www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news 1 ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
1 ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
Monday, 18 March 2024 15:07

ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ካብ 05 ክሳብ 07 መጋቢት 2024
ዓ.ም. መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ላዕለዋይ ባይቶ ኤስሃግ ኣብ ኣኼብኡ፡ ህሉው ዓለማዊ
ዞባውን ከባቢያውን ኩነታት፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ጽልዋ ፈቲሹ። ንሃገራዊ ኩነታትና
ብዝምልከት ድማ፡ ህልው ኩነታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብሓደ ወገን፡ ህዝብና ዘሕልፎ
ዘሎ ሕሱም ሂወት ድማ በቲ ካልእ ወገን ብስፍሓት ተማያይጡ፤ ገምጋሙ ኣንቢሩ። ኩነታት
ደምበ ተቓውሞ/ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ከም ዝርከብ ፈቲሹ። ኣብ መስርሕ
ህዝባዊ ቃልስና፡ ህዝብና ኣንጻር ጨካንን ደመኛን ጸላኢኡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡
ተቓሊሱ ከይዕወት፡ ብኣንጻሩ ዝወርዶ ዘሎ ዝኸፍአ ኣደራዕ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ
ክቕጽል ዝገብር ዘሎ፡ ናይ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ድኽመታት ፈቲሹ። ኤስሃግ
ከም ኣካል ኣምሳል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘለዉዎ ውሽጣዊ ሕጽረታትን ዘጋጠሙዎ
ብደሆታትን ገምጊሙ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን።PDFLink.

Last Updated on Monday, 18 March 2024 15:40
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 119 guests online