መግለጺ ሓዘን ንወለድን ንሃገርን ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቁ መንእሰያትና ዝምልከት ካብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን |
![]() |
![]() |
![]() |
Saturday, 05 October 2013 23:18 | |||
መግለጺ ሓዘን ንወለድን ንሃገርን ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቁ መንእሰያትና ዝምልከት ካብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን
መንግስትን ህዝብን ኢጣልያ፣ ካቶሊካዊ ጳጳስ ካቶሊክን፣ ደቢሶምና ሕሰም ኣይርከቡ። ባንዴራ ኣዝሊቆም ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብኩሮም ሙሉእ መዓልቲ ጸሎትን ምህልላይ ክገብሩ ምርኣይና ሞራል ሂቦምና። ነዚ ሕሰም ዝዓደመ ፋሺስታዊ ምሕደራ ኢሳይስ ዓው ኢሎም ኮኒኖም። ኣብ ኩሉ ጸገም ኣሎ እንተኾነ ኣይከምናትናን። ሃገርንን ህብናን እዚ ክፍደ ሃየንታ ኣለዎ። መንኣሰይ ካልኣይ ግዜኡ ብጃምላ ክመውት እዚ ሕሉፍ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ'ዩ። ሰብዓ ሺሕ ቅያሕትን ከደሮትን መርዓውን መርዓትን ሂወት ከፊልና ዘምጻእናዮ መንግስቲ እዚ ክፈድየና ግደፉ ጽንጽያ ዓይንና እኳ ከንፈረልና ብፍቃድናን ብድልየትና ክኸውን ኔርዎ። ሞትን ሕወትን ተጸጋጊዔን ይነብራ። ሓደ መዓልቲ ንኹሉ ኣላ። ደለይቲ ፍትሒ ስምረትኩም ካብ ኩሉ ግዜ ሎሚ ይድለ ኣሎ። ንህዝብና ብምክብባርናን ብምጽዉዋርናን ብምትሕልላይናን ንደብሶ። ንወለድን ንሃገርን ጽንዓት ይሃቦም ይሃበና ንብል።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን
|
|||
Last Updated on Tuesday, 08 October 2013 13:07 |