www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ቃለ-መጠይቕ፡ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ናይ ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳ ደግሓኤ ተጋ/ተወልደ ገ/ስላሴ ምስ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ቃለ-መጠይቕ፡ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ናይ ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳ ደግሓኤ ተጋ/ተወልደ ገ/ስላሴ ምስ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Monday, 25 August 2014 11:41

 

ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኽበርክንን ተኸታተልቲ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ኣብ ዙርያ’ዚ እናኸፍአን እናተሓላለኸን ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ካብ ዘለዎ ውህሉል ተመክሮ እንታይ’ዩ እቲ ጠንቅን መፍትሒኡን ከብረሃልና፡ ንተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴ ምክትል ኣቦ-መንበርን ኣቦ-መንበር ፖለቲካዊን ፕሮፖጋንዳውን ቤት ጽሕፈትን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ብድምጺ ምቅላሕና ዝዝከር’ዩ። ንርዝነት ናይ’ቲ ትሕዝቶ ኣብ ጻብጻብ ብምእታው ድማ እናሆ ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ንዝርገሖ ኣለና ሰናይ ንባብ!

 

 

ብ/ተወልደ ገብረስላሴ ዕድመና ኣኽቢርካ ስለዝመጻእካ ብስም ኩሎም ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣመስግን። ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ መን’ዩ ተወልደ ገብረስላሴ፡ እንታይ’ከ ተርኡን ቦትኡን ኩሉ ስለዝፈልጦ ተወሳኺ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ምናልባት ተወልደ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱን ንእስነቱን ኣብ መዳይ ትምህርትን ፖለቲካውን ከመይ ይነጥፍ ኔሩ ዝብል ግን ሰማዕትና ዝጽበዮ መልሲ ይመስለኒ’ሞ ድሕሪት ምልስ ኢልካ እንተተብረሃልና?

 

መልሲ፡ ብቐዳምነት ንዝተዋህበኒ ዕድልን ነዚ ዕማም’ዚ ንዝሰላስሉ ዘለው ብጾት ከምስግን እፈቱ። ቀጺለ ነቲ ዝቐረበለይ ሕቶ ክምልስ’የ። ብመሰረቱ ንሓደ ህጻን ይኹን መንእሰይ ኣብ ህይወቱ ኣብ ኣእምሮኡ ዝቕረጽዎ ነገራት ኣለው’ዮም። ንሳቶም ከኣ እንታይ’ዮም፡ ሓደ ስድራ ቤቱ ዝፈጥርሉ ጽልዋ ኣሎ። ካልኣይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብመማህራኑ ካብ ዝወሃቦ ትምህርቲ ዝቐርጾ ነገር ኣሎ። ሳልሳይ ከኣ ዝዓበየሉ ከባቢ ዝፈጥረሉ ጽልዋ ኣሎ። ኣነ ተወሊደ ዝዓበኽሉን ግዜ ንእስነት ዘሕለፍኩሉኑ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣብ’ቲ ርሱን ፖለቲካዊ ህይወት ዝካየደሉ ዝነብረ ከባቢ’ዩ። እዚ ናቱ ጽልዋ ዘሕደረ’ዩ ኣብ ህይወተይ። ብትምህርቲ ደረጃ’ውን ኣብ መባእታ ቅዱስ ዮሴፍ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተማሂረ። ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዳዊት ዝተባህለ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ተማሂረ። ቀጺለ፡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ ኣትየ። መጀመርያ ናይ ሕጊ ትምህቲ ጀሚረ ኔረ። ግን ብኡ ኣይቀጸልኩን። ቀዲመ ኢኮኖሞክስ ቀጽዕን ድሒረ ናይ ሕጊ ክወስድ ዝብል ምርጫ ስለዝወሰድኩ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ብኢኮኖሚ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ ተማሂረ። ካብ ብንእሽተይዪ ክብል እኽእል ጎና ጎኒ ምስ ትምህርተይ ኣብ ፖለቲካ ይነጥፍ ኔረ። ንኣብነት ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝነበረ ፖለቲካዊ ረስኒ፡ ኣብ 1958 ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናይ ተመሃሮ ናይ ሰራሕተኛታት ምንቅስቓሳት ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ከረን ዝተገብረ ባንዴራ ምውራድን ካልኦትን ብቐረባ እከታተል ኔረ። ቤተሰብ ብዛዕባ እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እንታይ ኣበጊስዎ፡ እንታይ ይሓትት ኣሎ፡ መን’ዩ ዝብድል ዘሎ፡ እንታይ ‘ከ ክግበር ኣለዎ ይነግሩኒ ኔሮም’ዮም። ስለዚ ኣነ ልቢ እንዳዕበኹ፡ መቓልሕ ሰውራ ኤርትራ ድማ እንዳሰፍሐን እናበረኸን ምስ መጸ፡ ምስ ኩሎም መሓዙተይን መማህርተይን ከም ተማሃሮ ክንዋሳእ ጀሚርና። ብምኽንያት’ቲ ናይ ባህር-ዳር ናይ ተማህሮ ምንቅስቓስ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ካብ ወለድን ተማሃሮን ዝተዋጽኡ ምስ’ቲ ስርዓት ዝዘራረቡ ኮሚቴታት ኔሮም’ዮም። ኣነ ድማ ኣብ ምምራሕ እሳተፍ ኔረ።

 

ካብ 1964 ድማ ቀጥታ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምትእስሳር ጀሚረ። ዝተዋህበኒ ዕማማት ድማ እፍጽም ኔረ። ምስ’ቲ ገድሊ ብቐጥታ ምትእስሳር ዝነበሮም ቤተ-ሰብ ማለት ኣኮታተይን ካልኦትን ስለዝነበሩ ብቐረባ እናተረዳዳእና ክንሰርሕ ሓጋዚ ኔሩ። ኣብ 1969 ናይ ቻይናን ካልኦትን ብመንገዲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝመጹና ዝነበሩ ኣገዳሲ ጽሑፋት ተቐቢልና ነንብብን ንዝርግሕን ኔርና። ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ መራሕቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም በዓል ተስፋይ ተኸለ ናብ ወላዲየይ ዝለኣኽ ዝነበረ ጽሑፋት ኮነ ምስ’ቲ ቃልሲ ዝተኣሳሰረ ደብዳቤታት ኣነየ ዘንብቦ ኔረ። ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ምስ ኣተኹ’ውን ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ምንቅስቓስ ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቸሪስቲ ኣስመራ ክሳብ ብዝለዓለ ኣመራርሓ ኮይነ እዋሳእ ኔረ። ስለዚ ነቶም ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ዝነበሩ ኮነ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበሩ ተማሃሮ ተወዲቦም ኣብ ቃልሲ ተራኦም ክገብሩ ነነቓቕሕን ንጉስጉስ ኔርና። ብድሕሪ’ዚ ብስርዓት ደርጊ ከቢድ ናይ ቅንጻላን ምእሳርን ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ኣነ ድማ ከም ኣብ ውሽጢ ኮይነ ዝዋሳእ ዝነበርኩ መጠን ካብ’ቶም ተደለይቲ ሓደ ስለ ዝነበሩ ንሜዳ ወጺኣ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ።

ሕቶ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣበየናይ ዓመት ተሰሊፍካ?

 

መልሲ፡- ቅድሚ’ቲ ጠቕሊልና ዝወጻእናሉ ብዙሕ ግዜ ክንስለፍ ፈተነታት ንገብር ኔርና ኢና። እንተኾነ ግን ኣብ ከተማ ኮይንካ ዝዕመም ዝዓበየ ጉዳያት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ኣብ ሜዳ ወጺእኩም ተበርክትዎ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኮይንኩም ተበርክትዎ’ዩ ዝዓቢ ኢሎም ይመልሱና ኔሮም። ብዝኾነ ግን ኣብ 1974’የ ንሜዳ ወጺአ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ተወልደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 4/2014 ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣካይዱ ኔሩ፡ እሞ ውድባዊ ጉባኤ ከመይ ኔሩ?

 

መልሲ፡- ንሕና ውድባዊ ጉባኤ ንምግባር ክሕሰብ እንከሎ ሰፊሕ ቅድመ ምድላዋት ክግበር ከም ዘለዎ ኢና ንርኢ። ስለዚ ከኣ እዚ ኣብ ወርሒ 4 ዝተሰላሰለ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት ዝተገብረሉ ኔሩ። እቲ ንጉባኤ ዝምልከት ሰነዳት ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቐዲሙ ስለ ዝተዳለወ ኣብ መሰረታት ወሪዱ ኣድላዪ ምይይጥ ተጌርሉ፡ እናተመሓየሸ ስለዝመጸ ጽፉፍ ቅድመ ምድላው ኔሩ ክብል እኽል። ኣብ ድሮ ጉባኤ ውድባዊ ሰሚናር ተኻየዱ’ዩ። እቲ ሰሚናር ኣብ መሰረታዊ መድረኻዊ ሕቶታት ማእከሉ ጌሩ ዝተኻየደ’ዩ ኔሩ። ስለዚ ጉባኤና ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ዝነበሮ ዕውት ጉባኤ ኔሩ። ጉባኤና ኣብ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ፣ ህንጻ-ሕጊ፣ ፖለቲካዊ ውሳኔታት፣ ኣብ ሕቶ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ኮታ ኩሉ እቲ መስርሕ ግሉጽነትን ደሞክራስያውነትን ኣገባብ ዝተኸተለ ኔሩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝሰፍሐ ነቶም መሰረታዊ ዕላማታትና ከነዕምቖም ከነነጽሮም ዝገበረ ኩነታት’ዩ ኔሩ። ነቶም መሰረታዊ ዕላማታትና ኣብ ምምሕያሽ ኣብ ምምዕርራይ ኣነጺርካ ኣብ ምቕማጥ ናይ ሎሚ ዝዓሞቐ ኔሩ ክንብል ንኽእል ኢና።

 

ሕቶ፡- ኣብ ወርሒ 4/2014 ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ናይ ዝሓለፉ ጉባኤታት ብምንታይ ይፍለ ኣበይ’ዩ እቲ ፍልልይ ነሰማዕትና እንተተነጽረልና?

 

መልሲ፡- ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ካብ’ቶም ዝሓለፉ ጉባኤታት ዝፈልዮ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ከምቲ መጀመርያ ዝበልክዎ፡ ብግዜ ኣንጻር ክንሪኦን እንከለና በቲ ዝተመደበሉ ግዜ’ዩ ተኻይዱን ተዛዚሙን። ቅድሚ ሕጂ ነቲ ግዜ ዝዳፋእ ጸገማት የጋጥመና ኔሩ’ዩ። እቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ብጾት ካብ ስራሕ ኣፍቂዶም ስለዝመጹ እቲ ሓላፍ ዘለፋ ኣካይዳ ዝወለዶ ግዜ ምዝባዕ ተጽዕኖ ይፈጥረሎም ኔሩ። ብኡ መጠን ከኣ ነቲ ጉባኤ ብጠቕላላ ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ወርሒ 4/2014 ዝተሰላሰለ ጉባኤን ግን፡ ኣቐዲሙ ንኹሉ ኣብ ግምት ዘእተወ መደባት ተሰሪዑ በቲ ዝተመደበሉ ከኣ ከይዱ። ካልእ ፍሉይ ዝገበሮ ድማ ካብ’ቲ ካብ ምምሕደራ ህግደፍ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ዓድታት ክኒን ቅኒቶን ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ዝተሳተፍዎ ምንባሩ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ንዞባታት ጨናፍርን ዕጡቕ ኣሃዱታትን ተወኪሉ ዝመጸ በቲ ልሙ ኣሰራርሓ መሰረት ዝተሳተፈ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ኢለ ዝጠቕስክዎ ከኣ ብዕምቆቱ ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ዝፈልዮ ኔሩ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ውድብና ከም ሓደ ደሞክራስያዊ ውድብ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ጉዕዞ ሰለስተ ዓመት ከመይ መጺኡ ተገምጊሙ’ዶ፡ እንተተገምጊሙ ውጽኢቱ ከመይ ኔሩ?

 

መልሲ፡- ኣቐዲምና ቅድሚ’ቲ መድረኽ ናይ ጉባኤ ውድባዊ ሰሚናር ኣካይዳና ኔርና። እዚ ዝገበርናሉ ምኽንያት ነቲ ጭቡጥ ውድባዊ ኩነታትና ውድዓዊ ኩነታት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን እንታይ ይመስል ንምምዛን መታን ክሕዝግዘናዩ። ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ሰሚናር ንኽትዕ ዝቐረቡ ኣርእስታት ባዕላዊ ውድባዊ ኩነታትና ብፍላይ ኣብ ሕቶ ውደባ ከመይ ኣለና ዝብል ዝርኢ ኔሩ። ብሰፊሕ ድማ ሰብ ተዘራሪብሉ ተኽቲዕሉ፡ ኣብ ክሊ’ዚ ኣብ መዳይ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ወተሃደራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ ከመይ ጸኒሕና ዝብሉ ተፈትሾም’ዮም። ኣብ’ዚ ሰሚናር ዳርጋ ፍርቂ ናይ’ቲ ንጉባኤ ክሕዞ ዝነበሮ ዛዕባታት ስለዝተወገነ ብብዙሕ ሸነኹ ሓጋዚ ኔሩ። መሪሕነት ናብ’ቲ ጉባኤ ናይ ሰለስተ ዓመት ሰፊሕ ጸብጻብ’ዩ ኣቕሪቡ። ስለዚ እቶም ኣብ ሰሚናር ዘይተሳተፎ ዘልዕልዎ ሕቶታትን መብርሂታትን እንተዘይኮይኑ መብዛሕቲኡ እቲ ክትዓት ዘድልዮ ነገራት ኣብ ሰሚናር ስለዘትወደአ፡ ምግባር ውድባዊ ሰሚናር ኣብ ምቅልጣፍ መደባት ጉባኤ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ኔርዎ። እቲ ዝተገበረ ገማግም ኣወንታዊ ኔሩ። ውድብና ኣብ ዙርያ እቲ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ድኽመታት ከም ዝነበርዎ ክርኢ ክኢሉ’ዩ። እቲ ኣባል ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ስለ ዝመጸ ብዙሓት ጉዳያት’ዮም ተላዒሎም። ካብን ናብን ጸብጻባት ኣብ ምምሕልላፍ ዝረአ ጸገማት፡ ሓበሬታ ኣብ እዋኑን መስኖታቱ ሓልዩ ዘይኸደሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፡ ብደረጃ መሪሕነትን መሰረታትን ዝነበሩ ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመታት ብዝምልከት ከበይ ይብገሱ፡ ከመይ’ከይ ይፈወሱ ሕሉፍ ጸገማት ርኢና መጻኢ መደባትና ኣብ ምዕራይ ክንርኢ፡ ዝሕግዝ ገምጋም ተኻይዱ። ሓባራዊ ኣገንዝቦ ድማ ዝተታሕዘሉ ዕውት ሰሚናር ኔሩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ እቲ ዝተገብረ ገምጋም ከምቲ ዝበልካዮ ጽቡቕ ኔሩ ግን፡ ውጽኢቱ ኣብ ውሽጥና ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ድዩ ወይ ህዝቢ ክመሃረሉ ብዘኽእል ዝተታሕዘሉ መደብ ኣሎ?

