www.blina.org

ኣማቲ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ጀነቭ (ሰዊዝ) 16 ሕዳር 2012 PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Saturday, 24 November 2012 00:54


እቲ ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ተወሲኑ፡ ኩሉ አእጃሙ ብምብርካት ዝተረባረበሉ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ፡ ናይ መጻኢ ኣማትነቱ ብምርግጋጽ፡ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ዝርዝር ናይቲ ከባቢ 8 ዕላማታት ንምጭባጥ ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ወብሳይታት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ነተን ቐንዲ ዝኾና ሰለስተ ንምጥቓስ ዝኣክል፡ 1) ስርዓት ዉልቐ-መላኺ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምኹናን፡ ንኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ንምቕላዕን፡ እቲ ማሕበረ-ሰብ ኣድላዪ ጸቕጢ ክገብር መጸዋዕታ ንምምሕልላፍን  2) ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ህዝቢ ቖጽሉ ዘየንበረሉ ስለ ዘኾነ ንኽወርድ ንምጥላብ Enough is Enough:  Dictator Isaias must go! 3) ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ አብ ምድረ-በዳ ሲናይ (ግብጺ)፡ ጂቡቲ፡ የመንን እስራኤልን ዘጋጥሞም ዘሎ ሕሰምን መከራን ብምቕላሕ፡ ክሳብ ዝኾነ ዝኸዉን ኣድላይ ሓገዝ ክግበረሎም ንምሕታት ኢዩ፡፡

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ጀነቭ ብዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ዝፈልዮ ሰለስተ ረቑዋሒታት ብከምዚ ዝስዕብ ክቐርብ ይኽእል፡፡

1) እቲ ሰልፊ፡ ከምቲ ናይ ቕድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ደዉ ኢልካ፡ ዝካየድ ዘይኮነ፡ ምረሻ ዘለዎ ተንቓሳቓሲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምንባሩ ኢዩ፡፡ በዚ ድማ፡ ተቐማጢ ናይታ ሓንቲ ካብተን ዲፕሎማሲያዊ ዋና ከተማታት ኣዉሮጳ ዝኾነት ጀነቭ፡ ሓያለይ ካብ ተቐመጥታ ብዛዕባ እቲ ጉዳይና ንኽፈልጡን ጠመተ ንኽገብሩሉን ዝደረኸ ኣጋጣሚ ብምንባሩ ኢዩ፡፡  ብተመሳሳሊ፡ እቲ ካብ ከባቢ ነቑጣ ምድሪ ባቡር ናይታ ከተማ ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ነጎዳ ዝድርጉሖ ዝነበረ ጭርሖታት፡ ኣቓልቦ ንኽስሕብ ብምኽኣሉ ኢዩ፡፡

2) እቲ ዋሕዚ ናይቲ ካብታ ኣኣንጋዲት ሃገር (ስዊዝ)፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ነዘርላንድ፡ ፈረንሳ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ጣልያን፡ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ሰልፈኛታት ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኢዩ፡፡ እቲ ብጎደናታት እታ ከተማ ክምርሽ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ምስቲ ኣብቲ ምረሻ ዘየርከበ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግሰታት ደዉ ኢሉ ምስ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ምስ ተሓወሰ ዕልቕልቕ ኮነ፡፡ እቲ መንእሰያት ዝዓብለሉ፡ ቕደሚ ሕጂ ኣብ ኣዉሮጳ ካብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ፡ ንኩሎም ደለይቲ ሰናይ ኤርትራ፡ ተወሳኺ ፍናን ዝሃበ ህሞት፡ ሙኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ክሳብ 3000 ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኮይኖም ክጉዋዝሙ ከለዉ ምርኣይ ቐሊል ኣይኮነን!

3) እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ አሃዝ ክበጽሕ ዝከአለ፡ ቕድሚ ሕጂ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብማሕበራዊ ሓላፍነታትን ብተክኒካዊ ምኽንያትን ክመጹ ዘይክእሉ ዝነበሩ ዜጋታትና ብብዝሒ ስለ ዝመጹ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቶም ቕድሚ ሕጂ ተዓዘብቲ ጥራሕ ዝነበሩ፡ ትም በሃልቲ ዜጋታትና (silent majority) ፡ ቓንዛ ሃገሮም ተሰዊጥዎም፡ ነቲ ስርዓት ብምቕባጽ፡ ደጊም ቶባ ኢሎም፡ ናብቲ ደላይ ለዉጢ ዝኾነ ህዝቦም ብምጽንባሮም ኢዩ፡፡ በዚ አጋጣሚ ከኣ መርሓባ ንብሎም!!  ምስቶም “ ቅድም ቐዳድም ድሕነት ሃገር“ እንዳበሉ፡ ነታ ሃገር  ኣጽዲፎማ ክሃድሙ ዝቐራረቡ ዘለዉ፡ ሒደት ጠላማት መራሕቲ ህግደፍ ተባቲኾም፡ ማይን ሑጻን መታርፍቲ ሙኻንና አሚኖም ብምምጽኦም  ከኣ፡ ዮሃና ንብሎም!! ካብ ደንበ ልኡምነት ግዝዕ ኢሎም፡ ናብ ሓይልታት ዲሞክራሲን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክመጹ ምርኣይ፡ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፡ ማዕረ ኽንደይ ኣማቲ መጻኢ ምዕባለታት ሙኻኑ የነጽር፡፡

ሰልፈኛታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ደዉ ኢሎም፡ ቑሪ ጀነቭ  ከይበድሆም፡ መልእኽትታት ብምስማዕን ወንኻ ዘለዓዕል ጭርሖ ብምቕላሕን፡ ነቲ መደብ ኣማዕሪጎሞ ዉዒሎም፡፡ ክልቲኦም ልኡኻት ጉጅለ፡ ነቲ ዘዳለዉዎ ደበዳበታት ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣረኪቦም፡፡ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ላዕላዎት ኮሚሽነራት ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ሰዲድዎም ዝነበሩ ልኡኻት ምስ ተመልሱ፡ ንርክባቶም ብዝምልከት፡ ነቲ ህዝቢ መግለጺ ሂቦም፡፡ እቶም ልኡኻት ብቐጥታ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ደበዳበ ፡ዝጸሓፉ ክኾኑ ከለዉ፡ ብቕዳሕ ድማ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግሰታት ክቡር ሚስተር ባን ኪ-ሙን ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምስ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዉ ስደተኛታትና ብዝተኣሳሰር፡ናብ ኤምባሲታት ምስርን ሱዳንን ዝቐንዐ ደብዳበታት እዉን ጽሒፎም ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ንፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ እቲ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዉሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ተሓጺሩ ከም ዘይተረፈ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እዉን ምህዋኹ ከም ዝቕጽል ስግኣቱ ገሊጹ፡፡ ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ኣብ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ፡ targeted/ smart sanction  ምሉእ ብምሉእ ንኽትግበር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብኡ ዝተረረ እገዳ ንኽግበረሉ ጸዊዑ፡፡ ኣብ ሓለፍቲ መንግስቲ ዝተወሰነ ምእጋድ እዉን ንኽጸንዕ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡

ምስ ሰብ-መዚ ላዕላዎት ኮሚሽነራት ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተገብረ ርክብ ብዝምልከት፡ እቲ ጉጀለ ልኡኽ፡ እቶም ኣብ ናይ ዓሚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ አብ ዝተኻየደ ርክብ ተጠቒሶም ዝነበሩ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብአዊ መሰላት ኣብ ቦትኦም ኮይኖም፡ እቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ እንዳገደደ ምኻዱ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ዝተራእዩ 3 ዓበይቲ ኣሉታዊ ክስተታት ከኣ፡ ንደቂ 60-70 ዝኾኑ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣገዲዱ የዕጥቕ ምህላዉ፡ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምጭዋይን ምዝማት ክፍሊ ኣካላትን (human trafficking and organ robbery) ወተሃደራዊ መራሕቲ ህግደፍ ይሳተፉ ምህላዎም ዝጠቕሱ  ጸብጻባት ይመጹ ምህላዎም፡ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ዝናብ ዘይተሳእነ፡ ኮነ ኢልካ ሰብ-ሰርሖ (man-made) ዋሕዲ ማይ ከምዝፍጠር ምግባር ኢዩ፡፡

