www.blina.org

You are here:   Home Declarations/ኣዋጅ አዋጅ/ብብለን አዋጅ/ብትግርኛ
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Monday, 23 November 2015 21:47

 

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብለን ኤርትራ (ዲውብብኤ/ሆደ)

 

DIMOCRATIC ORGANIZATION OF BLIN NATION OF ERITREA/HODDE

 

መእተዊ፡-


 

ኣፍኣዊ ታሪኽ ህዝቢ ብሌንን ብዙሐት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲን ከም ዝሕብርዎ፡ ህዝቢ ብሌን

 

ብውሑዱ ቅድሚ መበል ዓስራይ ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ አብ መሬት በጎስ ወይ ድማ ሐልሐል-

 

በጎስ (ሰንሒት) ይነብር ከም ዝነበረ ይግለጽ። ህዝቢ ብሌን ካብ ነውሕ ዘመናት ኣትሒዙ

 

ዘማዕበሎ ካብ ካልእ ከባቢታት ግዝኣቶም ንምስፍሕፍሕ ብተደጋጋሚ ዝመጾ ንዝነበረ ወራራት

 

ንምምካት ዘጥረዮ ድልዱል ሐደነትን፣ ሐባራዊ ታሪኽን፣ ሓባራዊ ቋንቋን፣ ባህልን፣ ዶባቱ

 

ዝተረጋገጸ መሬትን፣ ዘሎዎ ህዝቢ እዩ።

 

ህዝቢ ብሌን ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ብናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ይነብር። ሰንሒት

 

ወይ በጎስ-ሓልሓል ብሰሜን ምስ ሳሕል፣ ብደቡብ ምስ ሓማሰን፣ ብምዕራብ ምስ ባርካ፣

 

ብምስራቕ ድማ ምስ ሰምሃር ትዳወብ:: ሰንሒት ወይ በጎስ-ሓልሓል ክሳብ‘ዚ ቀረባ ግዜ

 

ንክትነብረሉ ዘብህግ አዝዩ ልሙዕ መሬትን ማእከላይ ክሊማን ብወሓይዝ ዝተኸበትን ስለ

 

ዝነበረት፡ ንማሕረስን፣ እንስሳታት ምርባሕን (መጓሴ) አዝዩ ምቹእ ከባቢ እዩ ነይሩ።

 

ሓረስታይ ህዝብና ብስንኪ ቐጻሊ ወረርቲ ሐይልታትን ብሰንኪ ጭቆና ህግደፍን ከምኡ‘ውን ናይ

 

ክሊማ ምዝባዕን፡ ብዙሕ ምብራስ ሰብን መሬትን ኣኸቲሉ ስለ ዝኾነ ሎሚ ንዓመት ዘብልዕ እቶት

 

እኳ ኣይረክብን። ድገፍ ናይ ወጻኢ ከይረክብ ከኣ ግዳያት ጃህራ ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይኑ ኣብ ሕማቕ

 

መነባብሮ ይርከብ።

 

ህዝቢ ብሌን ከም ኩሎም ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ

 

ብሐፈሻ፡ ብፍሉይ ድማ ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ንምጭባጥ ካብ መጀመርታ ካሳብ መጨረሻ ተሰሊፉ

 

ክቡር ዋጋ ከፊሉ‘ዩ። ብጃምላ ተሓሪዱ፣ ዓድታቱ ከኣ ነዲዱ‘ዩ። ድሕሪ ነጻነት ግን ህ.ግ.ደ.ፍ ቁልሕ

 

እኳ ኣይበሎን። ብሓቂ ህዝብታት ኤርትራ ይኹኑ ህዝቢ ብሌን ዝተሰለፉሉን ሰፍ ዘይብል

 

መስዋእቲ ዝኸፈሉሉን ዕላማ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሰጉግካ ሃገራዊት ባንደራን፣ ሽማዊ ልኡላውነት

 

