ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ |
Thursday, 01 June 2023 16:04 |
ሰላምታ
1. ፍቁራን ደቅናን፣ መላእ ሕዝብናን፡ ኵልኹም ደለይቲ ሰላምን፣ ካብ እግዚኣ ብሔር ኣቦናን፣ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ነኣኻትኩም ይኹን 1 ። ኢየሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ ጽልኢ ብምፍራስ፣ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ዝገበረ ሰላምና 2፣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ” ዘተዓረቐና፣ ነቶም ርሑቓት ዝነበሩ ሰላም ዘበሠረ 3 ንሱ እዩ። ሕጂ ውን ነቲ ዓለም ኪህቦ ዘይኽእል ሰላሙ ዘተስፈወና ኢየሱስ፣ ሰላሙን ጸጋኡን ምሳኻትኩም ይኹን ፣ ብዚብል ቃል ሰላምታን ምርቓን4 መልእኽትና ንሰደልኩም። እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሠአ፣ ብትንሣኤኡ ንሰማይን ንምድርን ማለት ንሰብን ንኣምላኽን ዘተዓረቐ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቡራኬኡ የፍስሰልና፣ መንፈስ ዕርቂ የውርደልና፣ ኣብ ዚ እዋን ዚ ትንሣኤኡ እነኽብርን እንዝክርን ዘሎና ጐይታ፣ ድሕር ቲ ሥጋዊ ሞትና፣ ናይ ትንሣኤና ተስፋ ዚህበና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ዚ ሕይወት ዚ ከቢቡናን ብዝተፈላለየ መልክዑን ኣገባብራኡን ዚፃረረናን ዘሎ ሓይሊ ክፍኣት ከም ንዕወተሉ ርግጽነት ዘጨብጠና ውን እዩ።
ቀጺልካ ንምባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት PDF ጽዓን
|
Last Updated on Thursday, 01 June 2023 16:22 |