www.blina.org

ዝኽሪ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ብግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 30 November 2012 17:26

ዝኽሪ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ብግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴ


ዓድታት ዖናን በስክዲራን


ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ንዓድታት ዖናን በስክዲራን ዘቓልሔ መዘክርን ዝኽርን ክንገብር ከሎ ኣብ ሃገርና እተን ዝበዝሔ  ሰላማዊ ህዝቢ ብጃምላ ዝሃለቐለን ዓድታት ስለ ዝኾነ’ዩ። ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝቅልቐል ክሳብ ዝዓርብ፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኤርትራ፣ ዕጫ ስቓይን ቃንዛን ሞትን ከም ዝኾነት ከኣ ንኣምን። ነዚ መጠን ዘብይብሉ ግፍዕታት ከኣ ታሕቲ ኣስፊርናዮ ኣሎና። እንተኾነ እዚ ዓቢ ታሪኽ ህዝብና ግፍዕታት መ.ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ሰነድ የሎን። ቆርብርታውን መግዛእታውን ናይ መግዛእቲ ጣልያን ግፍዕትታት እሞ ካሕሳ ተበሊዑ ከይከውን ንጠራጠር።  ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ነዚ ካብ ሳንጃን ጥይትን ሓውን ዝተረፈ ህዝብታት፣ ምቁጻርን፣ ምስናድን፣ ምጥያስን ቀዳማይ ዕማም መንግስቲ ክኸውን ኔርዎ። እንተኾነ ፋሺሽታዊ ጉጅሌ ህግደፍ ዓንዳርን ምላኽን ተግባራቱ ካብ መግዛእትታት ዝኸፍኤ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውረደን ዘውርድን ዘሎ ስለ ዝኾነ ነዚ ክስንድ ህዝባውነት ባህሪ የብሉን።  


ኣብ ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን ነተን ቅድሚኤን ይኹን ኣብ’ቲ ዓመት ይኹን ዝነደዳን ሰበን ዝሞተን ዝተዘምታን ሰሚና ኣሎና። ብዘይሰነድ ካብዝን ካብትን ዝኣኻኸብናዮ ስለ ዝኾነ ገለ ናይ ዓድታት ስምን ክርሳዕ ይኽእል’ዩ፣ ነዚ ኣቐዲምና ይቕሬታ ንሓትት፣ ግዱሳት ደቂ ሃገር ጸሓፍትን ተመራመርትን ነዚ ክቡር ታሪኽና ተሓባቢሮም ክስንዱን ንመጻኢ ትውልዲ ክሰግሮን፣ እዚ  ጽሑፍና መዘኻኸሪ ክኸውን ንትስፎ።


“ኤርትራ ባሕራ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ”

ሃ-ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ፣


ሰውራ ኤርትራ ብ1961ዓም ብኣቦ ገድሊ፣ ጅግና እድሪስ ሓምድ ዓወተን ምስ ብጾቱ ምስ ተጀመረ፣ ነዚ ቅኑዕን ፍትሓውን ቃልሲ ካብ ህዝቢ ክንጽልዎ፣ ኸም’ዚ ናይ ሎሚ ህግደፋዊ ጉጅሌ ንፍትሓውያን ለበዳ ሓሶት “ናይ ወያኔ” “ናይ ኣሜሪካ ተንኮል” “ናይ ኣውራጃ ምንቕስቓስ” ዝብሎ ንሰውራና’ውን “ናይ ኣስላም’ዩ” “ብፐትሮል ዝተግዝኡ ጀውሲስ ዓረብ’ዮም” ክብል ጠቂንዎ’ዩ። ንሰውራ ከጥፍእ፣ ምስ ኣሜሪካን እስራኤል ተሻሪኹ ዝበልጸ ብረት ክሽምትን፣ ዝበለጹ ወተሃደራት ክምልምልን ላዕልን ታሕትን ኣናበለ፣ ማዕረ እዚ ከኣ ካብ 1961ዓም ጀሚሩ “ዓሳ ንማሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ” ዝብል ባርባርዊ ጭርሖ ሒዙ ህዝቢ ምጽናት ዓወት ይቆጽሮ ነበረ።


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ 1961ዓም ክሳብ 1965ዓም እናወደቐን እናተንስኤን ህላዌኡ ንምርግጋጽ ኣብ ገሊኡ ግዜ ከኣ ነቲ ምእንቲኻ ተንሲኤ ዝብሎ ተጋዳላይን ህዝብን ፍትሒ ከይሃበ መቃልስቱ ክትኮኖ ንዝግባኣ ምንቕስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ ወይ ማሕበር ሾብዓተ) ብብረት ደምሲሱ’ዩ ተጓዕዙ። እንተኾነ ብ1965ዓም ኣብ ዉሽጡ ደልዲሉ ንጸላኢ ወስ ክብል ጀመረ። ኣብ’ዚ ሓጺር ወስታ ከኣ ንጸላኢ ዓበይቲ ክሳራታት ኣውሪዱ ዓበይቲ ዓወታትን ሓፊሱ ንደላይ ነጽነት ህዝቢ’ውን ልቢ  ኣረስሪሱ። ካብ’ዚ ግዜ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዚ ትንፋስ ዘይህብ ጽፍዒት ኣርዕድዎም “ዓጾ ዓጾ ንማዕጾ’’ ከም ዝበሃል “ጀብሃ ኣድሪርድኩም” “ምስ ጀብሃ ወጊንኩም” ብዝብል ምስምስ “ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ” ዝብል ፋሺሽታዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብ ክዝንብ ጀመረ። ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ከኣ እተን ዝበዝሔ ህዝብናን ንብረትናን ማልናን ዝሃለቐሉ ናይ 1976ዓም’የን። ሜላ ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ህዝቢ ፈላሊኻ ግዛእ ስለ ዝኾነ ምንዳድን ምቕታልን ብዓድታት ኣመንቲ እስልምና’ዩ ጀሚርዎ። እንተ ንግደ ሓቂ ገዛኢ ደርቢ ሓው ሓብቲ ሃይማኖት ሃገር’ውን የብሉ። ንኣብነት ህግደፍ ገዛኢ ደርቢ ስለ ዝኾነ ብተግባር ይሰርሓሉ ኣሎ። ጦር ንቆላታት፣ ባርካን፣ ስነሒትን፣ ሳሕልን፣ ሰምሃርን፣ ኣኮሎጉዛይን፣ ደንከል፣ ሓምሴንን ሰራየን ህዝበን ክቐትልን ንበረትን ክዝረፍን ከሕርረንን ኣብ ካርታ ኣእተወን። ህዝቢ ባርካ ከኣ ቀዳምነት ናይ’ዚ ፋሺሽታዊ ትግባር ኮኑ።


