www.blina.org

ውድባዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ ሰኔ 20 መዓልቲ ሱዉኣትና ንዘልአለም ከቢራ ትንበር። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 21 June 2012 01:04
ውድባዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ
ሰኔ 20 መዓልቲ ሱዉኣትና ንዘልአለም ከቢራ ትንበር።
20 ሰነ መዓልቲ ስውአትና ንዝክረላ ዕለት እያ።እዛ ዕለት እዚአ እዞም ምእንቲ ህዝቦም ዝተበጀው ጀጋኑ አሕዋትናን አሐትናን፡ከም ሰባት ኣብ ዓለም ንካልአይ ግዜ ተመሊስካ ዘይትርኽባ ዝኸበረትን ዝውንንዋ ህይወት  ንሐንሳብን ንሐዋሩን በጃ ህዝቢ ክትውን ዝኸፍሉላ ሐቢርና እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት`ያ።  
መዓልቲ ሱዉኣትና ሸምዓ ወሊዕና ንዝክረላ ዕለት፡ ንዕላማታቶም እሙናትዶ ኮና ኣሎና ኢልና  ንሕልናና ንሐተላን ምስ ነብስና ንዛረበላን ዕለት’ያ። ሸምዓ ወላዕና ኣስማቶ ዘርዘርና ኣብ ቤተ-ክርስታይንን መስግድን ከድና እንተጸለናን ሞባእ እንተውደቅና፡ ግብርና ግን ምስ ዝወደቁሉ ዕላማ ገጽን ሕቆን እንተሎ ንዝክሮም የሎናን። ንሶም ክስዉኡ ከለዉ፡ ህዝብና ጎይታ መሬቱን ወናኒ መጻኢ ዕድሉ  ክኸውን’ዩ ዝነበረ ድልየቶም ምእንትዚ ቅዱስ ህዝባዊ ዕላማ ድማ እዮም ሐሊፎም።
ጠላሚ ሕድሪ ስውኣት ፋሽስታዊ ስርዓት ህ.ግደ.ፍ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ህዝብታትና ጥዒምዎም ኣይፈልጥን`ዩ። ብሕሱም መቅሕ ተኣሲሮም ዝግረፍሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ክጥዕሞም ኣይካአልን`ዩ። ካብ ዅናትን ወረ ዅናትን ኣዕሪፎም አይፈልጡን።ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ህ.ግ.ደ.ፍ ንዅናት ከም ቀንዱ ዋኒኑ ሕዙ ይሰርሕ ኣሎ። ካብ ደቂ 16 ዓመት ክሳብ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ኣረጋውያን ከይገደፈ ንምኡእ ህዝቢ ኣብ ዓስከር ዝቀየረ ኩነታት`ዩ ዘሎ።
ኣብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ኣሎና። ስምናን ስም ደቅናን ብዓለም ስደተኛታት ኮይኑ። እቲ ስደት’ውን ብግቡእ ኣገባቡ ኣይረኸብናዮን። ብምድረ በዳን ባሕርን ምስ ሞት ተቃሊስና ኢና ንበጽሖ ዘሎና። ክንደይ ሞት ዝሰነፍቶም ኣብ መንገድና ገዲፍና መጺእና። ኣብ ስደት ዜግነት ወላ ዝወሰደ ኤርትራዊ ስሙ ስደተኛ’ዩ። ትርፉ። ኣብ ስደት ብዕድሜ ድፍእ ምስ በልካ ዘሎ ገልታዕታዕ ከኣ ንጸላኢና ኢኻ ትምነየሉ። ኣብ ሃገርና  እንተ ሰሓቅና ዘጸብቐልና፣ እንተ ተጻወትና ንሕጉሰ፣ እንተ ኣፍቀርና ዘይምኖ፣ ሓዳር እንተገበርና ዝጸንዓልና፣ እንተ ኣረግና ንኾርዓላ ተምንጢልና ኣሎና። ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ብኣሻሓት ዶላራት ስለ ዝግሕጥ ሕቆኡ ኣደልዲሉ ስለ ዝረግጸና ንኡ ሃብቲ’ዩ። ነዚ ዝግሕጦ ዘሎ ክልተ ካብ ምእቲ ደው ክነብሎ ኣበርቲዕና ንቓለስ። ሱዉኣትና ነዚ ናብራ ስደት ፈንፊኖም ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ እናበሉ ምስ ዓርመሸሽ ጸላእቲ ተዋጊኦም ኣጽኒሖምልና፣ ኣብ መድረኽና ዝተሰዉኡ ከኣ ኣረኪቦምና። ሕልናና ቀቲልና፣ ንሱዉኣት ዝሃቡና ውርሻ መሬት ሓዲግና፣ ምስ ናብራ ስደት ፍቕሪ ክሕዘና ነውሪ’ዩ። ደቂ መን ዲና ? ኣሓዋት መን ዲና ? ዓጽመ ስጋ 20 ስኔ ንዝክሮም ሰማኣታት እኳ ኢና።
ሎሚ መድረኽ ስመር ኣሎና። ነዚ ሰጊርና ከኣ ሓፍሽ ይንቓሕ ይወደብ ይበሃል ኣሎ። ነዚ መድርኽ ኩልና ብራሃጽን ብሂወትን ክነሰንዮ ሕድሪ ሱዉኣት’ዩ። ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ዝሞተ ክንብል ኣሎና። ኣንቱም ክተቱ ስምሃር ባርካ ሳሕል ክተቱ፣ ጋሽ ሰቲት ሰርየ ሰንሒት ክተቱ ኣኮሎጉዛይ ደንከል ክተቱ ኣንቱም ኣግኣዝያን (ትግርኛ) ጀበርቲ ሳሆ ክተቱ ኣንቱም ትግሬ ብሌን ኩናማ ናራ ዓፋር ክተቱ፣ እንተ ዘይከቲትኩም ትሞቱ፣ መጺእና ኣሎ ደም ሽንቱ፣ እንተዘይኣሚንኩም ንህዝብታት ብሌን፣ኩናማ፣ዓፋርን ወዘተ… ሕተቱ፣ ንሸሪፎ ሰናይት ዑቑበ  ካልኦትን ተመልከቱ፣ ብዘይ ፍትሒ’ዮም ዝሞቱ፣ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዘይኣምነ ብሴፍ’ዩ ፋሽስታዊ ተግባራቱ። ስመር መንእሰይ ወዲ ሓርበኛ ወዲ ህዝቢ ወዲ ታሪኽ ወዲ ሕጊ፣ ፋሽስታዊ ስርዓት ክፈርስ ኣለዎ ብዘይ ሓድጊ።
 እንተ እቲኦም እዝንኹም ክይሰሚዕ ትሓትሙ፣ ዓይንኹም ከይርኢ ትዕምቱ ንፋረድ ኣሎና። ሰብ ናብ ሰቡ ስለ ዝወድቕ ሂወት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ደቕናን ክነድሕን ኮላሊቶም ከይወስድ ንሓደ ሰብ 30 ሺሕ ዶላር ክንከፍል ብበደዊን ክንግደድ ከሎና ምሳና ትኸፍሉ ኣሎኹም። ኣብ ሱዳን ሂወት ሰብ ብኾንቱ ይጠፍኣን ይዋረድን ከም ዘሎ’ውን ትፈልጡ ኣሎኹም።
 ሰማእታትና ከማና ኣብ ስደት ምንባር ንኦም ሓራም ንኣና ሓላል ኮይኑ ኣይኮነን ዝተሰዉኡ። ንሶም ፍቅሪ ሃገርን ህዝብና ስለ ዝነበሮም ንመሬትን ንሓርነትናን ተሰዊኦም። ንሕና ዝኾነ ምኽንያታት ነምጽእ ሕጂ ግደና እዩ ሕድሮም ኣብ ሽትኡ ምብጻሕ።ኣብ ስደት ኮና ንፋሽስቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምግልጋል ጽባሕ ንግሆ ዘሕትት ገበን`ዩ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ከም ጸሓይ ዓራርቦ ይወድቕ ኣሎ። ሎሚ ውሳኔ ውሰዱ ምስኡ ክትዓርቡ ወይ ምስ ህዝብኹም ኮሪዕኩም ክትነብሩ።
