www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news
Blina Blog
ብምኽንያት መይ-ደይ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ-ሸቃሎ፡
Wednesday, 01 May 2024 15:09

ሎሚ፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሸቃሎ፡ ንመበል 131 ግዜ ትኽበር ኣላ። ታሪኻዊት ዕለት ግንቦት ሓደ (May-Day) ንቃልስን መስዋእትን ሸቃሎ ዓለምና ንምዝካር ዝተሰየመት'ያ። ሸቃሎ/ሰራሕተኛታት ኤርትራ'ውን ከም ኩሎም ካልኦት ሸቃሎ ዓለም፡ ክብርቲ ባዓሎም ብምዃና፡ ኣብ ክሊ'ቲ ዘሕልፉዎ ከርፋሕ ሂወት ኮይኖም እናዘከሩዋ ጸኒሖም እዮም። ሎሚ'ውን ኣብ ፍሉይ  ኩነታት ኮይኖም የብዕሉዋ ኣሎዉ።

 

ቀጺልካ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቐለበት ጽዓን፣ PDF link

Last Updated on Wednesday, 01 May 2024 15:25
 
ድሕነትና ብስሙር ቅልጽምና!!
Tuesday, 09 April 2024 16:05

ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ዝላቐቕ ኣነሆ 33 ዓመታት ክመልእ ሰሙናት ተሪፍዎ ኣሎ። እዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ግን ንለበዋታት እቶም ዝተሰውኡን ንባህግን ተስፋታትን እቶም ብህይወት ነጻነት ዝረኣዩን ዜጋታትና ዝምጥን ከም ዘይነበረ ብግብሪ ዝተራእየለን ዓመታት ምዃነን ዓለም ዝመስከረሉ ሓቂዩ። ዝተሰደዱ ናብ ሃገር ዝምለሱሉ፡ ዝጠመየ ዝዕንገለሉ፡ ልዕልነት ሕጊ ዝረጋገጸሉ ኮታ ከም ዜጋ ብሰላም ወጺኡ ብሰላም ዝነብረሉ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣስ ካብዚ ኣረሜናዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ይሓይሽ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ዜጋታት ከምዘለዉና ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቐለበት ጽዓን፣ PDF link.

Last Updated on Tuesday, 09 April 2024 16:36
 
1 ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
Monday, 18 March 2024 15:07

ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ካብ 05 ክሳብ 07 መጋቢት 2024
ዓ.ም. መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ላዕለዋይ ባይቶ ኤስሃግ ኣብ ኣኼብኡ፡ ህሉው ዓለማዊ
ዞባውን ከባቢያውን ኩነታት፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ጽልዋ ፈቲሹ። ንሃገራዊ ኩነታትና
ብዝምልከት ድማ፡ ህልው ኩነታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብሓደ ወገን፡ ህዝብና ዘሕልፎ
ዘሎ ሕሱም ሂወት ድማ በቲ ካልእ ወገን ብስፍሓት ተማያይጡ፤ ገምጋሙ ኣንቢሩ። ኩነታት
ደምበ ተቓውሞ/ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ከም ዝርከብ ፈቲሹ። ኣብ መስርሕ
ህዝባዊ ቃልስና፡ ህዝብና ኣንጻር ጨካንን ደመኛን ጸላኢኡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡
ተቓሊሱ ከይዕወት፡ ብኣንጻሩ ዝወርዶ ዘሎ ዝኸፍአ ኣደራዕ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ
ክቕጽል ዝገብር ዘሎ፡ ናይ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ድኽመታት ፈቲሹ። ኤስሃግ
ከም ኣካል ኣምሳል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘለዉዎ ውሽጣዊ ሕጽረታትን ዘጋጠሙዎ
ብደሆታትን ገምጊሙ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን።PDFLink.

Last Updated on Monday, 18 March 2024 15:40
 
ፖሓኤ ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣኻይዱ
Monday, 12 February 2024 06:39

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ10 ለካቲት 2024 ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ናይቲ መድረኽ ዕላማ ኣኼባ፡ ሕድሕድ ምልላይ  ኣባላትን ንናይ ሓባር ቃልሲ ምብጋስን ምዃኑ ኣፋሊጦም። ስዒቡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣቶ ገርዝግሄር ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ፖሓኤ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንከጽሕ ዝሰገሮም ብደሆታትን ዘመዝገቦም ዓወታትን ጠቒሱ፡ ኣብ ዝዓለሞ ንምጻሕ ዝጽበዮ ዘሎ ቃልሲ ብዝምልከት’ውን ኣብሪሁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ናይ URL link ጽዓን።

 
Eritreas disappeared citizens.
Tuesday, 06 February 2024 14:29

Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens
in Eritrea since 1991.

To read the full list click on this PDF link.

Last Updated on Tuesday, 06 February 2024 14:47
 
1 ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚተ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)
Monday, 08 January 2024 20:03

ፈጻሚት ኮሚቴ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ካብ ዕለት 02-03 ጥሪ 2024 ካላኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ ።
ኣብ'ዚ ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሓት ንግንባራዊ ሂወት ፡ ሃገራዊ ፣ ከባቢያውን ዓለማውን
ጉዳያት ኣመልኪቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ ። ኣብ'ዚ ኣኼባ’ዚ ፡ ኩነታት ግንባርናን ዝሓለፎም ጉዕዞታትን ፡ ሃገራዊ ፡ ከባቢያውን
ዓለማውን ኩነታት መሰረት ጌሩ ፡ ዓሚቕ ገምጋማት ኣካይዱ ፤ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲኑ ፤ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባቱ
ሓንጺጹ ።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት PDF ጽዓን 

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 63 guests online