www.blina.org

You are here:   Home Blog Newsflash መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!! ‎
መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!! ‎
Thursday, 02 December 2010 16:40

መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ‎‎ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዋዕላ ንዝተነብረሉ እምነት ‎‎እናንኣደ፡ ንውሳኔታቱን ለበዋታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ። 

 

ካብቲ ቀንዲ ዕማማት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ከኣ ትጽቢት ህዝብና ንምርግጋጽ፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ‎‎ንምቅልጣፍን ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን፡ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘይዝኾነ ‎‎ፍልልይን ኣድልዎን ናብ ሓደ መኣዲ ዘተ ብምምጻእ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስልጡን ልዝባት ንምክያድን ዕውት ሃገራዊ ‎‎ጉባኤ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ኢዩ።

 

ነዚ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት ድማ ኮምሽን ምዕሩይ ተሳትፎ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት /ሰብናን ‎‎ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘይስገር ምዃኑ ይኣምን።ካብዚ እምነት ብምብጋስ ከኣ፡ ኮምሽን ምስ ‎‎ኩሎም ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ድሌት ዘለዎ ኣካላት ብንጹህ ሕልና ሓቢሩ ክሰርሕ ‎‎ምዃኑ ባህግታቱ ይገልጽ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝተሰከሞ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ሕድሕድ ምትዕግጋብ፡ ‎‎ምትእምማንን ግልጽነትን ኣገዳሲ መሳርሒ ዕዮታቱ ምዃኑ ይግንዘብ።ስለዚ ኩልኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ‎‎ክፍልታት /ሰብና፡ ሃገራውያን ባእታታት፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን…...ወዘተ ኣብ ከባቢኩም ምስ ‎‎ዝርከቡ ኣባላት ኮምሽንን ከምኡውን ምስቶም ንኮምሽን ንምትሕግጋዝ ዝቆሙ ዘለዉ ህዝባዊ ሽማግለታትን ሓቢርኩም ‎‎ክትሰርሑ ኮሚሽን ብክብሪ ይጽውዕ።

 

በዚ ኣጋጣሚ ቀጥታውን ቁኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ሕቶታትን ሃነጽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ‎‎ኮምሽን ዝምልከት ንምቕራብ፡ በዚ ወግዓዊ -መይል ናይ ኮሚሽን This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ክትሓቱን ሓሳባትኩም ‎‎ከተቕርቡን ይጽውዕ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

06 ጥቅምቲ 2010

This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 17:10
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 88 guests online