www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news
Blina Blog
ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊን ኤርትርያ/ሆደትልድ ዳንዲ ሕሹምዲ ዶክቶር ክፍለማርያም ሓምደትል
Sunday, 11 July 2021 13:46

ኣዳም ፈጠርሱ ሑር (Free) ኣኾ ግን ንፈጠርሳኹ፡ ኣዳምር-ኮት ጋእ`ዮ ሰና ኒምርድ`ሰና ኣኾ ጋቢሮኽር፣  ከትብሮኽር፣  ኒ ረኤይሲ ኡሮኽር፣ ኒ ሜርሔታትሲ ፍሪርዶኽር ፍሪርስሮኽር፣ ከተስ ከታ፣ ትክሲ ትክ፣ ይሮኽር ሳቢሮኽር ወግህሮኽር ኒ ናይ ግን።ሓይስ ዳን ክፍለመራያም  ኽር ፣ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኒኹ/ሆደ (Dimocratic Organiation Of Blin Nation Eritrea/Hodde) (ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ) ‘’ዮህና ንሓይልታትን ህዝቢ ትግራይን’’ ያኽ ይና ክቱብ ፈሰና፡ ኒ ሱጙስኽር ኒ መልእኽቲድር ቋልኹድ ‘’ዪስጙድ ኣኽን ብሊና ሱጙድ ከተግብጋ፣ እንተት ወከላኹም ብሊና እላ’’ ይሮ ኩ መኸላዲ ሕበበርደFace Bookል ኩ ስጙድ ገምድረዉሲ ነበብዱንኹን።

 

To read more click on this PDF link.

Last Updated on Sunday, 11 July 2021 13:55
 
መሪሕነትን አመራርሓን- Leadership, theory and practice
Wednesday, 07 July 2021 17:58

ክለሳ-ሓሳባውን ግብራውን ሓተታ

 

ብፍስሃ ናይር

 

መሪሕነት አብዚ ግዜዚ እቲ አገዳስን አድላይን አብ ኩሉ መዳያት ውዳቤ ናይ ሕይወትና ፣ ናይ ክሉ ሕይወትና ግላዊ ይኹን ማሕበራዊ፣ አብ ቁጠባውን፣ ፖሊቲካውን፣ ማሕበራውን፣ባህላውን ንስራሓትና ንምዕዋት አፍልጦን ትግባረን መሪሕነት አገዳሲ ኢዩ።

አብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ሕዝቢ ብዛዕባ ጽንሰ- ሓሳብ መርሕነት እንታይ ምዃኑን፣ ከመይ ገርካ ድማ ጥዑያት መራሕቲ ትምህዝ፣ከም ውልቀሰብ ድማ ጽፉፋት መራሕቲ ንክኾኑ፣ሓበረታን አፍልጦን ንክረኽቡ ይሓቱን ይጽዕሩን፣ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ሎሚ እዚ ኣርአስቲ እዚ ነፍሱ ዝኸኣለ አካደምያዊ ዲሲፕሊን  ኮይኑ ብትምህርትን፣ ከምኡ ድማ አብ ኩለን ቤት ንባብ ብዛዕባ ምምራሕን መርሕነትን መሃርን መኻርን መጻሕፍቲ ከተነብብን አፍልጦ ክትቀሰምን ትኽእል።

  ብዙሓት ሰባት መሪሕነት ማለት ወልቃውን፣ ማሕበራውን ሙያውን ሒይወትካ ንምምሕያሽ እትወስዶ መንገዲ ኢዩ ኢሎም ይአምኑ። ኩባንያታት  ኢንዱስትሪ ወይ ድማ ንግዶም መታን ክዕወት ብቁዓት መራሕቲ ይደልዩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ናይ ምምራሕ ስልጠና ንሰራሕተኛታቶም ይህቡ፣ በዚ ምኽንያት ሎሚ መርሕነት ብምሁራት ተመራመርቲ ዓቢይ ቆላሕታ ረኺቡ ብዙሕ መጽናዕትታት ይካየድን ተኻዪዱን አሎ።

ሎሚ አብተን አብ ምስልጣን ዝረከባ ሃገራት አፍሪቃ ብፍላይ አብ ፖሊቲካዊ ሒይወት ስኣን ብቁዓት መርሕነታት ሕዝብታት አፍሪቃ አብ ድኽነትን ድንቁርናን፣ አብ ናይ ሓድሕድ ኩናትን ብርሰትን ይሳቀ አሎ።

To read the full text click on this PDF link

Last Updated on Sunday, 11 July 2021 13:46
 
ዮሃና!!! ንሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ትግራይ
Saturday, 03 July 2021 09:54

 

