www.blina.org

ቓል ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ ባሕቲ መስከረም፣ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 31 August 2012 23:49

ህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵዊ መግዛእቲዊ ብሓይሊ ጎባጢ ንሃገርና ምስ ሓዘ ካብ መሬትና ክወጽእ፣ ብመጀመርያ ብሕጋውን ሰላማውን አገባብ ከይተሓለልና ተቃሊስና፡ እቲ ቅኑዕ ሕቶና ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰአነ አስዒቡ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ እድሪስ ዓዋተ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይድና። ብባሕቲ መሰከረም 1961 ዝጀመረ ቅኑዕ ቃልሲ ንመግዝእቲ ኢትዮጵያን ደገፍቶምን  ስዒርና ብ1991ዓም ንጽነትና ኣዊጅና። ኣብ ሕጊ ዓለም ድማ 1993ዓም ልኡላውነት ሃገርን ኣረጋጊጽና።  እንበኣር ኣብ ልብን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ መስከረም ናይ ኒሕን መኸተን ወርሒ ስለ ዝኾነት ልዕሉ ክሉ በዓላትና ክብርትን ታሪኻውትን’ያ
መግዛእትታት ዝበራረዩላ ዝነበረት ሃገርና ንሓንሳብን ንሓዋሩን መግዛእታዊ ጭቆና ካብ ሱሩ ምሕዩ ክድርቢ ዝገበረ ህዝብና ብቅድሚት ኣርክብ ብድሕሪት ኣጃኻ ዝብሎ ዘይብሉ፣ ብኒሕን ብጅግንነትን ተዋዲቁ ናጽነቱ ዝሓቆፈ ስለ ዝኾነ ልዕሊ ኩሉ  ክኾርዑን ክሕበኑን ክርህዎምን ምተገብኤ።
እዚኣ ናጽነት መልእ ህዝብታት ኤርትራ፣ ብደርባዊን  ማሕበራዊ ጥርናፌኡን ብብሄራዊ ኣካውናኡን ከይተፈላለዩ ብማዕረ ተሰሪዖም ዝተዋደቁላን መሪር መስዋእቲ ዝኸፈሉላ ሃገር ስለዝኹነት፡ ዝኾነ  ውድብ ወይ ዝኾነ ውልቐ ሰብ ወይ ብሄር ወይ ኣውራጃ ወይ እምነት ከም ካልኦት ይብጽሖም እንበር ብዝያዳ ዝብጽሖ የሎን። ናይ ኩሎም ኣህዛብ ኤርትራ’ያ። ክንየቱላን ክርሆምን ከኣ ናብ ህዝቢ ክትምለስ ኣለዋ።
እዚ ሓቂ እዚ ግን ንዕስራን ሓደን ዓመት ተረጊጹን ተጠሊሙን ንኣንፈት ሃገርን ህዝብን ኣብ ጸላማት ዝመርሕ ጠላም መንግስቲ ከም ዘሎ  መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለናን። ንህዝብናን ንሃገርናን ሓደ ፍጹም  ፋሺሽታዊ መላኺ ጉጅሌ ብሓይሊ ብረት ኣንበርኪኹ ግዳይ ጥሜትን ድንቁርናን ስደትን ጌይርዎ ከም ዘሎ ግደፍ ንኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ ዓለም’ውን ዝተጋልሀ ሐቂ እዩ።
እዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ንሃገርናን ንህዝብታትናን ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ዞባናን ኣብ ዓለምን መልክዓ ደዊኑ ነታ ብጅግንነትን ብመኸተን ብመስዋእቱን ትዝከር ዘነበትረ ኤርትራ፣ ሽማ ተቀይሩ፣ ‘ደቓ ተሳድድ ሃገር’ ትባህል ኣላ። እዚ ድማ ዝሕባእ ዘይኮነ ደቓ ኣብ ዝባላዕ ምድረ በዳ ሳህራን ዊቅያኖሳትን ክሞቱ ገለ ከኣ ብሂወቶም ከለዉ ኣካላቶ ተማሕዚቑ ኣብ ዕዳጋታት ከም መቐያየሪ ኣቑሓት ማንኪና ንሃብታመት ኣካላቶም ከም ዝሽየጥ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። መንእሰያ ከም ንጉሳ ዝጠፍኣ ንህቢ ተስፋን ክብርን ኣብ ሃገሮም ተሓሪምዎም ሃገሮም ራሕሪሖም ክኸዱ ንዕዘብ ኣሎና። ቅድሚ ሕጂ ተገሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ካብ ወዲ 18 ዓመት ክሳብ 70 ዓመት ብረት ብሓይሊ ክሕንግጥ ምግዳድ ነቲ ተሪፉ ንዘሎ’ውን ወይ በዚ ብረት ነንሕድሕድካ ተጣፋእ ወይ ነዛ ሃገር ገዲፍካ ተሰደድ ዝብል ሽርሕን ተንኮልን ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።
