ቃለ-መጠይቕ፡- ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ብ/መኮነን ተኽለ |
![]() |
![]() |
![]() |
Written by Administrator | |||
Saturday, 05 January 2013 00:24 | |||
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል
ሕቶ፡- ሕራይ ብ/መኮነን ህግደፍ ናይ ግደን ክውገድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ብዙሓት’ዩ። ብከመይ ኣገባብ ኣብ ዝብል ግን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉን ብኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ዝብሉን ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣለው ናትኩም ርእይቶ ኣበይንኡ’ዩ?
መልሲ፡- ንሕና ከም ውድብ፡ ብዙሕነት ከም ዘሎ ኣብ ኤርትራ ንኣምንን ንቕበልን። ብዙሕነት እንተሎ ድማ ናይ ኣረኣእያ ብዙሕነት ክህሉ ውሁብ’ዩ ዝኸውን። ገለ ወገናት ኣለው ብሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ነዚ እምነት’ዚ እምነቶም ስለ ዝኾነ ነኽብሮ ኢና። ግን ንሕና እዚ ዓማጺ መንግስቲ’ዚ ብሄራት የለዋን ተቓወምቲ ውድባት የለውን እንተልዮም ድማ መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታት’ዮም እንዳበለ ንዘይህላውነት ናይ ህልዋት ውድባት ዝሰርሕ፡ ዶባ ሰጊሩ’ውን ንተቓለስቲ ዝቕንጽል ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ተቓሊካ ክእለዩ ዝብል ዕግበት የብልናን። ብኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ክንጥቀም’ዩ እቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣየና። ናይ’ቶም ሰላማዊ ኣገባብ ዝብሉ ርእይቶ ነኽብር ኢና። በቲ ዘራኽበና ምስኦም ክንሰርሕ ‘ውን ጸገም የብልናን። ግን ከም ውድብ፡ ንባህርን ተግባርን ጸላኢና መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ምኽታል’ዩ እቲ ቅኑዕ ኢልና ኢና ንኣምን።
ሕቶ፡ ናብ ካልእ ከስግረካ መኮነን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተመስረተሉ 2011 ተሳታፋይ ነይርካ፡ ሕጂ ድማ ከም ኣባል ባይቶ መጠን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ’ቲ ባይቶ ተሳታፋይ ብምንባርካ ነዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር’ዚ ከመይ ትገልጾ?
መልሲ፡- እዚ ነዊሕ መስርሕ ዝኸደ ግንባር ወይ ድማ ባይቶ እዩ። ቅድሚ ምምስራቱ ሓደ ክረአ ዘለዎ ነገር እንተሃለወ፡ ሓደ ኮይንኩም ዘይትሰርሑ ዝብል ናይ ህዝብና ጠለባት ብምንባሩ: ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዚ ጠለብ’ዚ ማእከል ዝገበረ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ውድባት ክንዲ ዝዓበየ ይዕበየ ክንዲ ዝበዝሓ ይብዝሓ ነንበይነን ኮይነን ንጠለባት ናይ ህዝብና ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክምልሳ ከም ዘይኽእላ ህዝቢ እንዳተረደአ ስለዝመጸ፡ ኩሉ ግዜ ሓደ እንተድኣ ኮይንኩም ኢኹም ነዚ ስርዓት እዚ ንምእላይ ኣድማዕቲ ትኾኑ ዝብል ኣወንታዊ ትጽዕኖ ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ቅድሚ ባይቶ ንብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ዝበሃል ጽላል ነይሩ፡ ብዓቐኑ ካብኡ ስፍሕ ናብ ዝበለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተሰጋጊሩ እዚ ብፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዝውሳኣሉ ግንባር’ዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ባይቶ ክምስረት ዝገበረ ‘ምበኣር ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን’ዩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለው ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ስቪክ ማሕበራት፡ ኣብ ምምጻእ እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ነናቶም ኣወንታዊ ድርኺት ነይርዎም’ዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገስ ማሕበራት፣ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሚዲያ ትካላትን ካልኦት ጸረ-ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደው ዝበሉ መሻርኽቲ ወገናትን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ዓቕምና ጸንቂቕና ክንሰርሕ ኣለና ካብ ዝብል ዕግበት ብምብጋስ፡ ንነዊሕ እዋናት በብከባቢኡ ከካይድዎ ካብ ዝጸንሑ ምንቅስቓሳት እዩ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ዝተኻእለ።
እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ክውንነት ኣብ ግምት ዘእተወን ብተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ዝመጸን ስለዝኾነ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ኣፍልጦ ዘለዎ ብምዃኑ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ትካል እዩ። እዚ ባይቶ’ዚ ካብ ዝምስረት ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብረኣእያ፡ መልክዕ ውደባ፡ ኣቀማምጣ፡ ተመክሮ፡ ዝተፈላለየ ዝንባለታት ዘለዎም ተቓለስቲ ዝተኣኻኽብሉ ሰፊሕ ግንባር፡ ዓመት ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም እቶም ክግበሩ ዝግበኦም ማለት ነዚ ትካል እዚ ከንቀሳቕሱ ዝግበኦም ነገራት ክጻፈፉ ብዙሕ ግዜን ውሁድ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ዝሓትት’ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሰፊሕ ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምቲ ድልየት ወይ ትጽቢት ናይ ህዝብና እኳ እንተዘይኮነ ንዘለውዎ ውሽጣዊ ሕጽረታት እናኣለየ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ብዙሕ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣሰላሲሉ ኣሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ኣብ ጎረባብትናን ዞባናን ዝርከባ ሃገራት ዑደት ብምፍጻም ዕላማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣላልዩ ንቃልስና ግድግፉ ጸዊዑ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ በደላት ትኹረት ንክገብርን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ተግባራዊ ክኸውን፡ ኣለዎ ብምባል ዘይነዓቕ ስርሓት የሰላስል ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዋላ ዘገምታዊ ይምሰል እምበር፡ ኣገደስቲ ዕዮታት የሰላስል ኣሎ እዩ። እዚ ሕጂ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያት ዝገምገመን ንቐጻሊ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ዝረኣየን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝብና ነዚ ጽላል እዚ ከምቲ ዝግባእ ወይ ድማ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰርሐን ኢሉ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፉ ከበርክተሉ ኣለዎ ይብል።
ሕቶ፡- ብንጹር ንምቕማጥ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕድሚኡ እንታይ ኣወንታዊ ስርሓት ኣሰላሲሉ እንታይ ድኽመታት ኣርእዩ፡ እንታይ ብድሆታት ‘ከ ኣጋጢምዎ?
መልሲ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ብዙሓት ስርሓት ነይሮም እዮም። ግን ድማ ከም’ቲ ልዕል ኢለ ዝተናኸፍክዎ፡ ናይ ኣረኣእያ፡ ዓቕሚ፣ ተመክሮ ስጡም ውህደት፣ ናይ መሳለጥያን ጸገማት ሒዙ ዝተመሰረት ሓድሽ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ኣመራርሕኡ ይኹኑ ኣባላቱ’ውን ከምኡ ምሉእ ግዚኦም ንዕኡ ዘይህቡ ብምዃኖም፡ ናይ ህዝብና ድሌታት ኣብ ምትግባር ዝተርፎ ብዙሕ ኣሎ። እዚ እቲ ብኣሉታ ዝግለጸሉ ሸነኽ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደያት ድማ ብዙሓት ብኣወንታ ክግለጹ ዝኽእሉ ስርሓት ሰሪሑ እዩ። ብቐንዱ ግን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ምስ ዝኽእል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ኩሉ ነገር ንኣባላት ኣመራርሓ ንገድፎ እንተ ድኣ ኮይና፡ እቲ ጽላል ከምቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኩሉ ኣብ ህላወ ጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ረብሓ ዘይብሉ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝደሊ ዜጋ፡ ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞራስያዊ ለውጢ በብዓቕሙ ብትእዛዝ ዘይኮነ ብሓላፍነታዊ ስምዒት እንተደኣ ተረባሪቡ እዚ ጽላል እዚ ውጽኢታዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ‘ውን እንተርኢናዮ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዝዓሰሉ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ዝተዓመ ዕማማት ዝነዓቕ ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ በዚ ደገፍ እዚ ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ ክንድዚ ርሕቐት ክጓዓዝ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ከኣ ብኽንድ’ቲ ተደላይነቱ ካብ ህዝቢ ኩለ-መዳያዊ ደገፍ እንተረኺቡ ብዘይጥርጥር ዝተበገሰሉ ሸቶ ክሃርም’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ዘለውዎ ድኽመታት ኣላሊኻን ኣሊኻን ሓይሉ ክቕጽል’ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ?