ትኾንብያን ከባቢኣን፣

ዝወረደ መቕዘፍቲ ብቓላት ክግለጽ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ ሕሱም ዕጫ ብከባቢ ትኾንቢያ’ዩ ጀሚሩ። ብዕለት 11 ለካቲት 1976ዓም፣ ብለይቲ ገስጊሱ ኣብ ከባቢ ትኾንብያ ንዝነበራ ዓድታት ሰብን ኣብ ገዛ፣ ከብትን ኣብ ደንበ ከለዉ ጸልማት ተጎልቢቡ ገበጠን።  ብዓዲ ኢብራሂም ጀሚሩ ከኣ፣ ዓዲ እስፈዳ፣ ዓዲ ኣደም ኬሻ፣ ዓዲ ብላል፣ ዓዲ ሓሺሽ፣ ዓዲ ሃስሪ፣ ኣብ ሓደ ረፍዲ  ብዘስካሕኪሕ ኣገባብ ክሳብ 100 ዝኾኑ ቆልዑን ኣንስትን ብሳንጃን ብጥትን ቀዘፎም። ንብረቶም ኣሕሪሩ ዝተረፈ ዘመተ። ኣብ እዚ ወርሒ ንዓዲ ዑመር ሸኽሻኽ፣ ኣኽቢቡ ብተመልከተለይ 15 ሰባት ብጥይት ድሕሪ ምቅታል ሃብታምን ዕምርትን ዓዲ ኣብ ሓደ ረፍዲ ኣባደማ። ብተመሳሳሊ ግፍዕን ዝረፋን ንብዕራባዊ ባርካን ሳሕልን ዝርከባ ንዓዲ ጀማል፣ ዓዲ ዑመር፣ ዓዲ ሰይድና ሓምድ፣ ዓዲ ኩኵይ፣ ዓዲ ሓባብ፣ ገርበት፣ ዓዲ ፊደል፣ እምትሩብ፣ መጎራይብ፣ ሰበን ቀቲሉ ንብረተን ዘሪፉ ዝተረፈ ከኣ ንስደትን ክፉእ ናብራን ከም ዝሳጣሕ ገበረ።


ኮሮኮን ከባቢኣን፣

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1976ዓም ድሕሪ ወፍሪ ዓዲ ኢብሪህም፣ ንዓድታት ኮሮኮን፣ ዓቢ ዓዲ፣ ሓምድ ሸካይ፣ ሰንበል ኣዉዳ፣ ጎስማ፣ ማይ ኣንበሳ፣ ኮይታ፣ ሆሮ፣ ለሕላሃ፣ ከይትበያ፣ ዳመር፣ ዕሙራት ዓድታት ኣቓጺሉ፣ 150 ዝኾኑ ሰላማዊ ህዝቢ ብዘስካሕኪሕ ኣገባብ ቀቲሉ ንብረተን ዘሪፉ።


ከተማታት እቑርደትን ተሰንይን፣

ኣቑርደት ወስታ ናይ ፍዳኢን ንመራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ኣኼባ ከለዉ ብቦንባ ኢድ ምስ ኣቑሰሉ ካብኡ ንደሃር ከተማ ኣቑርደት ሓንቲ ለይቲ ብሰላም ኣይሓደረትን።

ኣብ ከተማ ተሰነይ ብ12ለካቲት 1967ዓም ን21 ናይ ፖሎቲካ እሱራት፣ ንህዝቢ ከርዕዱን ካብ ሰውራኡ ክንጽልዎን ንመፈራርሒ ተባሂሉ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሸንዎም።


ከባቢ ባጽዕን ዓሰብን ዓድታት፣

 ኢንበረሚ ሕርጊጎ ሽዕብ ብሓይሊ ወተሃደር ኢትዮጵያ ነደዳ ሰበን ከኣ ብሳንጃን ጥይትን ተቐቲሉ ንብረተን ተዘሪፉ ቆልዑ ኣቦን ኣደን ዝተረፉ ብዙሓት’ዮም። ኣብ’ዚ እዋን ንህዝቢ ዓፋርን ሳሆን ዝወረደ ግፍዕታት ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ብሩህ ኮይይኑ፣ እንተኾነ መወከሲ ጎዲልና ክንጽሕፎ ኣይከኣልናን። ደቂ ዓፋር ካብ ሃገራት ኣዕራብ ብመራኽቦም ንሰውራ መግብን ብረትን ዝመላልሱ ንሶም’ዮም ብዝብል ብዘይሓቲ መወከሲ ብከብድ ብረት ክህረማ ትእዛዝ ተዋሂቡ ስለ ዝነበረ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝተቓጸሉን ዝሞቱን ብዙሓት’ዮም።


ዓይለትን ከባቢኣን፣

ብኮለኔል ሞላ፣ (ብጭካኒኡ ዝልለ) ነዚ ከባቢ ካብ ሰውራ ብሞት ወይ ብፍቶት ከጽሪ ጭካን ሰራዊት መሪሑ፣ ብሰኔ 1967ዓም፣ ዓዲ ዓይለት ኣቶ። ዓዲ ገምሃሎ ካብ ዓዶም ኣብ ዓይለት ክሰፍሩ ትኣዛዝ ስለ ዝመጾም ዓዶም ሓዲጎም ኣብ ዓይለት ነበሩ። ጦር ብንግሆ ኣኽቢቦም፣ ንነባሪ ዓይለት ቆልዓን ስበይትን ኣከብዎም። ኮለኔል ሞላ፣ ብዳዔን ፈኸራን ዝመልኦ ዲስኩር ገበረ። ነቶም ፍርይ ፍርይ ዝብሉ ኮብኩቡ ኣብ ሩባ ኣውረዶም። ነቲ ህዝቢ ክሳብ ሰዓት 5 ምሸት ማይ ከይሰተየ ንሽንቲ ከይወጽኤ ብጦር ሓሊዩ ወዓለ። ገዛ ገዛ ከይዶም ስልማትን ክቡር ንብረትን ክዘርፉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ድሕሪ እዚ ህዝቢ እናረኣየ ዓዲ በልበል ኣበልዋ። ንቶም ኣብ ሩባ ዝወስድዎም ብሳንጃ 23 ዝኾኑ ቀቲሉ ዓይለት ሓምኹሽቲ ምስ ኮነት ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ደምሲሱ ጦሩ ሒዙ ከደ። እቲ ዝተረፈ ህዝብታት ዓይለትን ገምሃሎን ኣብ ዝባኖምዘላ ክዳንን ድራር ዝኸውን መግብን ዘይብሎም ተረፉ። ስቓይ ህዝብና ግን ኣብ’ዚ ደው ኣይበለን ጦር፣ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ቀጺሎም ንሸባሕ፣ ገድገድ፣ ወቂሮ፣ ማዕያት፣ ዓሲሳ፣ መትከላቤት፣ ፍግረት፣ ሓያላት ናይ ቁጠባ ምንጭታት ዝነበራ ዓድታት ኣቓጺሎም ህዝበን ኣጽኒቶም ንብረተን ዘሪፎም። ኣብዚ ክዝከር ዝግብኦ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማ ናይ ሰምሃር ርእሲ ኣማሓዳሪ ዝነበረ፣ ንቤት ጽሕፈት ራስ ኣስራተ ካሳ ከይዱ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ዝወርድ ግፍዒ ተሓታቲ ክኸውን ኣይደል ስልጣንኩም ተረከቡኒ ዝበለ ጅግና’ዩ። ነቲ ህዝቢ ከህልቕ ዝተበገሰ ሓይሊ ከኣ ሂወቱ ሰዊኡ ከም ዝመለሶ ይዝንቶ።


ሃዘሞ፣

ጸላም ሓምለ 31 1976ዓም መፋርቕ ክረምቲ ስለ ዝነበረ ሓረስታይ ሎሚ ዓመት ድራር ዓመትና ሃበና ኢሉ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ኣብ ጻህያይን ካልእ ዋኒን ከሎ፣ ካብ ሕምሽተ ከተማታት ማለት ሰንዓፈ፣ ዓዲ ቐይሕ፣ ሰገነይቲ፣ ደቀምሓረ፣መንደፈራ ዝወፈሩ ንሃዘሞ ብምልእታ ኣብ ከበባ ኣእተዉዋ። እዚ ዳህሰሳ ዝብልዎ ንሓደ ሶሙን ስለ ዝጸንሔ ካብ ጫፍ ንጫፍ  ዓድታት ሃዘሞ ተቓጸለ። ክሳብ 49 ዝግመታ ዓድታትን ኣሕረሩ። ሃዘሞ ብትክን ብሓውን ዳሜራ መሰቀል ኮነት። ኣብ ዓዲ ዓራዝ ዝኣተዉ ጦርን ግን ሕሉፋት ጨካናት ስለ ዝነበሩ ነታ ዓዲ ብንግሆ ሰብ ኣብ ምስጊድ ከሎ ከበብዎ። በብሓደ እናውጽኡ ን20 ዝኾኑ ከኣ ብድሕሪት ሓሪዶም ንሳልስቲ ክሳብ ተሳቕዮም ዝምቱ ሓለዉዎም። ኣብ’ዚ ወራር’ዚ 279 ሰላማዊ ህዝቢ ቀተሉ ብብዝሒ ከኣ ኣቁሰሉ። ከባቢ ሃዘሞን ህዝቢ ሳሆን ከኣ ኣብ ድኽነትን ምብታታን ተሸሞሙ። ብዙሓት ከብትን ክቡር ንብረትን ረሲዮም ኣብ ዓድዃላ ብ5 ቅርሺ ከብቲ ክሽየጣ ወዓላ። እቶም ጦር ንዋንጫ ስዋ ወርቅን ጤልን ክህቡ ተራእዮም።


ከባቢ ስግር መረብ፣

ኣገባብ ኣቐታትላን  ንኣጓኡን ናይ ጥንቲ ህድሞታትን ብሓዊ ምቅጻል፣ ሽልማትን ካልእ ንብረትን ከብትን ምዝራፊ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣገባቡ ሓደ’ዩ።  ኣብ’ዚ ወርሒ ክረምቲ ዓድታት ትምዛእ፣ ማይ ጫዕዳ፣ እንዳዝማች ዑቕቢት፣ 70 ዝኾነ ሰላማዊ ህዝቢ ቀቲሎም ን30 ዝኾና ዓድታት ሓዊ ረኵዕም፣ ብዙሕ ብዝሕ ንብረት ረሲዮም ኣዕኒዮምን።


ኣብ መሬት መንስዕ ገለብን ከባቢኣን፣

 ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ኣብ  ወገን ባሕሪ ሓምሴን ከኣ ኣብ ዓድታት ፍሾ ምራራ ክሳብ 40 ዝኣኽሉ ሰብ ብኻራ ክሳዶም ብድሕሪት ተሓረዱ። ሃብታም ስለ ዝነበሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘሪፉ ብዝወሰዶ ግንዘብ ንዓዲ ተክሌዘን ብጽብጽ ሓዲሮም ንኣስመራ’ውን ኣብ ሳልስቱ በጽበጽዋ። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ዓድታት ምሕላብ ኣቕዓሮ ወዘተ ብፍላይ ናይ ንገለብ ብ3 መጋቢት 1970ዓም ወረርዋ። ዳግማይ ከኣ ብ21 ሕዳር 1970ዓም ወሪሮም ልዕሊ 40 ብኻራ ቀቲሎም ንቆልዑን ኣንስትን ኣብ ኣጓዱ ዓጽዮም ሓዊ ኣባርዖም ኩሉ ንብረቶም ዘሪፎም ተመርቂፎም።


ዓዲ ምስያም ኣብ ኣውራጃ ሰራያ፣

መሳፍንቲ ገዛእቲ ሰራየ ብእምነቶም ክርስትያን ዝነበሩ  ምስ ኢዮጵያ ተሻሪኾም ንኣስላምን ክርስታያን ክፈላልዩ ዘይፈንቐልዎ እምኒ ኣይነበረን። ብዘይካ እምነቶም እስላም ምዃን ካልእ ሓጥያት ዘይነበሮም ዓዲ ምስያም ብብግዜ እናኣከቡ “ድቕኹም ኣብ ጀብሃ ኣለዉ ምለስዎም” “ካብኡ ዝተረፈ ክንረኣኤ ኢና” እናበሉ ይፍክሩሎም ዝነበሩ  ብዕለት 4 ነሓሴ 1970ዓም ከኣ ከም’ቲ ዝፈከርዎ ንምልእቲ ዓዲ ከርዲኖም ነቶም ፈፍሩያቶም 37 ንዝኾኑ ገምድ ኣሲሮም ፈልዩዎም። በብሓደ ብድሕሪት ብሳንጃ እናበዝበዙን እናሓረዱን ቀተልዎም። ነታ ዓዲ ምስ ኩሉ ንብረታ ኣቓጺሎማ ከብቶም ዘሪፎሞም። ክረምቲ ምድሪ ሰብ ገዛን ምመብን ክዳንን ዘይብሉ ኣብ ማእከል ምድርን ሰማይ ከም ሽዑ ዝተወልዱ ተረፉ። ብጠቕላል ኣብ’ቲ ከባቢ 46 ዝኾኑ ሰላማዊ ህዝቢ ቀቲሎም።


 ቃምጭዋ’ውን ከባቢኣን፣

ዓድታት ቃምጭዋን ክሳብ ፈለግ ፈልከት ብቓሮራ ከባቢ ነቕፋ ኩሉ ህዝብታት ዓዲ ነዲዱ ካብ’ዚ ካባቢን ባርካን ሓባብን ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ግፍዒ ጸላኢ ከም ምልጥ ብብዝሒ ንሱዳን ከም ዝተሰደ ይዝከር። ዓዲ ኩብኩብ ብዙሕ ህዝቢ ዝሃለቓ ምኻና ይዝከር።


