መግለጺ |
![]() |
![]() |
![]() |
Written by ብጎይትኦም ኹፍሎም | |||
Tuesday, 01 February 2022 21:26 | |||
ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ
ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ህዝብታት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራዎት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ክኸይድ ዝጸንሔን ዝኸይድ ዘሎን ህልቂት፡ ኣዝዩ መሪርን ዓሚቝን ሓዘን ከም ዝተሰመዓና ንገልጽ።
በዚ ጭካኔ’ዚ ንዝሓልፍ ዘሎ ህይወታት ሰላማዊ ዕረፍቲ፡ ንስድራ-ቤታትን ትካላትን ድማ ጽንዓት ንምነ። ንፈጸምቲ ገበናትን ተሓባበርትን ኣጥቢቕና ንኹንን።
ብመንጎኛን ነጻን ኣካል ተጸኒዑ ፈጸምትን ተሓባበርትን ናብ ቤት-ፍርዲ ብምቕራብ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክፍጸም ነማሕጽን።
ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ተሓላቒን (UNHCR) ከምኡውን ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላትን ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ፡ ህይወት ንምድሓን ዘድሊ ዘበለ ብህጹጽ ሓገዛቶም ከቕርቡ ንጽውዕ። To continue choose the language you wish from the link...
|