www.blina.org

You are here:   Home Blog Tigrigna/ትግርኛ ግዝያዊት ሽማግለ ሆደ ሙርቛ ብሊን ርክብ ምስ ህዝቢ ኣካይዳ።
ግዝያዊት ሽማግለ ሆደ ሙርቛ ብሊን ርክብ ምስ ህዝቢ ኣካይዳ።
Thursday, 06 January 2011 01:29

ብዕለት 25-12-2010 ግዝያዊት ሽማግለ ሆደ ሙርቛ ብሊን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ፓልቶክ ሞዳይና ሰዓት 21፣30 ማእከላይ ኤዉሮጳ ኣቆጻጸር ምስ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝነብሩ ኤረትራውያን  ንመጀመርያ ግዜ ዕውት ርክብ ኣካይዳ።

እቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ ርክብ ምምስራት ቀዳማይ ዓመት ሆደ ሙርቛ ብሊን መሰረት ዝገበረን፡ ብሄራዊ ውድብና ምስ ካልኦት ብሄራውያንን ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት ኵና ንስርዓት ህግድፍ ንምስዓር እነካይዶ ስርሐት እንታይ ይመስልን ነቲ ንኽካየድ ብህዝብና ዓቢ ተስፋ ዝተነብረሉ ንኩሉም ክፍልታት ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዋዕላ ተራና እንታይ ይመስል ንምብራህ ዝዓለመ ርክብእ`ዩ ነሩ።

ግዝያዊ ኣቦ-ወንበር ኣቶ ጎይትኦም ክፍሎም ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት  ሆደ ሙርቛ ብሊን ንኩሎም ኣብ ደንበ ሞዳይናን ዕጡቅ መንእሰይን ምሳና ሐቢሮም ከምስዩ ንዝመጹ ኣሕዋት እንቋዕ ብደሐን መጻእኩም ብምባል ልባዊ ምስጋና አቅሪቡ፡፡ ቀጺሉውን ንውድብና ምምስራት ቀንዲ ምኽንያት፡ እዚ ኣብ ሃገርና ብሐይሊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ህግድፍ፡ ካብ 1991 ንመስርሕ ዲሞክራሲ ዓፊኑ፡ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ተሐታትነትን ዘይብሉ፡ ብሕታዊ ንረብሓ ውሑዳት ደው ዝበለ መንግስቲ ስለዝመስረተ፡ ካብኡ ዝመንጨወ ሕሰም ብዘይካ ተወዲብካ ምቅላስ ካልእ አማራጺ አይነበረን ኢሉ። ህዝቢ ብሊን ምስ ኩሎም አሕዋቶም ህዝብታት ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይከፈልዎ ዋጋ አይነበረን፡፡ሎሚ አብ ገዛእ ሃገሮም ካብ መሬቶም ተፈናቂሎም።ንዝሰፍሔን ዝለምዔን ንመንግስቲ ተባሂሉ ክምንዛዕን ዝተረፈ መሬት ሐረስታይ ንላዕለዎት ሐለፍትን መሳርሒ ህግድፍ ክዕደል ተገሩ፡፡

ነቲ ንዘመናት ካብ ወለዶ ንወለዶ እንዳተወራረሱ ዘልምዕዎ መሬት ተሐዲጎም አብ ቦትኡ እዚ ተወሲኑልካ እዩ ተባሂሎም ኣብቲ ዝተቆራረጸን ብዙሕ ጉልበትን ጻዕርን ዝደሊ ብሽም ዕደላ ብግዲ መሬት ከምዝቅበሉ ይግበር አሎ። ካልእ ከምመተካእታ ዝቅረበሎም መማረጺ አብ ጋሽን ባርካን ብዝተጸንዔ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ከምዋና ዘይብሉ ሰፍሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንመጣየሲ መንግስቲ 2000 ናቅፍ ክህበኩምእ`ዩ ተባሂሎም ካብ ዓዲ አቦታቶም ክፈናቀሉን ቋንቁኦምን ባህሎምን ታሪኾምን አገባብ አነባብርኦምን መንነቶም ከሐድጉን ጠቅሊሎም አብ ናይ ተጸባይነት ስደትን ምብትታን ሂወት ክአትው ይግደዱ አሎው ኢሉ።