ምድሪ ህዝቢ ብሌን፣

ከተማ ከረን ቀንዲ መዋፈሪት ገድሊ ስለ ዝንበረት ካብ 1961ዓም ጀሚራ ክሳብ ነጻነት (ሕጂ’ውን ድሕሪ ነጻነት) መዓልታዊ ማእሰርቲ ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ብውልቕን ብጃምላን ሞትን ስቓይን ተፈልዩዋ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ከረንን ከባቢ ከረንን ምድሪ ብሌን፣ ምድሪ ሓባብ፣ ምድሪ መንሳዕ፣ ምድሪ በጁክ፣ ምድሪ ሳሕልን፣ ምድሪ ቢናዓምርን ንሓርነት ኤርትራ ተቐቢሉ ደጀን ከም ዝኾነ ጻልኢ ኣንዳዕዲኡ ይፈልጥ’ዩ። ኹሉ ኣብ ከረን ነባሪ ብዘይካ ዉሑዳት ሓርነት ዘይብል ኣይነበረን። ጦር  “ኣንንተ ወንበዴዎጭ ቆዩ ንገናኛለን” ዝብል ምፍርራሕ መዓልታዊ ደርፉ’ዩ። ኩሉ ነባሪ እዚ ኣውራጃ ከኣ ጥርጡር’ዩ። ቆልዓ ሰበይቲ ከይተርፉ ይፍተሹ፣ ሸኽን ቐሽን ኣይከብሩን፣ ሓረስታይ ከተማ በጺሑ ክምለስ ብጸሎት’ዩ። ሰብ ደዃናትን ትካላትን እሞ እንቋ ዘይሞትኩም ትብሎም እንበር ማእሰርትን ተፍቲሽን ጉቦን ሰልክዩዎም’ዩ። መንእሰያት ከረንን ከባብን  ምስ ጦር ዓይንን ሑጻን’ዮም። ስነ ጥበበኛታት ከም ዕጨት ሕናን ካልኦትን ፋናን ባናን ገድሊ ነበሩ። ኣብ መርዓታት ዳርጋ ብህላዊ ደርፍታት ብሰውርዊ ደርፍታት እሞ ብድፍረት ኮማኖድስን ፖሊስን እናሳዕሱዑ ሂር ይብል ነበረ። ሰውራ፣ ብ1976ዓም ንከረን ብለይቲ ጥራይ ዘይኮነ ብቀትሪ’ውን ተጨንቐላ ነበረት። ንከባቢ ከረንን ከረንን ከኣ ዓቢ ሓድጋ ከም ዘንጸላልወን ብሩህ’ዩ ዝንበረ። እቲ ዕጫ መኣስን ብኸመይን ይበጽሕ ጥራይ ኣይተመለሰን። መዓልታዊ ሰብ ካብ ዕዳጋ ክጭወ ኣብ ጎደናታትን ክኽተርን ካብ መርዓን በዓላትን መንገድን በብሐደን ብጃምላን ክሰሓብን ክመውትን ተለሚዱ’ኡ። እቲ ቃንዛን ሞትን መራ ሕሉፍ ስለ ዝነበረ ቁሕም ተብሎ ግዜ’ውን ኔይሩ። ምኽንያቱ እንተተዛሪብካ ተመሊሱ ስለ ዘእሰረካን ዝቅትለካን። ብቋንቋ ብሌንን ትግሬን “ሰሚዕኩምዶ ኣይሰማዕናን ሪኢኹምዶ ኣይረኤናን” ልምዲ ኮይኑ። ሰማዕኩ ምስ ትብል ካብ መን ሰማዕካ? ረኤኹ ምስ ትብል ኣበይ ሪኢኻ? ስለ ዘስዕብ እታ ኣማራጺት ኣይሰማዕናን ኣይረኤና’ዩ ዝነበረ።


ኣብ ወርሒ ሰልሰተ 1967ዓም 33 ኣጉባዝ ኣብ ከባቢ ጀንገሬን ብሓጹር ኣኽቢቦም ብዘይ መላስ ኣውያት ብሓዊ ኣቓጸልዎም፣ ነዚ ግፍዒ ዝስምዔ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ገጥ ኢሉ ምስ ሰውራ ውጊኑ። ነዚ ዝተረድኤ ወተሃደር ኢትዮጵያ ከኣ “ወፈራ ንዳህሰሳ” ኢሉ ካብ ከረን ክርቢትን ጥይትን ሒዙ ብሰሜናዊ ወገን ከረን ዝርከባ ዓድታት ከንድድን ሰበን ክሓርድን ንብረተን ክዘርፍን ወፈረ። ኣብ ናይ ክልተ ቅኔ ወፈራ ከኣ ካብ ሓልሓል፣ ጀሚሩ ንዓድታት መለብሶ፣ ሓመልማሎ፣ ፈልሒት፣ ጋሊ፣ ፋና፣ ጃምሪት፣ መዕርኪ፣ ኣፍሕሩም፣ ዋዝንተት፣ ኣዝረቐት፣ ጀንገሬን፣ ተዓንደለት፣ ከባቢ ሓጋዝ ከኣ እንጨንቕ፣ ሓሽሻይ….ወዘተ፣ ዓዲን ግራውትን ኣንዲዱ፣ ሰበን ብጥይት ብሳንጃ ቀቲሉ፣ ከብትን ኣጣልን ዘሪፉ ኣብ ማዕሳክሩ ተመልሰ። ኣብ ከረን ሓንቲ ላም ዓሰርተ ብር ክሸጣ ተራእያ። ክቡር ስልማትን ክቡር ንብረትን ከኣ ኣብ ሓራጅ ወረደ። እቲ ካብ ጥይትን ሳንጃን ዘምለጠ ህዝብታት ኣብ ሓደ ረፍዲ ድኽነትን ሓዘንን ወዲቁ፣ ህጻናት ብዘይ ኣቦን ኣደን ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ሰብኣይ ብዘይ ሰበይቱን ቆልዑኡን ፋሕ ብትን በለ። እዚ ወፈራ’ዚ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ፖሎቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ። ብብዝሒ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝነብሩ ኣመንቲ ምስልምና ስለ ዝነበሩ ነቲ ቓልሲ ከኣ “ ናይ እስላም” ዝብል ፕሮፕጋንዳ ይነዝሕ ስለ ዝነበረ፣ ንክርስትያን’ውን ምሳና እንተ ዘይተሰማሞዕኩም እዚኣ ክትበጽሓኩም’ያ ዝብል መልእኽቲ’ዩ ዝሓዘለ። እዚ ግን ነቲ ዉጹዕ ህዝቢ ሃይማኖት ናይ ውልቂ ምኻኑ ብባህልን ብምሕደራን ነቂሕሉ ስለ ዝነበረ ዝያዳ ሓድነቱ ኣደልዲልዎ እንበር ኣየፍረሶን። ገለ ብርጅዋታትን መሳፍንትን ብዘይካ ስልጣኖም ፍቕሪ ኣሓዋቶም ዘይብሎም ግን ጸግዒ ኢትዮጵያ ኮይኖም “ወድኻ ንጀብሃ ሰዲድካ ኣምጸኣዮ” “ንስኻ ጃሱስ ጀብሃ ኢኻ” እናበሉ ዝጥቖሙዎም ካብ ዕዳጋን ብሎኮን ካብ ዓድታት ጸዊዖም ዘምጽእዎምን ካብ 100 ዘይውሕዱ ድሕሪ ቤት ትምህርቲ ዓጸይ ዳዊት ብጦር ለይቲ ለይቲ ከም በጊዕ ከም ዝተሓርዱ ኩሉ ወዲ ከረንን ከባብን ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ነዚ ዓድታትን ሰላማዊ ህዝብን ብጨካንን ብባርባራዊ ተግባርን ዝቐትል መግዛእታዊ ሓይሊ፣  ሕነ ክትፈዲ ግዜን ቦታን ንመንን ኣብ ምጽናዕ ኮነት። መዓንጣኡ ዝቀርጽ ስሪሒታት ንክትገብር ብቐዳምነት ኣብ ከተማ ከረን ንዝነበሩ ጀዋሲስ ብፍዳኢን ሎቖመቶም፣ ቀጺላ ከኣ ንስርሒት ባልዋ ተዳለወት። ባልዋ ካብ ዔላበርዕ 10ኪሜ ካብ ዓዲ ተከለዛን ከኣ 20ኪሜ ትርከብ ንልቢ ትግራይ ዝበሃል ጥውይዋይ መንገዲ ማንኪና ውርድ ምስ በልካ እትርከብ ወይኒ ደጋ ከባቢ’ያ። እዛ ስርሒት ባልዋ መቐይሮ ሰውራ ነበረ። ጀነራል ተሾመ እርገቱ ንኤርትራ ክጽርያ’የ ኢሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ፈኺሩ ዝመጽኤ ጨካን መራሒ’ዩ። ናይ ምዕራባዊ ቆላ ህልቂት ህዝቢ ከኣ ተሓታቲ’ዩ። ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ የማንይ ኢድ፣ ሽሉም ዓባይቲ ዓወታት ኮረያን ዛየርን ዝኾነ ጀነራል፣ ካብ ኣስመራ ንከረን ክምለስ ከሎ ኣብ ባልዋ ሙዑታት ተጋደልቲ ሓርነት ኣድብዮም ብምጽናሕ፣ ሃጂሞም ኣብዚ ስርሒት ጀ. ተሾመ እርገቱ ሞተ። ናይ ጀነራል መዓርጉን ቆቡዑን ከኣ ብሙዑታት ተጋደልቲ ተሰልበ። ስርሒት ባልዋ ዶብ ሰጊሩ ንሰውራ ኤርትራ ምስ ዓለም ቀዳማይ ዘፍለጠ ዓቢ መቀይሮ’ዩ።


