www.blina.org

መደምታን ገምጋምን ሰላማዊ ሰልፊ ስዊስ ጀኔቭ 16 ህዳር 2012ዓም PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Saturday, 01 December 2012 14:40

መደምታን ገምጋምን

ሰላማዊ ሰልፊ  ስዊስ ጀኔቭ 16 ህዳር 2012ዓም

ብኣሳናዳዊት ሽማግሌ ስዊስ


ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገርን ደለይቲ ፍትሕን ዲምክራስን ኤርትራ።


ኣማቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስዊስ ዝብል ዕለት 20 ሕዳር 2012ዓም ናይ ጋዜጣ መግለጺ ኣውጺእና ከም ዝነብርና ዝዝከር’ዩ። እዚ ናቱ ተኸታታሊ ኮይኑ መደምደምታን ጋምጋምን ሰላማዊ ሰልፊ ስዊስ 16 ሕዳር 2012ዓም ከም ዝኾነ ደጊምና ንሕብር።


ንዕስራ ዓመት ብዘይናይ ህዝብና ምርቓን ምርጫና ኣብ ስልጣን ኩድጭ ዝበለ፣ ጉጅሌ ህግደፍ ንሃገርና ንብርሰትን ንውድቐትን ይመርሓን ይደፍኣን ከም ዘሎ ግደፍ ዋንኣን ዝተቓለሰላን ብርሑቕ ዝፈልጣ እኳ ብኸም’ዚ ጎደና እንተ ተጓዒዛ ኣብ ከመይ ዓዘቕቲ ክጥሕል’ያ ኢሉ ይሻቐልን ንከድሕና ከኣ ቆሪጹ ይለዓል ኣሎ።


እዚ ሻቕሎት እዚ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዘሎ ግደፍ ኣብ መኣዲ ፖሎቲካ ኣብ መኣዲ መግቢ መርዓን ሓዘንን ነቲ ዘምጽኦ ገዲፉ ነዛ ብዙሕ ሰማእታት ዝኸፈለላ ሃገሩ ብኹሉ ዓቕሙ ከድሕና ይመያየጥን ይዛረብ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ንዕስራ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ዝምድና መርሕትን ህዝብን ናይ ገዛእቲ ዝምድና ዘተኣታተወ ፋሺሽታዊ ጉጅሌ ንህዝብና ብፍርሒ ከም ዝርዕድን፣ ብጥቅሚ ከም ዝቁለፍን፣ ብውገንነት ከም ዝዕሾን፣ ባዕሉ ንዝፋሕተሮ ኵናት ጸላእቲ ክንዲ እንባ ከም ዘለዎን ኣምሲሉ፣ ነቲ እንጻሩ ኣፉ ክኸፍት ክልውጦን ዝኽእል መንእሰይ ሃገር ኣብ ባርነት ኣገልግሎት ቆሪኑ መጻኢ ዕድሉ ደፊኑን ደዊኑን ከይኣክል ነዛ ሓንቲ ከም ሰኑይ ሃገሩ፣ ክብርን ሪምን ሂወቱ ዝኾነት ሃገሩ ራሕሪሑ ክስደት ደፋፊኡን ቓንዩን ስለ ዝኾነ ንግዜኡ ደፋርን ዘየላቡን ግብሪ መልሲ ክሳብ ሕጂ ኣይገጠሞን ኣሎ።


