www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news መግለጺ
መግለጺ
Tuesday, 01 February 2022 21:26

ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ

 

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ከቢድን ዘስካሕክሕን ውግእ፡ ብሕቡራት ሃገራትን (UN) ብካልኦት ማሕበራዊ መድያታትን ይቃላሕ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ህዝብታት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራዎት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ክኸይድ ዝጸንሔን ዝኸይድ ዘሎን ህልቂት፡ ኣዝዩ መሪርን ዓሚቝን ሓዘን ከም ዝተሰመዓና ንገልጽ።

በዚ ጭካኔ’ዚ ንዝሓልፍ ዘሎ ህይወታት ሰላማዊ ዕረፍቲ፡ ንስድራ-ቤታትን ትካላትን ድማ ጽንዓት ንምነ። ንፈጸምቲ ገበናትን ተሓባበርትን ኣጥቢቕና ንኹንን።

ብመንጎኛን ነጻን ኣካል ተጸኒዑ ፈጸምትን ተሓባበርትን ናብ ቤት-ፍርዲ ብምቕራብ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክፍጸም ነማሕጽን።

ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ተሓላቒን (UNHCR) ከምኡውን ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላትን ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ፡ ህይወት ንምድሓን ዘድሊ ዘበለ ብህጹጽ ሓገዛቶም ከቕርቡ ንጽውዕ።

To continue choose the language you wish from the link...

Tigrigna.PDF

English.PDF

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 247 guests online