www.blina.org

መሪር ናይ ሓዘን መልእኽቲ፣ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Tuesday, 21 August 2012 21:29

ናብ ክቡራት ህዝብታት ኢትዮጵያ፣
ናብ ክቡር ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፓብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣
ናብ ክብራት ስድራቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ።

ናይ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኢትዮጵያ፣ ቐዳማይ ሚኒስተር ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ፣  ብማዕከናት ዜና ሃንደበታዊ ሞቶም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዕና።
ብፍላይ ንኹቡር ህዝብታትን መንግስትን ውድብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግን ኢትዮጵያ፣ ብሓፈሻ ከኣ  ንዞብናን፣ ንኣፍሪቓን ንመላእ ዓለምን፣ ዓቢ መራሒ ከም ዝጎደሉና ንምስክሮ ሓቂ’ዩ።
ተጋዳላይ ኣይመውትን ስለ ዝኾነ ዘይመውትን ዘይሳዓርን ገድሊ ሓዲጎምልና ስለ ዝኾኑ፣ ብልቢ እናመጎስና፣ ኣብ እነካይዶ ዘሎና  ምእንቲ  ፍትሕን ሰላምን ቓልሲ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ነባሪ ሓውልቲ ኣለዎም።
ነዚ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ከኣ ብሽም ዲሞክራስያው ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ ተሳተፍቲ ምዃና ንገልጽ።  
ንስድራቤቶምን ንመላእ ህዝብታት ትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም።
ካብ
ዲሞክራስያው ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ
21.08.2012

Last Updated on Tuesday, 21 August 2012 21:32
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 15 guests online