ምርካብ ኣይነበረን። ናይ ቃልስና መሰረታዊ መንቀሊ፡ ኩሎም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ

 

ንባዕዳውያን ገዛቲ ድሕሪ ምብራር፡ ሰብአውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝሕለወሉ ስርዓት

 

ንምትካል‘ዩ።

 

ድሕሪ ነጻነት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ጠቕሊሉ ኣብ ገዛኢ ደርቢ ናይ ብሄረ ትግርኛ‘ዩ ተሰጋጊሩ። እዚ

 

ገዛኢ ደርቢ ከኣ ብዘይካ ንስልጣኑን ንረብሑን ንሓደ ዘይውክል ጨካን ዲክታቶር‘ዩ። ንህዝቢ

 

ኣዳህሊሉን ዓሚጹን ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ካብ ኣራኣእዩኡ ወጻኢ ካልእ ፖለቲካዊ

 

ሐይልታት ዘይጻወርን፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ብሄራውን፣ሃይማኖታወን፣ፖሎቲካዊ

 

ኣራኣእያታትን ብዙሕነትን ዝጻረር ኣ ሐዳዊ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት‘ዩ። ህዝብታት ኤርትራ፣ እዚ ኩሉ

 

መስዋእቲ ከፊሎም፡ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ሞትን ጥሜትን ክኾኑ ኣይግባእን‘ዩ ኔይሩ። ካብ‘ዚ

 

ዝነቐለ ድልየታትን ባህግታትን ናይ ህዝብና ምስ ዕላማ ህ.ግ.ደ.ፍ ገጽን ሕቆን ኮይኑ ኣሎ።

 


 

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብ ምድሪ ብሌን ብጉጅሌ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን

 

መሰላት ህዝብና ተዓፊኑ፡ ከም ቓሕታኦም ንሰባት ኣብ ቤት ማእስርቲ ዘብልዩ፣ ንጉልበት ሰብ

 

ብዘይ ክፍሊት ከም ጊላ ዝምዝምዙ፡ ንፍትሒ ፍጹም ጨፍሊቆማ ኣለው፡፡ ናይ ሕልናን ፖሎቲካን

 

እሱራት በዚሖም ንምፍላጥ እኳ ኣጸግሚ’ዩ። ብርግጽ ግን ካብ ቤት ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ

 

ይበዝሕ። ህዝቢ ብሌን ባዕሉ ነፍሱ ዘማሐድሩሉ መሰል ተሐሪምዎ፡ ኢደ ወነናዊ ኣቀራርጻ ዞባዊ

 

ምምሕዳር ኣብ ልዕሊኡ ተኣውጁ ንመንነቱን ንባህሉንን ንመሬቱን ኣብ ሓድጋ ምጽናት በጺሑ

 

ኣሎ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ብሄር ብሌን ክጸንት ዝተዋደደ ህግደፋዊ ፖሊሲ እዩ።

 

ኣንጻር ጭቆና ኩሉ ግዜ ቓልሲ ኣሎ። ንሕና ህዝቢ ብሌን’ውን ከም ኩሉ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ

 

ዝተፈላለየ ፖሎትካውን ሲቪካውን ማሕበራት ኮና ጸረ ኢሰብኣዊ ፋሺሽታዊ ስርዓት ንቓለስ

 

ኔርናን ኣሎናን።

 

እዚ ግን እኹል ኮይኑ ስለ ዘይረኸብናዮ፣ ብ31.11.2009 ዓም ኣብ ባዝል ሃገረ ስዊስ ዝተጋብኤ

 

ኮንፈረን ብሌን፣ ህዝቢ ብሌን ጸረ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኣብ ዝግበር ግጥም ምስ ኩሉ ደላይ

 

ፍትሒ ግቡኡ እናገበረ መሰሉ ተውዲቡን ሰሚሩን ክዓትር ቅድመኵነት ዘይድልዮ ሰብእውን

 

