ጋዜጣዊ መግለጺ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ |
Blina News -
brk/news
|
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብወርሒ ለካቲት 2020 ብዕድመ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል ኣካያዲ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራ ክብገስ እንከሎ፡ “ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ድምጽን ተግባርን ደምበ ተቓውሞ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽ እዩ።
ቀጺልካ ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። URL link
|
መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ንዝኽሪ ግዳያት ኤርትራውያን ፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ 03 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. |
Blina News -
brk/news
|
ጥቅምቲ 03 ፡ ኣብ ታሪኸ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ፈጺማ ዘይትርሳዕ ጸልማት ዕለት እያ ። ልዕሊ 365 ኤርትራውያን፡ ንማአከላይ ባሕሪ እናቖረጹ ፡ ኣብ'ታ ዝተሳፈሩላ ጀልባ ብዝተላዕለ ባርዕ ፡ ብነበልባል ሓውን ናብ ባሕሪ ብምጥሓልን ፡ ብቕጽበት ዝሃለቑላ ዕለት እያ ። በዚ ዘሕዝን መቕዘፍቲ'ዚ ድማ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ መንግስታትን ማሕበረ-ሰብን ዓለም ፡ ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ዝተሸመሙላ መራር ናይ ጸልማት ዕለትውን'ያ ። ብኣንጻሩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዜጋታትና ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ፡ 'ስደተኛታት ኣፍሪቃ' ብምባል ፡ ኤርትራውነቶም ዝኸሓዱላ ዕለት እያ ። ካብ ሰብኣውነት ንላዕሊ፡ ምስልን ፡ ክብሪ ስርዓቱ ምሕላው ዝዓጦ ጨካን ስርዓት ኢሳያስ-ህግደፍ ፡ ነቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሂወቶም ብሰላም ናይ ምምራሕን ሰሪሖም ናይ ምንባርን ዕድሎም ኣጸልሚቱ ፡ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዘገደዶም ዜጋታት፡ ከም ኤርትራውያን ኣፍልጦ ክህቦም ፍቓደኛ ኣይነበረን ። ልዕሊ’ዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤተ-ሰብ ግዳያት ደማ ብፍላይ ፡ ዘይሓዊ ቁስሊ ዘዕረፈ ፡ ኣብ መሬት ዓዶም ሓመድ ድበ ዝለብሱሉ ዕድል ፈጺሙ ምንፋጉ እዩ ። ስለዝኾነ'ውን፡ ኣብ ዓዶም ብሂወት ናይ ምንባር ዕድል ዝተሓረሞም ወገናትና ፡ ብዘሰቅቕ ምስ ተቐዝፉ ድማ፡ ሓመድ ድበ ዓዶም ተኸልኪሎም ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬት ዓዲ ጣልያን ኣብ ጊዝያዊ ጎዳጉዲ ክጸንሑ ግድን ኮይኑ ምህላዉ ዘደቅስ ኣይኮነን ።
ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። PDF link |
ዕድመ ንዝኽሪ 1 መስከረም 1961 ኣብ ዙም። |
Blina News -
brk/news
|

ዕድመ ንዝኽሪ መበል 62 ዓምት ሓደ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ገድሊ ህዝበ ኤርትራ ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ።
ዝያዳ ሓበረታ ኣብ ዝስዕብ ቀለበታት ጽዓን ፣ብትግርንኛ
ብዓረብ(Arabic) |
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ |
Blina News -
brk/news
|
ሰላምታ
1. ፍቁራን ደቅናን፣ መላእ ሕዝብናን፡ ኵልኹም ደለይቲ ሰላምን፣ ካብ እግዚኣ ብሔር ኣቦናን፣ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ነኣኻትኩም ይኹን 1 ። ኢየሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ ጽልኢ ብምፍራስ፣ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ዝገበረ ሰላምና 2፣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ” ዘተዓረቐና፣ ነቶም ርሑቓት ዝነበሩ ሰላም ዘበሠረ 3 ንሱ እዩ። ሕጂ ውን ነቲ ዓለም ኪህቦ ዘይኽእል ሰላሙ ዘተስፈወና ኢየሱስ፣ ሰላሙን ጸጋኡን ምሳኻትኩም ይኹን ፣ ብዚብል ቃል ሰላምታን ምርቓን4 መልእኽትና ንሰደልኩም። እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሠአ፣ ብትንሣኤኡ ንሰማይን ንምድርን ማለት ንሰብን ንኣምላኽን ዘተዓረቐ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቡራኬኡ የፍስሰልና፣ መንፈስ ዕርቂ የውርደልና፣ ኣብ ዚ እዋን ዚ ትንሣኤኡ እነኽብርን እንዝክርን ዘሎና ጐይታ፣ ድሕር ቲ ሥጋዊ ሞትና፣ ናይ ትንሣኤና ተስፋ ዚህበና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ዚ ሕይወት ዚ ከቢቡናን ብዝተፈላለየ መልክዑን ኣገባብራኡን ዚፃረረናን ዘሎ ሓይሊ ክፍኣት ከም ንዕወተሉ ርግጽነት ዘጨብጠና ውን እዩ።
ቀጺልካ ንምባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት PDF ጽዓን |
National Representative Council of Eritrea-GIE (NRCE-GIE) |
Blina News -
brk/news
|
National Representative Council of Eritrea-GIE (NRCE-GIE)
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
nrce.gie.com To General Abdel Fattah Al-Burhan & General Mohamed Hamdan Dagalo,
The National Representative Council of Eritrea- (Government-In-Exile) calls for an immediate cessation of hostilities, and peace negotiations must begin without further delay. The ongoing war in Sudan will devastate the people and the Horn of Africa. It will seriously affect the influx of refugees and the internally displaced. It will shatter the Sudanese economy, which saw the fastest growth in Africa over the last decade. The conflict has the potential to spill to neighboring countries. Moreover, it could increase violence and internal displacements, which could overwhelm humanitarian responses.
To continue click on this PDF link. |
Mery christmas & Happy new year 2023. |