 

መልሲ፡- እቲ ዕላማ መጀመርያ ንውሽጥና ኣብ ስራሓትና ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት፡ ባዕላዊ ወይ ውድዓዊ፡ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣፈጻጽማ ብደቂቕ ንምርኣዩ። ቀጺልና ውጽኢት ናይ’ዚ በብደርጅኡን ከከም ኩነታቱን ህዝቢ ክምሃረሉ ክሕገዘሉ ንምግባር’ዩ። ንኣብነት እንታይ’ዮም እቶም ዘጋጥሙና ዓበይቲ ጸገማት ዝበሃሉ ከም ውድብ ብግቡእ ፈሊጥና ህዝቢ ክፈልጥ ብኡ መጠን ኣወንታዊ ግደኡ ክጻወት ምግባር’ዩ እቲ መደብ። እዚ ሕጂ ብደምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኣቢልና ነሕልፎ ዘለና ኣካሉ’ዩ። ኣብ ውድብና ኣብ ምቁጽጻርን ምጽብጻብን ዝጸንሐ ሕጽረታት ብጽፈት ክእረም ኣለዎ ዝብል እምነት ኣንቢሩ’ዩ። እቶም ኣብ ውድብና ድኽመታት ኢልና ንሪኦም፡ ነቲ ካብ ውድብና ወጻኢ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ’ውን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዘገልግሉ’ዮም። ስለዚ ከም’ቲ ኣብ ደምዳሚ መግለጺ ናይ ጉባኤና ተገሊጹ ዘሎ ሓንሳብ ፈይ ኣቢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ንቕድሚት ብዕምቆት ክግለጽ’ዩ።

 

ሕቶ፡- ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ሕቶ ሓድነት ድማ ብፍላይ ዝተደዋወሰ ኣገንዝቦታት ከም ዘሎ፡ ነዚ ንምግራሕ መታን ክሕግዝ ድማ ኣብ’ቲ ድሮ ጉባኤ ዝተኻየደ ውድባዊ ሰሚናር፡ ሓደ ጽሑፍ ቀሪቡ ከም ዝተዘተየሉ ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ ኔሩ፡ ስለምንታይ’ዩ ንሕቶ ሓድነት ቀዳምነት ሂብካ ሰብ ከመያየጠሉ ዝተገብረ?

 

መልሲ፡- ሕቶ ሓድነት ብመጀመርያ ክሳብ ሕጂ መሊኡ ፍታሕ ዘይረኸበ ማእከላይ ሕቶ ናይ ህዝብና’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ትኹረት ክንህቦ ግድን ይኸውን። ብካልእ ሸነኹ ከኣ ንሕና ኣካል ኣምሳል ደምበ ሓይልታት ተቓውሞ ኢና። ብውልቀ ውድባት ንገብሮ ርክባትን ዝምድናታትን ኣሎ፡ ዝተመሰረተ ልፍንታዊ ግንባር ኣሎ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣሎ። ስለዚ ከመይነት ሕቶ ሓድነትን ኣተገባብርኡን ኣብ ውሽጥና’ውን ወትሩ ዝዓል ሕቶ ስለዝኾነ፡ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ፡ ምስ መን፡ ብኸመይ ሓድነት ንገብር፡ ብኸመይ’ከ ተመሓዚና ንሰርሕ ዓሚቕ ሓባራዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ዘድልዮ ስለ ዝነበረ፡ መጀመርያ ንውሽጥና ኣገንዝቦታትና ንምስትኽኻል ዝዓለመ’ዩ። ቀጺልና ምስ’ቶም ዝበልናዮም ውልቀ ውድባት ግንባራትን ባይቶን ከ ከመይ ዝብል ክግምገም ስለ ዝነበሮ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ኔሩ እቲ ዛዕባ። ንውሽጥና ከም ውድብ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓደ ኣረኣእያ ኣለና’ዶ የብልናን ብግቡእ ምስ ገምገምና፡ ንሕቶ ሓድነት ዝምልከት ዝቐረጽናዮ ፖሊሲ ኣሎ። ሓደ ናብ ምሉእ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ዘብጽሕ መርሆ ኣሎ። ካልኣይ ናብ ሕቶ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ዘሰጋግር መርሆ ኣሎ። ሳልሳይ ናብ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ዘሰጋገር መርሆ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ብሰላም ተኸባቢርካ ትንበረሉ ሜላ ኣሎ። ስለዚ ኣብ’ዞም ከም’ዚኦም ዝበሉ ፖሊሲታት ከመይ ጸኒሕና እቲ መስርሕ ከመይ ይኸይድ ኣሎ ወይ ከመይ ኣሎ፡ ኣተሓሕዛና ስነ-ፍልጠታዊ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ውሽጥና ንውሽጥና ክንግምግም ኔሩና። ከም’ዚ ምስ ገበርና እሞ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከመይ ንዋሳእ ኣለና፡ እቲ ግንባራት ከመይ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ብጭቡጥ ክንርኢ ንኽእል። ከምኡ ድማ ጌርና። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ንውድብና ገምጊምና፡ ነቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ ገምጊምና።

 

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ’ቲ ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ሃጓፋት ተፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ምንቅስቓሳት ይረኣዩ ኣለው። ብሓንሳብ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ከመይ ትቓለስ ዝብል ግን ሓደ ተረድኦ የለን። እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገም’ዩ። ኣብ’ዚ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል ሕቶ ንኽንምልስ ድማ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣዳሊና መድረኽ ከፊትና ክንሪኦ ግድነት ኔሩ። ካብኡ ተማሂርና ንቕድሚ ከመይ ኢና ክንሰርሕ እንኽእል፡ እቲ ዝሓዝናዮ መትከላዊ እምነት ብልክዕ ይኸይድ ኣሎ’ዶ ወይስ ገለ ለውጢ ክንገብር ዘድልዮ ጉዳይ ኣሎ ዝብል ክንመዝን ተደላይነቱ ዕዙዝ ኔሩ። ስለዚ ነዚ ንሕቶ ሓድነት ካብ’ቶም ቀዳምነት ክተሓዙ ዘለዎም ዛዕባታት ሓደ ሰሪዕና፡ ከም ሓደ እዋናዊ ተባራዒ ሕቶ፡ ንውሽጥና ንህዝብና ንደምበ ተቓውሞ ከመይ ይጸሉ ክንርኢ ባህሪያዊ ኔሩ። ምኽንያቱ እዚ ሕቶ’ዚ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ሕቶ’ዩ። ሎሚ ሓድነት ጌሮም ይበሃል ጽባሕ ይፈናጨሉ፡ ኣብ ህዝቢ ስኽፍታን ተስፋ ምቑራጽን ስምዒታት ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ ካብ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ተገላጊልና፡ ነዚ ኣሉታዊ ተመክሮ’ዚ ከመይ ንሓልፎን ብሓባር ህዝብን ሃገርን ነድሕን ዝብል ግድን ክለዓል ዝነበሮ ሕቶ’ዩ። ህዝብን ሃገርን ከድሕን እንተደኣ ኮይና ኣነጺርና ነዚኣ ክንምልስ ስለዝነበረና ከምኡ ተጌሩ።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ጉባኤ እንታይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ጽሙቕ ኣቢልካ እንተትገልጸልና?

 

መልሲ፡- ጉባኤ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት’ዩ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ፡ ሓደ ህልዊ ሃገራዊ ኩነታት እንታይ ይመስል ገምጊሙ ብኡ መሰረት ውሳኔ ኣሕሊፉ። ካልኣይ ንደምበ ተቓውሞ ዝገጥሞ ዘሎ ጸገማት ብሓፈሻ፡ ሕቶ ሓድነት ከኣ ብፍላይ ኣመልኪቱ ውሳኔ ኣሕሊፉ። ሳልሳይ መንእሰይ ወለዶ ዝበጽሖ ዘሎ ወጽዓታት፡ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን ስጥመትን ንጹርነት ኣወዳድብኡን ዝመልከት። ራብዓይ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ትማሊ ዘመስከራኦ ሓርበኝነት ሎሚ በዚ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ዝበጽሐን ዘሎ ወጽዓን ውዳበአን ኣሐይለን ከመይ ክቃለሳ ከም ዘለዎን ዝምልከትዩ። ሓምሻይ ተሳትፎ ኤርትራዊ ምሁር ዝምልከት’ዩ። ኤርትራዊ ምሁር ትማሊ ናቱ ግደ ምስ’ቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ኣገላሊ ተጻብኦታት ልዑል ኔሩ። እሞ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብምልኣት ከይሳተፍ ዝዕንቅጾ ዘሎ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት እንታይ’ዩ ዝብል ተገምጊሙ ሓደ ውሳኔ ካብ ዝተወስደሉ’ዩ። ሻድሻይ ንጸገማትን መፍትሒታትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምልከት። ሻብዓይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ባይቶ ዘሎ ጸገማት መንጸብረቕታ ኣብ’ተን ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ጸገማት ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን እናተባህለ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ፡ ብዝተወደበ መልክዕ ብሓደ መርሆ ክኸደሉ ዘለዎ ኣንፈት ክምስረት ከም ዘለዎ ዝረኣየ ውሳኔ። ሻምናይ ንዋሕዚ ስደትን ሓደጋ ስደትን ዝምልከት …ወዘተ ኔሩ።

 

ሕቶ፡- መንእሰያት ሕጂ ካብ’ቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ብዝሓሸ ኣብ ቃልሲ ይሳተፉ ኣለው’ዮም። ክሳተፉ እንከለው ግን ምዕሩይ ኣተሃላልዋን ስጡም ውደባን የብሎምን። ብዙሓት ናይ ማሕበር መንእሰያት ዝብሉ ውደባታት ንርኢ ኣለና ኢና። ስለዚ ንሕና ብመሰረት ፖለቲካዊ ውሳኔና ብኸመይ ኢና ክንደጋገፎም፡ ከመይ ክኸዱ ጸኒሖም ሕጂ’ኸ ከመይ ክኸዱ ኢና ንርኢ?

 

መልሲ፡- ንሕና ኣብ ውደባ ናይ ማሕበር መንእሰያት ብዝምልከት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚርና ርእይቶና ብንጹር ኣቐሚጥና ኢና። እቲ መንእሰይ ወለዶ ጩራ ናይ ደሞክራሲ ካብ ዘይብሉ ኩነታት ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ተጎዲኡ ካብ ጸልማት’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። እቲ ጸገም ብወድዕነቱ ከምኡ ምዃኑ ብልክዕ ክንግንዞቦ ኣለና። ነዚ ህልዊ ጸገም’ዚ ብግቡእ ክንርዳእ እንተኽኢልና ጥራሕ’ዩ ኣብ ምፍትሑ ሓጋዚ ተራ ክንጻወት ንኽእል። እዚ ብኸምዚ ተጎዲኡ ዝመጽእ ዘሎ መንእሰይ ሞራሉ ሓፍ ክብል ብዙሕ ጻዕሪ የድሊ። ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ በብከባቢኡ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ምንቅስቓሳት ነቲ ቃልሲ ዘተባብዕ’ዩ። ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ውን ክውሰድ ይከኣል። እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቀዳምነት ሂብና ንረባረብ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ከም መንእሰይ ልዑል ተርኡ ክጻወት ስጡም ውደባ ክፈጥር ኣለዎ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታት ናይ ሰውራ ኤርትራ ትምህርቲ ክወስድ ይግባእ። በበይኑ ተበታቲኑ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ስለዘይኽእል፡ ኣብ ሓደ ማሕበር ዝጥርነፈሉ መንገዲ ክፍጠር ኣለዎ። ምኽንያቱ ብሓደ ተጠርኒፍካ ጸረ’ቲ ስርዓት ንምቅላስ ዝኽልክል ኩነታት የለን። ነጻ ናይ ሓባር ማሕበር ምምስራት ማለት ናይ ሓደ ወይ ናይ’ቲ ካልእ ጸጊዕ ምዃን ማለት ኣይኮነን። ማሕበር መስሪቶም ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ሸራ ብዘይብሉ ኣገባብ ክኸዱ ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም። ከም’ዚኣ እንተጌሮም ኣብ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ናቶም ኣወንታዊ ደፋኢ ኣበርክቶ ክገብሩ ከኽእሎም’ዩ። እቲ ዝምስረት ናይ መንእሰያት ማሕበር ናይ ሓባር’ዩ። ነፍስ ወከፍ መንእሰይ ኣብ ማሕበር መንእሰያት ኮይኑ እንዳሃለወ፡ ምስ ዝኾነ ዝሰማመዖ ፖለቲካዊ ውድብ ኣትዩ ከይቃለስ ዝኽልክሎ የለን። ኣባል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይንካ እንዳሃለኻ ብተመሳሳሊ ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ምዃን ኣይከኣልን። ኣባል ማሕበር መንእሰያት ኮይንካ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ምዃን ግን ጸገም የብሉን። ንፖለቲካዊ ኣረኣእዩ ኣብ ክሊ’ቲ ፕሮግራም ኮይኑ ክውሳእ ዝኽልክሎ ነገር የለን። ስለዚ ናትና ተረድኦ መንእሰያት ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ይኹኑ ብዘይገድስ፡ ናይ ሓባር ማሕበር ክምስርቱ ይኽእሉ’ዮም ዝብል’ዩ። ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ተማሂሮም ካብ ምንጽጻግ ድሒኖም፡ ንኹሉ ክፍልታት ሕብረ-ተሰብና ዝሓቁፍ ናይ ሓበር ሰፊሕ ሃገር ለኸ ማሕበር ክምስርቱ ዝሓሸዩ ኢልና ኢና ንርኢ።