ዲሞክራስያውን መሰሉ ምኻኑ ኣምኑ ምንቕስቓስ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ኣዊጁ።

 

ምንቕስቓስ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣ሆደ፣ ኣብ’ዚ ሰለስተ ዓመት፣ ናይ ነዊሕ ግዜ ተሞኩሮታት

 

ቓልስታት ህዝብታት ኤርትራ እናገምገመ፣ ንህዝቢ ብሌን ካብ ተመጽዋትነትን ተጸባይነትን ነጻ

 

ኮይኑ ነፍሱ ወዲቡን ሓድነቱ ኣጠንኪሩን፣ ንዝፈርስ ዘሎ ቋንቋኡን ባህሉን ዓቑቡ ንመሰሉ ክለዓል

 

ክተት ክብልን፣ ሆደ ከም ዓቕሙ፣ መሰሉ ክዓትር ከቓልስ ጸኒሑ።

 

እነሆ ከኣ ብ31.03.2012 ዓም ኣብ ሃገረ ስዊስ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ጉባኤ ጌይሩ ፖልቲካዊ መደብ

 

ዕዮን ሕገ ሕንጻ ውድብን ኣጽዲቑ፣ ነዚ ተሰላስል ከኣ መርሕነት መዚዙን፣ መደባቱ ሰሪዑን፣

 

ብዓወትን ብሰላምን ብዓቢ ፍናን ጉባኤኡ ዛዚሙ።

 

ፖለቲካዊ መደብ

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

 

DIMOCRATIC ORGANIZATION OF BLIN NATION OF ERITREA/HODDE

 


 

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፣

1. ጨቛኒ ፋሺሽታዊ ስርዓት ጉጅሌ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኩሉ ዓፋኒ መሓውራቱ ኣሊኻ፣ ሰብኣውን

 

ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብታት ኤርትራ ዘኽብር፣ ህዝባዊ ፌደራላዊ ስርዓት ንምህናጽ፣

 

ብኹሉ ኣገባብ ንቓለስ።

 

2. ኣብ ኤርትራ ሓድነትን ማዕርነትን ክነግስ፣ ሰላምን ልምዓትን ክዛሪ፣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት

 

ብዘይ ገደብ ንምርግጋጽ ንቓለስ።

 

3. ህዝቢ ብሌን ንመሰል ርእሰ ውሳኔኡ ከረጋግጽን፣ ቛንቋኡ ባህሉን ክዓቕብን ከማዕብልን፣ መሬቱ

 

ክውንን፣ ብገዛ ነፍሱ ክማሓደርን፣ ክነቕሕን ክውደብ ስለ ዘለዎ ነዚ ክዉን ክገብር ንቓለስ።

 

4. እዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ክውገድን ሰላማዊ ምቕብባል ስለጣን ክህሉን ኣብ ደንበ ተቓውሞ፣ ካብ

 

ሎሚ ኣብ ምርድዳእን ኣብ ናጻ ድልየትን ዝተመስረተ ሓባራዊ ግንባር ክህሉ ንቓለስ።

 

5. ኣብ ማእከል ውድባትን ሰልፍታትን ብሄራዊ ምንቕስቓሳትን ዝካየድ ውድድር ነጻን፣ ሰላማውን

 

ዲሞክራስያውን ኣገባብ ክኽተል ንቓለስ።

 

6. ህዝቢ ወናኒ መሬቱ ክኸውን ንቓለስ።

 

7. ምቕብባል ስልጣን ሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክኽተል ንቓለስ።

 

8. ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ተሳትፎ ህዝብታት ዘሰነዮ፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ሓጋጊ ኣካል፣ ፈርዲ ኣካል

 

ክህሉ ንቓለስ።

 

9. ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነብር ህዝብታትን፣ ምስ ጎረባብትን ምስ ወጻኢን ዝግበር ዝምድና ኣብ

 

