ገዲም ተጋዳላይ ገብረመድህን መሓሪ (ወዲ መሓሪ) |
![]() |
![]() |
![]() |
Friday, 07 March 2014 19:27 | |||
ገዲም ተጋዳላይ ገብረመድህን መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ዓሪፉ ምስ ሰማዕና ብዙሕ ሓዚና። ደንበ ፍትሒ ተሞኩሮ ዘለዎን ዉፉይን ተቓላሲ ጠፊኢና፣ ብዓቢኡ ከኣ ንስድራቤቱን ንመቓልስቱን ፍለጥቱን ከቢድ ሓዘን'ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ሓዘና እናገልጽና ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ቀጺሉ ናይ ስድራ ቤት ሓብሬታ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘርኢ ኣሎኩም። ገዲም ተጋዳላይ ገብረመድህን መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሕማማ ፣ ዕለት 03-03- 2104 ኣብ ከተማ ማንሃይም ሃገር ጀርመን ዓሪፉ፡፡ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ንዕለት 11-03-2014 ሰሉስ መዓልቲ ኣብ Gnadenkirche, Karlsternstr.1 68305 Mannheim ካብ ሰዓት 10፡00 ጀሚሩ ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ፡ ስዒቡ ሰዓት 12፡00 ሓመድ ኣዳም ዝለብስሉ ኣብ Waldfriedhof Waldpforte 144 68305 Mannheim እዩ። (መቓብር ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እዩ። ) ሓብሬታ፡
ኣብ Waldhof Bahnhof ትወርዱ፡ ካብኡ ኣውቶቡስ ቁ. 53 ወሲድኩም ኣብ Freilicht-Bühne ትወርዱ።
ኣጋይሽና ንቕበለሉ ቦታ ፡ Eigene Scholle 27
68305 Mannheim እዩ።
ስድራ ቤት ገብረመድህን መሓሪ
|
|||
Last Updated on Friday, 07 March 2014 19:39 |