መልሲ፡- ኣቐዲመ ክገልጾ ጸኒሐ እኳ እንተኾንኩ፡ ግን ከኣ ከይተንከፍክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣለው። ቁጠባዊ ሓደ ነቲ ባይቶ ውጽኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ዘድልይዎ ነገራት ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ስራሕ ዝመደብካዮም ውልቀ-ሰባት እኹል ባጀት ረኺቦም ክንቀሳቐሱ እንተዘይ ክኢሎም፡ እቲ መደባት ከምቲ ዝድለ ዕውት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ኩሉ ኣባል ባይቶን መላእ ህዝብናን ነዚ ናይ ቁጠባ ማሕንቖታት ኣብ ምፍታሕን፡ ባይቶ ነብሱ ክኢሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገንዘባዊ ጸገም ስራሓቱ ንከሰላስል መታን ክበቅዕ፡ መላእ ተቓላሳይ ህዝብና ኣበርክትኡ ክገብር ይጽውዕ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝነብሩ ተቓለስቲ ኣካላት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንክፋለጥን ኣወንታዊ ርክባት ንከካይድን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ ንኽገብሩን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ይግበኦም። ንሕና ኣብቲ ንነብረሉ ዘለና ከባቢ ከምዚ ዓይነት ስርሓት ነካይድ ኣለና፡ ግን ድማ ብናይ ኣባላት ባይቶን ፈተውትን ጥራሕ ዝካየድ እኩል ስለዘይከውን፡ ህዝቢ ነዚ ተግባራት’ዚ ውራየይ ኢሉ ክተሓሓዞ ይግባእ እብል። ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኣብታ ዝደኸመት ጫፍ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ብቐንዱ ኣብታ ሓንቲ እግሩ ተተኺላትላ ዘላ ናይ ጸጥታ ትካል ዝነበሩ ኣባላቱ ገገዲፎሞ ኣብ ዝኸድሉ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝረኽቦ ዝነበረ ቁጠባዊ ደገፋት ኣብ ዝሰኣነሉ ደረጃ ስለዘሎ፡ ነዚ ዝመሽመሸ ስርዓት ንምውጋድ ንባይቶ ዝግበር ሞራላውን ነዋታን ደገፍ ትርጉም ብዘለዎ ክሕይል ይግባእ።
ካልእ ብዙሕ ክብደትን መሰረትን ዘይብሉ፡ እንተስ ካብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ረብሓታት ዝብገሱ ወይ ባህሪ ከም’ዚ ዝበለ ግንባር ካብ ዘይምርዳእ እዚ ባይቶ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወላ ሓንቲ ኣይገበረን ኣይሰርሕን ‘ዩ ኣብቂዑ እዩ ክቕጽል የብሉን ወዘተ ዝብል ወረታት ዝነዝሑ፡ ውልቀ ሰባት ወይ ድማ ሓይልታት ኣለው እዮም። እዚ ርእይትኦም ኮይኑ ግን ከኣ እዚ ባይቶ’ዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ዋጋን ዝተኸፍለሉ፡ ኣገዳሲ መቃለሲ ግንባር ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ ሽግራት ክኽሰቱ ባህሪያዊ’ዩ። ይዕበዩ ይንኣሱ እቶም ዝኽሰቱ ሽግራትና ብሓባር ኮይና ንፈትሓሉን ድኽመታትና ኣብ መድረኽ ኣውጺእና ንፍትሸሉ ብሱል ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ኣለና። እንተደኣ ብሓቂ ንለውጢ ተበጊስና፡ እቲ ወጽዓን ወጻዕን ናይ ሓባር ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ድማ ናይ ኩልና ተሳትፎ ዝጠለብ ምዃኑ፡ ከሳስን ተኸሳስን ምዃን ብቃልሲ ንዝተፈጥሩ ግንባራት ገለ ጉድለት ስለዘርኣዩ ክፈርሱ ኣለዎም ምባል ግን ንኹሉ ዘይጠቅም ጥረ ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ዝተረደኣ ቃልሲ ከነካይድ ኣለና። እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ‘ውን እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ዘለው ሓይልታት በብመንገዶም ተበታቲኖም ንኸይኣትው ኣብ ሓደ ጠሚሩን ሓቚፉን ናብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርእዩ ዝገብር ትካል ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናተይ ኣጀንዳ ከተግብር ወይ ከኣ ከዐውት ስለዘይከኣለ ካብ ዝብል ጸቢብ ሕሳባት ክፈርስ ኣለዎ እንዳበልካ ምጉስጓስ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኮይኑ ኣይስመዓንን። እቶም ከምኡ ዝብሉ ካበየናይ ኩርናዕ ይብገሱ ኣለው ንዓይ ርዱእ ኣይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ካብቲ ክእለ ዘለዎ ሕጽረታት ኮይኑ ዝረኣየኒ።
ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን፡ ሓደ ንብዙሓት ውድባትን ርእይቶታት ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክምስረት ኮነ፡ ቀጻልነቱ ከረጋገጽ ብቐዳምነት ክዋስእሉ ዘለዎም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዘለዎም ሓይልታት ምዃኖም ርእሰ ግሉጽ ሓቂዩ’ሞ፡ ብስትራተጂካዊ መስመር ዝራኸቡ ብሄራውያን ይኹኑ ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት ከመይ ክተኣሳሰሩ ኣለዎም ኢልካ ትርኢ?
መልሲ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ዝግበር ልፍንትታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ገሊኡ ብሃገራዊ ግንባር ደረጃ ክኸይድ ይኽእል ገሊኡ ድማ ካብኡ ልዕል ብዝበለ ዲሞክራስያዊ ግንባራት ክፈጥር ይኽእል። እዚ ግን ዲሞክራስያዊ ግንባር ክትምስርት እንተድኣ ኮይንካ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለው። ሕቶ ፖለቲካ፡ ሕቶ ቁጠባ፡ ሕቶ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሕቶ ባህሊ ዝብሉ ነገራት ብግቡእ እንተድኣ ኣቐሚጥካ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ እቶም ዕማማትካ ክቐሉልካን ነቲ ክትከዶ ትደሊ ርሕቀት ወይ ከኣ ህዝቢ ዘሳትፍ ኣሰራርሓ ክትክተል ዝሕግዝ እዩ። ስለዚ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ከተዐውት እንተድኣ ኮይንካ፡ ምስ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ብሄራውያንን ሕብረ-ብሄራውያንን ደሞክራስያውያን ውድባት ግንባር ብምፍጣር ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።
ሕቶ፡- ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፡ ግን ከኣ ለውጢ ዝጠልብ ርሱን ስምዒታት ምህላው ዝፍለጥ’ዩ ነዚ ስምዒታዊ ኣካይዳታት ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ንምግራሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?