ባላዋ ምስ ሓምሴንን ሰንሒትን መዳውብቲ ኣብ ማእከል እስላምን ክስታንን ትርከብ ዓዲ ስለ ዝኾነት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማይ ክስታናይ ወኑን ቀልቡን ምስ ገድሊ ከም ዝኾነ ካየተዛረብካ ተምህር ስሪሕት’ያ። ጸላኢ’ውን ነዚ ብዕለቱ በሪህሉ’ዩ። ንሞት ጀነራል ተሾመ እርገቱ ከኣ ብሺሕ ሂወት ሰብ ክነተስክሮ ኢና ኢሎም ጨርሑ። ብኡ ንብኡ ከኣ ኣብ ምብራቕ ከረን ንዝርከባ ዓድታት ኩሉ እምነታት ዝሓቖፋ ንምንዳድን ንምጽናትን መደቡ።


በስክዲራን ከባቢኣን፣

ብዕለት 30 ሕዳር 1970ዓም ንሩባ ዓንሰባ ብለይቲ ሰጊሮም ንመሬት ሰዅናይቲ ብፍላይ ነታ እስትራተጂካዊት ዓዲ በስክዲራ ከብብዋ። ዓዲ በስክዲራ ንዓድታት ሙሻ ዓይግን፣ ፍሶሩዅን፣ ሙሻ ሸባሕን፣ ንፈለዳርብን፣ ዝጠመረት ብዝሕ ህዝብን ሃብትን ዘለዋ ካብ እተን ውቁባት ዞባታት ምድሪ ብሌን ኢያ። እዚ ከባቢ እዚ እስትራተጂካዊ ቦታ ንባርካን ንላዕላይ ምድሪ ብሌንን ሓማሴን’ዩ ዘራኽብ መሕንቆ’ዩ። ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ንከበሳ ክድይቡ ከሎዉ ኣብ’ዘን ዓድታት ኣዕሪፎምን ሓበሬታ ሰንቖም ኢዮም ዝኸዱ። ነዚ ጽቡቕ ዘጽኔዔ ሓይሊ ከኣ እነሆ ብለይቲ ካብ ከረን ክይድ ሓዲሩ ንህዝቢ ኣኪቡ “ጅብሃ ኣድሪርኩም” ብዝብል ጉልባብ ኣጨነቆሎም። እቲ ህዝቢ ኣብ ካልእ ጎረባብቲ ዓድታት ዝወረደ ግፍዕታት እፈልጡ ስለ ዝነበሩ ካብ ሞት ምጽባይ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ጸሎትን ምህልላን ኣይቋረጹን። ክልተ ላም ሓሪዶም ሰላማውያን ምኻኖም ከረድእዎም’ውን ፈተኑ። ነገር ተረጋጊኡ ከሎ ግን ብዘይተሓስበ ጥይት ብኹሉ ቦታ ተኻዕወ። ምስ ገደሊ ግጠም ኮነ።  ኩነታት ምስሃድኤ ከኣ ነቲ ህዝቢ “ኣስላምዲኹም ክርስትያን” ዝብል ሕቶ ሓተትዎም። ህዝቢ ከኣ ኽስታንን እስላምን ኢና በሉ። በሉ ነፈርቲ  ከይልክማኹም ኣብ’ቲ ምስግድ እተዉ በልዎም። ኩሉ ዝተኣከበ ህዝቢ ከኣ ክስታኑ እስላሙ ቆልዓ ሰበይቲ ሽማግሌ ከይተረፈ ኣብ ምስጊድ ተጸፍጸፈ። ኣብ ገዛ ኣምልኽ ካብ ዘእተዉናስ ሞት ሰጊርናያ ኢሉ ክትስፎ ከሎ ከኣ ኮለኔር መጺኡ ኣሎ ኣጣቕዑ በልዎም፣ ህዝቢ ከኣ ከም ዝተኣዘዞ ገበረ፣ ኣብ’ዚ ህመት’ዚ ብኽልተ ሞስኮትን ብማዕጾን ምትሬስ ደጊኖም ረሽረሽዎም። እናደጋገሙ ከኣ ቆልዓን ሰበይትን 120 ሂወት ብዘስካሕኪሕ ኣገባብ ቀቲሎም ን10 ዓድታት ኣንዲዶም “ኣይፈራም ጎበዝ” እናበሉ ንብረት ዘሪፎም ንከረን ተመልሱ። ዓዲ ፈርሔንን ከባብን እዚ’ውን ምድሪ ሰዅነይቲ ምድሪ ብሌን’ዩ። ካብ በስክዲራ ርሕቅ ኢላ ትርከብ። ኣብ ሳልስቱ ክትድምሰስ ነበራ። እንተኾነ ሳላ ካህናት ካፑቺኖ ካቶሊክ ንእስክላ ደሓነት።


