www.blina.org

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ናይ 2013ዓም ሓዲሽ ዓመት ጋዜጣዊ መግለጺ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 28 December 2012 17:26
ብቐዳምነት ንኹልኹም ኣብ ዉሽጥን ኣብ ዲያስፖራን ትነብሩ ህዝብታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣባላትን ደገፍትን ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ከምኡውን ምላእ ህዝቢታት ዓለም ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2013 ክገብረልና ንምኔ:: ናይ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ዓመት ክኾነና ብሄራውን ሃገራውን ምንዮትናዩ። ንክርስታያን ህዝብታት ከኣ ሩሑስ በዓል ልደት ክገብሮልም ንምኔ።



ብዛዕባ ህዝብታትናን ሃገርናን ኤርትራ ብደቂ ሃገርን ጉዱሳት ወገናትናን ብዙሕ ይጸሓፍ ኣሎ። ሃገርና ካብ ሕማቅ ናብ ዝኸፍኤ ካብ ህላውየ ናብ ዘይላውየ፣ ካብ ጥርናፌ ናብ ምብትንታን፣ ተምርሕ ከም ዘላ ስርዓት ህ...ፍ ከይተረፈ ዝኣመነሉዩ። ኣብ ፖለታካውን፤ ኢኮኖሚያውን፣ ማሕበርውን፤ ዲፕሎማስያውን መዳያት ጠቅሊሉ ከምዝፈሸለ ኩሉ መዔቐኒታት ኣህጉርና ይምስክር ኣሎ። ላዕለዋት መራሕትን እሙናት ናይ ጸጥታን ስለላን ዓበይቲ ናይ ቁጠባን ምሕደራን ካድርት ከምኡ ሲቪክ ካብታ ትጥሕል ዘላ ህ...ፋዊት መርከብ በብሐደን ብጅምላን ነነጢሮም ነብሶም ከድሕኑ ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ ግሉጽ መርትዖዩ ።

ነዚ ደጋጊምካ ብዙሕ ስለዝተባህለ፡ ፍታሕ ብኸመይ ይረኸብ ኣብ ዝብል ኣድሂብና ምጽሓፍ መሪጽና አሎና። ጽሑፍና ከም ሓደ መትከላዊ እምነት ናይ ውድብ ጥራይ ከይተወስደ ህዝቢ ብሌን ኣብ ማእከል (እስትራተጂካዊ) ቦታ ናይ ኤርትራ ስለ ዝርከብ መታሕታውን ከበሳው ህዝብታት ኤርትራ ተዛሚዱ ስለ ዝነብር፣ ቋንቋኦም ባህሎም ከኣ ስለ ዝፈልጥን ሓቢሩ ምስኦም ስለ ዝዋሳእን፣ ንናይ ሓባር ጸገም ተረዲኡ ኣብ መፍትሒ ምንዳይ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፡፡ እዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍናውን ናይ ኩሉ ብሄራትን እምነታትን ባህግን ድልየትን ዘንጸባርቕ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

ኣብ`ዚ መድረኽ`ዚ ንህዝብናን ንሃገርናን ክነድሕን ሐቢርና ክንቅጽልን እንታይ ንግበር? ዝብል ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓቶ ማእከላይ ሕቶ`ዩ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ጥለመት ስለ ዝነገሰ ነዚ ሕቶ ሐቢርና ብግሉጽ ዘቲና ብዕርቕን ብፍትሕን ክንፈውሶ ዕድል ኣይረኸብናን። ዝገደደ ጉጅሌ ህ...ፋዊ ምሕደራ ጥርጠራን ዘይምርድዳእን ክጋፍሑን አብ ዘይንድሊ አቅጣጫ ከመርሕን ተዓጢቁ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብዙሕነትና ዘተአናግድ ንብሄራውን ሃይማኖታውን ጾታውን ፍልልያት ዝጻወርን ፖሎቲካዊ ራእይ ክሳብ ሕጂ በኺሩ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ አገዳሲ ናይ ራኢይ ሕጽረት በበይናን ኮና ክንሓትትን መልሲ ኮይኑ ዝረኸብናዮ ድማ ብሓይሊ ናብ ልዕሊ ካልኦት ክንጽዕኖ ስለ ንፍት ኣብ ተደጋጋሚ ስቓይን ምጥርጣርን ንርከብ ኣሎና፡፡ እዚ ናትና ዘይምርድዳእን ንሕቶታትና ብድሞክራስያውን ፍትሓውን ኣገባብ ክንፈትሕ ዘይምኽእልና ንጸላእቲ ህዝብተበታትና ምስ ግዳማዊ መሻርኽቶም ዕድሜ ስልጣኖም የናውሕ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ስሩዕ አኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞኢራስያዊ ለውጢ፣ ዓመት ሙሉእ ዝነበረ ሕጽረታት ገምጊሙ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ቓልሲ ክንዲ ዘተኩር፣ ብሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ብኣሕዋትና ደማሓኵኤ ዝወጽኤ ንኣቦን ንጀማርን ቃልሲ ዝኾነ ስዉእ ተጋዳላይ ሓምድ ኣድሪስ ዓወተ ዝጻረር ንርእይቶኦም፣ ኣተኵሩ ነቲ ክግበር ዝነበሮ ዕማማት ብምርስዕ ኣብ ካልኣዊ ግርጭት ግዜ ዝወስድ ዛዕባ ኣድሂቡ።