እንተኾነ ግዜ ይነዊሕ ቃልሲ ይመርር እንበር ብርግጽ ብሓይሊ ህዝብታትና እዚ ፋሽስታዊ ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ  ክፈሽልን ክሰዕርን’ዩ። እነሆ’ውን እቲ ተንከኦልን ሽርሕን ፋሽስታዊ ስርዓት በብግዜኡ ኣብ ቅድሜና ረማዕ ኢሉ ክወድቕ ንርኢ ኣሎና። ሓደ ካብኡ እቲ ሽርሒ ፋሺሽታዊ ስርዓት ዝነበረ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ክስደድ እሞ ግዳይ ናይ ፋሺሽቲ ኮይኑ ዶላራት ክእክብ እከይ ውጥን ብኡ ኣቢሉ ክጥፍእን ክምህምንን ዝቀየሶ ኣይሰልጦን። መንኣሰይ ሃገርና ትንሳኤ መንኣሰይ ኣዊጁ ክዛተን ክመኻኸርን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዋዕላ ደብረ ዘይቲ ተረኺቡ ኣብ ማሕበር ሕብረት መንኣሰይ ንድሕነት ሃገር ከም ዝሰመረ ዊዕልናን ሪኢናን ኣሎና። ዮሃና መንእሰይ ኤርትራ ከአ ንብሎም።
ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ሽርሕን ዓመጽን ክንገጥሞ ነቲ ተዳኺሙ ዘሎ ሃገራዊ ዲምክራስያዊ ባይቶ ሂወት ክንስዅዓሉ ኩልና ብብዓቕና ንስርሓሉ። እዚ ናይ መንእሰያት ሕበረት ንሃገራዊ ድሕነት ክሕይል ኩሉ ውድባት ግዴኡ ክገብር በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ። ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ንሙልእ መሰሉ እናተቓለሰ እቲ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ፍቕርን ሓድነትን ምትእምማንን ክሕይል ብርትዓውን ፍትሓውን ዕላማታት ክወሓስ ይጽውዕ። እዚ ስርዓት ንብሕታዊ ረብሓኡ ክብል ንህዝብታት ብእምነትን ብብሄርን ብኣውራጃን የታልል እንበር ንዝኾነ ወገን ዘይውክል እከይ ጉጅሌ ከም ዝኾነ ክንርዳእን ንቀዳማይ ጸላኢና ፈሊና ክንቓለስን ደጊሙ የምህርን ይጉስጉስን።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ብዓቕምና ነዚ ናይ መንኣሰይ ምጥርናፍን ኣብ ሓድነት ክኣቱን ብዓቕምና ክነበርክት ከሎና ካብ ዕላማና ተበጊስና’ና። ሕጂ’ውን ኩሉኹም መንእሰያት ብሄረ ብሌን መሰል ብሄርካን መሰል ካልኦት ብሄራትን ክረጋገጽ ጸላኢ ካብ ቤትካ ክጽረግ ግደኻ ዘይገበርካ ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ትነብር ወዓል ሕደር ዘይብሉ ምስ መዘናኻ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓቢራካ ግቡእካ ክትገብር ንጽውዓካ።