ሰላምን ምትሕግጋዝን ልምዓትን ዝተኮረ ክኸውን ንቓለስ።

 

ቁጠባዊ መደብ ዕዮ፣

1. ህዝቢ ብሌን 85% ሓረስታይ ስለ ዝኾነ ኩሉ ቑጠባዊ መደባትና፣ ነዚ ሕብረተሰብ እዚ ካብ

 

ድኽነትን ድሕረትን ከላቕቕ፣ ሓረስታይን ሕርሻን ክምዕብል ንቓለስ።

 

2. መሬቶም ብገዛእቲ ንዝተመንዝዔ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ንኽምለሰሎም ንቓለስ።

 

3. ማእከላይ መንግስቲ ንሆስፒታልን፣ ንቤት ትምህርትን ወይ ንኻልእ መሬት ምስ ዘድልዮ ነቲ ዋና

 

መሬት ካሕሳ ከፊሉ ክወስዶ ንቓለስ።

 

4. ኣብ ሕርሻ እቶትና ንምብዛሕ፣ ሓረስቶት ክጥርነፍን ብተሞኩሮን ብፍልጠትን ክምዕብሉን ምስ

 

ዘመናዊ መሳርሕን ድኹዕን ክላለዩን ንቓለስ።

 

5. ንጸዓትን፣ ንማይን ዝምልከት፣ ነፍሱ ክኽእል ንቓለስ።

 

6. ነጻ ዕዳጋ ብህዱእ ኣገባብ ክምዕብል ንቓለስ።

 

7. ንገዛዊ እንዱስትሪ ከማዕብል ንቓለስ።

 

8. ኩሉ ምዕባሌ ቐጻሊ ክኸውን ንከባቢ ብዘይብክል ኣገባብ እንዳስትርን መጎዓዓዝያን ከማዕብል

 

ንቓለስ።

 

9. ኣብ ህዝባዊት ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊት ኤርትራ ዝህነጽ ሰራዊት ንቑሕን ብቁዕን ኮይኑ ንቁጠባ

 

ሃገር ዝሕግዝ እንበር ዝመጺ ከይከውን ንቓለስ።

 

10. ኣብ ንግዲ ኣብ ማእከል ዞባታት ፈደራላዊት ምሕደራ ዝፈረየ ቐዳምነት ክወሃቦ ንቓለስ።

 

11. ኣብ ማእከል ገጠርን ከተማን ዘሎ ጋግ ምዕባሌን ንኽጸብብ ንቓለስ።

 

12. ብህግደፍን መሳርሒኦም ዝኾኑ ዝተወነነ ቁጠባ ናብ ዋናኡ ህዝቢ ክምለስ ንቓለስ።

 

ባህላውን ሕብረተ-ሰብኣውን መደብ ዕዮ፣

1. ህዝብና ኣንጻር ድሑርን ጽበትን ትምክሕትን ፈላልዩ ዝኾነ ባህልታትን ክላቐቕ ንቓለስ።

 

2. ቋንቋናን ባህልናን ንመነትና ስለ ዘንጸባርቑ ክምዕብሉ ንቓለስ።

 

3. ቋንቋ ብሌን ወግዓዊ ቋንቋ መሬትና ኮይኑ ካልኦት ቋንቋታት ሃገርና’ውን ህዝቢ ብሌን፣ ከም

 

መሳርሒ ክጥቀመሎም ንቓለስ።

 

4. ኣብ ኩሉ ገጠራት ትምህርትን ሕክምናን ትሕቲ ቅርጺ ማበራዊ ክምዕብል ይቓለስ።

 

5. ኣብ ዞባና ምስ ዝነብር ህዝብታት ብምክባባርን ብሓድንትን ክነብር ንቓለስ።

 

6. ኣብ ዞባና ክሊኒካትን ሆስፒታልን ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ጽፍሕታትን፣ መጎዓዓዝያን ናይ

 

መንበሪ ገዛውትን ከማዕብል ንቓለስ።

 

