www.blina.org

መልእኽትና ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 07 June 2012 15:10

መልእኽትና ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣

 

ናብ ክቡራት መራሕትን ኣባላትን ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣

ክቡራት ኣባላትን መራሕትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ንለውጢ፣

ክቡራት ውድባትን ማሕበራትን

ክቡር ተቃላሳይ ህዝብና ካብ ቀረባን ሩሑቕን ኣብ መደብ ተኻፊልካ ዘሎኻ።

 

ክቡራትን ክቡራንን ተቃለስቲ

ብቀዳምነት ነዚ መደብ ዝሰርዑን ግብራዊ ክኸውን ዝተቃለሱን ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣ ሃገራዊ ሓላፍነቶም እኳ እንተኾነ ብቀረባ ምስኦም ስለ ንሰርሕን ምስኦም ስለ ዘሎናን እቲ ክምህ ዘይብልን ቆራጽ ከይድን ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣ ክምጎስ ይግብኦ

ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍኤ ከም ዝኸይድ ዘሎ ኩልና ንምስክሮን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቕን ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ምጽሓፍ ምሕላፍ ግዜ’ዩ ብሓጽር ዝበለ ቃላት ክንገልጾ ግን ኣፍ ኣርክቡ’ዩ ዘሎ። ነዚ መልኣከ ሞት ልዕሊ ህዝብና ኣንጸላልዩ ዘሎ ካብ ሱሩ ሚሕኻ ብፍትሕን ዲሞክራስን ምትካእ ጽባሕ ዝበሃል ኣኮነንን። ሓርበኛታት ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ሃገራውን ህዝባውን ሓላፍነት ኣለዎም ፋሺሽታዊ ጉጅሌ ህግደፍ ንመንእሰይና ብኵናትን ብባርነትን ብስደትን ከጽንቶም ዝሓንጸጾ፣ ብመንእሰያትንዲሞክራስያ ለውጢ፣ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ስደትን፣ ናብራ ስደትን ተጻዊሮም፣ ከም ጸሓይ ንግሆ በሪቆም « ኣሎና » ኢሎም ምስ መከቱ ጻዕሪ ሞት ሕዝዎ ይርከብ። እዚ ሓይሊ ህዝብና ነቲ ጸረ ፍትሕን ተንበርካኽን ዘርዕድ፣ ነቲ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ከኣ ዘሕብን ስለ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ  ንናይ መንእሰያት ጥርናፌ ዮሃና !! ይብሎ።

ክቡራንን ክቡራትን ተኻፈልቲ በዓልን ሰሚናርን፣ ጸላኢና ክፍኣቱን ተንኮሉን ኩዒትካ ዘይርከብዩ። ንመኸተታትና ክንደይ ጸለመ ወሪድዎን ይወርዶን ኣሎ። ነዚ መሰል ዝሓትት ህዝባዊ ማሕበራት ወይ ምልዕዓላት ናይ ዓዲ ናይ ኣውራጃ ናይ ሃይማኖት ምትእኽኻባት እናበሉ ካብ ህዝቢ ክንጽልዎ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ብዙሓት ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ተቃውሞታት ምስ ንርኢ ተቃዉሞታት ብቤት ትምህርቲ ብፋብሪካ ብዓዲ ብገዛውቲ ብባህላዊ ማሕበራት ብኣውራጃ ብዓሌት ብብሄር ዝጅምር። ገለ ካብ ኣብነታት ሃገራዊ ተቅውሞታትና ንምጥቃስ፣ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛታት ተማሃሮ ዩንቨርትስቲ ካይሮ ከም ዝጀመርዎ ታሪኽ ዝምስክሮዩ። ናይ ሽዑ ናይ ጸላኢ ጠቐነ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታትና ከኣ « ኣስላም ሃገርና ምስ ኣዕራብ ተሓባቢሮም ነዛ ክርስትያናዊት ሃገርና ኢትዮጳያ ከመስልምዋ፣ ነዚ ቅዱስ ንጉስና ክዓልዉን ብገንዘብ ፐትሮል ዝተገዝኡ ዕሱባትዮም » ይብል ነበረ። ህዝብታትና ንሕቶታቱ ብግቡእ ክርድኦን ክፈትሓሉን ዝኽእል ወይ ዝደሊ መንግስቲ ይኹን ውድብ ስለ ዘይረኸበ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተቃውምኡ ከስምዕን ክውደብን መሰሉዩ። ስለ’ዚ ብጸለመ ጻላእን መጋብርቶምን ኣይንተዓንቐፍ።

ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲምክራስያዊ ጉባኤ ዘጽደቖ  ቻርተር፣ ክኸብር ኣለዎ። መትከላት ግሉጽነትን ተጻዋርነትን ነንሕድሕድና ምክብባርን ምትሕግጋዝን ስራሕ ሃገር ከኣ ብልፍንታዊ ኣገባብ ክዕመም ኣቀሚጡ ኣሎ። ኣብ ቃልስና እዚ ስለ ዝጎደለ ኣብ ትሕቲ ዶክታቶርያዊ ስርዓት ንነብር ዘሎና ስለ እዚ ምትእኽካባትና ነዚ ኣጽኒዑ ክሕዝን በዚ ዕላማ ክምራሕን ኣለዎ። ፍልልያትና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምስ ንፈትሕ ግሉጽነት ኣብ ስራሕና ምስ ነዘውትር፣ ፍትሒ ምስ ነቀድም፣ ንቓልስና ብዝሒ ውድባት ጉድኣት ኣይኮኖን’ዩ። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ከም ዘርብሖ ብመትከል ክንኣን ይግባእ

 

ክቡራትን ክቡራንን ተጋባእቲ ጉባኤ

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ብወኪላቱ ኣብ ማእከልኩም ተረኺቡ ነዚ ሓጎስኩም ክካፈልን እንካን ሃባን ክብልን ነዚ መልእኽቲ ከንብብን መደብ ሰሪዑ ኔይሩ፣ እንተኾነ ብቴክኒካዊ ጸገማት ኣብ ማእከልኩም ክርከብ ኣይከኣለን። ኣብ ምሸታዊ መደብኩም ኣባላት ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ብብዝሒ ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፣ ሓጎስና ብኦምን ብደብዳቤናን ነመሓላልፎ ኣሎና። ድሕሪ ሕጂ ዘሎ ቃልሲ ይበዝሕን ይብርትዕን ስለ ዝኾነ ከኣ ኣጆኹም ኣጆና ብሓደ ኣሎና ንብለኩም።

ኣብ ጉባኤኹም ንሕቶ ብሄራት ብዓይኒ ፍትሕን መሰልን ሪኡኹም መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ መሰለን ብዘይ ገደብ ክጥቀማ ዝኣምን ቁዋም ክተጽድቁ ብዓቢ ተስፋ ንጽበይኩም። ንኻልእ ዝገዝእ ንርእሱውን ሓራ ኣይኮነን ዝብል ናይ ኣቦታትና ብሂልን ያታን ሕጊ እንዳባን ስለ ዘሎ፣ ነዚ ሓቀኛን ናይ ህዝቢ ሕቶን ወንዚፍካ ኣስመራ ምስ በጻሕና ንርእዮ ምባል ዓምጽን ናይ ትምክሕተኛታት ስልትን ብመትከል ክትቃወምዎ ንጽዋዓኩም። ኣብ ስዋስ ትነብሩ ስለ ዘሎኹም ፈደራላዊ ምሓደራ ተስተማቕርዎ ኣሎኹም። ንሕቶ ብዝሕነት ዝእክብን ዝጥርንፍን’ዩ። ኣብ ሃገርናውን ብልሙድን ብባህልን ዝነበረ ምሕደራ ነዚ ናይ ስውሲ የመስል ኔይሩ።  ፈደራላዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ስለ ዝኾነ ክምለስ ኣብ ቅዋምኩም ከሰፍር ተስፋ ኣሎና።

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕዮ ገዛምስ ኤርትራዊ ዲሞክራስያው ባይቶ ንለውጢ ከምኡ’ውን ንኻልእ ጸገማትና ንምእላይ ተወሃህደና ሓንቲ ሽማግሌ ብደረጃ ስዊስ ብልፍንትን ብፍቶትን ናይ ኩልና ክነቅውም’ዩ። ኣብ ሰውራ ዝነበረ ሕማቕ ኣተሃላልዋ ስለ ዘይተኣረመ ሎሚ ንኸፍሎ ኣሎና፣ እዚ ከይድገም ብውድባትን ብማሕበራትን ብህዝብን ምውህሃድ ስራሕ  ክንገብር ደጊምና ነዘኻኽረኩም። ናይ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ቅሩብነት በዚ ኣጋጣሚ  ከኣ ንኹሉ ደንበ ዲመክራስያዊ  ለውጢ ንሕብር።

ተዛረብ፣ ስመር፣ ሕጂ ከኣ ዕጠቕ ዝብል ጭርሖታት መናእሰይና ግብራዊ ክኸን ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ምስ ጥርናፌታት መንእሰይ ቀሪቡ ክሰርሕ ምዃኑ ግልጺ ይኹን

ዓወት ንጉባኤን ናይ ትምህርቲ ምሸትን ማሕበር መንእሰያት ንዲሞክራስያ ለውጢ ኣብ ስዊስ፣ እናበልና ቓልና ንዓጹ።

 

ዓወት ንጥርናፌ መንእሰያት !!

ቻርተር ህዝብና ናይ ኣዋሳ ክዕወት’ዩ!!

ውድቐት ንፋሺሽቲ  ስርዓት ህግደፍ !!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ 01.06.2012

Last Updated on Thursday, 07 June 2012 15:13
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 59 guests online