መልሲ፡- ሓደ ኣወንታዊ ዝኾነ ተርእዮ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ህዝብና ብቁጠዐ ተላዒሉ እዚ ስርዓት’ዚ ለኪሙና ክጠፍእ እዩ ክለግስ ኣለዎ ዝብል ተረድኦ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣወንታውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ግን ከኣ ብቑዕ መሪሕነትን ስጡም ውደባን ከይሓዘ፡ ብስምዒታውን ፍንውን መንገዲ እንተድኣ ቀጺሉ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ምኽንያቱ ብቁዕ መሪሕ ውድብን ስጡም ውደባን ዘይሓዘ ህዝቢ ወይ ተቓላሳይ ኣብ መጨረሽትኡ እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ካልኦት ብጎኒ ዝመጹ ተበለጽቲ ኣካላት ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብምጭዋይ፡ ነቲ ኣደራዕን ጭኮናን ብካልእ መልክዕ ከቐጽልዎ ስለዝኽእሉ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብጥንቃቐ ክረአን ቅልጡፍ ምስትኽኻል ክግበረሉ ኣለዎን ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣነ እዚ ክብል ዝደረኸኒ ምኽንያት ገለ ገለ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ዝጻሓፉን ኣብ ፓልቶክን ዝዝረቡን ነገራት ኣዝዩ ስለዘሰክፈኒ’ዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ምእላይ ተራ ናይ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ድማ ነቲ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ብህዝባዊ ስምዒታውነቱ ጥራሕ ክኸይድ ዘይኮነስ፡ ብመልክዕ ረብሓ ‘ውን ክቃነ ክኽእል ኣለዎ።
ሕቶ፡- ሕራይ ብጻይ መኮነን ዘዳለኹዎም ሕቶታት ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ፡ ምናልባት ግን ክለዓሉ ዝነበሮም ግን ከኣ ዘይተላዕሉ ትብሎም ሕቶታት ርእይቶታትን ለበዋታትን እንተድኣ ሃልይኳ ዕድል ክህበካ?
መልሲ፡- እወ! ከይተናኸፍናዮም ዝሓለፍና ክበሃሉ ኣለዎም ኢለ ዝሪኦም ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለው። መንእሰያትና መግዛእቲ ናይ ህግደፍ መሪርዎም ስደት ከም መማረጺ ወሲዶም፡ ናብ እስራኤል ይኹን ናብ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ክሰግሩ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ይትረፍ’ዶ ንኤርትራዊ ዜጋ ንዝኾነ ካልእ ፍጡር ‘ውን ዘስካሕክሕ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብን፡ እተን እዚ ተግባራት እዚ ዝፍጸመለን ሃገራትን ካልኦት ፈተውቲ መንግስታትን፡ ነዚ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝበጽሕ ዘሎ በደል ደው ንክብል ኣወንታዊ ተረአን ከበርክታ እጽውዕ። ብቐንዱ ድማ እቶም መንእሰያት እዚ ንርእዮ ዘለና ሓደጋታት ኣብ ነብሶም ከይበጽሕ ዝግባእ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይግበኦም ይብል።
ካልእ መንእሰያትና ኣብ ቃልሲ ዘርእይዎ ዘለው ተሳትፎ ብጣዕሚ ዘኹርዕ እዩ። እቶም ንስደት ከም መማረጺ ብምርኣይ ጥራሕ ነብስና ነድሕን ኢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ ሽግሮምን ሽግር ህዝቦምን ክፍታሕ እንተድኣ ኮይኑ ህግደፍ ክእለ ኣለዎ ኢሎም ብምርኣይ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማእከል ኢሎም ዝረኣይዎ ከባቢታት ክምለሱ ክትርኢ እንከለኻ፡ ምስቲ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝረአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምንዕዓብ ዝመሳሰል ተበግሶ ክገብሩ ክትርኢ ከለኻ ዘሐጉስ እዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ተሰማዕነት ዝሓደገ ሰለማዊ ሰልፍታት መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ዘዐጀብዎን እዩ ነይሩ። እዚ ከምቲ ዘለዎ ናህሩ ከይቀነሰ ክኸይድ ዘለዎ ኮይኑ፡ ግን ድማ ብፍንው ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ጉዳይ ፖለቲካ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብህዝቢ ዝሕተት መንግስቲ ናይ ምትካል መስርሕ ስለዝኾነ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብኣገባብ ክኽየድ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ግብጺ ብመንእሰያት ዝተኻየደ ዓመጽ ከም ኣብነት እንተድኣ ወሲድና፡ እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብስምዒታዊ ኣገባብ ማለት ብዘይ ስጡም ውደባን ብቑዕ መሪሕነትን ስለዘካየድዎ፡ ፡ እቲ ብሑስኒ ሙባረክ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን እኳ እንተተወገደ፡ እቲ ንሳቶም ዘካየድዎ ቃልሲ ብካልኦት ስለዝተመንዘዐ፡ ህዝቢ ግብጺ ወይ ድማ መንእሰያት ግብጺ ክሳብ ሕጂ ሽግሮም ኣይተፈትሐን ኣሎ። ስለዚ መንእሰያትና ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ዝተባባዕ ኮይኑ፡ ግን ድማ እቶም ናይ በለጽ ሓይልታት ብማዕጾ ወጺኦም ብፍኒስትራ ተመሊሶም ንከይኣትው፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ቃልሲ ክጥቀሙ ኣለዎም።
ናብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ መግዛእቲ ዝርከብ ውጹዕ ዕጡቕ ክፍልታት ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኣለኒ፡ ዓማጺ መንግስቲ ብስም ሓይልታት ምክልኻል እንዳበለ ዝጽወዓኩም ኣባላት ሰራዊት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቅኹም፡ የሕዋትኩምን ወለድኹምን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ብቐንዱ ድማ ገዛእ ርእስኹም ብዘይ ደሞዝ ብዘይ መሰል መጻኢ ዕድልኩም ጸልሚቱ ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ኮይንኩም ክትቅጽሉ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ጽባሕ ‘ውን ብታሪኽ ዘሕትት ስለዝኾነ ነዚ ስርዓት ዓጀብቱ ካብ ምዃን ተኣሊኹም፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ኣብ ጎኒ ረብሓኹምን ጠጠው ክትብሉ ይህልወኩም። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ምስ ፈረሰ ቀዳሞት ተጠቀምቲ ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም። ብናትኩም ምርጫን ድሌትን ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ከም ዘይኮንኩም ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ግን ድማ ተራና እንታይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣካል ናይቲ ሽግር ዲና ክንከውን ዘለና’ ወይ’ስ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ዝብል ነጥቢ ብሓላፍነት ክትርእይዎ ኣለኩም። ከምኡ ‘ውን እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡን 2% ንስርዓይ ህግደፍ ዝኸፍሉን ዘለው ኤርትራውያን ሓንቲ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ይደሊ። ንሱ ድማ ማዕረ እተን ንስኹም ትህብዎ ገንዘብ እዩ ደም ህዝብና ዘፍስስ ዘሎ። እዚ 2% ንህግደፍ ምኽፋል ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ እናፈለጥኩም፡ ወላ ሃገርና የዕርብ ደቅና ይቕተል እናበልኩም ትህቡ ዘለኹም፡ ተግባራትኩም ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትተኩም ምዃኑ ፈሊጥኩም ንተግባራትኩም ዳግመ ርእይቶ ክትገብርሉ ኣለኩም እብል። ካልእ ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ክበጽሕን ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ክሓጽርን ዝገብርዎ ዘለው ኣስተዋጽኦ ዝነኣድን ክቕጽልሉ ዘለዎምን ኮይኑ፡ ዝምድናታትና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዘለኒ እምነት ልዑል እዩ። ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ንክራኸብ ዝፈጠርኩምለይ ዕድል ደጊመ የመስግን። የቐንየለይ!
ሕራይ ብጻይ መኮነን ንስለቲ ዝሃብካኒ ሃናጺ ሕሳባት ብስመይን ብስም ሰማዕትን ከመስግነካ ይፈቱ። የቐንየለይ! ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ Email This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ,
|
|||
Last Updated on Saturday, 05 January 2013 00:29 |