ኤርትራዉያንን ወጻእተኛታት ተሓለቕቲ መሰላት ደቕ-ሰብ ብዝገበርዎ ጻዕርን፡ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተከታተሎም ምዕባለታት ብምብጋስ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት መሰላት ደቕ-ሰብ ንምጽራይ ሓንቲ ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ (Special Rapporteur) ምምዛዙ ብምምስጋን፡ ንሒዘንኦ ዘለዋ ዕማም ብዝምልከት፡ ሓድሽ ምዕባለታት እንተልዩ እቲ ልኡኽ ነቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተወከሰሉ፡ እተን ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ናብ ኤርትራ ንምኻድ ክኽእላ ምእንቲ፡ እቲ ኮምሽን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶኡ ኣቕሪቡ ከም ዘሎን፡ መልሲ ክረክብ ይጽበ ከም ዘሎን ተሓቢርዎ ፡፡ እቲ ልኡኽ፡ እቲ ምጽራይ ክካየድ ሃንቐዉትኡ ሙኻኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ባይታ ግን፡ እቲ ስርዓት ኣብ ካልእ ጉዳያት፡ ተመሳሳሊ ጠለባት ወይ ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሉ፡ ናይ ምጽቓጥ ባህርይ ዘለዎ ሙኻኑ፡ ስግኣቱ ገሊጹ፡፡ ድሕሪ እዚ መግለጺ እዚ፡ እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽትን ለበዋን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናቱ እጃም ክወስድ ዝግባእ እኩዋ እንተኾነ፡ እቲ ቐንዲ ፍታሕ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ግን፡ ኣባና ኣብ ዜጋታት ዝወድቕ ሙኻኑ ኣዘኻኺሩ፡፡ ኣብዚ ዓዉዲ ሰብኣዊ መሰላት፡  ብዙሕ ክዕየ ዝግብኦ ዕማም ከም ዘሎ ብምጥቓስ፡ እቲ ኮሚሽን ካብ ኩሉ ሰብ-ብርኪ (stakeholders) ዘተኣማምን ስሩዕ ሓበሬታ (regular updates) ስለ ዘድልዮ፡ ኩሎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ግዱሳት ዉልቐ ሰባትን ጸብጻባት ኣብ ምቕራብን ሓደስቲ ምዕባለታት አብ ምልኣኽን እጃሞም ከበርክቱ ተላብዩ፡፡

እቲ ምስ ሰብ-መዚ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ሕ.መ. ንስደተኛታት ዝተራኸበ ልኡኸ እዉን ብወገኑ፡ ንርክባቱ ብዝምልከት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብዎ፡፡ አብ ሱዳን፡ ግብጺ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ፡ ጂቡቲ፡ የመንን እስራኤልን ኤርትራዉያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ዘርዚሮም፡፡  ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታትን ከባቢኡን ከለዉ ዝጭወዩ ስደተኛታት፡ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ይተሓዙ ስለ ዘለዉ፡ እቲ ኮሚሽን ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምትሕብባር፡ ንድሕነቶም ንኽሰርሑ ሓቲቶም፡፡ እዚ ኣሰካሒ ኩነታት ስደተኛታት ክቕየር ምእንቲ፡ እቲ ኮሚሽን ከምቲ ንግብራዊ ዓቕምታቱ ነከዕቢ ንመንግስቲ ሱዳን ዝገበረሉ መጸዋዕታ፡  ንመንግስቲ ጂቡቲ እዉን ብተመሳሳሊ ነኸመሓላልፈሉ ሓቲቶም፡፡  ናይ ጂቡቲ ብዝምልከት፡ እቲ “ሃገራዊ አገልግሎት“ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝተመጠጠ፡ ኩሉ ዓቕሚ ኣዳም/ሔዋን  ዝበጽሐ ኤርትራዊ/ት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ምዉሳዱን፡ ኣብ 2008 አብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዉግእ ምስ ምክያዱን፡ መንግስቲ ጂቡቲ ብዓይኒ ጥርጣረ ስለ ዝጥምቶም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጉኖም ብምጥቓስ፡ እቲ ኮሚሽን ንድሕነትን ሃለዋትን ናይቶም ዜጋታትና፡ ምስቲ መንግስቲ ብሓባር ንኽሰርሑ ሓቲቶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ ልኡኽ፡ ኣብ የመን በቲ መንግስቲ ናይ ዝተኣስሩ 250 ኤርትራዉያን ዝርዝር ኣስማት፡ ነቲ ኮሚሽን ኣረኪቡ፡፡ ምስ ኣብ የመን ዘሎ ግዝያዊ ዉሽጣዊ ኩነታት ዘይምርግጋእ፡ እቲ ስርዓት ኤርትራ ነዚ መዝሚዙ፡ ናብ ኤርትራ ክጨዉዮም ከምዝፍትንን፡ ብመንግስቲ የመን እዉን ናብቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ፡ ግናይ ምሕደራ መሪርዎም ገዲፎማ ናብ ዝመጹ ሃገሮም፡ ናይ ምጥራዝ ኩነታት የንጸላልዎም ከምዘሎ፡ እቲ ልኡኽ ስግኣቱ ገሊጹ፡ ፡ ኣብ እስራኤል እዉን፡ እቲ መንግስቲ ካብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ፡ ነታ ሃገር ምስ ግብጺ ዘራኽባ ዶብ፡ ብሓጹር ዓጽዩ ንስደተኛታትና ምስጋር ከሊኡ፡ ናብ ዓዶም ንምጥራዝ ይህቕን ከም ዘሎ ብምጥቓስ፡ እቲ ኮሚሽን፡ እስራኤል፡ ኣህጉራዊ ግዴታኣ ብምፍጻም፡ ነዚ ጀሚራቶ ዘላ ተግባር ደዉ ንኸተብሎ መጸዋዕታ ከቕርብ ተሓቲቱ፡፡