ኣብ’ዚ እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ኩሉ ሸነኻ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክተሓባበሮም ኣለዎ። ኣወንታዊ ደገፋት ክገብረሎም ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ ርእይቶታት ክሰምዑ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም። ምስ ርእይቶኦም ዝሰማምዕ ሓጋዚ ዝበልዎ ርእይቶ ይቕበሉ። ሓጋዚ ኣይኮነን ኣይሰማመዐናን ዝበልዎ ኸኣ ይነጽግዎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ኣሎ። እዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ናይ ሓደን ናይ ክልተን ኣይኮነን ናይ ኩሉ’ዩ። ኣካሉ ኮይኖም ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም። ልዕሊ ኩሉ ኣብ’ዚ ትኹረት ክገበረሉ ዘለዎ ብፍላይ ከም መንእሰይ ወለዶ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእ’ዩ። ሰውራ ኤርትራ ብባህሪኡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሰውራ እንዳሃለወ ስለምንታይ ኣይተዓወተን ዝብል ሕቶ ክምልሱ እንተኽኢሎም’ዮም ዝዕወቱ። መንእሰይ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባታት ተናጊፉ ህዝባዊ ኣረኣእያ ዝጨበጠ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ድሑር ኣተሓሳስባ እንተደኣ ተቖማጢዑ ክጥርንፍ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ድሕረት ተረግሪግካ ክትጥርንፍ ስለዘይትኽእል። ድሑር ኣረኣእያ ህዝባውን ሃገራውን ኣረኣእያ ማእከሉ ኣይገብርን። ናይ ወዲ ዓደይ ወዲ ከባብየይ ዝብል’ዩ ማእከሉ ዝገብር። እዚ ከኣ ናይ ምብታን ደኣምበር ናይ ምዕራይ ተራ ክጻወይ ኣይክእልን። ስለዚ ካብ’ዚ ዝደሓነ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ዝወነነ ክኸውን ንሱ በርቲዑ ክዋሳእ ኣለዎ፡ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ብዕድመን ብተመክሮን ብዙሕ ትምህርቲ ክቐስም ይኽእል’ዩ። እቲ ካልእ ድማ ክደጋገፎ ቅሩብ ክኸውን ይግባእ።

 

ሕቶ፡- ናብ’ቲ ንምሁራት ዝምልከት ዝሃብካዮ መግለጺ ክመልሰካ ብ/ተወልደ፡ ምሁር ክበሃል እንከሎ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን ንብዙሕ ነገራት’ዩ ዘጠቓልል ንሕና ሕጂ ጉዳይ ፖለቲካ’ዩ ዘዛርበና ዘሎ፡ ምሁርን ፖለቲካን ከመይ’ዮም ዝኸዱ? ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምሁራት ክሳተፉ ኣለዎም ይበሃል’ዩ። ግን ዕድመ ተጌርሎም ብተወፋይነት ዝሳተፉ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ስለዚ ኣብ’ዚ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ከመይ’ዮም ክዋስኡ ዘለዎም።

 

መልሲ፡- ኤርትራዊ ምሁር ክፍልታት ዋላ’ኳ ከም’ቲ ዝድለ ነጻ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ኣብ ማሕበራውን ካልእን ዓውድታት ዓቕሙ ጸንቂቑ ብነጻነት ክዋሳኣሉ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ ምምጻእ ሃገራዊ ነጻነት ናቱ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። እቲ ዝነበረ ውድዕነት ዘፍቅደሉ ኣበርክቶ ጌሩ’ዩ። ከም’ቲ ዝድለ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ወኒኑ መሪሕ ተርኡ ይጻወት ኔሩ ግን ክበሃል ኣይከኣልን። ከም ዜጋ ኣብ’ቲ ሓርበኝነት ተሳቲፉ ዋጋ ከፊሉ’ዩ። መግዛእታዊ ስርዓት ተሰዒሩ ሃገራዊ ልዑላውነት ተረጋጊጹ። መሰረታዊ ናይ ሓርነት ሕቶ ግን ኣይተመለሰን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ኣይተኻእለን። ስለዚ’ከ ቃልሲ ክቕጽል ግድን ኮይኑ። ኣብ’ዚ እቲ ምሁር ክፍሊ ኣብ ኣንጻር ምልኪ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም’ቲ ዝድለ ይሳተፍ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከም’ቲ ናይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ውደባ ገና ኣይሓየለን ኣሎ ዝበልናዮን እዚ ምሁር ክፍሊ’ውን ሓያሉ ይዋሳእ የለን። ብእምነትና እቲ ኣብ’ቲ ሕብረ-ተሰብ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንዓኡ’ውን ዝጸልዎ’ዩ። ብህዝባዊ ኣተሓሳስባ ገና ኣይተቐየረን ኣሎ። ግዝያዊ ጠቕምታት ምቕዳም’ውን የለን ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ገዛኢ ኣተሓሳስባታት’ዚ መሊኡ ኣብ’ቲ ቃልሲ ከይሳተፍ ኣብ ምድኻሙ ናቱ ብጽሒት ክህልዎ’ዩ። ክሳብ እዚ ዶባዊ ኲናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጅመር’ኮ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ዝዋስኡ ዝነበሩ ምሁራት ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም ኔሮም። ድሒሩ ግን እቲ ኩነታት እንዳኸፍአ መጺኡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ውዕውዕ መድረኻዊ ሕቶ ምስ ኮነ መልክዕ እናሓዘ ክመጽእ ጀሚሩ። እዚ ከተባባዕ ዘለዎ’ዩ።

 

ካልእ ንሕና ኤርትራዊ ምሁር ኣገዳሲ መሪሕ ተራ ክጻወት ኣለዎ ክንብል እንከለና፡ ደሞክራሲ ሕቶ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ’ዩ ካብ ዝብል ኢና ንብገስ። ኣብ’ዚ ብቑዕ ዝበሃል ምሁር ከመይ ዝኣመሰለ’ዩ፡ ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ህዝባዊ ወገናውነት ዝስመዖ ደሞክራስያዊ ምሁር ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና። ደሞክራት ምሁር ንወጽዓታት ህዝቢ ዝርዳእ፡ ሕቶታትን ህዝቢ ንምምላስ ድልዊ ዝኾነ ምስ ዝኸውን መሪሕ ተርኡ ክጻወት ዝእግሞ ነገር ኣይክህሉን። ነገራት ብማዕርነታውን ፍትሓውን ኣገባብ ዘይጥምት፡ ኣብ ድሕረት ዝተቖማጠዐ እንተደኣ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ምሁር ኣይኮነን። በቲ ዝተማህረሉ ሞያ ገለ ከበርክት ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዚ ካብ ስርዓት ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ብምስግጋር ህዝቢ ንምድሓንን ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምውጻእ ኣብ ዝገበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ግን መሪሕ ደሞክራስያዊ ባእታ ኮይኑ ክዋሳእ ኣይክእልን።

 

ሕቶ፡- ሕራይ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ገለ ምቅይያር ተጌሩ ኣሎ። እቲ ምቅይያር ተሓሲብሉ ብመደብ ዝተገብረ ድዩ ወይ ሽዑ ዘጋጠመ ሃንደበት’ዩ?

 

መልሲ፡- እዚ ምቅይያራት መሪሕነት ዝምልከት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ተላዒሉ ኣብ ውሽጢ ከዛርብ ዝጸንሐ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት እንታይ ክግበር ይከኣል እናተዘርበሉ ዝመጸ’ዩ። ኣብ’ዚ ድሮ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ዝተኻየደ ውድባዊ ሰሚናር ድማ ብሰፊሑ ተዘራሪብናሉ። ምቕያር ኣቦ-መንበር ምስ መጸ ከኣ ኣብ ኩሉ ቤት ጽሕፈታት ናይ ምቅይያራት ኩነታት ፈጢሩ።

 

ሕቶ፡- ብ/ተወልደ ካብ ሰማኒያታት ኣትሒዝካ ኣቦ-መንበር ውድብ፣ ኣብ በብእዋኑ ዝነበሩ ከም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓይልታት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ብኣቦ-መንበርነት እንዳመራሕካ መጺእካ ክነስኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ግን ካብ ኣቦ-መንበርነት ወድብ ወሪድካ ምክትል ኮይንካ ኣለኻ፡ እዚ ጉዳይ ዝተጸበኻዮ ድዩ፡ ምስ ወረድካኸ እንታይ ተሰሚዑኳ፡ ናብ ካልእ’ከ እንታይ መልእኽቲ የሕልፍ ትብል?

 

መልሲ፡- ብርግጽ እቲ መስርሕ ከም’ቲ ዝበልካዮ’ዩ መጺኡ። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽዎ ሕቶ ናይ ምትኽኻእ ዝበሃል ኣብ በበይኑ ኣጋጥሚታት ነልዕሎ ኔርና ኢና። ንሕና ነገራት ክንርእን ክንምድብን እንከለና ማእከልና ስራሕ’ዩ። ስለዚ እቲ ዝተገብረ ምቅይያር ከም መቐሎ ስራሕ ጌርካ ዝውሰድ ደኣምበር ንውሽጥና ዘምጸኣልና ጸገም የለን። ብብዙሕ ሸነኹ መዚና ተመያየጥና ሓባራዊ ኣግንዝቦ ምስ ተታሕዘሎ ዝተገብረ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣብ ካልኦት ስምዒታት ይፈጥር ይኸውን ኣባና ግን ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት የብሉን። ምኽንያቱ ይሓይሽ ተባሂሉ ተመያይጥና ዝገበርናዮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ከኣ ኣባይ ዝኾነ ዝፈጥሮ ጸገም የለን። ከም ባህሪያዊ ጌርካ ክውሰድ ዘለዎ’ዩ።

 

ሕቶ፡- ብ/ተወልደ ናብ ካልእ ሕቶ ከስገረ’ሞ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣበየናይ ክፍሊ ተመዲብካ ትሰርሕ ኔርካ ከም ተመክሮ’ኸ እንታይ ትምህርቲ ቀሲመሉ ትብል?

 

መልሲ፡- ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1974’የ ተሰሊፈ። መጀመርያ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1974-75 ናብ ከበሳታት ደይባ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት ትገብረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ መደበር ዜና ዝነበሮ ባርካ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜና ኣብ ከበሳ ተኸፊቱ ስለዝነበረ፡ ከም ሓደ ኣባል ናይ’ታ ናይ ዜና ኦዲቶርያል ቦርድ ኮይነ ክሰርሕ ተመዲበ። ድሕሪ ጉባኤ ኣብ ዝተገብረ ምቅይያራት ድማ ሓላፊ ናይ’ታ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ጨንፈት ቤት ጽሕፈት ዜና ኮይኑ ሰሪሐ። ኣብ መጀመርያ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ክፍሊ ዜና ንብምሉእ ከበሳታት ኤርትራ ሰምሃር ደንከሊያ እንኮላይ ንኢትዮጵያ ዝጠመተ ስራሕ’ዩ ዘሰላስል ኔሩ። ድሒሩ ካልኦት ጨናፍራት’ውን ተኸፊቱ’ዩ። ኣብ ክፍሊ ዜና ክሳብ 1977 ጸኒሐ። ድሕሪኡ ህዝባዊ ማሕበራት ክጣየሳ መምርሒ ምስ ወረደ፡ ከም ምስ ካልኦት ብጾተይ ኣብ ሓረስቶት ተመዲበ። ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ምስ ተገብረ ከኣ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ክፍሊ መጽናዕቲ ናይ ማሕበር ሓረስቶታት ኮይነ። ኤርትራዊ ሓረስታይ ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኡ እንታይ ይመስል ከመይ መጺኡ፡ ሕጂ ‘ኸ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ፡ ዋንነት መሬትን ኣጠቓቕምኡን ዝምልከት ደቂቕ መጽናዕቲ የድልዮ ስለዝነበረ፡ ቀንዲ ትኹረተይ ናብ’ዚ ዝገበረ ኔሩ። ቀጺሉ እቲ ናይ ኮኦፖራቲቭ /ተራድኦ/ ጀሚሩ ኣብ’ዚ’ውን ኣባል ፈጻሚትን ናይ ክፍሊ መጽናዕትን ኮይነ ተመዲበ። ማሕበር መንእሰያት ክጣየስ ኣብ ዝተራእየሉ ድማ፡ ከመይ ይመስረት ዝብል ብላዕለዎት ተወዲኡ፡ ብመንእሰያት ሓረስቶት፣ ካብ መንእሰያት ተጋደልቲ፣ ካብ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ፣ ካብ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ካብ’ዚኦም ዝተዋጸአ ሓደ መሪሕነት ክቐውም ኣለዎ ተባሂሉ። ስለዚ ኣነ ንመንእሰያት ሓረስቶት ወኪለ ንዝተወሰነ እዋን ሰሪሐ።

 