ቀጺሉውን እዚ ሕሱም አተሃላልዎ ዝፈጠሮ ምረትዩ ሆደ ሙርቛ ብሊን ክምስረትን ሐኒኑ ክቃለስን ዝመረጽና። ንሕና ብሄራዊ ውደባ ብምክያድና ስለምንታይ ብሄራዊ ውደባ ተካይዱ እዚ ንዳሕራይ ጸገምዶ አየምጽእን ዝብላ ሕቶታት ይለዓል እዩ።ህዝብታት ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዉያን ገዛእቶም ዘካየድዎ መሪር ቃልሲ ዝተጠቀሙሉ ኣገባብ ዉዳባ ናይ ቃልሲ ሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ዉደባ እዩ ነሩ።ናይዚ ምኽንያት ድማ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኩሎም ብሄራት ኤርትራ ብሓፈሻ ይገዝኦም ስለ ዝነበረ እዩ።ብዛዕባ ብሄራዊ ውደባ ዝምልከት ኣፍልጦ ይኹን ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ይረኽቡ ስለ ዘይነበሩ ነዚ ዝምልከት ፖለቲካዊ ንቕሓት ከይወነኑ እዮም ባዕዳዊ ጸላኢ ኣባሪሮም ሃገራዊ ነጻነቶም ክጓናጸፉ ዝኸኣሉ።ኣብዚ ህልው መድረኽ ሓርነታዊ ቃልስና ሕቶ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኣብ ኤርትራ ውዕዉዕ ፍትሐዊ ሕቶ እዩ።በየናይ መገዲ ይምጻእ ብዘየገድስ ጭቆናን ምልክን አድልዎን ክሳብ ዝሃለወ ጸረ-ጭቆናን ምልክን ኣድልዎን ዝካየድ ቃልሲ ፍትሐዊ እዩ ኢሉ። ድሕሪ መእተዊ እቲ ዕድል ንተሳተፍቲ ፓልቶክ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተዋሂቡ።
ካብቶም ዝቀረቡ ሕቶታት ገለ ንምጥቃስ።

1 ሆደ ኣልዒልዎ ዘሎ ብሄራዊ ዓይነት ውደባ ወይ ናይ ብሄር ሕቶ፡ ምስቶም ብሃገር ደረጃ ተወዲቦም ዝቃለሱ ሐይልታት ብኸመይ ገርኩም ሐቢርኩም ትቃለሱ?
2 አብ ከተማ ከረን ሸውዓተ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ይነብሩላ ብሊን ናይ በይንኹም ውደባ ክተካይዱ ዝተመረጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
3 ናይ መሬት ሕቶ ሐደ ካብቲ ቀንዲ ኣሰሓሓብን ዝተሐላለኼ ጉዳይ እዩ እሞ ሆደ ነዚ ብኸመይ ክፈትሖ ኢዩ?
 
ዝብሉን ካልእ ኣገዳስቲ ሕቶታትን ርእይቶን ነቀፈታዊ ደገፍን ከምእውን ብጣዕሚ ካብ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ ደገፍን መተባብዒን ሐሳባት ቀሪቦም።  ልክዕ ሰዓት 4፡30 ብኣቆጸጽራ ማእከላይ ኢይሮጳ አብ ካልእ አጋጣሚ ክሳብ ንራኸብ ብምባል ኣኼባና ብጽብቅ ተዛዚሙ።

በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ናይ ፓልቶክ ባይቶ እናጸዋዑ ንህዝብና ንካልኣዊ ጸገማቱ ብዘተ ክፈትሕ፣ ፍትሕን መሰልን ክነግስ በብግዜኡ መደብ እና ሰርዑ፣ ንዝጽዕሩ፣ ብሓፈሻ እናመስገና፣ ብፍላይ ድማ ንገዛ ሞዳይናን ነቶም ብሕቶን ብርእይቶን ብለበዋን ዘሀብተሙና፣ ምስና ዘማሰዩ፣ ድማ ብዙሕ ነመስግን።
  
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ብሄራዊ ቓልሲ ይዓንብብ
ክፍሊ ዜና  05.01.2011

Last Updated on Tuesday, 18 January 2011 21:10
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 246 guests online