7. ኣብ ዉሽጥን ስደትን ዝነብር ህዝብና ባህላውን ናይ ልምዓት ማሕበራትን፣ ክሃንጽ ንቓለስ።

 

8. ህዝብና ብሌን ኣብ ስደት ዘሎ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ምስ ነገሰ ንመሬቱ ብድልየቱ ክምለስ

 

ንቓለስ።

 

9. መንእሰይና ናይ ምትካእ ጾሩ ክስከም ቀዳምነታት ክንህብ ግዳይ ሕማቕ ባህልታት ከይከውን ከኣ

 

ስፖርትን ካልእ መንእሰይ ዝጠልቦ ነገራት ክምዕብል ንቓለስ።

 

ሰብኣዊ መሰላት መደብ ዕዮ፣

1. ስድራ ቤት ዓንዲ ሕቆ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ግቡእ ኣቃልቦ ክረብ ንቓለስ።

 

2. ብባህርን ብሰንኪ ኵናትን ዝሰንከሉ ግቡእ መሰሎም ክረኽቡ ንቓለስ።

 

3. ኩሉ ዜጋ ሕክምናን ትምህርትን ስራሕን መግብን ሓበሬታን ማዕረ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ

 

ንቓለስ።

 

4. ህዝቢ ክመርጽን ክምረጽን፣ ብነጻ ክጥርነፍን፣ ክዛረብን፣ ክጽሕፍን፣ ክነቕፍን፣ ክድግፍን፣ መሰሉ

 

ሕሉው ክኸውን ንቓለስ።

 

5. ህዝቢ ብድልየቱ ኣብ ዝኣምኖ እምነት ንክኽተል መሰሉ ዝተሓለወ ክኸን፣ ሃይማኖት ኣብ

 

መንግስቲ፣ መንግስቲ ኣብ ህይማኖት ኢድ ኣታትእታው ዘይብሉ ክኸውን ንቓለስ።

 

6. ደቂ-ኣንስትዮ ማዕረ መሰል ምስ ወዲ ተባዕታይ ክህልወን ንቓለስ።

 

7. ጥርናፌ ሓረስቶትን፣ ደቂ ኣንስትዮን፣ መንእስያት፣ ከምኡ’ውን ናይ ሲቪካዊ ማሕበራት ክምስረታ

 

ንቓለስ።

 

8. ኣብ ህግደፋዊ ግፍዕታት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ዝጸንሑ መኮንናትን ካድራትን ኣማሓደርትን ኣብ

 

ፍርዲ ክቐርቡ፣ ንቓለስ።

 

9. ኣብ ኩሉ ዘይጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ከኣ ብሓዲስ ተወዲቦም ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ክኾኑ

 

ንቓለስ።

 

10. ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መስል ክህልዎ ንቓለስ።

 

እዚ ናይ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ፕሮግራም መደብ ዕዮ‘ዩ። ዝውሰኽን ዝንከን

 

ኣብ ጉባኤ ውድብ ይኸውን፣ ንሱ ከኣ ብኣብዛሓ ምርድዳእእ ከውን ይጸዓር በዚ እንተዘይተፈሔ ከኣ ኣብ

 

ድምጺ ውሪዱ ብ2/3 ይጸድቕ። ካብ ህዝቢ ርእይቶን ምኽርን ኩሉ ግዜ ቅቡል‘ዩ።

 


 

ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምስዓር ቅልጽምና ነወሃህድ!!

 

ብስሙር ቃልስና፣ መሰልን ማዕርነትን ብሄራትና ክነረጋግጾ ኢና!!

 

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!!

 

ህዝብና ክዕወት ኢዩ!!

 


 

ግዳይ ዜናን ትምህርትን ሽማግለ

 

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ (ደ.ው.ብ.ብ.ኤ)

 

15.04.2012__

Last Updated on Tuesday, 24 November 2015 18:36
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 73 guests online