እዚ ኩሉ ዝብለካ ዘለኹ እቲ ኣብ ሓረስቶት ዘለኒ ሓላፍነት ፍሉይ ዕማመን ከም ዘለዎ እንዳሃለወ’ዩ። ብዝኾነ ኣብ 1979 እቲ ንመሬት ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተጻፊፉ ብደረጃ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣዊጁ። ነዚ ኣዋጅ ኣብ ተግባር ንምውዓል ድማ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል ክቖመሉ ኔርዎ። ካብ ሓረስቶት፣ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ዝተወጻጸአት ናይ መሬት ምዕዳል ምድልዳልን ዝተባህለት ሽማግለ ቆይማ። ስለዚ ከኣ ኣነ ዋና ጸሓፊ ናይ’ታ ሽማግለ ኔረ። በቲ ጽበት መሬትን ብዙሕ ጸገማት ዝነበሮ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ሰራየ፣ ሓማሴንን ኣከለ-ጉዛይን ድማ ጀሚርና ተግቢርናዮ።

ናይ መወዳእታ መደበይ ብውጥን ደረጃ ዝነበረ፡ ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸውን ዝብል’ዩ። በቲ ዝምልከቶ ኣካል ኩሉ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት’ኳ ተወዲኡ እንተነበረ ከቢድ ኲናት ሕድሕድ ዝካየደሉ፡ ውድብ ብውሽጣ ኣብ ኣዝዩ ጽጉም ኩነታት ዝኣተወትሉ ውድዕነት ስለ ዝነበረ ብውሽጠይ ኣይተተባባዕኩን። ኣብ’ዚ ኩሉ ዝኸድክዎ መስርሕ ዝረኽብክዎ ሰፊሕ ተመክሮ ኣሎ። ነቲ ዝተኸስተ ዘይጽቡቕ ኩነታት ተቓሊስካ ከመይ ክልወጥ ይከኣል ምስ በበይኖም ክፍልታት ሕብረ-ተሰብ ንዘራረበሉ ኔርና። ገለ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ለውጥታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኔሮም’ዮም። ስለዚ ምስ’ቲ ኩሉ ብትምክሕትን ጽበትን ዝካየድ ዝነበረ ምትህልላኻት ብዙሕ ትምሀርቲ ረኺበ’የ ክብል እኽእል። እቲ ተምክሮ በዚ ዘለኩም ሓጺር ናይ ኣየር ግዜ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

 

ሕቶ፡- ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚርካ ንስለ ህዝብን ሃገርን ክትብል ኣብ ፖለቲካ ትነጥፍ ዘለኻ ገዲም ፖለቲከኛ ከም ምዃን’ኳ መጠን ንፖለቲካ ኤርትራ ከመይ ትገልጾ?

 

መልሲ፡ ብመሰረቱ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ክንሪኦ እንከለና፡ መጀመርያ እቲ ህዝቢ ሓረበኛ ህዝቢ’ዩ። ኣንጻር መግዛእቲ ናይ 100 ዓመት ተመክሮ ዘለዎ’ዩ። ፈታዊ ሃገሩ ድማ’ዩ። ንቓልሲ ውፉይ’ዩ። ባህሉ እንተርኢናዮ’ውን ጻዕረኛ ህዝቢ’ዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ጸጋ’ዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ግን ካብ’ቲ ሃገራዊ ሓርበኝነት ሓሊፉ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ከዐውት ኣይከኣለን። ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሰውራ’ዩ’ መሰረታዊ ለውጢ ከኣ’ዩ ዝጠልብ ኔሩ። ስለዚ እቲ ኩሉ ሓርበኝነት ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከረጋግጽ ኣይበቕዐን። እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ’ዩ ኣረጋጊጹ። እዚኣ ካብ’ቲ ሕቶታት ህዝቢ ሓንቲ ጥራሕ’ያ። ናይ ሓርነት ሕቶ ክምለስ ኣይተኻእለን። ስለዚ ፈሽሉ። መሬት ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ጌሩ እዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ህዝቢ ሓራ ክገብር ግን ኣይከኣለን። ናይ ሓርነት ሕቶ እንተዘይመሊስካ መሬት ንበይና ተነጺላ ምልእቲ ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ። ልኡላውነት ክንብል እንከለና ከኣ፡ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ማለትና’ዩ። ልዑላዊ ማለት ህዝቢ’ዩ። ስለዚ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ኣሎ ኣብ ኤርትራ። ነዚ እቲ ቀዳማይ ወለዶ ዝስከሞ ታሪኽ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ደሞክራስያዊ ልዕልነት ዘረጋገጸ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዘይምህላው’ዩ። ደሞክራስያዊ ኣረኣኣያ ዝነበሮ ሓይሊ ልዕልና ኣይነበሮን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ልዕልነት ሒዙ ዝነበረ እቲ ተራ ሃገራዊ ሓይልታት’ዩ። ተራ ሃገራዊ ሓይልታት ድማ ጸረ-መግዛእቲ ሓርበኛዊ ቃልሲ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ህዝባዊ ደሞክራሲ ከረጋግጽ ትጽቢት ኣይግበረሉን። እዚ ብተግባር ዝረኣናዮን ንሪኦ ዘለናን ኩነታት ክኽሰት ድማ ባሕሪያዊ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ እቲ ደሞክራስያዊ ሕቶን ቃልስን ክቕጽል ግድን ዝገብር ውድዕነት ተፈጢሩ። ተነጻጻጊ ኣረኣእያታት፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ናይ ምቅላስ ባህሊ ዘይምህላው፡ ኩሉ ዓቕሚታት ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ዘይምቕናዕ፡ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ናይ ዘይምሃብ፡ ስልጣን መን በሓተ ውድድራት ህያው ስለ ዘሎ፡ እቲ ቀንዲ ዕማምን ሕቶን ህዝቢ ዛጊት ኣይተመለሰን።

 

ሕቶ፡ ልዑላውነት ናይ ህዝቢ ኣይተረጋገጸን ክትብል ገሊጽካ፡ እንታይ ስለ ዝጎደለ’ዩ ዘይተረጋገጸ፡ ሓርነታዊ መሰላት ናይ ህዝቢ ክንብል እንከለና’ኸ እንታይ ማለትና’ዩ?

 

መልሲ፡- ልዑላውነት ናይ ህዝቢ ክንብል እንከለና ኣብ ጉዳዩ ኣብ መሰሉ፡ ብቐጥታን ብወከልቱ ኣቢሉን ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ብግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕ ህዝቢ ማለትና’ዩ። መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስን ህዝቢ ማለትና’ዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ሎሚ የለን። ሓደ ውልቀ ሰብ ከም ድሌቱ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ዘሎ። ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ብማዕርነትን ብምክብባርን ሓቢሮም ዝነብሩላ፡ ሃብቲ ሃገርን ፖለቲካዊ ስልጣን ብነጻን ፍትሓዊ ኣገባብን ዝመቓርሑላ ሃገር ክትህሉ ኣለዋ። እዚ ኣብ ዘይብሉ ልዑላውነት ህዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

 

ሕቶ፡ ገለ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ተሳታፊ ዝነበረ፡ ከም ናትና ዝበለ ደሞክራስያዊ፡ ኣሳታፊ፡ ሓያል፡ ሰውራ ኣይተራኣየን ኢሉ ክዛረብ ይስማዕ። ናብ’ቲ ተካኢ ወለዶ ዘሕልፎ ዘሎ መልእኽቲ ድማ ንሱ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ረብሓታት ዘረጋግጽ መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ሕቶ ክሳብ ዘይመለሰ እቲ መን ከም ናትና ዝብል ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣይጋጮን’ዶ ትብል?

 

መልሲ፡- መጀመርያ እቲ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኩነታት ዘየንብብ፡ መጻኢ ዘይርኢ ኣብ ሕሉፍ ዝነብር’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ኣወንታዊ ነገራት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣሉታ ኣይነበረ ማለት ኣይኮነን። ጽቡቕ ኔሩ፡ ሕማቕ’ውን ኔሩ። ስለዚ ኣብ ሕሉፍ ካብ ዝፈጸምካዮ ጌጋታት ክትመሃር እንተዘይክኢልካ ግን ንቕድሚት ኣይትሕገዝን። ንሕና ከም ህዝብን ከም ሃገርን ሓርበኛዊ ቃልሲ ኣይካይድና፡ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና፡ ግን መስዋእቲ ክንከፍል እንከለና ከም ተጋደልቲ ነጻ’ዶ ኔርና? እቲ ሰብ ዝመስሉ ሓሳባት ክህብ ክቃወም ክውድብ፡ ህይወቱ ክመርሕ ዘኽእሎ ናይ ሓርነት ባይታ ኔሩ ድዩ ኣብ ሰውራ ኤርትራ? ኣይነበረን። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንኣብነት ሓርበኛ ውድብ’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራሲ ኣይነበረን። ናይ ርእይቶ ነጻነት ኣይነበረን። ዝተፈልየ ርእይቶ እንተለካ ተኣሲርካ ሓለዋ ሰውራ ኢኻ ትኣቱ። ከም ሰብ የለኻን ተቐንጺልካ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ሰውራ ከመይ’ዩ ዝምራሕ ዘሎ ኢልካ ክትግምግም፡ መንገድና ቅኑዕ ድዩ ኣይቅኑዕን ሓሳባት ብነጻነት ከተውርድ ከተደይብ ክትነቅፍ፡ ዘኽእል ባይታ ዝፈጠረ ኣይነበረን። ድሕሪ ነጻነት ክንሪኦ ኢና ሕጂ ጸረ መግዛእቲ ጥራሕ ንቃለስ ዝብል መልሲ ይወሃብ ምንባሩ’ውን ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። እዚ ኣየኽይድን’ዩ።

ተጋዳላይ ኮይንካ ህዝቢ ሓራ ከትውጽእ እንተደኣ ኮይንካ መጀመርያ ንነብስኻ ሓራ ክትከውን ኣለካ። ንገዛእ ርእስኻ ናይ ርእይቶ ነጻነት ዘይብልካ እንዳሃለኻ ንካልኦት ሓራ ከተውጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ ብስነ-መጎት። ስለዚ እቲ ተጋዳላይ ንባዕሉ ሓራ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ወኒኑ ኣይመጸን። ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ተጸዊሩ ሓቢሩ ክኸይድ ከም ዝኽእል ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። ሓንቲ መንገዲ ጥራሕ ሒዙ ክመጽእ’ዩ ተጌሩ። የማን ጸጋም ኣይትጠምን ጸረ-መግዛእቲ ተቓለስ፡ ካልእ ኣይትርአ፡ ናብ ውሽጣዊ ኩነታትካ ኣይትጥምት እንተኢል’ኳ ደሞክራሲ ሽዑ ንሽዑ ተዓጽያ ኣላ ማለት’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ወሳኒ ትምክሕታዊ መሪሕነታዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ክፍጠር ክኢሉ። ሓፋሽ ተጋዳላይን ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ንጹህ’ዩ፡ ሃገራዊ ግቡአይ የበርክት ኣለኹ ዝብል ጥራሕ ዝርኢ ኔሩ። እቲ ትምክሕታዊ መሪሕነታዊ ጉጅለ ናበይ ይመርሖ ኣሎ ዝርኢ ኣይነበረን። ሓደ ተቓላሳይ መግዛእቲ ምስ ኣልገስና ከመይ ኢና ክንቅጽል፡ ብኸመይ ኢና ክንነባበር ዝብል ዘይርኢ እንተደኣ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ጸገም’ዩ። ተሓጺብካ ናብ ጭቓ ዓይነት ውጽኢት ክኽሰት ከኣ ባህሪያዊ’ዩ።

ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስያዊ ሕቶ ዘልዓሉ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ኔሮም’ዮም። እንተኾነ ግን ገሊኦም ብየሚን፣ ገሊኦም ብመንካዕ፣ ገሊኦም ቁዋራሻ እንዳተባህሉ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም ሃሊቖም’ዮም። ምሁር ክፍሊ ንኡስ ብርዥዋ እንዳተባህለ ክሳብ ዝዳሃል ተቐጥቂጡ’ዩ። ንገባር /ሓረስታይ/ ዘይትሓሊ እንዳሃለኻ፡ ነቲ ገባር ልዕልና ክትህብ ከም ዝተዳለኻ ጌርካ ምሁር ንኡስ ብርዥዋ’ዩ ፈታዊ ነብሱ’ዩ እንዳተባህለ ይቕጥቀጥ’ዩ ኔሩ። ስለዚ እቲ ክልውጥ ዝኽእል ዝነበረ ዓቕሚታት ተዳሂሉ እቲ ለውጢ ክመጻሉ ዝኽእል ዕድላት እናተዓጽወ’ዩ መጺኡ። እቲ ዝነበረ ሕጂ’ኮ ብዝበኣሰ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ሕጂ ዝተወልደ ኣይኮነን ዝጸንሐ’ዩ። እታ ምቕጥቃጥ ቀጺላ። እታ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረት ምቕጥቃጥ ድሕሪ ነጻነት፡ ንውጉኣት ሓርነት ቀጥቂጣ፣ ንተማሃሮ ኣብ ዊዓ ከጥቂጣ፣ ንጉጅለ 15 ቀጥቂጣ፣ ንኹሉ ኣብ ውሽጣ ጽገናዊ ለውጢ’ውን ይኹን ክገብር ዝተበገሰ ተቐጥቂጡ’ዩ። እዛ ተመክሮ’ዚኣ ነቲ ውድብ ዘዕበየቶ ካብ ሳሕል ዝመጸት’ያ። ሕጂ ዝተወልደት ኣይኮነትን። ነቲ ውድብ ብባህሪ ዘዕበየቶ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዝሓዘ ደሃሎ፣ ቀጥቅጦ፣ እሰሮ፣ ረሽኖ ትብል’ያ። ይዝከረኒ ንሕና ኣብ 89 እዚ ውድብ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነትና ብጽሑፋት ንምህር ኔርና። ከም’ቲ “ካብ እንቋቖሖ ተመን’ሲ ርግቢት ክትመጽእ ኣይትኽእል’ያ” ዝተባህለ፡ ህዝባዊ ግንባር ሃገራዊ ሓርበኛ’ዩ ኔሩ’ምበር ብፈጥሮኡ ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ጨሪሱ ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን ኣይነበሮን።

 

ሕቶ፡- ሓፈሻዊ ክግለጽ እንከሎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ፍልልይ ከም ዘይነበረን ይዝረብ’ዩ፡ እሞ እዚ ሓድሽ ወለዶ መታን ክመሃረሉ ናብ ኲናት ሕድሕድ ዘብጸሐን እንታይ ከም ዝኾነ እንተተገልጸልና?

