ጋዜጣዊ መግለጺ ግዝያዊት ኮምቴ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ |
![]() |
![]() |
![]() |
Saturday, 19 October 2013 23:00 | |||
ኣብ ሃገረ ስዊዝ ንነብር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዕለት 06/10/2013 ኣብ ከተማ ኣረው ተኣኪብና ” ሰማእታትና ሕድርኹም ከነተግብሮ ኢና ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኩፉትን ዴሞክራስያውን ዘተ ድሕሪ ምክያድ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ተሰማሚዕና ወጺእና ብመጀመርያ ነዞም ኣብ እፍደገ ገዛ ምስ በጽሑ ብሓደጋ ሂወቶም ዝሰኣኑ ኣሕዋትና ብምዝካር ብሽምዓ ዝተሰነየ ናይ ሕልና ጸሎት ኢና ከፊትናዮ::
ቀጺሎም እቶም ነዚ ምትእኽኻብ እዚ ክዉን ንክኸዉን ከይተሓለሉ ዝጸዓሩ ዜጋታት ንጉዕዞም ዝምልከት ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ : ስራሕና ሕጂ ኣብቂዕና ኢና እዚኣ ኢና ክንርኢ ንደሊ ኔርና ድሕሪ ምባል : ሕጂ ገዛ ይረከበና ኢሎም ሓላፍነቶም ነቲ ገዛ ኣረኪቦም:: ህዝቢ ነታ መዓልቲ ትመርሕ ኣርባዕተ ዝኣባላታ ግዝያዊት ናይ መድረኽ ኣካያዲት ሽማግለ ድሕሪ ምምራጽ : እታ ግዝያዊት ናይ መድረኽ ሽማግለ ርእይቶታት ህዝቢ ሰሚዓ ክንዛረበሎም ዘሎና ኣጀንዳ ብምጥማር ኣብዘን ዝስዕባ ዛዕባታት ከምንዝቲ ጌራ:-
· ሀ) ኣብ ስዊዝ ንነብር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ፖሎቲካውያን ዉድባት ስቪካውያን ማሕበራትን ዉልቀሰባትን ብሓባር ከስርሓና ዘየኽእለና ዘሎ እንታይ እዩ
· ለ) ነዚ ጸገም እዚ ድሕሪ ምልላይ ብመኸመይ መንገዲ ብሓደ ኮይና ክንስርሕ ንኽእል ኣብ ዝብል ዘቲና ነዊሕ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ተሰማሚዕና ዉሳኔ ኣሕሊፍና ወጺእና:-
o 1) ነዚ ክትሰርሕ ትኽእል 9 ቀወምቲ
o 2 ተተካእቲ ኣባላት ዘለዉዋ ኮሚቴ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ 2) ዕድመ ስልጣን ናይዛ ኮሚቴ 3 ወርሒ ክኸዉን ተሰማሚዑ
o 3) ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ዕድመ ናይዛ ኮሚቴ ብደለይቲ ፍትሒ ክግበሩ ዘለዎም ንጥፈታት ክትመርሕን ከተወሃህድን ሓላፍነት ነዛ ኮሚቴ ኣሰኪሙ
o 4) ግዝያዊት ኮሚቴ ናይ ሓጺር መደባት ብምንዳፍ ንህዝቢ ከተቕርብን ንተግባራውነቱ ክትከታተልን ተረዳዲኡ
o 5) ኣብ ኩለን ካንቶናት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነዛ ኮሚቴ ክሕግዝዋን ምስኣ ሓቢሮም ክሰርሑን ለበዋ ኣሕሊፉ
o 6) ኣብ መወዳእታ ዕላማ ናይዛ ግዝያዊት ህዝባዊት ኮሜቴ ኣኼባ ሰሪዓ ንብህዝቢ ዝምረጽ ቀዋሚ ህዝባዊ ሽማግለ ኣብ ስዊዝ ሓላፍነታን መደባታን ሰነዳታን ብወግዒ ከተረክብ ተሰማሚዕና
በዚ ኣጋጣሚ ሓልዮትን ምሕብሓብን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ ነበርቲ ስዊዝ ከይፍለየና ተላብዩ !! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ግዝያዊት ኮምቴ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ 13/10/2013
|
|||
Last Updated on Saturday, 19 October 2013 23:03 |