ጭቆና ኣብ ዘሎ ተቓውሞ ክህሉ ናይ ግድን’ዩ። ደንበ ተቓውሞ ነዚ ተንኮል ምክሻሕን ንዝህቢ ፈታዊኡን ጻላኢኡን ምምሃርን ምውዳብን ቓልሲ ከሕንኖን ናይ ኩሉን ክሳብ ዕርብት ህግደፍ ከኣ ዕዮ ገዛ’ዩ። ነዚ ግን ክተትግብር ግዜ ክሕግዘካ ኣለዎ። ግዜ እንተዘይመሽኤ ከኣ ባዕልኻ ክትፈጥሮ ይግባእ። ነዚ ዝተረድኡ ሃገራውያን ብፓልቶክ ይኹን ብዝተፍላለየ ኣገባብ ካብ 1993ዓም ዓም ጀሚሮም ክጽዕሩ ጸኒሖም። መንእሰይ ምሃዝን ደርኺ ታሪኽ ከም ዝኾነ  ኩሉ ዝኣምኖ ሓቂ’ዩ። መኣሰይ ኤርትራ ከኣ ከም ኣቦታቱን እኖታቱን ብፓልቶክ በሎኹ ኢሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ልቢ ጭቁን ኣረሳሪሱ። ስመር ሩም መተካእታን ተወዳድርን ካልኦት ኣይኮነን። ናይ መድረኽና ውደባን እጃሙ ዝገብር መንእሰያዊ ሓይልን’ዩ። ናይ ኩሉ ድምር ቃልሲ ስለ ዝኾነ ከኣ ሓርበኛን በታኽ ሱር ህግደፍ’ዩ። ንኹሉ መሰላትን ንኹሉ ዜጋን ዘእንግድን ፍትሒ ዘቐደምን ስለ ኾነ ከኣ ዓርመሸሽ ደገፍ ህዝቢ ኣለዎ። ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ሓደ መድርኽ ከሳጋግረና ከኣ ደገፍ ኩሉ ደላይ ለውጢ የድልዮ። ህግደፋዊ መንድቕ ተንኮል፣ ዘፍረሰን መንእሰይ ብንቕሓት ዘዕጠቐን ክምጎስን ክድገፍን ኣለዎ እንበር ክነጉድሞ ኣግባእን።

 

እዚ ናይ 16 ሕዳር 2012ዓም ሰላምዊ ሰልፊ ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቅዱስ ተብግሶ ናይ ስመር ሩም’ዩ። እዚ ተበግሶ ኣብ ስዊስ ንነብር ምስ ተሓበረና ከኣ ቲክኒካዊ ጸጋማቱ እንተዘይኮኑ ብኹሉ ልብና ሪዕምና ክነዕውቶ ላዕልን ታሕትን ምባል እንተዘይኮነ ካልእ ኣይነበረናን። ስላ እቲ ኣብ ኣዋሳ ዝኸደ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሳዊ ለውጢ ከኣ ሾብዓተ ማሕበራትን ምንቕስቓሳትን ውድባትን ኣብ ሓደ ጽላል ክንህሉን ብሓደ ኢድን ብሓደ ኣፍን ክንዛረብ ኣሎና ዝብል ዕላማ ተወሃሃዲና ስለ ዝጸናሕና ነቲ ስራሕ ብምርድዳእን ብምውህሃድን ክነዕውቶ ቓል ኣቲና።


ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገርን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራ።


እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝጥረሽ ብኣገባቡን ብኣወዳድባኡን ናይ ህዝቢ’ዩ ዝነብረ። ህዝብና ከኣ ዲሞክራሲ ፍትሒ ኣብ ሃገሩ ከንግስ ቆሪጹ ከም ዘሎ ብግብሪ ዘመስከረሉ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ስመር ሩም ተዋሳእቲ ብገንዘብን ብጉልበትን ብፍልጠትን ብፕሮፕጋንዳን ብኣካል ከኣ ካብ ካናዳን ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ሆላንድን ፈረንሳን ጣልያንን ሽዊደንን ኖርወይን..ወዘተ ሽማግሌታትን ከይተረፉ ተኻፊሎም ስለ ዘዕውቱዎ ክምስገኑን ክዝከሩን ይግበእ። ሚድያ ሬድዮ ወጋሕታ ሬድዮ ኤረና ሬድዮ ኣሰና ሬድዮ ቪኤኦን ካልኦትን ከምኡ’ውን ዌባትን ስኣልቲ ገጠምቲ ጸሓፍቲ ደረፍቲ ኣድሚናት ፓል ቶካት ፈይስ ቦክስ ብሓባር ንስነጥበባውያን ምስጋና ይብጻሓዮም። ነዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ክዕወቱ ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ስዊስ ስኖም ነኺሶም ንዝሰርሑ ነመስግኖም።ኣብ ስዊስ ዝርከብ ህዝብና ብዘይኣፈላላይ ብቅልዑን ብምስጢርን ብገንዘብን ብጉልበትን ብፍልጠትን ብፕሮፕጋንዳን ብኣካልን ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክዕወት ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ነምስግኖም።


ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኢዚ ሰልማዊ ሰልፊ ዕዉት ከም ዝነበረ ገምጋም ኩሉ ዝወዓለን ዝሰምዔን ብደገ ዝተዓዘበን’ዩ። ጉድለታት ግን ኣይነበሮን ኣይንብልን። ንጉድለታትና ዝሕብሩናን ዝእሩሙናን ከኣ ንመጻኢ ዝሓሸን ዝበለጸን ክንሰርሕ ስለ ዝሕግዘና ነምስግኖም። ብፍላይ ኣብ ሚክሮ ቀሪቦም ዝጭርሑ ዝነበሩ ነቲ ኣዳለውቲ መርሓ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኸውን ጭርሖታት ከይፈለጡ ካብ ስሚዒቶም ተላዕሊሎም ከንጎድጉዱ ስእላዊ ምስክር ኣሎ። ነዚ መርገጺና ክነንጽር ከኣ መሰልና’ዩ። ንኣብነት « ህግደፍ ዓዲ ግደፍ » ንሕና ዝቀረብናዮ ጭርሖ ኣይኮነን ናትና « ህግደፍ መንግስቲ ግደፍ » እዩ። ካልእ ብነቐፌታ ዓይኒ ዝቀረበ  « ኤርትራ ንኤርትራውያን » ዝብል ጭርሖ’ዩ፣ እዚ ካብና ዝወጽኤ ኣይኮነን። ምስ ብዝሒ መፎከር ዝመርሑን ስሚዒትን ከኣ ጉድላታት ከም ዝርከብ ንኣምን። ብቐዳምነት ነቶም ክሳዶም ክሳብ ቆራዕ ዝብል መፈክር ዝመርሑና እናመስገና ድሕሪ ሕጂ ናይ ኣሳናድዊት ሞፎክር ጥራይ ክቓልሕ ሓደራ ንብል። ምኽንያቱ ፈተውትን ጸላእትን ኣለዉና።


ነዚ ጉድለት ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ቶጎሩባ ናይ 27 ሕዳር ናይ ሓው ቢንያም ስዩም ኣንቢብና። ንሓው ብንያም ስዩም ብጋህዲ ቀሪቡ ዝነቀፈ ኣቀዲምና ነመስግኖ። ብኣርባዓታት « ኤርትራ ንኤርትራውያን » ናይ ሓደ ግዜ ቅኑዕ ሞፎክር ከም ዝነበረ ኩሉ ኣይትስሕቶን። ሎሚ እውን ከም ልምዲ ክዳጋገም ንስምዖ ኣሎና። ኣብ’ዚ ሰላሳ ዓመት ቃልስን ጸረ ፋሺሽቲ ህግደፍን ዝስዉኡን ዝሞቱን ዝወደቁን ዝቆሰሉን ናብራኦም ዝተዘምተን  ኩሎም ዜጋታት ሃገር’ዮም።  እዚ ቓልስ ከኣ ናይ ኩሉ ዜጋ ሃገር መሰል ከውሕስ ዝነበሮ ከኣ’ዩ ተጨዉ’ዩ። ኩሉ ዜጋ ሃገር ከኣ ብባህሉን ብቋንቅኡን ብጾቱኡን ብብሄሩን ብትውልዱን ክኮርዕን ብፍትሒ ክነባብርን ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ክዛመድን ክነብርን ነቅ ዘይብል እምነትና’ዩ።  ከም’ዚ ጭርሖ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ክጭራሕ ከሎ ንፋሺሽቲ ጉጅሌ ህግደፍ ዘርብሒ’ዩ።  ምኽንይቱ ኩሎም ፋሺሽቲ ኣብ ምፍልላይ ሕብረተሰብ ዝሕንብሱ ዓሳ’ዮም። ዘምድ ወገን ሃይማኖት ሪም የብሎምን። ክቡር ሓው ከኡ’ውን ካልኦት ካብ ድልየትና ወጻኢ ዝተገብረ ጉድለት እንተሎ ክትሕብሩናን ብዘይኣፈላላይ ከኣ ብሓደ ኮና ሓንቲ ገስጋሲት ሃገር ክንሃንጽ ሓደራ ንብል።


ብቁጠባዊ ገጽ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክንርኢ ከሎና ሳላ ናይ ስመር ሩም ጎስጓስን ተበራዓትን ናይ ኣሳናዳዊት ሽማግሌ ገለ ምንጭታት ቁጠባ ምፍጣርን ኩሉ ተዓሚሙ ብዘይ ጸገም ከም ዝወጻእና ንሕብር። ነጻ ተቆጻጻሪት ሽማግሌ ኣውጺና ከኣ ሓሳብ ዓጺና። ንስመር ሩም ገለ መንቀሳቐሲ ዝኸውን ከም ዝበርከትናን ንሕብር። ኣሰናዳዊት ሽማግሌ ዕለት 25 ሕዳር 2012ዓም ጠቕላላ ኣኼባ ጌይራ፣ ንስራሕን ንነፍሳን ገምጊማ ብዓወት ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝዓጸወት ነረጋግጸልኩም። ንዕለት 03 ታሕሳስ ኣብ ስመር ሩም መጺኣ ሕቶታትን ነቀፌታን ምዕዶን ህዝቢ ክትሰሚዕ ከኣ ቅርብቲ ኣላ።


እንተኾነ ኩሉ ጽቡቕ ኔሩ ምባል ናይ መጠረሽታን ዘይትምለሶን ምስ ዝኸውን’ዩ። እዚ ግን ሃገር ምህናጽን ምውሓስን ስለ ዝኾነ ቐጻሊ ንዉልድ ወለዶ ዝኸይድ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ትዕዝብትታና እነሆ። ስደተኛ መንእሰይ  ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻፈለ ዉሑድ ቁጽሪ ከም ዘይኮነ ስእልን ጻብጻብን ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ገለ ብባርነት ኣገልግሎት በሪሶም ካብ ዝፈትውዋ ሃገሮም ተስፋ ቆሪጾም ናይ ዶብ ሽግርን ናይ ሱዳንን ሊብያን ጻገማትን ናይ ምድረ በዳን ባሕርን ሲናይን ንሂወት ዝሕንሕኑ መስገዳለት ሰጊሮም ዝመጽኡ ተፈሊዮምና ዊዒሎም።  ነቶም ብበልጽን ብፍርሕን ኣብ ጉዳዮም ተዓዘብቲ ዝወዓሉ  « ንስኻ ጽንሕ ኣነ ክሓልፍ ሓልዮት’’ ሱዉኣትና  ኣትኽሓዱ ንብሎም። በለጽ መንኣሰይ  ከም ሓደ ዓሻ ንላዕሊ ገጹ ቁልሕ ኢሉ ጡፍ ዝብል’ዩ።


ካልኦት ሕሉፋት መንኣሰይ ግን ኣለዉ ካብ ሃገር ብሓይሊ ይኹን ብሽርሒ ንሰጎጉዎም ክጸጋግዑን ክጣበቑን  ንዕዘብን ንሰንድን ኣሎና።  ብሕጊ ናይ ስዊስ ዑቁባ ዝሓተተ ካብኡ ኣምሊጠ ንዝበሎ መንግስቲ ይኹን ሃገር ከይጽጋዕን ከይከይድን ብንጹር ንሓታት ዑቑባ ተነጊርዎ’ዩ። ነዚ ሕጊ ምጥሓስ ከኣ ብሕጊ ከም ዘቅጽዕ ዘየወላልውል ሓቂ’ዩ። ብገንዘብኩምን ዳግም ዓሳክር ህግደፍ ኣብ ስደት ምዃንኩምን ንህዝብና ደም ትጀልጥዎ ምህላውኩም ትስሕትዎ ኣይኮነን። ነዚ ጉዳይ ኣብ ሕጊ ምብጻሕ  ሎሚ ንኣና እመስገኖ ሰንድን ዓቕምን ፍትሒ ስዊስን ስለ ዘሎና ቐሊል’ዩ።  እንተኾነ ሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና ኣኽቢርና ከይትጉዱኡን ንካልኦት ከይትልኩምን ብትዕግስቲ ንሓልፎ ጸኒሕና። ንምዕዶና ሰጊርኩም ኣብ ባዓላት ህግደፍን ቤት ጽሕፈት ቁንስልን ትሎቋሙጹ ናይ’ዚ ሓላፍነት ባዕልኹም ክትስከምዎ ከም ዝኾንኩም ኣቀዲምና ንሕብረኩም።