እንተ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎና ንሕና’ውን 21 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ስደት ንዝክር ኣሎና። ጸገምና ንካልኣዊ ግርጭታትና ኣብ ካልኣይ ቦታ ገዲፍና ሐቢረና ስለ ዘይሰራሕና’ዩ። ነዚ ክንሰግሮ ደንበ ተቓውሞ ተዛሪቡ ዝስሚዕ ሃሪሙ ዝድሚዕ ጽላል ክህልዎ ምጽዓር ሃገራዊ ሓልፍነትና’ዩ። ነዚ ከኣ ኩልና ክንሰርሓሉ ይግባእ። ክላእ "ብዛዕባ ሰብአውን ድሞክራስያውን መሰላት ንጎድኒ ገድፍና ንኺድ ጥራይ ኣስመራ ምስ በጻሕና ንርእዮ" ምባል ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይህረም ከም ዝብልዎ ሎሚ ድሕሪ ጥልመት ፋሺሽቲ ኢሳይስ ካልእ ስበብ ንህዝብና ተሰኪምና ኣይንኣቱን’ና። ስለ’ዚ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝሓታ ከይነጸግና ብዝሑነትና ምቅባል ሎሚ ሓይልና፣ ንናይ ጽባሕ ኤርትራ ከኣ ጽባቔኣን ዓንድታት ዲሞክራሲናን ስለ ዝኾነ ብተግባርን ሕግን ንቀበሎ። ጽባሕ ከይበልና ፍትሒ ሎሚ ኣብ ማእከልና ትንገስ ጽባሕ ከኣ ሃገር ፍትሒ ኮይና ሰላምን ልምዓትን ክትፈሪ’ያ።
ሕጂ መንእሰይና ይለዓል ኣሎ። ሓዲስ ራእን ሓዲስ ኣገባብ ውደባን ክሕዝ ንሓግዞ። ዘልምዳዊ ኣገባብ ቃልሲ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ወሊዱ። እዚ ክድገም ይብሉን። ህዝብና ሰላምን ፍትሕን ረኺቡ ንልምዓትን ንምዕባሌን ጥራይ ክጥምት እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ሓዲስ ራኢይ ናይ ፍትሕን ናይ ከባብን ክህልዎ ንሓግዞ። "ወይ ምሳይ ወይ ጻልኢኤይ ኢኻ" ከይበልና ናጽንቱ ሓልዩ ክምርሽ፣ ጽቡቕን ሓምቕን ጥራይ ንንገሮ፣ ዝሓሸ ከኣ ባዕሉ ይምረጽ። ንሕና ማለት ውድባት ምስኡ ዘሰጉመናን ንኡ ዘቀድምን ባህልን ኣሰራርሓን ነታእታቱ።    
መንእሰይ ወለዶ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ንምዕደኩም "ሓርነትና ንሓርነት ካልኦት ክእብስ የብሉን።" ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝበልዎ ንደግመልኩም። ፍትሒ ኣብ ልቢ ኩልና ትንገስ፣ ንመሰል ንቓለስ ኣሎና እናበልና መሰል ካልኦት ኣይንርገጽ። ንርእሱ ሓራ ዝኾነ ንኻልእ ኣይጭቁንን’ዩ።
ብምጠቅላላ ብመንእሰያት ዝተወደበን ዝተመርሔን ሰላማዊ ሰልፊ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት  ዮሃና እናበልና አብ ዝላዓለ ደረጃ ናይ ቃልሲ ክነሰጋግሮ ኩልና ንንቓሕ ንወደብ ንዕጠቕ ንብል። ኣብ ጎንኹም ኣሎና።
ብስምረትናን ብቃልስናን  መሰል ብሄርትራትና ክረጋገጽ’ዩ !!
ውድቐት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ !!
ዘልኣለውምዊ ዝኽሪ ንሱዉኣትና !!እ
20 ሰነ 2012  መዓልቲ ሱዉኣት መግለጺ ዝወጸ እዩ
ብዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ።
Last Updated on Thursday, 21 June 2012 01:05
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 44 guests online