 

መልሲ፡- እዘን ክልተ ውድባት ከም’ቲ ኣቐዲምና’ውን ዝበልናዮ ጸረ-መግዛእቲ ዝቃለሳ ዝነበራ ሓርበኛ ውድባት’የን። ንደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታት ዝኸውን ጥጡሕ ባይታ ኣይነበረንን። ውድብና ካብ ቅድም ኣትሒዙ በቲ ንሳተን ዝኸዳኦ ዝነብራ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ብነጻነት ክሸራሸር ዕድል ክረክብ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ኣብ እዋኑ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ’ውን ነቲ ዘይደሞክራስያዊ ኣካይዳታት፡ ብደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ንምቕያር ዝዓለመ’ዩ ኔሩ። ከም ሳግም ኮይና ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ ዝፈላለየና ጉዳይ’ውን ብተመሳሳሊ ንሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዝጻወር ባይታ የለን ዝብል’ዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ካድራትን መሰረታትን እቲ ውድብ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ከም ሳግም ኮይና ዘልዓልናዮ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ግን ሽዑ ኣይተዓወተን። ዛጊት ሎሚ’ውን ኣይተዓወተን። ስለዚ ከኣ ኢና ኣብ ቃልሲ ንርከብ ዘለና። ህዝባዊ ግንባር ዘይደሞክራስያዊ ውድብ እንዳሃለወ፡ ንነብሱ ከም ደሞክራስያዊ ውድብ ጌሩ ይርኢ ስለዝነበረ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክንኣቱ’ዩ ሕቶ ኣቕሪቡልና ንሕና ግን ኣይተቐበልናዮን። ምኽንያቱ ዘይደሞክራስያውነቱ ኣቐዲምና ዝመዘናዮ’ዩ። ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ ኢና ከም ርእስና ዝኸኣልና ነጻ ምንቅስቓስ ኮይና ክንቃለስ ዝመረጽና። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ፕሮግራም ፍልልይ ስለዘይነበረን ሓድነት ጌረን ብሓባር ጸረ-መግዛእቲ ክቃለሳ ዝኽእላ ተራ ሃገራውያን ውድባት’የን ኔረን። እንታይ ደኣ’ዩ እቲ ዝፈላለየ እንተተባህለ ሜዳ ኤርትራ መን ብላዕለዋይነት ተቖጻጸረ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ከም ፖለቲካዊ መርተዖ ኮይኑ ክቐረብ ዝኽእል መፈላለይ ነጥቢ የለን።

 

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ዝጭበጥ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይነበሮ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ፡ ብዙሕ ሰብኣዊ ነዋታውን ሞራላውን ዕንወት በጺሑ’ዩ። እቶም ኣብ’ዚ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮነ ኣካሎም ዝጎደሉ ዜጋታት’ዮም፡ ቤተ-ሰብ ድማ ኣለውዎም። ይኹን ደኣ’ምበር ብዛዕባ’ዚ ኣመት ዝገብር ኣካል የለን/ ኣይረአን/ ገለ ወገናት ተሓታቲ ዘይብሉ ተረዲዑ’ዩ፡ ከይዱ ከይዱ ግን ነቲ ንንየተሉ ሓያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ክጎድኡ’ዩ ኢሎም ስኽፍታኦም ክገልጹ ይስምዑ። ብወገንካ’ኸ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

 

መልሲ፡- ብመሰረቱ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ መንጎአን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ዋላ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ እንተዝነበረን’ውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዘብጽሐን ኣይነበረንን። ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተራኣየ ኣብ መንጎ እቶም ሓይልታት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት እንዳሃለዎም ብመልክዕ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ተማሓዝዮም ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለሱ ኔሮም’ዮም። ኣብ ነጻ ሃገር ከኣ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታት ከተስፍን ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ከተረጋገጽ ኣብ ሰላማዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ውድድር ኢኻ ትኣቱ። ግደፍዶ ኣብ’ዚ ናትና ኣብ ቻይና ኣንጻር ኮሚንታንግ ብሓንሳብ ተቓሊሶም’ዮም። ስለዚ እቲ ዝተገበረ ውግእ ሕድሕድ ብመሰረቱ ግጉይ መን ላዕልዋይ ኢድ ሓዘ ዝፈጠሮ ዘሓላፍነታዊ ቁርቁስ’ዩ ዝብል ተረድኦ ኣለና። ኣብ’ዚ ከም’ቲ ዝበልካዮ ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም ኣካሎም ጎዲሎም’ዮም። ብዙሕ ተሓታትነት ዘይብሉ ኩነታት ኣጋጢምዎ እቲ ቃልሲ። እዚ ሃገራዊ ስምዒት ክጎድእ ይኽእል’ዩ። ኣላዪ ዝሰኣኑ ዝተረስዑ ወገናት ብርግጽ ብዙሓት’ዮም። ኣብ ከሰላ ሱዳን ዓበይቲ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ ብዕድመ ደፊኦም፡ ብኣካል ተጎሳቒሎም ማይ ወሪዶም ህይወትም ከምርሑ እንክትዕዘብ ሕማቕ ይስመዓካ። ኣብ ካልእ ሃገራት ብተመሳሳሊ ነብሶም ደቆምን ዝዕንገልሉ፡ ዕለታዊ መግቢ ንምርካብ ዝሽገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ዝተረስዑ ወገናት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጥራሕ ኣይኮኑን። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ኣላዪ ዘይብሎም’ውን ብዙሓት’ዮም። ስለዚ ነዚኦም ኩሎም ተሓታትነት ብዘለዎ ክንክን ክገበረሎም ይግባእ።

ሕጂ’ውን እቲ መስዋእትን መውጋእትን ይቕጽል ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ ንስለ ህዝብን ሃገርን ክበሃል ህይወቶም ዝሰኣኑ ወይ ኣካሎም ዝጎደሉ’ዮም። እቲ ህይወቶም ዝኸፈልሉ ኣካሎም ድማ ዝጎደልሉ ሕብረ-ተሰብ ኣመቶም ክገብር ኣለዎ። እንተኾነ ግን ንከምኡ ዝዕድም ኩነታት ዳርጋ የለን። እቲ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ውድባት ከም ኣብነት እንተወሲድና ክገብር እንተደለየ’ውን ጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቕሙ ድሩት’ዩ። ህግደፍ ከኣ ኣይኮነን ኣመቶም ክገብር ቀጻልነት ብዘለዎ ህይወቶም ዝመርሕሉ ወይ ዝሕገዝሉ ባይታ ክፈጥር ተመሊሱ ብስሞም’ዩ ዝሽቅጥ። ስለዚ እዚ ጉዳይ’ዚ ንቕድሚት ዓቢ ጾር ይጽበየና ከም ዘሎ ዘመልክት’ዩ። ቀዳማይ ምርጫ ግን ነቲ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝብል ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ኣብጺሕና ኣመቶም ንገብረሉ ኩነታት ንምፍጣር ምርብራብ’ዩ። ብርግጽ ዕለታዊ መግቢ ዘይምርካብ ግዜ ዝህብ ስለዘይኮነ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ማሕበረ ድዩ ውድብ ኩሉ ግዜ ኣመቶም ክገብር ክደጋገፎም ምትብባዕ ምጉስጓስ ጽቡቕ’ዩ። ከም መሰረታዊ መፍትሒ ግን፡ እዚ ኩለ-መዳዊ ምዕባለ ዓጽዩ ዘሎ ጸረ-ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ምልጋስ መተካእታ ዘይብሉ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ዝተረደኣ ሓባራዊ ቃልሲ ምክያድ ወሳኒ’ዩ። ብዓብዩ ከኣ ኣብ እዋን ሃገራዊ ነጻነት ኮነ ሕጂ ዝተፈጸመ ገበናት ከቢድ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከመይ ከነሕውዮ ንኽእል ብሓላፍነት ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ። ንቕድሚት ብሕጋዊ ኣገባብ ድዩ ክመሓደር ወይስ ብሃገራዊ ዕርቂ ነዚ ዘጻሪ ነጻ መርማሪ ኮሚሽን ምቛም ዘድልዮ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። ክንደይ ስድራ ቤታት ኮስኲሰን ኣዕብየን ኣጋዲለን ክንሰን ደቀን ምስ ስውኣት ዘይተጸብጸቡ ኣበይ ወዲቑ ዘይፈልጡ፡ እህህ እንዳበሉ ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ብዙሓት’ዮም። ኣብ ውሽጢ’ዚ 23 ዓመታት ከኣ ኤርትራ ናብ ዓበይ ቤት ማእሰርቲ’ያ ተቐይራ ዘላ። ብዙሓት ዜጋታት ተኣሲሮም፡ ተጨውዮም፡ ኣካሎም ጎዲሎም፡ ተረሽኖም፡ ስድራ ቤታት ተፈላለየን፡ ማሕበራዊ ህይወት ተናጊዑ እዚ ኩሉ ተሓታቲ ኣለዎ። ግን ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ንፈትሖ ዘይኮነ ንቕድሚት ንድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝጽበየና ዘሎ ጾር’ዩ።

 

ሕቶ፡- ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንዝሓለፈ ተመክሮ ብድፍኑ ከድንቑን ክድነቑን ደኣምበር፡ መድረኽ ከፊቶም ኣወንታን ኣሉታን ናይ ምግምጋም ፖለቲካዊ ባህሊ የብሎምን። እዚ ጉዳኢ ድዩ ጠቓሚ? እዞም ኣብ ዘይፍትሓዊ ደማዊ ኲናት ዝሃለቑ ኮነ ብካልእ ብውልቀ ብጃምላን ዝጥፍኡ ዜጋታት ሓታቲ የብሎምን። ፖለቲካዊ ገምጋም ዝበሃል ስለዘይፍለጥ መን’ዩ ተሓታቲ ብወግዒ ብጭብጢ ዝቐርብ የለን። እቲ ድሒሩ ዝኸይድ ዘሎ ድማ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝቐደመ’ዩ። እሞ እዝሲ መመሊሱ እናጎድኣና ዝኸይዶ ኣይከውንን?

 

መልሲ፡- ሕቶ ተሓታትነት ግድን ከድልዮ’ዩ። ሕጂ ሕቶ ተሓታትነት ከተልዕል እንተኾይንካ ግን፡ ነቲ ጸረ እቲ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል’ዩ። እዝከረኒ ሃገራዊ ዋዕላ ክንገብር ኣለና ኢልና ኣብ ዝተብገስናሉ፡ ኣብ’ቲ ቃልሲ ኣገዳሲ ተራ ብዘለዎም ምሁራን ቅድሚ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕርቂ ክገበር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ። እዚ ነዊሕ ክትዕ ወሲዱልና። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ መንጎ’ቶም ኣካላት መስርሕ ዕርቂ ክትጅምር ከቢድ’ዩ። እቲ ኣካላት ተዳምዩ’ዩ። ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት እከለ ከምዚ በዲልካ ከም’ዚ ጥፍኣት ሰሪሕካ እንዳበልካ ሃገራዊ ዕርቂ ከተካይድ ዘኽእል ውድዕነት የለን። ኣብ ቅድሚና ዘሎ ተባራዒ ሕቶ ሃገራዊ ዕርቂ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሕቶ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ክንምልስ ኩሉ እቲ ሓይልታት ማለት ደላዪ ለውጢ ትማሊ እንታይ ኢሉ እንታይ ጌሩ ብዘየገድስ ብሓደ መርሖ ዝኽደሉ መርሖ ኢና ክንሕዝ ዘለና። እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ገበናት ግን፡ ከምቲ ናይ ናዚ ፋሺዝም ኣብ ኑርንበርግ ብሕጊ ዝተራእየሉ ዲና ክንክተል ወይ ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ዕርቂ ንቕድሚት ንህዝቢ ኤርትራ ዝወከለ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝሪኦ ነገር’ዩ። ስለዚ ኣይግዝይኡን ዝብል እምነት’ዩ ኔሩና። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ተፈናጭሉ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ’ውን ከምኡ። ስለዚ ሕሉፍ ገበናት ሕጂ ንቕድሚት ከነምጽእ ትኽክል ኣይመሰለንን።

እቲ ኣወንታን ኣሉታን ዝበሃል ካልእ ገምጋማት ግን ኩሉ ግዜ ክግበር ኣገዳሲ’ዩ። ሓፈሻዊ ደኣምበር ናይ ሓባር ጭቡጥ ገምጋም’ኮ የብልናን። ብዛዕባ ባህርን ተግባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ዓይነት ሚዛንን ገምጋም የብልናን። ኣብ ባህርን ተግባርን ህዝባዊ ግምባር/ህግደፍ ዘለና ገምጋም’ውን ከምኡ ሓደ ኣይኮነን። እቲ ጎነጽ ከመይ መጺኡ መን እንታይ ፖለቲካዊ ርእይቶ ኣለዎ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ድዩ ዘየርብሕ፡ ኣብ ምቅልጣፍ እዚ ኣነካይዶ ዘለና ቃልሲ መን ኣወንታዊ ግደ ኣለዎ መን’ከ ኣሉታዊ ግደ ይጻወት ሓፈሻዊ ሚዛናትን ገምጋማት ክግበር ይከኣል’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድን’ው ክግበር ዘለዎ ይመስለኒ። ከም ኣብነት ኣብ’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ኣወንታን ኣሉታን ክንግምግም እንከለና፡ ከባቢ 20 ዝኸውን ኣሉታታት ብሓባር ኣቐሚጥና፡፡ ኣወንታ ዝምልከት’ውን እዝን እዝን ኢሉ ኣቐሚጡ እዚ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገምጋማት ንኸይግበር ዝኽልክል ኣይኮነን። እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ’ቲ ብሓባር ዘውጸኦ መደባት ስራሕ ኣብ ምግምጋም ጸገም ኣለዎ’ዩ። ነገራት ከመይ ትሕዞምን ተመሓድሮምን ተመክሮና ሓደ ኣይኮነን። ኣረኣእያና’ውን ሓደ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ገምጋም ካብ ኣረኣእያኻን ስጥመት ውደባን ባህሊ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን’ዩ ዝብገስ። ንሕና ምስ ካልኦት ነገራት ክንገምግም እንከለና እቲ ኣብ ውድብና ንጥቀመሉ ብልሕን ዕምቆትን ኣገማግማ ኣብኡ ክንገብር ኣይንኽእልን። ማዕሪኡ ክንከይድ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ባህልናን ባህሊ ናይ’ቲ ካልእ በበይኑ’ዩ።