ጸላም ሰሉስ ዖና፣

ንሞት ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብሺሕ ሂወት ክነተስክሮ ኢና ዝበልዎ ናይ በስክዲራ ኣይኣኸሎምን። ዖና ካብ ከረን ናይ ክልተ ኪሎ ሜትረ ራሕቂ ኢላ ትርከብ ዓዲ’ያ። ፋዳኢን ተ.ሓ.ኤ ንከተማ ከረን መእተዊቶም ኣፍደገ’ያ። ካብ ከረን ሓበሬታ ጸላኢን ስንቕን ጽሑፋትን መድሃኒትን መተሓላለፊት’ያ። ጥቓ ከተማ ከረን ስለ ዝኾነት ግን ክንዲ’ዚ ይጭክንዋ ዝብል እምነት ኣይነበረ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ዓዲ ዖና ዝርከባ ዓድታት ኣብ ዖና ክእከባ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነበረ። ዓድታት ብስክዲራን፣ ፋቱዳ፣ ግብሲን፣ ባንቢን ዳርጋ ጠቕሊለን ኣብ ዖና ኣትየን ነበራ። በዚ ዕለት 2 ታሕሳስ 1970ዓም ኣብ ዖና ክልተ ተስካር ነበረ። ህዝቢ ከኣ ሰላም ኣሎኹ ኢሉ ሚእቲ ብሚእቲ ረፍ ኢሉ ከሎ ኣጋ ንግሆ መዳፍዕ ፎርቶ ከረን ኣፉ ከፊቱ ንዖና ቀኒዑ ንጎደን ከም ኣብ ኵናት ዘሎ ከኣ ብዘይዕርፍቲ ንርብዒ ሰዓት ዖና ክሳብ ንቁልቁል ተኣቱ ደብደብዋ። ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ሰብ ገዛውትን ወደቐ። ሰብ ተቆራሪጹ ክወድቕ ገዛውቲ ምስ ንብረቱ ክቓጸል ሓደ ኮነ። ድሕሪ ደብደብ ምቑራጹ እግረኛ ጦር ሰራዊት ብጉያ ሃጀመ። ነቲ ካብ ቦምባታትን ካብ ሓውን ዝተረፈ ሰብን ጥሪትን ከኣ ደጋጊሞም ብጥይት ተሳህልዎ። ባርባራዊ ጭካኔ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ’ዩ። ንቆልዑን ንኣንስትን ብተመልከተለይ ረሸኑ፣ ነቶም ብቦባታት ዝቀሰሉ ሓዊሶም ኣስዓብዎም። ንገለ ሒዞም ብሳንጃ ዘልዚሎም ቀተሉ። ደው ዝበለ ሂወት ከም ዘየሎ ምስ ኣረጋገጹ፣ ሽልማት ካብ ክሳድ ሬስታት ዘሪፎም ንኸረን “ኣይፈራም ጎበዝ” እናበሉ  ተመልሱ። ከረን’ውን ግዝያኣ ዝበጽሔ መሰላ። ኣምላኽ ግን ሓይሊ ኣይሃቦምን። እናፈከሩ ንማዓስከሮም ተመልሱ። ዖና ተደምሲሳ ከም ዘላ ኣብ ሓጺር ግዜ ህዝቢ ከረን ሰምዔ። ምስ ኣሕዋትና ይቅተሉና ኢሉ ከኣ ተማሃራይ ደብተሩ መምህር መጽሓፉ ደርብዩ በዓል ድኳን ማዕጾ ትካሉ ከይዓጸወ ዓቢ ንእሽቶ ሸኽ ቀሺ ንዖና ጎየየ። ዖና ግን ዓንያ ጸንሓቶም። ብዘስካሕኪሕ ናይ ዝሞቱ ሬስታት ፋሕ ብትን ዝበለ ከኣ ረኸቡ። እቲ ትርኢት ዘስካሕኪሕ’ዩ ዝነበረ። ካብ ዝወዓሉን ነቲ ሂልቂት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዝበጽሑን ከዘንትዉ ከለዉ መጠረሽታ ዓለም’ዩ። እቶም ካብ ከረንን ከባብን ዝመጽኡ ንሂወት ከድሕኑ ውጉኣት ኣብ ምንዳይ ኮለሉ። ክሰሓጉ ንዝረኸዎም ከኣ ኣብ ዝባኖም ተሰኪሞም ደም ንመሬት ዛዕዛዕ እናበለ ንሆስፒታል ከረን ጎየዩ። ምስተር ሄው ዓቢ ታሪኻዊ ሰብ ኣሜሪካዊ’ዩ፣ ፍሉይ ፍቕሪ ከረንን ክባቢእን ዝነበሮ ገባር ጽቡቕ፣ ኣብ ከረን ትካል ቤት ትምህርቲ ዘኽታማት ዝነበሮ፣ ንሱ ብማንኪና ስለ ዝመጽኤ “እረሜን እናበለ” ቁሱላት ክመላልስን ክስእልን ወዓለ። ኢትዮጵይ ነዚ ስለ ዝስምዔት ከኣ ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓት ካብ ኢትዮጵያ ተባረረ። ኣብ’ቲ ሽዑ መዓልቲ ንሓደ ጣልያን ሰራሕታኛ እንዳ ኦርተላ ከይነግር ክሃድም ከሎ ረኺንብናዮ ኢሎም ረሸንዎ።


ዖና ካብ ሱራ ተደምሲሳ። ሰባን ንብረታን ብቦምባን ብጥይትን ሓውን ተቓጺሉ። ኣኽሊ ገለን ዝኣተወ ዝተረፈን ኣብ ዳንዳ ዝነበረ ኩሉ ሓሪሩ። እቲ ካብ ከተማ ከረንን ከባብን ዝመጽኤ፣ ጥራይ ኢዱ’ዩ መጺኡ። መግነዝን መፍሓሪ ባዴላን ካብ ከረን ክስብ ዝመጽእ ከኣ ሬሳታት  ምእካብ ኮነ። ህዝቢ ፍርሒ ስለ ዝነበሮ፣ ነቲ ካብ ሓዊ ዝተረፈ ሕራርን ብቦባታት ዝተበንጠሰ ኣካላትን ኣኻኺቡ ዝብኢ ከይበልዖ ምድፋ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። 750 ሰብ መይቱ ኢዩ ዝበሃል ግን ልዕሊ ሺሕ ሰላማዊ ህዝቢ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ከም ዝጠፍኤ ደቂ ዓዲ ይሕብሩ። ሰማእታት ዓና ክሳብ ሕጂ ግብእ ፍታሓትን ቀብርን ኣይረኸቡን። እቶም ሽዑ ብዕድል ዝደሓኑ ቆልዑ ኣቦን ኣደን ሲኢኖም ገዝኦምን ግራቶምን ዝሓረረ ቁልሕ ዝብሎም ትከልን መንግስትን ስለ ዘይነበረ፣ ኣብ ከተማ ከረን ከርተት በሉ። ብዕድል ዝዓብዩ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ክዝከሩን ኣብ ዓዶም ተመሊሶም ዖና ስድርኦም ከሕድሱን ሰማእታት ዖና ግቡእ ፍታሓት ክግበረሎምን ሃውልቲ ክትከለሎምን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ጉዳይ ሃገር ክነሱ ቁልሕ ዝበሎም የሎን። ዖና ሓንቲ መዝከርታ ዘይብላ ዓንያ ክሳብ ሕጂ ኣላ። ብፍትሓውያን ደቓ ደጊማ ክትህነጽን ክትዝከርን ስለ ዝግባኣ ከኣ እጃምና ነበርክተላ ኣሎና። ክንረግጻን ክንኩሕላን ከኣ ነሳ’ውን ንጉጅሌ ህግደፍ ትቃልስ ኣላ።


ኣብ’ዚ ቁሩብ ዓመታት ብዙሕ ህዝቢ’ዩ ሃሊቑ። ኣብ ዔላታት ስሚ ምድርባይ ኣብ እዚ ግዜ ግኑን ኔይሩ። ብዙሓት ተጋደልትን ገባርን  ኣግማልን ከብትን ጠፊኦም’ዮም። ብኸበድቲ ኣጻውር ጸላኢ ከኣ ብዙሕ ዓድታት ነዲዱ ህዝብን ከብትን ከኣ ሃሊቆም’ዮም። ነዚ ኩሉ ግፍዕታት ጽጹይን ዝተሰነደን ሃገራዊ መዝገብ ግን የሎን። ብሓፈሻ ካብ 1961ዓም ክሳብ 1970ዓም ብናትናን ናይ ገለ ውልቐ ሰባትን ጸብጻብ ካብ 30 ሺሕ ክሳብ 50ሺሕ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መሬት ኤርትራ ከም ዝሃለቐ፣ ካብ 200 ክሳብ 500 ዓድታት ከም ዝነደደ፣ ካብ 1 ሚልዮን ክሳብ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ርጉእ መነባብሮኡ ከም ተዘናበለ፣ ካብ 50ሺሕ ክሳብ 80 ሺሕ ንስደት ንሱዳንን ንኢትዮጵያን ከም ዝተሰደ ሓርፋፍ ግምት ኣሎ። ንንብረት ዘርኢ ዝተወርሳን ብጥይት ዝጠፍእን ኣግማልን ከብትን ኣጣልን ማእለያ የብለንን። ብኣህዝ ክግምት ከሎ ልዕሊ 20ሚልዮን ተርስዩን ሓምኹሽቲ ኮይኑን’ዩ።


