ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ |
![]() |
![]() |
![]() |
Written by Administrator | |||
Saturday, 28 July 2018 15:54 | |||
መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንበርቓዊ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራን ኢስያስን ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ
እዚ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽጅመር ዝነበሮ ዘይጀመረ ሰላም፣ ስለ ዝኾነ ህዝብናን ደንበ ተቓዉሞናን ብዙሕ ሕቶታት ከልዕሉ ንቡር’ዩ። ካብ ኩሉ ሽርሒ ኢሳያስ ዝኣረግናሉ ስለ ዝኾነ እንቛዕ ባሕሪ ተኸፍተልና ኢልኩም ኣይትደሃለሉ ቀደምስ ህዝቢ ኤርትራ እኳ ኣይዓጸወኩምን። ህዝብታት ኤርትራ ግን በዚ ሕጂ ዘለዎ ሕሱም ናብራ ተደፋፊኡ፣ ሰላም ዋሕስ ሂወት፣ ሰላም ዋሕስ ተስፋ ስለ ዝኾነት ኣዕሉሉ ኮበሮ ሃሪሙ ብምቕባሉ መጉስኩሞ የቐንየልና። እንተኾነ ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ኣርዑት ተረድእዎ፣ ኪኢልኩም ሓግዝዎ፣ ሓሚቕኩም ድማ ቁስሉ ኣይትተንክፍዎ። ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ሰላም ሪዒምሉ ኢልካ ፈንጥዝያ ምግባር ጽባሕ ከየቀያይመና ርግእ በሉ ንብል። ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ በርቓዊ ዉሳኔ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ሱቕ ኢሉ ዝመጽኤ ዘይኮነስ ጽንዓትካን ተጻዋርነካን ደፊኡዎ‘ዩ ዝገብሮ ዘሎ። ዮሃና ንብለካ፡ እንተኾነ ሕጅኸ እንታይ ዝተረፎ እህሉ ኢልካ ከይተገራህካ ነፍስኻን ደቕኻን ሓሉ፣ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ትረክብ ድማ ከም ቀደምካ ነዚ ሓዲስ ኲነታት ተጠቂምካ ንመሰላትካ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ተቓለስ፣ ብዝይካ ቓልሲ ካልእ ምርጫ የብልካን። መንግስታዊ ጾር ዘለዎ ኢሂወደግ አብ ዘካየድዎ ገምጋም ንህዝቢ ኢትዮጵያ አብ ዝሓለፈ ግዜ ዘበደልናካ ይቅረ በለልና፡ ድሕሪ ሕጂ ድማ ሱር ነቀል ለዉጢ ክንገብር መብጽዓ ነትወልካ ምስ በሉን፣ አብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ለውጥታት ተራአዩ ፡አብ ጉኒ ሓዋትና ኢትዮጵያውያን ንሕና’ውን ብዙሕ ሓጎስ ተሰሚዑና። ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ካልኦት ኣጋይሽን ዝሓዛ ነፈርቲ ካብ አዲስ አበባ ንአስመራ ክኣትዋ ከለዋ ነበርቲ ከተማ አስመራን ከባብን ንዓለም ዝደነቕ ጭዋ ኣቐባብላ ክገበሩሎም ከለው ድማ ተዓዚብና። እንተኾነ ገለ መሳፍንቲ ኢትዮጵያን ብዓቢኡ ከኣ ዲክታቶር ኤርትራ ነዚ መነትናን ኣብ ዉሽጢ ተደጉሉ ዘሎ ናይ ቓልሲ ወንናን ክርድኡ ስለ ዘይደልዩ ንዕላማኦም ዝምጉስ ጽንብል ከምስልዎ ፈቲኖም፣ ሕልምታቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑ፡ ጋሻ ብኽብሪ ምቅባል ባህልና’ዩ። ኣብ ታሪኽና ግን እቶም ኣጋሽ ኢልና ልብናን ገዛናን ከፊትና ዝተቐበልናዮም ጽቡቕ ኣይፈደዩናን እሞ ሓደራ ሕጂ’ውን ከይትጎድኡና። ደፋር ጓልሲ ንዲኣ ሕርሲ ተምህራ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ፍትሒ እንዳባ ገይሩ ንጉዳዩ ክሳብ ሕልፈት ሂወት ብባይቶ ዝፍትሕ ንደም ብጋርን ብጓልን ዘድቅስ ዪቅረን ፍቅርን ኣብ ባህልታቱ ኣስሚሩ ዓድን ወረዳን ኣዉራጃን ምምሕዳራዊ ስርዓት ኣቑሙ ተውሃሂዱን ተደማሚሩ ናይ ዉልቒ ዪኹን ናይ እኩባትን ናይ ብሄራት ይኹን እምነታት መሰላት ኣኽቢሩ ክሳብ እዚ ናትኩም ኢሳያስ መንግስቲ ዝተክል ብሰላም ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ’ዩ። ምስ ጎረባብቱ’ውን ብሰላም ዝነብር ዝነበረ`ዩ። ብፍቕርን ምክብባርን ግን ንዘለዎ ክዉስኸሉን ከዕብዮን ምኽሪ ዝጽልእ ኣይኮነን። እንተ ኣይተ ኢሳያስ ግን ደላይ ሰላም ኮይኑ ክሽለም ህዝቢ ኤርትራ ግን ሕጂ ፍቕርን ምድማርን ሀሁ ክንብሎም ኢና ዝብል ተርድኦ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ንዓመታት ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንዝወረደና ዝነብረን ዘሎን ንሱ ዝጻሕተሮ ኲናት ዝገደፈልና ስንብራትን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቑ ንዘለዉ ኣቡናትናን ኣቕሽሽትና መፍቲታትናን ናይ ፕሎቲካን ሕልናን እሱራትና ጀጋኑና ትኽሕዱ ከይትህልዉ ደጊምኩም ህድእ በሉ ንብል። ከም’ቲ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ (ነፍሱ ዪምሓሮ) ዝበሎ ዝምድናታትና ዝወርድን ዝድይብን ዝጸንሔ ፍትሒ ማእከል ዘይገብረ ካብ ጥንቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ምስ ገለ መሳፍንቲ ከም’ዚ ሕጂ ምስ ዲክታቶር ዝግበር ስምምዓት ንረብሓ ናይ ህዝቢ ማእከል ዘይገበረ ስለ ዝኾነ’ዩ። እንተኾነ ንሰላም ክንደሊ ዝተጋደልና ዝተሰዋእና ዝሰንከልና ዝተኣሰርና ዝተሰደደና ስለ ዝኾና ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኤርትራዊ ንሰላም ዪብህጋ፣ ንሕና’ውን ከም ውድብ ንደግፎ ከም ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ዝበሎ ሕጅውን ኣብ ኤርትራ ፍቅሪ ኣሸኒፋ ክትወጽእ ንምኔ ኣሎና። ንጠ/ሚ ንዶክቶር ዓቢ ኣሊን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ክነመሓላልፎ ንደሊ ለበዋ፣
ንህዝብና ክንብሎ ንደሊ እንተሎ ክብርን መሰልን ከም ገጸ በረኸት ከም ዘይወሃብ ዝተሞኮርናሉ’ዩ። እቲ ቓልሲ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ንጭብጥ ሕጂ’ውን ቐጻሊ’ዩ። ናይ ትማሊ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንንፋስ ኣብ ሩባ ንዘሎ ዉሕጅ እዉሰዶ ኢልና፣ ንሰማእታትናን ኣኽቢርና ንናይ ፖሎቲካ እሱራትን ከም ምስሊ ቓልስና ሒዝና ሓዲስ ኣገባብ ቓልሲ ክንቅይስ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ካልእ ስለ ዘየሎ ሓቢርና ሓድሽ አገበብ ክንክተል ደጊምና ንጹዉዕ። ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ ሆደ፣ ንፈጻሚት ሽማግለን ንመንግስትን ኢሃወደግ ብፍላይ ድማ ናይ ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ነቲ ናይ ሰላም ተብግሶኡ ካልኣይ ግዜ እና ሞጎስናን እናደገፍና ነዚ ቕሬታትና ዘርዚርና ስለ ዘሎና ዕሽሽ ከይብልዎ ለበዋና ብስም ህዝብና ነምሓላልፍ። መንግስትን ውድብን ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቒ ግዜ ከሎኩም ግዜ ኣይትጸበዩ፣ ንጎረቤትኩም ሃገር ብዓይንኹም ከም ዝረኤኹሞ መጠነ ሰፍሕ ምዕባሌ ብሕግን ብፖሎቲካን ቑጠባን ባህልን ተዓዚብኩም ኣሎኹም፣ ዪኣክል ናታትኩም መግዛእቲ ኢሉ ህዝቢ ከይተላዕለኩም ስልጣን ህዝቢ ዋንኡ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ኣስረክቡ። ይቕረ ጥራይ ዘይኮነ ሕድገት’ውን ንዝፈልጥ ንህዝቢ ኤርትራ ዪኣክል ሓሳረ መከራ ኢልኩም ሕረስ ሓረስታይ በሉ። መስርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ኩሉ ይዓንብብ። ክልተ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘለኣለም ብሰላም ዪንበራ። ዓወት ንሰማእታትና! ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ
|