 

እቶም ናይ ስዊስ ዜግነት ዝሓዝኩም’ውን ንዲምክራስያዊ ሕጊ ስዊስ ብኹሉ ወለንታይ ከኽብርን ክሕሉን ኢልኩም ሚሒልኩም ከም ዝተዋህበኩም ትዝንግዑ ወይ ደመደይ ኢልኩም በለጽ መሲልኩም ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ በለት ኣድጊ ከም ዝበሃል ትገብሩ ኣሎኹም። ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ንሱኹምን ደቅኹምን ኣብ ስዊስ እናነብርኩም ንፋሺሽታዊ ስርዓት ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ዘሎ  ክትሕብሕቡ ብሕጊ ስዊስ ይኹን ብሰብኣዊ መሰላት ዝጣብቕ ናይ ሕ.መ. ኩኑን’ዩ። እዚ ቓልሲ ፍሕኹ እናበለ ይዓኩኹ ኣሎ፣ እንተ ኣብ ስዊስ እንተ ኣብ ሓራ ኤርትራ ብሕጊ ከም ዘሕትተኩም ኣይትዘንግዑ።


ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ዕማም ክንፍጽም ክንብገስ ከሎና ገለን ጎናዊ ገለን ከኣ ናይ ብቕዓትን ተሞኩሮን ጉድለትን ዝተወሃሃደ ራኢ ናይ ደንበ ተቓውሞን ዝተወሃሃደ ናይ ደንበ ተቓውሞ ሰንድ ብዘይምርካብን ጸገማት ከም ዝጓነፉና ምግላጽ ነቶም ጸሓፍትን ካድርን ከማልእዎ ንምዝኽኻር’ዩ። ኣብ ባህሊ ኣቦታትና ዘየሎ ካበይ ከም ዝመጽኤ ዘይርዳኣና እንተትረድኣና’ውን ክንገልጾ ዘጸግም ስሚዒታዊ ተብግሶታት ምውሳድ’ዩ። ስሚዒት ንጸላእን ንዋናን ማዕረ ዓወታት’ዩ ዝወልድ። ስለ’ዚ ንዝኾነ ዕማም ስራሕና  ብስሚዒት ከይመራሕና ብመጽናዕትን ብግዜን ብተሞኩሮን ክነህብትሞ ይግባእ። ንሃገር ብዲሞክራስን ፍትሕን ንምህናጽ ንቓለስ ከም ዘሎና፣ እሞ ሮማ ብሓደ መዓልቲ ኣይተሃንጸት ዝብል ምስላ ክንዝክርና ንሃገርና ኣብ ዘይንቕነቕ መሰረት ክንሃንጻ ትዕግስትን ምጽዉዋርን ምክብባርን ዘቐደመ ምውህሃድ ክነቀድም ኣሎና። እዚ ግን ረማዕ ኢለ የርክቦ ማለትና ኣይኮነን። ንኣብነት ድሕሪ ሕጂኻ እንታይ ንግበር ? ዝብል መደብ ክውጁሁና ዓቕምን ተሞኩሮን ቦታዊ ፍልጠትን ዘለዎም ኣሓትን ኣሕዋትን ኣተሓባቢርና ን2013ዓም መደብ ክሕንጸጽ ሓደራ ንብል።


ዓወት ንዲሞክራስን ፍትሕን !!

ምልኪ ይእክል ፍትሒ ይንገስ !!!

ሽማግሌ ሰልማዊ ሰልፊ 16 ሕዳር 2012ዓም ስዊስ

ጀኔቭ፣01.12.2012


Last Updated on Friday, 07 December 2012 12:39
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 48 guests online