እዚ ዘስካሕኪሕ ግፍዕታት ኣብ ማዕከናት ሬድዮን ጋዜጣን መጽሔትን ዓለም’ውን ብብግዜኡ ተቓሊሑ’ዩ። ንኹሉ ውዲ ሃገር ዝገርሞ ግን ንሰማእታቱ ዘይስንድን ዘይዝክርን መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ እዚ ኹሉ ሞትን መስዋእትን ስልጣን መሓዙ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ቁጽሪ ሰማእታትና 2/3 ሓቢኡ 1/3 ዝኸውን’ዩ ገሊጹ። ሓሳውን መደናገር ጸብጽብ ከኣ ነበረ። ክሲ ምስ በዝሖ ከኣ ከደናግር ናይ ተጋደልቲ ቁጽሪ ሱዉኣት ኢና ገሊጽና በለ። ናይ ተጋደልቲ መስዋእቲ’ውን ጽጹይ ሓበረታ ኣበይ? ብኸመይ? ምስ ተባህለ ከኣ ሰንድን መሰኻኽርን ኣየቅረበን። “በይኑ ዝጎዪ ዝቅድሞ የብሉ በይኑ ዝማጎት ዝረትዖ” የብሉ ኣቦታትና። ህግደፍ ሓሳዊ ምስ ንፋስ ዝነፍስ’ዩ። ንሰማእታትና ከኣ ህዝብና ባዕሉ’ኣለዎ።


ርእይቶና ክንሕውስ፣

ድሕሪ እዚ ኹሉ ናይ ህዝቢ  ከርተትን ቃልስን ሞትን ስደትን ናይ ተጋደልቲ ጻዕርን ቃልስን መውጋእትን መስዋእትን፣ ሃገርና ኤርትራ ንሰላም ንምዕባሌ ኣይተዓደለትን። መሬትና ገና ደምና ኣይጸገበን፣ ዝገደድ ሎሚ ሲናይን ባሕርን ምድረባድን’ውን ንደምናን ንደም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ደቕናን ሃሪፎሞ። ስለምታይ? ህዝብና  እዚ ዕጫ በጺሕዎ ዝብል ሕቶ ኩሉ ዝሓቶ ኮይኑ መልሱ ግን ተመቓቒሉ ኣሎ። ብወገና ብዓቕምና ነዚ መልሲ ክንምልስ ክንፍትን ከሎና ካብ ሕሉፍን ዘሎን ዝመጽእን ተመኩሮ ቃልስና ገምጊምና ኢና ንምልሶ። ኩሉ ደላይ ፍትሒ’ውን ክግምግም ንዕድም። እዚ መልሲ ግን ናትና ናይ በይንና መልሲ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ገስገስቲ ራኢ’ዩ።


ሽግር ኣብ ለውጢ ደለይቲ’ዩ ዘሎ። ለውጢ ንደሊ፣ እንታይ ለውጢ ንደሊ? መን ዝመርሖ? ብምንታይ ራኢ ዝምራሕ? እዚ ስለ ዘይተመለሰን ዘይበሰልን ንሕና ኣብ ዕንክሊል ንነብር፣ ህዝብና ከኣ ልቡ ምስ ለውጢ ከሎ ኣእዳዉ ንህግደፍ የጣቕዕ። ዝበዝሔ ህዝብና 85% ገባር ምዃኑ ኩሉ ይኣምን’ዩ። ነዚ ገባር ዝሳትፍ መትከላት ግን ኣይዓኾኾን። እዚ ገባር ሃገርና ቅድሚ ናይ ፓሪስ ሰውራ ባይቶታት ጌይሩ ዝመሓደር፣ ቅድሚ ቦልሽቪክ ሰውራ ሩስያ መሬቱ ዴሳ ገይሩ ወይ ተምቓሪሑ ምስ ኣሕዋቱን ጎረባብቱን ብሰላም ብሕጊ እንዳባ ዝናበር ከም ዝነበረ፣ እቶም ኤርትራ ኢሎም ዝወገኑና ጣልያን ከይተርፉ ይምስክሩሉ’ዮም። እዚ ግን መስፍንነትን ድሕረትን’ውን ኣይነብረን ከስሚዕ የብሉን። ነቲ ደፋእታዊ ምዕባሌ ብሄርነት ከም ዝዓንቀፍዎ ወይ ከም ዝዕፈንዎ ከኣ ገዛእትና ጣልያን ተነሲሖም’ዮም። እዚ ህዝቢ’ዚ እንበኣር ብባህልን ብሕጊ እንዳባን ብከባብያዊ ጽልዋ ዝሃንጾ ስነ ኣእምሮዊ ዓቕሙ፣ ንነፍሱ ከማሕድርን ሓድነቱ ዝያዳ ኣደልዲሉ ንምዕባሌ ክግስግስን ምንም ጸግሞ ከም ዘየለ ብዙሓት ጸሓፍቲ ይምስክሩሉ’ዮም። እንቛዕ ከኣ ንሕና ናቱ ኮና። እንተኾነ ሰውራና ነዚ ዝሓቑፍን ዘእንግድን ኣብ ፖሎቲካ ሃገርን ዞባን ዓድን ስድራን ወይ ብጣቕላላ ብሄራዊ ምሕደራ ዘሳትፍ ዕድል ኣይሃበን። ዝምድና ገድልን ህዝብን ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን፣ ዝምድና’ዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ ይቕጽል ኣሎ። ነዚ ካብ ሱሩ መድሃኒት ክንረኽበሉ ኣሎና። ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝርከብ ናይ ጥቅሚ ግርጭት ሃብቲ’ዩ። ብዝሕነትና ከኣ’ዩ። ምናልባት መልክዑ ይቅይር እንበር ሰብ ብሂወቱ ኣብ’ዛ ዓለም ክሳብ ዘሎ ክቅጽል’ዩ። ገዛእቲ መታን ክገዝኡ ግን ነዚ ፍልልያትና ኣጋኒኖም ይዛረቡ፣ ንህዝቢ ከኣ ብታሕቲ ታሕቲ ሕማም ጽልኢ ህልኽ ትምክሕቲ ይብክልዎ፣ ምስ ጎረባብቲ የጋጭዉዎ፣ ንሶም ከኣ ኣራጢጦ ይገዝኡ። ክንዲ ናይ ህዝቢ ዕብየትን ምዕባሌን ዘምህሩ፣ ናይ ሓደ ሰብ ዝና ኣጋኒኖም ይቓንዩ። ንቲቪ ኤረ ንርኤ፣ ሙሉእ መዓልቲ መራሒ ህግደፍ በዚ ከደ በዚ ተቐልቐለ ክትብል ከላ መደብ ፋሺሽቲ’ዩ። ብኣፎም ንህዝቢ ንፈትወካ ይብልዎ እንተኾነ ብግብሪ ዝነኽሱ ኣትማን’ዮም። ሓው የብሎም ሓብቲ፣ ሃይማኖት የብሎም ሪም፣ ብሄር የብሎም ኣውራጃ፣  ምስ ንፋስ ዝነፍሱ ተገማጠልቲ፣ ጸረ ሰላም፣ ጸረ ምዕባሌ፣ ጸረ ሰብኣውነት፣ ዝኾኑ ትምክሕተኛታት ሃርጋፋት ስልጣን’ዮም።