እንተ ወረደ ከኣ ንዝወርድ ዛዕባታት መን ኣንቐሎ ከይበልና ንረብሓ ቓልሲ ክኸውን ዘንቐለን ዝተኣናግድን ተጸዋዊርና ሓባራዊ ሓላፍነት ወሲድና ብኹሉ ሸነኻት አብ ምፍትሑ ክንተሓጋገዝ ውዕል ባይቶ ከም ዘሎና ክሳሓት ኣይነበሮን። እዚ ውሕልነት ኣፈታትሓ ግርጭት በኹሩ ስለ ዘሎ፣ ብሰንኩ ከኣ ተቐባልነት ህዝብና ጎዲልና፣ ክሓንን ዝግብኦ መንኣሰይና ኣጉዲምና ስለ ዘሎና ሕጂውን ንምትዕርራዩ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ኮይኑ ጽባሕ ዘይበሃል ሕድሪዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ኣድላይነቱ ኩሉ ዝዝንግዖ ኣይኮነን። ንምዝኽኻሪ አብ ፍቅድኡ ዝአልዮ ዝሰኣነ ህዝብና ንምእካብ፣ ኣብ ቅድሞ ሕ/ሰብ ዓለም ብሐደ ድምጺ አውያቱ ዘስማዓሉ ስኢኑ ከም ቆጽሊ ዝረግፍ ዘሎ መንእሰይ ንምድሓን፣ ብቀንዱ ድማ እቲ አብ ውሽጢ ዓዲ ከም ጆሆ ተታሕዞም ዘሎው ህዝብታትና ካብዚ ሕማቅ ኩነታት ክነድሕኖ ሓደ ሓባራዊ ግንባር ምትካል ኣማራጺ ዘይብሉ ድልየት ህዝብና ስለ ዝኾነ ቆይሙ። ነዚ ክዕምም ኸኣ ብመንፈስን ብስራሕን ከንጸባርቆ ኔርዎ። ሕጂውን ክብል በለ እንበር ኣይተኻዕወን ስለ ዝኾነ ኣብ ሰፍሕ ሃገራዊ ግንባር ኣሎና። ኣብ ሰፊሕ ግንባር ከኣ ነቶም ትሰማማዓሎም ብትብዓትን ብተወፋይነትን እናሰራሕካ ነቶም ዝፈላልዩኻ ወይ ዘይትሰማምዓሎም ነጥብታት ከኣ ንግዝይኡ አወንዚፍካ ምኻድ ባህሊ ባይቶ ክኸውን ዝግብኦ ስለ ዝኾነ ነዚ ክነጥሪ ከይተሓለልና ንቓለስ። ግደፉ ከም ናትና ኣተሃላልዋ ዘሎዉ ፖሎቲካውያን ሓይልታት: እቶም ንዘበናት ዲሞክራሲ ዝስተማቐሩውን ኣብ ኹሉ ተሰማሚዖም ውስኔ ከም ዘይወስዱ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ሓቂዩ። ንኣብነት ናይ ኣሜሪካ ዝመርሑ ዘለዉ ውድባት ንቁጠባዊ ፊስካል ብምርድዳድእ ውሳኔ ክውሰዱ ስለ ዘይክኣሉ ካብ ሽማግሌ ናብ ሽማግሌ ዕንክሊል ክብሉ ንርኢ ኣሎና። ዲምክራሲ መሪርዩ ካብኡ ዝሓሽውን የሎን። ባይቶ ኣቦታትና እውን ቀንድን እንኮን መፍትሒ ሽግሮም ብሽምግሌዩ ዝነበረ። ነዚ ጽቡቕ ባህሊ ምምዕባል ክጽግመና የብሉን። ዝኾነ ዘዕባውን ቅድሚ ኣብ ባይቶ ምውራዱ ህድእ ዘተን ውሳኔን ክውሰደሉ ቀዲምካ ብሽምግሌናን ብኺኢላታትን ኣዳቒቕካዮ ክትመጽእ ከም ዘሎካ ተገንዚብና ኣሎና።

ፍትሕን ሰላምን ክዕንብብ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ባይቶ መተካእታ የብሉን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ከኣ ከም ስሙ ዲሞክራስያዊ ባይታ ኮይኑ ንዝለዓሉ ሕቶታት ብፍትንሕን ብዲሞክራስን እናፈትሔ ግደፍ ንኣባላቱ ነቶም ኣብኡ ዘይዓሰሉ ከይተረፈ ዝዕድምን ዘካፍልን ክኸውን ኩሉ ወገናት ክንሰርሓሉ ንላቦ።

ምስ ዘሎና ፍልልያት ተኸኣኢልና ንቐዳማይ ጸሊኢና ዕምሩ ክነሕጽሮ ንሕነን። ንሃገር ዝቁሙ ዓንድታት ብንቅሓት ክንጭብጦም፣ ንልዕልና ሕጊ ብፍትሓውነት ክንሰርሓሉን ሓደራ ንብል።



2013 ዓም ዓመት ምዕቡል ቓልስን ዓወትን ክትከውን ንምኔ፣



ሰማእታትና ንዘላኣለም ይኽበሩን ይዘከሩን!!

ውድቐት ንፋሽስታዊ ጉጅሌ ህ...!!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን 12/25/2012
Last Updated on Saturday, 08 June 2013 11:32
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 35 guests online