በዚ አጋጣሚ ሓደ መከረም ናይ ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ ሞት ንኹልና ዘሕዘነ ምዃኑ ኣብ ቓል ሓዘና ገሊጽና እንተኾነ ደጊምና ምስ እዚ ዕለት ክንዝክሮም ዘገደደና ሱዉእ ተጋዳላይ ስለ ዝኾኑ’ዮም። ንሕና ከም ጭቁናት ኤርትራውያን ብዝያዳ ንዝከሮምን ንሓዝነሎም ዘሎና ኣብ ግዜ ስደትናን ኣብ ግዜ መኸተናን ብሙሉእ ልቦም ምሳና ደው ዝበሉ ርሕሩሕን በዓል መትከልን ዝኾኑ መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾኑ’ዩ። ኤርትራውያን ካብ ዘመነ ሃጸይ ሚኒሊክ ክሳብ ግዜ ደርጊ ካብ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽርሕን ቦንባን ጥሜትን ሕስረትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓቲ ጽቡቖም ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ግዜ መርሕነት መለስ ግን ብሰንኪ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተዘባረቐ ፍቕርን ጽልእን እኳ እንተነበረና ብሰናይ ግብሮምን ኣብ ኣደባባይ ቀሪቦም ንጌጋታት ተንቲኖም ነቲ ብወገኖም ዝነበረ መድረኻዊ ጉድለት ኮይኑ ንሱ’ውን ከም ዘሕዘኖም ካብ ገለጹን ብግብሪ ከኣ ንጽቡቕ ጉርብትና ክልተ ሃገራት ብልቦም ካብ ሰርሑን ኣቶ መለስ ዜናዊ መዘና ዘይብሎም ብቁዕ ናይ ህዝብ መራሒ ምዃኖም ዓለም ዝመስከሮ’ዩ። ኣቶ መለስ ዜናዊ ይኹኑ ህ.ወ.ሓ.ትን ኢ.ህ.ወ.ደ.ግን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ብዕሊ ኤርትራውነትና ዝኣመኑልና ንልኡላዊት ኤርትራ ዝፈለጡን ስለ ዝነበሩ ካብ ተወሳኺ መስዋእትን ግዜ ምጉታትን ዝድሓኑና ቀዳሞት ፈተውትና ምዃኖም ክዝከሩ ክነብሩ’ዩ። መንግስቶም ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍቅሪ ዘላለየና ንስደተኛታትና ኣኽቢሩ ዝሓዘልና፣ ኣብ ካልኣይ ሓርነታዊ ቃልስና ከኣ እንኮ ደጋፊና ስለ ዝኾኑ ዓቢ ሐወልቲ ኣብ ልቢ ዉጹዓት ኤርትራውያን ከም ዝሃነጹ ዝከሓድ ኣይኮነን።
ተጋዳላይ የርኢ እንበር ኣይራአይን ከም ዝበሃል፣ ንኣቶ መለስ ዜናዊ  መግስተሰማይ የዋርሶም እናበልና ንስድራ ቤቶም ከኣ ጽንዓት እናተተምነና ኣብ ሓደ መስከረም ንኣቶ መለስ ዜናዊ ምዝካርና እቲ ጽኑዕ እምነቶም ንልኡላውነትናን  ዘይሕለል ቃልሶም ንሰላምን ምስ ሱዉእትና ናይ ቅድምን ናይ ሕጅን ንዕላማታት መስከረም ክውን ክገብሩ እተሰዉኡን ዝስዉኡ ዘለዉን ኤርትራውያን ሓዊስና ክንዝክሮም ከሎና እዋናውን ዝግቡኦም’ዩ።
ንሓደ መስከረ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ሃዋህው ንዝክራን ነብዕላን ዘሎና ንቃልስና ድርብ ሓላፍነትን ድርብ ቃልስን ተሰክመና ከም ዝኾነት ኣስሚርናያ ኣሎና። ቀዳመይቲ መስከረም ንናጽነት ኤርትራ ኣውሒሳ’ያ። ትመጽእ መስከረም ከኣ ሙሉእ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ክተውሕስ ፍትሕን ርትዕን ሒዛ ክትመጽእ ንጎደና ሰላምን ልምዓትን ዝግስግስ ዕላማታት አፍደገ ተርሑ ክትከውን ንጽዕርን ንምኔን።
ዕላማታት መስከረም ብሙሉእ  ክዕወት’ዩ !!
ውደቐት ንፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ !!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር  ብሌን ኤርትራ
30.08.2012

Last Updated on Wednesday, 12 September 2012 22:16
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 48 guests online