF link |
ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!! ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ |
Blina News -
brk/news
|
እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና’ና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓቒ መቐለ ቆይማ ዘላ ሃዉልቲ ሰማእታት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ካብ ቐደም ንላዕሊ ክደምቕ ሙዃና ንኣምን። ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ሞቑሕ ዘለዉ’ውን ብጥዕና ሓርነት ሃገሮም ክርእዩ ተዓጢቅና ክንቓለስ 20 ሰኔ ዳግም ቓልና ንሓድሰላ ዕለት ሙዃና ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነዘኻኽር።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ አብ ዝስዕብ PDF link ጸዓን |