www.blina.org

ውድባዊ መግለጺ ንወራር መሬት ብሌን ባንቢ ዘርኢ፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Saturday, 16 June 2012 22:03
ውድባዊ መግለጺ
ንወራር መሬት ብሌን ባንቢ ዘርኢ፣
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
      
     ጸረ-ህዝቢታት ዝኮነ ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብመገዲ እቶም ጸረ-ህዝቢ ዝኮኑ ልኡኻቱ መቀጸልታ ናይቲ በብግዝይኡ ዘካይዶ ዘሎ መሬት ህዝቢ ብሌን ምምንዛዕ ተግባራት ሕጅውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ባንቢ ፈጺምዎ።እዚ ኣብ ዕለት13 ሰነ 2012 ብመገዲ መራኸቢ ብዝሐን ገሩ ዘቃልሖ ናይ ምዝማት ዜና፡"ህዝቢ ባንቢ ዝተገብረሎም ናይ መሬት ምምቃል ስጉምቲ፡ ብደስታ ከም ዝተቀበለልዎን ሕጉሳት ከም ዝኹኑን" ይገልጽ።
ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ህልውና መሰረቱ ኣብ`ቲ መንግስታዊ ቢሮክራሲ ዘሎዎ ወሳኒ ቦታ`ዩ።ነቲ ተኽልዎ ዘሎ መንግስቲ ከም ቃሕ ዝበሎ መንገዲ ዘንቀሳቅስ፡ዝኾነ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ንዝኾነ ኣከል ዘይብሉ ሓይሊ እዩ።በዚ ብገዛእ ርእሱ ዝዎነኖ መንግስታዊ ሓይሊ ተጠቂሙ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድላይን ረብሓ ናይ ህዝቢ ኣብ ግምት ከይእተወ ዕድሜ ስልጣኑ ዘናውሕን ገንዘብን ዘምጽእ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከምዘይብል ርእሰ-ግሉጽ ሐቂ`ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ልዕሊ 210 ዝኾኑ ሰባት ተቀማጦ  ባንቢ ካብ ገዛእ መሬቶም ንሐደ ሰብ 375 ትርብዒት ሜትሮ ከም ዝበጽሖም፡ ዝተረፈ ድማ መሬት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ነዚ ከባቢ ንምምዕባል ኣድላይ ዝኾነ መጽናዕቲ ኣካይዱ ስለዘሎ፡ ካብ ሎሚ ማዓልቲ ኣትሕዙ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክመሐደር እዩ ብምባል አርዲእዎም፡፡እዚ ብመገዲ መጋበሪ ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኹነ ኣማሓደሪ ከተማ ከረን ኣቶ ተክኤ ቀለታ ዝቀረበ ናይ ምምንዛዕ መሬት ስጉምቲ አብ ውሽጥን ደገን ዝነብሩ ዘለው ደቂ ባንቢ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ብሌን ድማ ብሐፈሻ መሪር ቁጣዔ ፈጥሩ ኣሎ።  

ጻዕረኛ ህዝቢ ባንቢ መሬቱ ሐሪሱን ጀራዲን ስረሑን ፍሕተርተር ኢሉ ዝነብር ዝነበረ ሎሚ ብሰንኪ ዓማጺ ኣዋጅ ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ መሬቱ ተመንዚዑ መሬት ኣልቦ ኮይኑ ክነብር ተፈረዱ አሎ። እቲ ኣብቲ ከባቢ ፍርዩ ንከተማ ከረን ዝቀርብ በብዓይነቲ አዝርእትን ስቡሕ መሬትን ኣብ ዓይኒ ህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዝአተወ ተመንዚዑ ንሰብ ገንዘብን መጋበሪ ህ.ግ.ደ.ፍን ክዕደል ተሐሲቡ ዝክየድ ዘሎ ሽርሒ`ዩ።

ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም አመሉ ህዝቢ ኣብ ካልእ ጎድናዊ ናይ ዅናት ሃዋህው ጸሚዱ ተኣንጎድ ተሸብሸብ ወያነ ክወሩኻ ልኡላውነትካ ክደፍሩ ይመጹ አለው፡ወያነ ብአሜሪካ ተደጊፎምን ዓጢቖምን ይመጽኻ ኣለው ብምባል ብአሰገዳድ ክዓጥቁን ኣብ ሸቀልቀል ከለውን`ዩ ነዚ ናይ መሬት ምምንዛዕ ተግባራት ዝፍጽም ዘሎ። ሓቀኛ ዓመጸኛን ወራርን መን ምኻኑ ህዝቢና ብተግባር ይርእዮ አሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ባንቢ ዝተፈጸሜ ግፍዒ፡ መሬቱን መሬት አቦታቱን አባሐጎታቱን ብምምንዝዑ ዝፈጠሮ ምረትን ቅጥዔን ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ይሕብር። እቶም ነዚ እከይ ተግባራት ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተሐባበርቲ ብምኻን መሬት ህዝቢ ባንቢ ከም ስጋ ጉዚ ክማቀሉን ክመቅሉን ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ደማ ብጥብቂ የጠንቅቅ። ጽባሕ ንግሆ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኣብቅዔ መንግስቲ ዝዓደሎ መሬት ኢና ገዝእና ከይትብሉ።እዚ መሬት አብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ዋና ዘለዎ መሬት ምኽኑ ብጥብቂ ነዘኻኽር።  
 
ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሐቀኛ ምድልዳል መሬት አይካየድን`ዩ!!
ደሞክርስያዊትን ፍትሐዊትን ኤርትራ ክንሃንጽ ንቃለሰ!!
ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!!

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ/
ሰነ-16-2012
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 23 guests online