 

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዓውደ ተግባር ማዕረ ኣይዋስእን ኣይትግብርን። እዚ ብገምጋም ክዕረ ክገምገም ኣለዎ። ግን ክትግምግም ትጽገም። ስለምንታይ እቲ ባህሊ በበይኑ ስለዝኾነ። እዚ ዝኸበደ ጸገማና’ዩ። ዕንቅፋት’ዩ ድማ። ነቲ ናይ ሓባራ ዕማማት ኣብ ምስላጥ ብማዕረ’ዶ ዋጋ ንኸፍል ኣለና? ማዕረ ንኸፍል የለናን። በብቲ ዓቕሚና ዘፍቅዶ ክንትግብሮ ኢልና ብሓባር ዝተመደብናሉ ማዕረ ዋጋ ንኸፍል ስለዘየለና ብማዕረ ንስጉም የለናን። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ነቲ መድረኻዊ ጠለብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ማእከል ጌሩ ዝወጸ ሓባራዊ መደባት ቀዳምነት ሂብካ ምስራሕን፡ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ቀዳምነት ምስራዕን ዘሎ ተደዋዊሱ ዝኸይድ ዘይተፈትሐ ጸገም’ዩ። ጸቢብ ውድባዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝሰርዕ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ናይ ሓባር መደብን ረብሓን ቀዳምነት ክህቦ ኣይክእልን። ስለዚ እቲ ሓይልታት ይደክም። እቲ ሓይሊ ወይ ሓይልታት ኣድማዒ ወቓዒ ሓይሊ ዝኸውን ብማዕረ ንቕድሚት ከውንጭፎ ዝኽእል ናይ ተግባር ስራሕ ክሰርሕ እንተኽኢሉ ጥራሕ’ዩ። ቀዳምነት ንዝወሃቡ ብቐዳምነት ሰሪዕና ክንብገስ እንከለና፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምዕዋት ማዕረ ተወፋይነትን ምጥባቕን እንተዘይሃልዩ ጸገም’ዩ። ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮ ኣይተገላገለን ኣሎ። ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ኣይጎልበተን ኣሎ። ካብ’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናታት ሎሚ ይሓይሽ ክበሃል እንከሎ ዝምድናዊ’ዩ። መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ለውጢ ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

ለውጢ ክመጽእ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓባር ግንባራት እኩብ ድምር ናይ’ቲ ውድባት’ዩ። ኣብ ውሽጢ ውድባት ለውጢ እንተዘየልዩ፡ ኣብ ሓባራዊ ግንባር ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ክገበር ኣይከኣልን። ለውጢ ንደሞክራሲ መጀመርያ ካብ ውሽጢ ውድብ’ያ ክትቦቁል ዘለዋ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህልና ኣይማዕበለን ኣይጎልበተን። ኣብ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘለና ኣገንዝቦ ኣይማዕበለን ኣይጎልበተን። ኣብ ናይ ሓባር መደባት ትገብሮ ኣስተዋጽኦ ማዕርነታዊ ኣኮይነን። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ከቢድ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ። ካልእ ምርጫ ግን የለን። እቲ ምርጫ ነዚ ምልዋጥ ጥርሕ’ዩ።

 

ሕቶ፡- ለውጢ ዝጸበ ዘሎ ህዝቢ ውድባት ንቕድሚት ክደፋኣ ኣይከኣላን ለውጢ ከመዝግባ ከድሕናና ኣይከኣላን ዝብል መበገሲ ጌሩ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ክህሰ ይረአ’ዩ። ውድብ ከም ውድብ ኣብ ውሽጡ ገምጋም ዘይገብር፡ ንውሳኔታቱ ብተግባር ዘይሰርሓሉ እንተደኣኮይኑ ከመይ ክዕረ ይከኣል?

 

መልሲ፡- እቲ ፍታሕ ነታ ዘላ ንእሽቶ ኣወንታ ንቕድሚት እናደፋእካ ምኻድ’ዩ። ናይ’ቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር እዋናዊ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን’ዩ። ኣብ’ዚ ክንዲ ዝተኻእለ ምርብራብ’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ክትከይድ ድማ ሓደ ሓይሊ ንበይኑ ዝገብሮ ዘይኮነስ፡ ነብስ ወከፍ ውድብ ኣብ ውሽጡ ብዝገብሮ ለውጥን ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦን’ዩ። ኣፍልጦ ናይ’ቲ ሕብረ-ተሰብ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ሓይልታት ዘውጸኦም መደባት ክትግብር፡ ብሓባር ክሰርሕ፡ ቀዳምነት ንዝወሃቦም ቀዳምነት ክህብ ክበቅዕ ኣብ ምግባር፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ኣገንዝቦ ክዓቢ ኣለዎ። ምንኽንያቱ ህዝቢ እንተነቒሑ ኣብ ልዕሊ ውድባት ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብር’ዩ። ህዝቢ ክነቅሕ ሰፊሕ ተሳትፎ ክገብር ግን ቀጻሊ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጎስጓስን ክረክብ የድሊዮ። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ክፈልጥን ክሳተፈን እንተተጌሩ ብዙሕ ነገራት ክልውጥ ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ኩሉ ‘ምበኣር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክምዕብል ኣለዎ። እዚ ክውን ክኸውን ከኣ ሰፊሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ።

 

ሕቶ፡ ቅድሚ ነጻነት ኮነ ድሕሪ ነጻነት ካብ ዝነበሩን ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ዝበዝሑ፡ ነጻነት፣ ሃገርነት፣ ልዑላውነት፣ ደሞክራሲ ኣብ ዝብል ዝተንጠልጠለ ድምጺ እንተዘይኮይኑ በሊሕ ደርባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ዘካየድሉ ኣይፍለጥን በዚ መንጽር ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ካብ ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ወገናውነቱ ካብዘየነጸረ ፖለቲካዊ ሓይልታት ህዝቢ እንታይ ዓይነት ለውጢ ክጽበ ይኽእል?

 

መልሲ፡ መጀመርያ እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነብስ-ወከፉ ናተይ ዝብሎ ኣረኣእያ ኣለዎ’ዩ። ክሳብ ክንዳይ ህዝባዊ ወገናውነት ኣለዎ ዝብል ግን ክረአ ዘለዎ ይመስለኒ። ብመጻኢ ኣንጻር ክንሪኦ እንተኾን’ውን ኣፈላላይ ኣለዎ’ዩ። ተመሳሳሊ ኣረኣእያኣት ዘለዎ ኸኣ ብዙሕ ሓይልታት ኣሎ። ገሊኡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ካብ ሓፈሻዊ ናይ ደሞክራስን ናይ ልዑላውነት ሕቶ ወጻኢ ርሑቕ ዝኸይድ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ’ዚ እምነታት’ዚ ሰፊሕ ናይ ኣረኣእያ ፍሕፍሕ ክካየድ ኔርዎ፡ ብተግባር ግን ከምኡ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣረኣእያ መሰረት ጌርካ ምፍልላይ ምክታዕ ከም ተራ ቆይቚ ጌሩ ዝወስዶ ኣሎ’ዩ ኣብ’ቲ ሓይልታት። እቲ ጸገም ከቢድ’ዩ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ነቲ ዝበዝሐን ክፋሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝውክልን ዘርብሕን’ዶ ክዕወት ይኽእል ኣይኽእል እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ መጨረሻ ዘግህዶ’ዩ ዝኸውን። ሕጂ እታ ዝዓበየት ጸገም ኮይና ዘላ ግን በታ ዝነኣሰት ሓቢርካ ተጊህካ ዘይምስራሕ’ዩ። ንቕድሚት ዝጠመተ ኣብ ሕቶ ፖለቲካል ደሞክራሲ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ተረድኦ ክተሓዘሉ ዝኽእል ኣገባብ፡ ሰፊሕ መድረኽ ከፊትካ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ወሪድካ ክስረሓሉ፡ ኣድላይነቱ ህያው ኮይኑ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ግን ከምኡ ይረአ የለን። እቲ ህዝቢ ግን እዚ ስርዓት’ዚ ተወገዱ ከመይ ሰለምን ደሞክራስን ይሰፍን ዝብል ሕቶ’ያ ዘላቶ። እቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ ኣብ’ዚኣ’ዩ ዘይበቕዐ ዘሎ። ዘይበቕዓሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ድሑር ዝንባሌታትን ካብ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመክሮ ዘይወጻ ኣሱር ኣተሓሳስባን ገና ዘይበለ ምህላው’ዩ። ገለ ገሊኦም ንገዛእ ርእሶም ዋላ ሓንቲ ዘይሰርሑ እንዳሃለወ ብትምክሕቲ ሰኺሮም እዚኦም ከምዚ’ዮም እዚኦም ከምዚ ኣበሮም ተግባሮም እንዳበሉ ኣብ ጸለመ ተዋፊሮም ትሪኦም።

 

ሕቶ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብተገዳስነት ዝከታተሉ ወገናት፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ዝሕምሶ ዘሎ ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዝምራሕ፡ ድልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ዘይምህላው ዝፈጠሮ ምጥፍእ ፖለቲካዊ መርሆ’ዩ ኢሎም ክገልጽዎ ይስምዑ፡ እዚ ርእይቶ’ዚ ሓቅነት ኣለዎ’ዶ? መሪሕ ውድብ ማለት’ከ እንታይ ማለት’ዩ? ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተተገልጸልና?

 

መልሲ፡ ድልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዘጥረየ ውድብ ዘይምህላው ጸገም ከምዘሎ ሓቂ’ዩ። እቲ ብመርሆ ዘይምኻድ ዝበልካዮ ግን፡ ብመርሆ ተመሪሕካ ምኻድ ኣሎ’ዩ። ውድብና ንኣብነት ነቲ ዝኣምነሉ ከዐውቶ ዝደሊ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ሰሪዑ፡ ኣሰላላፋ ሓይልታት፡ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ደሞክራስን መዚኑ፡ ምስኣቶም ብሓባር ብደረጃ ግንባራትን ብተናጸልን ከመይ ክሰርሕ ከም ዘለዎ፡ ምስ መን ክሳብ ኣበይ ክኸይድ ከምዝኽእል፡ ብንጹር ስኢሉ’ዩ ዝቃለስ ዘሎ። እቲ ጸገም ኣብ መርሆ ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ጸገም እዚ ብመርሆ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጹ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ብኣረኣእያ ደረጃ ልዕልና ዝሓዘሉ ወቕቲ ኣይኮነን። ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣብ ደምበ ተቓውሞና ብልክዕ ሓባራዊ ኣገንዝቦ ተታሒዝሉ ኣብ ዝበረኸ መድረኽ ዝደየበ ኣይኮነን። ካልእ ካብ’ቲ ናይ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ልዕልነት ዘይምህላው ዝፈጥሮ ጸገም ዘይነኣኣስ፡ በቲ ዝተሓተ የስረሐና ኢልካ ዝቕረጽካዮ ስምምዓት ሓቢርካን ተኸባቢርካን ኣብ ተግባር ዘይምስራሕ ዘሎ ጸገም’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ብኹሉ ሓያል ጽልዋ ዘሕድር መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ እንተዝህሉ ኔሩ እዚ ጸገማት እዚ፡ እንተወሓደ በዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ኣይምሃለወን።

ካልእ እቲ መሪሕ ውድብ ማለት እንታይ ማለት’ዩ ዝበልካዮ፡ መሪሕ ውድብ ዝበሃል፡ ናይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ልዕልነት ዘረጋገጸ ብኡ ድማ ተገዚኡ ዝቃለስ ሓያል ጸላዊ ውድብ ማለት’ዩ። እዚ ፍጹም ጌጋ ዘይብሉ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ክጥረ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ትምክሕትን ጽበትን ኣብ ኩሉ ኣሎ’ዩ። ኣብ ውድብና’ውን ትምክሕትን ጽበትን ኣሎ’ዩ። ገዛኢ ግን ኣይኮነን። ውድብና ኣብ ሕብረ-ተሰብ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ’ቲ ሕብረ-ሰብ ዘለው ድሑራት ስምዒታት ኣባና የለን’ውን ክንብል ኣይንኽእልን። ገዛእቲ ግን ኣይኮኑን። ድሑራት ስምዒታት ገዛእቲ እንተኾይኖም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ዝበሃል ኣይህሉን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ሽዑ ንሽዑ ጠፊኡ ኣሎ ማለት’ዩ። ሓደ ውድብ መሪሕ ደሞክራያዊ ሓይሊ ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ብህዝቢ ዝለዓሉ መሰረታዊ ጠለባት ፍታሕ ከምጽእ ብስትራተጂን ስልትን እንዳተመርሐ ኣብ ዓውደ ተግባር ዝረባረብ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውጹዕ ሓፋሽ ኣብ ዙርያ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት’ዚ ዓሲሉ ክቃለስ ዝገብር መርሆ ተኸቲሉ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝወነነ፡ ኮታ ኣብ ውሽጡ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ባህሊ ዘማዕበለ ውድብ ማለትና’ዩ። እዚ ብቐሊል ትበጽሖ ኣይኮነን፡ ሓያል ጻዕርን ነዊሕ መስርሕን ዝጠልብ’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ’ቲ ሕብረ-ተሰብ ሓፍ ክብል ኣለዎ። ክሰፍሕ ኣለዎ። ዘለናዮ ወድዓዊ ኣተሃላልዋ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብዙሕ’ዩ ዝተርፈና። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሕረት ዝተኾማጠዐ ስርዓት’ዩ። ኣብ ድሕረት ዝተሸኽለ ስርዓት ከኣ ብቕኑዕ መንገዲ ክመርሕ ኣይክእልን። እኳ ደኣ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ነቲ ድሑር ስምዒታት ክዓሙቕ ሱር ክሰድድ ኣብ ምግባር’ዩ ዝረባረብ። ስለዚ ኣብ ከም’ዚ ኩነታት መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዓዂኹ ክወጽእ ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ ጻዕሪ የድሊዮ።

 

ሕቶ፡- ከም’ቲ ዝበልካዮ እዚ ምጥፋእ መርሆ ዝበሃል ንኹሉ ውድባት ብማዕረ ዘይምልከቶ ክኸውን ይኸእል’ዩ። ግን ይብል ህዝቢ ኣብ ባይታ መብዛሕቲኡ ስሩዕ ውድባዊ ህይወት ዘየሕልፍ፡ ጸላኢ ብዝገብሮ ሓንሳብ ዝረስን ጸኒሑ ዝዝሕል ኣካይዳ ኣለዎ፡ መደባቱ ኣይትግብርን ዝኣተዎ ቃል ኣብ ተግባር ኣይፍጽምን ተባሂሉ’ዩ ዝዝረብ። እዚ ጨሪሱ ሓቅነት የብሉን ናብ ዝብል ዝወስደካ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ግንባራትና ካብ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርካ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በቲ ዝደለ ደረጃ ንቕድሚት ክስጉሙ ኣይተራእዩ። እሞ እዚ ካብ ምጥፋእ መርሆ ወጻኢ እንታይ ፖለቲካዊ መግለጺ ክወሃቦ ይኽእል?

