ናይ ሓዘን መግለጺ |
![]() |
![]() |
![]() |
Written by Administrator | |||
Monday, 13 February 2017 17:11 | |||
ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ህዝባውያን ማሕበራት ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሓደ ካብቶም ዓቢ ተራ ዝነበሮም ውፍይ ተቃላስይ እዩ ነሩ፡ ቀጺልውን ኣባል ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ኮይኑ ኣብቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዝቖመ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንዶሞክራስያዊ ለውጢ ብንጡፍ ዝሰርሔ ተጋዳላይ እዩ ነሩ። ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን ኣብ ኩሉ ዘካይዶም ሃገራዊ ስርሓት ኣስፊሑ ዝርኢ ኣብ ብዙሕነታዊ ኣከዋምና ህዝብታት ኤርትራ ዝኣምን፡ ምስ ኩሎም መቃልስቱ ተቀራሪቡ ዝሰርሕ ፍሉይ ብቅዓት ዝውንን ውፍይ ተቃላሳይ እዩ ነሩ። ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ/ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ኣቡበከር ስሌማን መሪር ሓዘን እናተሰሞዖ ንመላእ ኣባላት ውደቡ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ንመላእ ደንበ ተቃውሞን ስድራቤቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና!
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ/
10-02 2017
|