ራኢ ገስገስቲ፣ ህዝቢ ብዘይ ገድብ ኣብ ፖሎቲካ ይሳተፍ፣ ህዝቢ ንርእሱ ይምራሕ፣ ህዝቢ ብባይቶኡን ብደቁን ይመሓደር፣ ህዝቢ ቋንቋኡን ባህሉን ይጠቀምን  ይዕቆብን፣ መሰሉ ገደብ ኣይገበረሉ ዝሕሾን ዝኽፍኦን ዝፈልጥ ህዝቢ ኣሎና፣ ክብሉ ከለዉ ገዛእቲ ደርብታት ንህዝቢ ዘርብሕ ፖሎቲካ ክቅልቀል ከሎ ዝሕዝዎን ዝገድፍዎን ሰለ ዝጠፍኦም ከም ሃጸይ ሃይለስላሴን ህግደፍን ንቅኑዓት ክውንጅሉን ጸሎሎ ይቀብኡን ይረኣዩ። ህግደፍ ንዕስራ ዓመት ንኹሉ ደንበ ተቃውሞ “ተንበርከኽቲ” “ጀሃዳውያን” “ሸየጥቲ ሃገር” “ናይ ወያኔ ዕሱባት” እናበለ ኣጸሊምናን የጸልመናን ኣሎ። ንሱኸ እንታይ ገብረ ምስ ንብል ሕዋሳት ደቕና ክሳብ ምሻጥ በጺሑ ኣሎ።


እንባኣር ህዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል ድሕሪ እዚ ኹሉ ቓልስን መስዋእትን ስደትን ንህግደፍ ዝመስል ጸጋጊና ክነምጽእ ንደሊ እንተሎና “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ” ምዃኑ ክርዳኣና ኣለዎ። እዚኦም መርገጽ ህግደፍ ዝውንኑ ብውልቂ ይኹኑ ብጉጅሌ ነቲ ሓሳብ ገዲፎም ነቶም ነቲ ሓሳብ ዝቃለሱ ሰባት ኣብ ምውንጃል ዝጓየዩ ፈተውትኻ ኣይኮኑን። ጸለመ ስሞዕካዮ ኢኻ ክንደግሞ ከኣ ስለ ዘይለግበና ኣየሰክፈናን፣ “ትሕቲ ሃገር” “ዕሱባት ወይኔ” “ዓሰብ ክህቡ” “ሃገር ክብትኑ” “ህዝቢ ከናቁቱ”  ..ወዘተ  እናበሉ ብፍርሒ ከም ትሽቁረርን ክሳብ ብሄርካ ትኽሕድን ረብሓኻ ንጎኒ ትገድፍን ንስኻ ምዃንካ ረሲዕካ “ንሱ ኣነ ኣነ ንሱ” ክትብል ዝገብሩኻ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዝበጽሑን ልጓም መንግስቲ ዝሕዝን’ዮም። ቀዳመይ ግርጭትን ካልኣዊ  ግርጭትን ሓዋዊሶም ኣብ ስልጣን ክድዩቡ ዝደልዩን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝፍቱንን ትምክሕተኛታት’ዮም። ትምክሕቲ ጃህራ ምዕባሌን ሰላምን ዝኸውን እንተዝኸውን ጎብለል ትምክሕትን ጃህራን ህግደፍ ደኣ ቁምነገር ዘይገበረ። ትማሊ መራሕቲ ህግሓኤ ብፍላይ ጉጅሌ ኢሳያስ ሓለይቲ ህዝቢ እናመሰሉ ኣደናጊሮምና’ዮም እንተኾነ ሎሚ ናይ ህግደፍ መንነት ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ምስ ጉጅሌ ኢሳያስ ወጊኑ ዘሎ’ውን ካብ ዘይፈልጦ መልኣኽ ዝፈልጦ ሰይጣን’ዩ ይሕሸኒ ኢሉ ራኢና ንኹሉ ዝእንግድ ክሳብ ዝኸውን የማዕደወና ኣሎ፣ እንበር ኢሳያስን ጉጅሌኡን ፋሺሽታውያን ምዃኖም በሪህሉ’ዩ።


ንሕና ንጣበቐሉ ራኢ እንበኣር ክንጸር ካብ ሞትን ስደትን ተላቂቅና ሰላምን ምዕባሌን ክነስተማቕር ነቲ 85% ገባራይ ህዝቢና ዝሓወሰ ራኢ ፖሎቲካ ማዕጾ ይከፈት’ና ንብል። ገባርና ክንብል ከሎና መታን ክንጸረና ብብሄራት ክርኤ ከሎ ብሌን ኩናማ ናራ ዓፋር ሳሆ ጀበርቲ..ወዘተ እዚ ከኣ ብኣውራጃታት ክጥመት ከሎ ኣኮሎጉዛይ ሓምሴን ሰራየ ባርካ ሰምሀር…ወዘተ ካልኦትን ዝሓቆፈ ዓቢ ቆፎ ንህቢ’ዩ። ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝርከብ ናይ ፖሎቲካ ቁጠባ ባህሊ ካልኣዊ ግርጭት’ዩ። ከይነጸግካ ምእንጋዱ ናይ ገስገስቲ ራኢ የድልየና። መደምደምታና እንበኣር ቓልስና ናይ እዚ ህዝቢ ባህልን ብዝሕነትን ከረጋግጽ ኣለዎ። ነዚ ዘእንግድ ፖሎቲካ የድልየና ኣሎ። ህዝቢ መሰሉ ሕሉው ኮይኑ ናይ ገዝእ ባይቶኡን መሬቱን ውላዱን ባህሉን ቋንቋኡን ጎይታ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ ቓልስና ዋሕስ ዝረክብ። ህግደፍ ጥራይ ይኺድ እናበልና፣ ንቅሓት ከይወነና ንኡ ዝመስል ጸጋጊና መንግስቲ እንተ ተኸልና ግን “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ” ኢዩ።


ህዝባዊ ህልቒት ብፍሉይ ክዝከርን ክብዕልን ንደሊ!!!

ዘለኣለም ሰማእታትና ይዘከሩ!!!

ሕግደፍን ትምክሕቶኦም ብሓባር ይዕኖ!!!


ክፍሊ ዜናን ትምህርትን

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ

 


መወከሲ መጻሕቲ ዝረኸብናዮ፣


ክጥቐሰንን ክንምጎሰንን ንደሊ ምጽሓፍቲ ኣብ ኢድና ዝረኸብናየን 1. “ሆስፒታል መካነ ሒወት ንጎረርኣ ትዛረብ” ብኣባ ጠዓመ ገ.ኢየሱ ናይ ብስክዲራ ሂልቂት ትገልጽ 2. “ዓገብ” ብምስማይ  ገ.ሂወት ጠቅላል ግፍዕታት ኢትዮጵያ ትገልጽ፣3. “ኤርትራ እንታይ ዓይነት ምልኪ” ብእንጂኔር ኢዮብ መዓሾ ካልኣ ሓበሬታ ዘሎና ከኣ ብተበግሶ ኣባ ተወልደብርሃን ገብረመድህንን ኣባ ዘርኣያቆብን ዑቑባሚካኤልን “ኣብ መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ፣ ሕታም ቑጽሪ 73፣ 2000-2001” ናይ በስክዲራን ዖናን ተዘርዚሩ ከም ዝወጽኤ’ዩ። እዛ መጽሔት ብዙሕ ንህዝቢ ዝጠቅምን ነቲ ቔናን መስመር ህግደፍ ተጋልጽን ስለ ዝነበረት ናይ ሓምሳ ዓምታት ተሞኩሮ ንዘለዋ ህግደፍ ቅድሚ ኹለን ጋዜጣታት ዓጸዉዋ።   

Last Updated on Friday, 30 November 2012 17:29
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 395 guests online