 

መልሲ፡ ደምበ ተቓውሞ ብጠቕላላ ኣብ ምንታይ’ዩ ተሸጊሩ ዘሎ ዝብል ክምለስ ኣለዎ። ደምበ ተቓውሞ ከም ኣሰራርሓ፡ ብሓደ መርሆ ይኸይድ የለን ንኹሉ ዘሰማምዕ ነጥቢ’ዩ። ደምበ ተቓውሞ ከም ደምበ ተቓውሞ ኣብ’ቲ ዘራኽቦ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓደ መርሆ ከይከይድ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ብውሽጣዊ ግርጭታት ይበላላዕ ስለዘሎ’ዩ። ውሽጣዊ ሽግሩ ዘይፈትሐ ወግሓ-ጸብሓ ሕድሕዱ ዝራጋሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንህዝቢ ብቕኑዕ መንገዲ ኣለዓዒሉ ኣብ’ቲ ዝድለ ሸቶ ከብጽሕ ኣይክእልን’ዩ። ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም፡ መንጸብረቕታ ናይ’ቲ ኣብ ውድባት ዘሎ ዘይምስምማዕ’ዩ። እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቲ ውድዕነት ብሓደ ኣንፈት ይደፍኦ የለን። ድሕሪ’ቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ኣስመራ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ብ3 ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላፐንዱዛ ዘጋጠመ ጀምላዊ መቕዘፍቲ ናይ ኣማኢት ዜጋታትናን ኣብ ደገ ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ተፈጢሩ’ዩ። ህዝቢ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ናይ’ቲ ስርዓት ዝተገበረ ፈተነ፡ ብቲቪ ኤረ ዝተመሓላለፈ ናይ ለውጢ መቓልሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ደጊፉ ብሓያል ስምዒት ምልዕዓሉ፡ ንጃምላዊ መቕዘፍቲ ግዳያት ላምፐዱዛን ሓዚኑ፡ ብትዕቢት ዝተባዕጠ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ናይ ስርዓት ህግደፍን ተቖጢዑ ተቓውሞኡ ክገልጽ ምብጋሱ ኣወንታዊ’ዩ። እቲ ሓይልታት ነብሱ ወዲቡ ብሓደ ኣንፈት ክኸይድ ስለዘይጸንሐ ግን፡ እቲ ዝተላዕለ ሓድሽ ምንቅስቓሳት፡ ብዝተበታተኸ ኣገባብ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ውህደት ዘይብሉ ብሓደ መርሆ ዘይኸይድ ተቓውሞ ድማ ኣድማዒ ክኸውን ኣይኽእልን።

እቲ ሓድሽ ምስተፈጥረ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግጉይ ተመክሮ ክወጽእ ኣለዎ። ንዕኡ ግደግም የብሉን። ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ሓይልታት ሓቢሩን ተኸባቢሩን ኣንጻር ጸላኢ ብሓብር ዝምክተሎ መርሆ ተኸቲሉ’ዩ ክኸይድ ዝግባእ። ግን ብተግባር ይረአ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ዝጸንሐ ጌጋታት ኣወጸን። እቲ ሓድሽ ዝፍጠር ምንቅስቓሳት ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግጉይ ተመክሮ ስለዘይመሃር፡ ነዊሕ ተጓዒዙ ብተግባር ምስተለሓሐጸ’ዩ ደው ኢሉ ዝርእን ናብ ሓደ ዝመጽእን። ናቱ ውደባ ይፍጠር ጸገም ኣይኮነን። ግን ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ውድባት ብጎቦ ዓይኒ እንዳተጠማመተ ዘይኮነ ተደጋጊፉ ክሰርሕ ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ። ብተግባር ንሪኦ ዘለና ግን፡ እቲ ገለ ብንጽህና ብስምዒት ተደፋፊኡ፡ እቲ ገለ ድማ ኮነ ኢሉ ብዕላማ ኣብ ደንበርበር ይኣቱ። እዚ ብርግጽ ሓጥያት ናይ’ቲ ሓድሽ ምንስቓሳት ኣይኮነን። እቲ ውድባትን ግንባራት ኣቐዲሙ ክፈጥሮ ዝነበሮ ኣንፈት ብዘይምፍጣሩ ስዒቡ ዝመጸ’ዩ። እዚ ጉዳይ ኢደይ ኢድካ ዘድልዮ’ዩ። ናተይ ዓቕምን ኣጽተዋጽኦን እዚኣ’ያ ንስኻ ድማ ክንድ’ቲ ጭቡጥ ዓቕምኻ ዘፍቅደልካ ገለ ኣበርክት ክንብሃሃል ኣይከኣልናን ኣለና። ኣነ ብቑዕ’የ ትብል እንተኾይንካ’ኮ ነቲ ዝደሓረ ዘይበቕዐ ሓውኻ ከተብቀዖ ክትጽዕር’ዩ ዝህልወካ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ነንበይንኻ ጎይኻ ትግብሮ ነገር የለን። ስለዚ እቲ መርሆ ምጥፋእ ኢሎም ዝገልጽዎ ጠቕላላ ነቲ ደምበ ተቓውሞ ማለት ዘይኮነስ፡ እቲ ዝተወደበ ሓይልታት ነቲ ሓድሽ ዝፍጠር ምንቅስቃሳት ኣንፈት ከትሕዞ ስለዘይከኣለ ተበታቲኹ ይኸይድ ስለዘሎ ካብኡ ተበጊሶም ዝብልዎ ዘለው ክኸውን ይኽእል። በዚ መንጽር እንተተወሲዱ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ዝገርም ገለ ሰባት ብሓባር ዝቃልስ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን እንዳሃለወ’ዩ እቲ ምርባሕን ምፍልላይን ዝረአ ዘሎ። እዚ ተመክሮ ናይ ሰውራ ኤርትራ’ዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብዘይ ግዜኡ ክትረክብ ክትብል፡ ናትካ ጉጅለ ክትፈጥር እዚ ዝወለዶ ጸገም’ዩ እቲ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ። ካብ’ዚ ከም’ዚ ዓይነት ዓንቃፍ ኣተሓሳስባ ክንወጽእ ኣለና። ክንወጽእ ድማ ነብስ ወከፍና በታ ዘለትና ዓቕሚ ተኸባቢርና ንቕድሚት ክንደፍእ ኣለና። ዘንኩለን ናይ ኣብ ዙርያ ደምበ ተቓውሞ ኮይነን ኣንጻር ምልኪ ዘቃላሓ ዘለዋ መራኸቢታት ንኣብነት ካብ በበይነን ብሓባር እንተዝሰርሓ ዝያዳ መድመዓ። ተወዳደርቲ ምኾና። ጉባኤና’ውን ብዕምቆት ዝረኣዮን ብውሳኔ ደረጃ ዘመሓላለፎን’ዩ።

 

ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ ካብ ዝተመስረቱ ሰፋሕቲ ግንባራት፡ ኣፍካ መሊእኻ ክትዛረበሉ ዘኽእል ንለውጢ ዝድርኽ ንህዝቢ ዝማረኽ ዕውት መደባት ኣብ ባይታ ኣይተረእየን ዝብል ኣብ ህዝቢ ዝደጋገም መረረታት ኣሎ። ምስ’ዚ መረረ’ዚ ትሰማማዕ ዲኻ መልስኻ እወ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ እንተተብረሃልና?

 

መልሲ፡- መጀመርያ ንህዝቢ ዝማርኽ ሓያል ዝኾነ ስራሓ ተሰሪሑ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን፡ እዚ ሓቂ’ዩ። ምሕዝነት ምስ ተመስረተ ኩሉ ደላዪ ለውጢ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽቲ ወገናትን በብዓቕሙ ኣጽተዋጽኦ ዝገብረሉ፡ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ክረአ ዝጀመረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኔሩ’ዩ። ግን በቲ ዝጀመሮ ኣይቀጸለን። እቲ ፖለቲካዊ ምትእስሳራት ሰፊሑ’ዩ። ንኣብነት ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልካ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስይዊ ለውጢ ክምስረት ተኻኢሉ’ዩ። ኣብ ዓውደ ተግባርን ግን ከም’ቲ ዝበሃል ዘሎ ዘድምዕ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ሕጂ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ንምቛም ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ኣወንታዊ’ዩ። እዚ ኩሉ ግን ናብ ሓያል ኣድማዒ ወቓዒ ሓይሊ ዝተሰጋገረ ኣይኮነን።

 

ሕቶ፡ ብፍላይ ካብ 2001 ንነጀው ዝበዝሕ ህዝቢ ከበሃል ዝከኣል ድልውነት ንለውጢ ኣሎ’ዩ። ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ’ዩ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ጌሩ ኣሎ። እዞም ተጠርኒፎም ዝበሃሉ ዘለው ሓይልታት ግን ከም’ቲ ዝተባህለ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ይረኣዩ የለውን። እቲ ጸገም ናብ ህዝቢ ኣይወርድን። ኣብ’ቲ ላዕሊ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ታሕቲ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ክመዝን ዘኽእሎ ርጡብ ዝኾነ መልእኽቲ ኣይመሓላለፈን። ኣብ መሪሕነታዊ ዓንኬላ’ዩ ተሓጺሩ ዝተርፍ። እዚ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገም’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው። ነዚከ መልስኻ እንታይ’ዩ?

 

መልሲ፡- ብመሰረቱ እቲ ጸገም ነገራት ኣብ ኣወጋግናኦም ዘሎ ጸገም’ዩ ዝመስለኒ። ገለ ጉዳይ ክፍጠሩ እንከለው ይቃልዑ’ዮም። ገለ ከኣ ነዊሕ ይጸንሕ። ህዝቢ ነቲ ኩነታት ክርኢ ክግምግም እንተኾይኑ ግን ሰፋሕቲ መድረኻት የድልዮ። እዚ ኣብ ፍረ ክበጽሕ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ክጉልብት ኣለዎ። ምኽንያቱ ገለ ሰባት ወይ ውድባት ንዕኦም ትምልከት እንተደኣ ኮይና፡ እንታ እዚ ከም’ዚ እንተዝኸውን ወይ ኣብ ከምዚ ጉድለት ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ከተቕርብ እንከለኻ፡ ብዓይኒ ጽልኢ ጌሩ ዝመዝኖ ኣሎ’ዩ። ከም’ቲ ዝተባህለ ኣዐርዩ ምስተቛሰለ’ዩ ዝዝረበሉ። ብኣጋ ኣብ ውሽጥኻ ንምፍታሕ ብርግኣት ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ዝኽየደሉ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ክፈልጥ ርእይቶ ክህብ መሰል ኣለዎ ኢልካ ብወግዒ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምውራድ’ውን ጸገም ኣሎ። ነገራት ምስተ ወድኡ ኣብ ክዕረይሉ ዘይክእሉ ብርኪ ምስ በጽሑ በበመንገዱ ይወርድ ስምዒታት ድማ ይሃሲ። ስለዚ ኣብ መንጎ ውድባት ድዩ ግንባራት ኣፈላላያት እንክፍጠሩ እሞ ኣብ ላዕሊ ንምእላይ ኣብ ዘይከኣለሉ፡ ብወግዒ ብእሩም ኣገባብ ናብ ህዝቢ ክወርድ ሕማቕ ኣይኮነን። ግን ኣብ ኣወጋግና ዘሎ ጸገም ዝፈጠሮ ይመሰለኒ።

 

ሕቶ፡- ካብ ወርሒ ነሓሰ 2013 ጀሚሩ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ንምምስራት ዝተበገሰ ንጥፈታት ኣሎ። እዚ ካብ’ቶም ካልኦት ሰፋሕቲ ግንባራት ብባህርን በሰራርሓን እንታይ ዝፍለ ኣለዎ፡ እቶም ኣብ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበሩን ዘለውን መራሕቲ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዝብል ስም ብምቕያር እንታይ ለውጢ ከምኡ ትጽቢት ይግበር?

