www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ዓመታዊ ሱሩዕ ኣኼባ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ
ዓመታዊ ሱሩዕ ኣኼባ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ
Wednesday, 29 October 2014 19:22

ማእከላይ ሽማግሌ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ (ደውብኤ) ብዕለት 25.10.2014 ዓመታዊ ሱሩዕ ኣኼባኡ ብኣካልን ብሳይበርን ገይሩ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ።

ማ.ሽ.ደ.ው.ብ.ኤ ኣህጉራውን ከባብያውን ውድባውን ኩነታት ብዕምቆት ገምጊሙ። ህልዊ ኵነታት ሃገርና ብዝምልከት ብፍጥነት ዘንቖልቁል ዘሎ ቁጠባዊ ሃለዋት ካብቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ሪአዩ። ምስ`ዚ ተኣሳሲሩ ፋሽስታዊ ስርዓት ንስልጣኑ ክብል፣ ንህዝብታትና  ከም ጅሆ ሒዙ፣ብቁተባን ሓይሊ ጸጥታን ደቁሱ ከይኣኽሎ ብፍላይ ንመንእሰይ ዳባዊ ኵናት ኣሳቢቡ ግፋን ዓስክርነታዊ ግላነትን ድቓስ ከሊኡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሉ ንዝወጽእ ዘሎ ኣብ

ስደት'ውን ፍታሕ ስለ ዘይርከብ "ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት" 'ዩ እሞ ደው ኢሉ ክምክት ጸዊዑ። ። አዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ገበን ስለ ዝኾነ ብሕብረተሰብ ዓለም ተፈሊጡ ክኹነን ምስ ሽማግሌ ሰብኣዊ መሰላት ትፍትሽ ናይ ሕ.መ. ኩሉ ሃገራዊ ኣብ ዊሽጥን ወጻእን ዝነብር ጭቡጥ ገበናት ዝረኣየን ዝወዓለን ክሕብር ተማሕጺኑ።

 

ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓዉሞ ኣብ መንጎ ተቃለስቲ ሓይልታት ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ዘሎ ሕጽረታት ርእዩ። እቲ  ኣብ ዝተፈላለይ ግዜ ኣብ ሞንጎ ደንበ ተቓዉሞ ዝረኣዩ ካልኣዊ ግርጭታትን ብሽምግልናን ልዝብን ኣወጊድና፣ ብዝተሓተ (ሚኑሙም) ሓባራዊ ቻርተር ኣብ ንቐመጠሉ ሃገርን ዞባን ክንሃንጽ ሎሚ ብሱል ባይታ ከም ዘሎ ተገንዚቡ። ብፍላይ ኣብ ተቓዉሞ ዘለዋ ብሄራት፣ ሓባራዊ ፖሎቲካዊ ግንባር ክኽቀዉማ ጸዊዑ።

ኣብ ምድሪ ብሄረ ብሌን ኣብ'ዚ ዓመት እዚ ጥሜትን ሕማምን ምስ`ዚ ተኣሳሲሩ ብብዝሒ ትሕቲ ዕድሜ ንስደት ይኸዱ  ከም ዘሎው ዘኸትሎ ብርሰትን ናይ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዓቢ ሻቕሎት ትገንዚቡ ደ.ው.ብ.ኤ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ብሌን ንድርብ ቓልሱ ብንቕሓት ክትንስእ ጸዊዑ።

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ (ደ.ው.ብ.ኤ) ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝምዕብል ህዝባዊ ቓልሲ'ዩ። ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ጸረ ፋሺስታዊ ስርዓት ኣብ ዝግበር ተቓውሞ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክካፈል ጸንሑ ነዚ ክቅጽሎ ኣስሚሩ። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ግንባር ዘይምህላው ብዙሕ ከም ዘሻቕሎ ተገንዚቡ ነዚ ንምዕዋት ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ግቡኡ ክገብር ኣብ ዞባዊ ይኹን ከባብውያዊ ብትግሃት ክነጥፍ ኣስሚሩ።

ቅድሚ መግዛእትታትን  ገድልን ኣብ ማእኸል ዓድን ወረዳን ኣውራጃን እምነትን ጽልእን ቅርሕንትን ኣይነብረን። ኣቦታትና ብዙሑነት ምቅባልን ጸጋታት ብዘይ ኣድልዎ ምምቅራሕን ጽቡቕ ባህሊ ነብሮም። እዚ ጽቡቕ ባህሊ ክዕወት ማእከላይ ሽማግሌ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ (ደውብኤ) መሰረት ደሞክራሲ መሰል ብሄር ምእማንን ንብዝሕነትና ዘነባብር መንግስቲ ከኣ ፈደራላዊ ምሕደራ ሙዃኑ እስሚሩ። ብዘይ'ዚ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዝይረእየ ከኣ ክጽንዖ ወሲኑ።

ማ.ሽ.ደ.ው.ብ.ኤ (ደውብኤ) አቲ ብህዝቢታትና አንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ኣንጻር ፍሽስታዊ ስርዓት ብግሉጽ ይኹን ብስዉር ዝግበር ተቓዉሞ ኣሞጊሱ። ብፍላይ ኣቡናት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክን ሓምሽተ ገዳምት ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶን ኣብ ትሕቲ ፋሺስታዊ መንግስቲ ኮይኖም ንዘቅርብዎ ዘለዉ ተባዕ ተቓውሞ ደጊፉ፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሊ.ጳ. እንጠንዮስ ክይግድዑ ኣብ ጎኖም ድው ክብል ጸዊዑ።

እዚ ኣዋርሕ እዚ ናይ በስክዲራን ዖናን ህልቒት ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመሉ'ዩ። ቀጻሊ ብርሰት ከም ዘሎ ናይ ላምፓዱሳ ኣብነት'ዩ። ሰማእታትና ምዝካርን ደጊሙ ከይመጽኣና ክንመሃረሉን ኣዘኻኺሩ።

ማእከላይ ሽማግሌ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ (ደውብኤ) ዘካየዶም ስራሓት ድሕሪ ምግምጋሙ ሓደስቲ መደባት ሓንጺጹ፣ ብዓቢ ፍናንን ሓድነትን ተወፍዩ ከስርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ኣኼባ ብጽቡቅ ዛዚሙ፣ ከምቲ ንቡር ብዝክረ ሰማእታት መደቡ ዓጽዩ።

ዓወት ንህዝብታት ኤርትራ!!!

ውድቀትን ሞትን ንፍሽስታዊ ስርዓት!!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት ሃገርና ኤርትራ !!!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ (ደውብኤ)

Last Updated on Wednesday, 29 October 2014 19:31
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 59 guests online