ኽቡር ህዝቢ ትግራይ፣

ወረርቲ ሓይልታት ብልጽግናን ፍሽስታዊ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዓንገልቶምን፡ አብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሽርሕታታ ክፈትሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሎምስ ዓቕምን ደገፍን ኣሎና ኢልም ተኣማሚኖም ‘’ሕጊ ምኽባር’’ ብዝብል ጉልባብ፣ ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ከም መኸወሊ ተጠቂሞምም፣  ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ክድምሱስኻን ከንበርክኹኻን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጭካኔ ብሰማይን ብመሬትን ወሪሮምኻ። ብሰዓታት ክፍጽምዎ ሙዃኖም ቓል ኣትዮም። ነዚ ቐታሊ ከቢድ ኲናት ተጻዊርካ ድሕሪ ሾምተ ወርሒ ሓይልታትካ ወዲብካ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝስሜ በርቓዊ ደምሳሲ ስርሒት ፈኒኻ እነሆ ድሙቕ ዓወታት ትሓፍስ ኣሎኻ። ነዚ ዓውታትካ ብዕላማን ብሕዉነትን ንርኦ ስለ ዝኾና ንሓይልታት ምክልኻልካ ዮሃና!! ከምኡ’ውን ንሙልእ ህዝቢ ትግራይን ንኹሉ ሰላም ዝምኔ ሕብርተሰብን ዮሃና ንብል።

To continue click on this PDF link

Last Updated on Saturday, 03 July 2021 10:10
 
ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!! ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
Friday, 18 June 2021 08:04

ዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና’ና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓቒ መቐለ ቆይማ ዘላ ሃዉልቲ ሰማእታት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ካብ ቐደም ንላዕሊ ክደምቕ ሙዃና ንኣምን። ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ሞቑሕ ዘለዉ’ውን ብጥዕና ሓርነት ሃገሮም ክርእዩ ተዓጢቅና ክንቓለስ 20 ሰኔ ዳግም ቓልና ንሓድሰላ ዕለት ሙዃና ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነዘኻኽር።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ አብ ዝስዕብ PDF link ጸዓን

 
30 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
Tuesday, 25 May 2021 09:44

24 ግንቦት ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጠቅሊላ ናጻ ዘውጽትላ ክብርቲ ዕለት`ያ፡ እዛ ብዓቢ
ኽብሪ እነብዕላ ዘለና ናይ ናጽነት ዕለት እዝአ ቅድሚ ምብጻሕና፡ ህዝቢታት ኤርትራ ብዝተፈለለየ አገባብ
ንልዕሊ 70 ዓመታት አንጻር እቶም ብሓይሊ ጎቢጦም አንበርኪኾም ክገዝኡዎም ንዝመጹ ሓይልታት
ከይተሓለለ ተቃሊሱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ብቅልጽሙ ሃገራዊ ናጽነቱ ዘረጋግጸላ ታሪኻዊት ዕለት`ያ።
ብፍላይ እቶም ድሒሮም ዝመጹ ባዕዳውያን ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብመጀመርያ ዘውዳዊ
ስርዓት ሃይለስላሴን ስዒቡ ዝመጸ ፍሽስታዊ ስርዓት ደርግን ዓንገልቶምን ዝተኸየደ መሪር ቃልሲ ዝተኸፍለ
ሰፍ ዘይብል ከቢድ ዋጋ እዩ ነሩ፡፡ አብ ፍቕዶ ስድራ-ቤት ኤርትራ ዝሓደጎ ናይ ኩናት በሰላን ዘስዓቦ ዕንወትን
ቀሊል ከምዘይነበረ ግሉጽ ሓቒ`ዩ።
ድሕሪ ሰፍ ዘይብል ሰብአውን ንዋታውን ዋጋ ዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነትና ብዓቢ ድምቀት ሓጎስና ዝገለጽናላ
ታሪኻዊ ምዕራፍ ትኹን ዳአንበር፡ ድሌትን ባህግን ህዝብናን ሱዉእትናሲ ዘይተጸበናዮ ጥልመት`ዩ አጓኒፍና።

To continue click this PDF link

Last Updated on Tuesday, 25 May 2021 09:53
 
State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building By Fesseha Nair
Tuesday, 11 May 2021 16:21

How can the oppression of ethnic minorities in post-dictatorship transitions be best addressed through constitution building and state structure? Where constitution building takes place in the aftermath of conflict or after the fall of dictatorship the relationship between different ethnic minorities and dominant ethnic groups within the state are often difficult and headache for the dominant ethnic like that of our tiny Eritrea.

The post liberation Eritrea under the unitary system and one-man rule was dominated by one ethnic group and this system was the main cause of today’s crisis in Eritrea. There are many different dimensions to this problem, and these can vary from one context to another. Often, demands by ethnic minorities for power dispersal mechanisms that ensure their participation in political, economic and social decision-making on an equal basis rejected  while the interests of a dominant majority that wishes to safeguard supremacy/chauvenism and control over the minority are preserved and respected.

To read the more click on this PDF link

Last Updated on Tuesday, 11 May 2021 16:30
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 70 guests online