እቶም ሰብ-መዚ ናይቲ ኮሚሽን፡ ነዚ መጸዋዕታ፡ ጥርዓንን ስግኣትን ናይቶም ልኡኻት፡ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኩነታት ናይዞም ኣብዘን ኣቐዲመን ተጠቒሰን ዝጸንሓ ሃገራት ዘለዉ ስደተኛታት ከምዝከታተሉን፡ ብደቒቕ ንምፍላጡ ዝጽዕሩ ሙኻኖምን ድሕሪ ምጥቓስ፡ ምስቲ ክብደትን ኣስጋእነት ናይቲ ስቓይ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ቐዳምነት ሂቦም ብዕቱብ ክሰርሑሉ ሙኻኖም ገሊጾም፡፡  እቲ ኮሚሽን፡ ምስተን ዝምልከተን ሃገራት ብምትሕብባር፡ ኣብ  ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን እስራኤልን ናይ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኩነታት ንምምሕያሽ፡ ከም ዝጽዕቱ ነቶም ልኡኻት ሓቢሮም፡፡ ድሕሪ ናይዚ መግለጺ እዚ፡ እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቲ ኮሚሽን፡ ናቱ እጃም ከልዕል ዝግባእ እኩዋ እንተኾነ፡ ነቲ ቐንዲ ምንጪ ስደተኛታት ናይ ምድራቕ ሓላፍነት ግን፡ ሕጀዉን ኣባና፡ ኣብ እንግድዓ ዜጋታት ዝወድቕ ሙኻኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ብድሕሪ’ዚ ግጥምታት ተነቢቡ፡ ጭርሖታት ተዶርጊሑ፡ ንመጻኢ ክግበር ዘለዎ ዕማማትን ለበዋታትን ምስ ተመሓላለፈ፡ ንሕደሪ ስዉኣትና ከም እነጽንዕ ብእትገልጽ መዝሙር ተዘሚሩ፡ እቲ ቐንዲ መደብ ምስ ተወደአ፡ ናብቲ ሕድሕዳዊ ሌላ ንምስጋር፡ ዝያዳ ኢህን ሚህን ንምብህሃልን፡ ናብቲ ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ኣምሪሑ፡፡

እዚ መስርሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ማዕከናት መራኸቢ ኤርትራዉያንን ወጻእተኛታትን ብቐጥታ የመሓላልፎኦን (live broadcast) ይስንደኦን ነይረን፡፡ ገለ ካብኣተን ንምጥቓስ ዝኣክል፡ ረዲዮ ኣሰና፡ ወጋሕታ፡ ኤረና፡ VOA  መደብ ትግርኛን ይርከብዎም፡፡ ካብ መራኸቢታት ስዊዝ ብቋንቋ ፈረንሳ ዘመሓላልፋ፡ Le Temps፡ Radio Télévision Suisse፡ L’Express፡ l’Impartial፡ Courrier de Geneve፡, Journal du Jura ፡ Agence Télégraphique Suisse ከምኡውን ካልኦት ማዕከናት ዜና ተረኺበን ነይረን፡፡  ኣብ ዓምድታተን ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ግፍዕን፡ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፍን ብሰፊሑ ኣስፊረን፡፡ ጋዜጣታት L’Express ፡ L’impartial፣ « Isayas doit s’en aller » (Isayas Must go) ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓቢ ኣርእስቲ፡ ምስ ኣዳለውቲ ኮሚተ ቓለ መሕትት ኣካይዳ፡፡ ክልቲኤን ጋዜጣታት ን ኤርትራ ’ North Korea of Africa’  ’Open Sky Prison’  ክብላ ገሊጸንኣ፡፡ ብኸምዚ፡ እቲ ዉልቐ-መላኺ ምስሊ ናይቲ ስርዓት ብግቡእ ተቓሊዑ ክበሃል ይከኣል፡፡ ሕጂ ዝተርፍ እምበኣር፡ ናይ ዜጋታት ዕማም ኮይኑ፡ በዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ኣንፈት ምቕጻል ኢዩ፡፡

ኣጋይሽናን ነበርቲ  ስዊዝን  ኣኹሪዕኩምና!! ኣብ  ዳግማይ  ዓወት  የራኽበና!!

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!

ንደርቢ ኩልና ጸጸጸርና!

18 ሕዳር 2012

ኮሚተ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ 16 ሕዳር 201


Last Updated on Friday, 30 November 2012 18:03
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 309 guests online