 

መልሲ፡- ምቛም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዝተደልየሉ ምኽንያት ካብ’ቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክንድሕን ዝብል’ዩ እቲ ዕላማ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ እዋን ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ኢልና ዝገጠመ ጸገም ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ጸጋጠም ጸገማት ናብ ስቪክ ማሕበራት’ውን ልሒሙ ኣሉታዊ ጽልዋታት ፈጢሩ’ዩ ኣብ እዋኑ። ስለዚ መጀመርያ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ውሽጣዊ ጸገማትና ኣመሓዲርና፡ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓደ ክንሓስብ ብሓደ ክንግምግም ብሓደ ኣንፈት ክንመርሖ ዘኽእለና ባይታ ንምፍጣር’ዩ። ካብ’ቲ ዝጸንሐ ግንባራት ዝተፈልየ እንታይ ለውጢ ከምጽእዩ ንዝብል ሕቶ፡ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ በሰራርሓ ብሓደ ኣንፈት ክንወስዶ ይሕግዝ’ዩ። ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮታት’ውን ክንወጽእ የኽእለናዩ ዝብል’ዩ እቲ ማእከል። ኣቦ-መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ተራኺብና ናይ 6 ወርሒ ገምጋም ኣብ ዝገበርናሉ፡ ናብ ሓያል ወቓዒ ሓይሊ ዘይተሰጋገርናሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፡ ኣበይ’ዩ ጸገምና ርኢና ንምፍትሑ ድማ ጻዕርታት ክንገብር ኣለና ተባሂሉ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ’ዩ። ንቕድሚት ኣብ ዓውደ ተግባር ከመይ ክሰርሕ’ዩ ክፍተን’ዩ። ናብ ምግባር ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጽና ንኸይድ ኣለና። በዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይስጡም ዝተበታተነ ኣተሃላልዋ ክዕወት ኣጸጋሚ’ዩ። ከም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ውዳቤኡ፣ ቻርተሩ፣ ቅዋሙ፣ ቅርጹ፣ ኣሰራርሕኡ፣ መሪሕነቱ ከመይ ይኹን ዝብል ኣቐዲሙ ሓደ ኣገንዝቦ ክተሓዘሉ ኣለዎ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ሕቶ መሪሕነት ማእከል ናይ ግርጭታት’ዩ። ስለዚ ነዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ኣቐዲሙ ክውገኖ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተማእኪሉ ዝኸደሉ ኣገንዝቦን ኣሰራርሓን ምስ ፈጠረ፡ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ድማ ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ጉዳይ ትዝቲ ትረዳዳእ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሰፊሕ ግንባር’ዩ። ናይ ሓደ ወገን ኣይኮነን ናይ ኩሉ’ዩ። ተራን ግደን ፖለቲካዊ ሓይልታት እንታይ ይኹን ተራን ግደን ናይ’ቶም ካልኦት መሻርኽቲ ወገናት’ከ ብልክዕ ክቕረጽ ኣለዎ። እዚ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጸገማት ጽፉፍ ውሁድ ቅድመ ምድላዋት ስለይተገብረሉ’ዩ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝበሃል ምሉእ ግዜኡ ነቲ ግንባር ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ኣባላት ፈጻሚት ካብ 8-9 ኣይበዝሑን። እቲ ካልእ ምሉእ ግዜኡ ዝሰርሕ ኣይኮነን። እዚ ክመዓራረ ኣለዎ። ኣብ ካልእ ክፍልታት’ውን ከምኡ። ኣብ’ቲ ዕጡቕ ክፍልታት ብሓደ ናይ ሓባር ስትራተጂን ወተሃደራዊ ኮማንድ እናተመርሐ ዝረባረበሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። ብሓጺሩ ናይ ተግባር ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና’ዩ እቲ ዕላማ።

 

ሕቶ፡ ብመርሆ ደረጃ ከም’ቲ ዝበልካዮ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ዝተወደቡ’ዮም፡ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት’ውን ስለዘለዎም ንሳቶም ክቀራረቡ ዝጽላእ ኣይኮነን ክስረሓሉ’ውን ኣለዎ። ብተግባር ግን እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዳርጋ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ከመይ ኣሎ ከም መበገሲ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡ ነዚ ክትገልጾ ዝጸናሕካ ከዐውት ዝኽእል ቅሩቡነት ኣለዎ’ዶ?

 

መልሲ፡- እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮታት እናተማህረ ዝመጸ’ዩ። ጸገማት የብሉን ማለት ግን ኣይኮነን። ጸገማት ኣለውዎ’ዮም። እቲ ቃልሲ ቃጻሊ’ዩ። ሕጂ ካልኣይ ኣኼብኡ ጌሩ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት መዚዙ፡ መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻ ሪኣ ኣላ። ብዝተፈላለየ ውሽጣዊ መንቀሊታት ቅልቅል ውጥን ዝብል ጸገማት ግን ኣሎ’ዩ። ክንድቲ ክኸዶ ዝኽእል ክኸይድ ምድፋእ’ዩ። ድሮ ሕጂ፡ እቲ ሰነዳት ናብ ኣባል ፖለቲካዊ ሓይልታት ወሪዱ ክትዕ ክግበረሉ’ዩ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ’ዩ። በቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ መሰረት ተጻፊፉ እንተደኣ ከይዱ ሓጋዚ ተራ ክጻወት’ዩ። ሓያል ጻዕሪ ግን ይሓትት።

 

ሕቶ፡- ደምበ ደለይቲ ደሞክራስይዊ ለውጢ ብሓሳብ ንጸላኢ ስዒርዎ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ባዕላዊ ጸገማቱ ኣብ ምፍታሕን ምጽራይን ግን ኣይተዓወተን። ብወሳኒ መልክዑ ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ ህዝቢ ንለውጢ ድልውነቱ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ተቓሊሶም ከቃልሱ ኣብ ስልጣን ዝደየቡ መራሕቲ ሎሚ ዝወሰንዎ ከየተግብሩ፡ ብቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ስንኩል ምኽንያትት ነቲ ቃልሲ ኣብ ኮለል የንብርዎ ኣለው ዝብል ዘረባ ይስማዕ’ዩ። እዚ ጸገማት’ዚ ንምፍታሕ እንታይ ክገበር ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?

 

መልሲ፡- ከም’ቲ ዝበልካዮ ባዕላዊ ኩነታት በሲሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን ብውሽጣዊ ኩነታቱ ሰጢሙ ኣብ ምኻድ ብዙሕ ይተርፎ። ነዚ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ኣረኣእያታት ዝፈጥሮ’ዩ። ናይ ደሞክራስያዊ ሓድነት ኣገንዝቦታት ኣይጎልበተን ኣሎ። ሓድነትን ደሞክራስን ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ሓድነት ኣብ ድሕረት ኣይትበቁል ኣብ ደሞክራሲ’ያ ትበቁልን ትፈርን። ግቡኡን መሰልን እንተረኺበ’የ ኣና ብምሉእ ዕግበት ዝሰርሕ። ነዚ ዓንቃፊ ኣረኣእያታት ንምልዋጥ ብቐጻሊ ምቅላስ’ዩ። ኣብ ሕብረ-ተሰብና ዘሎ ኣተሓሳስባ መንጸብረቕታ’ዩ እቲ ኣብ ውድባት ዘሎ። እቲ ተቓላሳይ ተስፋ ክቖርጽ የብሉን። ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክቕየር ኣለዎ። እዚ ድሑር ኣረኣእያታት ንብሎ ዘለና ኣብ ዝነቕሐ ሕብረ-ተሰብ ቦታ የብሉን። ኣብ ዘይነቕሐ ሓፋሽ’ዩ ዝሕባእ። ስለዚ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ሕብረ-ሰብና ንምቕያር ጽዑቕ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ምህብ የድሊ።

ሕቶ፡ ዝኽበርካ ብ/ተወልደ ገ/ስላሴ ጸላኢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ዝዓደሎ፡ ሕድሕዱ እንዳተባለዐ ካብ ህዝቢ ተቐባልነት እንዳሰኣነ፡ ናብ ምሉእ ውድቀት ገጹ የመርሕ ኣሎ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣካል ናይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ብህዝቦም ብውድባዊ ተመክሮኦም ብዝያዳ ዝገደሱ ወገናት፡ ጠቕሊሉ ከይወድቕ ተጸጊኑ ክቕጽል ዝጽዕሩ ውድባት ኣለው፡ ነዚኦም እንታይ ክትመኽሮም ትኽእል?

 

መልሲ፡- ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክጽገን ዘይኽእለሉ ውድዕነት’ዩ ዘሎ። እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለው ኣካላት ናይ ኣገንዝቦ ምትዕርራይ ክገብሩ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ኩነታት ብጽገና ዝፍታሕ ነገር ኣይኮነን። ካብ መሰረታዊ ለውጢ ወጻኢ ዝተወሰኑ ሰባት ካብ ስልጣን ብምውራድ ወይ ቦታ ብምቕያር ነቲ ህዝቢ ዘምጸኣሎ ፍታሕ የለን። ኢሳያስን ገለ ካብ ጀነራላት ብምውራድ እቲ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላት ከምዘለዎ ክቕጽል’ሞ ክጥቀመሉ ምድላይ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። እቲ ሓፋሽ ሰራዊት ንጹህ’ዩ። እቲ ወሳኒ ናይ ጭቆና ትካላት ብመሰረታዊ ለውጢ ክቕየር እንተዘይክኢሉ ግን “መለሳ ቆሎ ጥጡቖ”’ዩ።

 

ሕቶ፡ ካብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ከወጻእና፡ እቲ ጽገና ገለ ርእሰ ሓያላን መንግስታት’ውን ከም ዝደልያኦ ገለ ምልክታት ኣሎ’ዩ። ብመሰረቱ እዚ ተዘሪጉ ዘሎ ፖለቲካ ኤርትራ ብጽገና ህይወት ክዘርእ ይኽእል ድዮ?

 

መልሲ፡ ጽገና ብውሽጢ ይበገስ ብደገ ይምጻእ ዘምጸኦ ለውጢ የለን። ጽገና ነቲ ሕመረት ወይ ኮር ናይ’ቲ ሽግር ክውግዶ ኣይክእልን። ጽገና ንግዝያዊ ጠቕምታት ናይ’ቶም ተዋሳእቲ ዘገልግል ደኣምበር ቀጻሊ ረብሓ ናይ’ቲ ሓፋሽ ማእከል ዝገበረ ኣይኮነን። መሰረታዊ ረብሓታት ናይ’ቲ ሓፈሽ ዘይገበረ ለውጢ ድማ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ናይ ምብርዓን ዕድል ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተገበረ ፈተነ ቀሊል ኣይነበረን። ክንደይ ዋጋ ተኸፊልዎ ኩሉ ዝተዓዘቦ’ዩ። ብተግባር ናበይ የምርሕ ኣሎ ድማ ዕለታዊ ንከታተሎ ዘለና’ዩ። ካብ’ዚ ትምህርቲ ክውሰድ ዘለዎ ይመስለኒ።

 

ሕቶ፡ ሰራሕን መራሕን ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ብባህሪኡ ጽገዕተኛን ዕሱብን ምዃኑ ፍልጥ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገምገም ውድቀት ምስ በጽሐ ኣብ ውሽጡ ዳግመ ውደባ ክገብር፡ ምንዳፍ ቅዋም ክጅምር ምስ ዓለም ድማ ተዓጻጺፉ ክሰርሕ ከምዝኾነ ገለ በጨቕታ የስምዕ ኣሎ። ጽገና ንህግደፍ ደኣምበር ንህዝቢ ከምዘይጠቕም ድማ ርዱእ ነገር’ዩ። ነዚ ዓጺፍካ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክገበር ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?

 

መልሲ፡- ብመሰረቱ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ደሞክራስያዊ ሃዋህው’ዩ ዝንደፍን ዝጸድቕን። ደሞክራስያዊ ሃዋህው ኣብ ዘይብሉ ደሞክራስያዊ ቅዋም ክቕረጽ ኮነ ክጸድቕ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ቅዋም 1997 እንዳበሉ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ሃውህው ኣብ ዘይብሉ ሰብ ሸለብ ገለብ እንዳበለ እንከሎ’ዩ ተቐሪጹ። ህዝቢ ገለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገለ ናይ ሕልና እሱር እንዳሃለወ ቅዋም ኣይንደፍን ኣይጸድቕን። ነቲ ቅዋም ዘይትገብሩ ዝብል ካብ ደገ ዝመጾ ተጽዕኖታት ኣፎም ንምዕባስ ኢሉ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝገበሮ’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ካልእ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ብኸምዚ ሰብ ከተልል’ውን ዝከኣል ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ተወልደ ገ/ስላሴ ዘየልዓልናዮ ገለ ክትብሎ ትደሊ ሓሳባት እንተለካ ዕድል ክበካ?

 

መልሲ፡- ኣነ ክጠቕሶ ዝደሊ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ታሪኻዊ መልእኽቲ’ዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጫፍ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝተሃርመ ደወል’ዩ ብናተይ እምነት። ነብስ-ወከፍ ዜጋ ብኽብደት ክሓስብ ብኡ መጠን ከኣ ሓላፍነት ክስከም ዝጽውዕ ቃጭል’ዩ። ሃይማኖታዊ እምነቶም ማእከል ጌሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ምርብራብ ከምዘድሊ ዝሕብር’ዩ። ስለዚ ነዚ ክንለዓዓል ኣለና። እምነት ንገዛእ ርእሱ ክሰርሕ እንተኾይኑ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ እምነተ ሃይማኖት ክህሉ መጀመርያ ሰብ ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኖም ንህይወቶም ከይሰስዑ ብድፍረት ከም’ዚ ዝበለ መግለጺ ከውጽኡ እንከለው በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ዘመልክት’ዩ። እቲ ከባቢ 100 ዓመት ሃገር ንኽትህልወና ዝገበርናዮ ቃልሲ ባዶ ዘትርፍ ሃገር ከይህልወና ዝገብር ውድዕነት ይፍጠር ኣሎ ኢሎም’ዮም ዘእውዩ ዘለው። ስለዚ ነዚ ንምዕዋት ኩሉ ግዱስ ክረባረብ ኣለዎ እብል።

 

ብ/ተወልደ ንስለቲ ዝሃብካኒ ሃናጺ ሓሳባት ኣመግነካ። የቐኒየለይ።

ኣነ’ውን ንስለቲ ርእይቶይ ክህብ ዝተዋህበኒ ዕድል ደጊመ ኣመስግን።

ወርሒ ሓምለ 2014

Last Updated on Monday, 25 August 2014 18:12
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 88 guests online