ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን 2023 |
Wednesday, 29 November 2023 17:46 | |||
ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።
ምሉእ ትሕዝቶ ክተንብቡ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link
|
|||
Last Updated on Saturday, 23 December 2023 16:57 |