www.blina.org

ቃለ-መጠይቕ፡- ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ብ/መኮነን ተኽለ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 02 January 2013 01:20

 

ካልኣይ ክፋል

 

ሕቶ፡- ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን፡ ከም ብሄራዊ ውብ ንክምስረት ዘገደድዎ ረቛሒታት እንታዮም መዓስከ ተመስሪቱ?

 

መልሲ፡- እዚ ኣገዳሲ ሕቶዩ፡ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ብልዕልና ሕጊ ትመሓደር ጥጡሕ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ፖሊሲ ተነዲፉላ ብናይ ምዕባለ ጎደና ትምርሽ ሃገር ክትህልዎምዩ ነይሩ ትጽቢቶም። ህግደፍ ግን ነዚ ናይ ህዝብታትና ሰናይ ባህግታት ክውን ንምግባር ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብኣንጻሩ ብምጉዕጻጹን ንምህዳዱን ክጓየዩ ተራእዩ። ንኣብነት ብ191 ኣብ መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ ምኽንያት ብምግባር ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሎሚ ንደሓር ብስመ ውድባት ዝግበር ሓሸውየ ኣይፍቀድንዩ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ደኣምበር ብሄራት የለዋን በዚ ገይርካ ጎስጓስ ምግባር ድማ ገበን ስለዝኾነ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉዩ ክብል ኲናት ኣውጁ። ህግደፍ ነዚ ናይ ኲናት መግለጺ ጥራሕ ኣስሚዑ ደው ኣይበለን። ነቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ናይ ህዝብታት ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ዝጸንሐ ኣውራጃዊ ምምሕደራት ብ6 ዞባታት ቀይርዎ። እዚ እንታይ ማለትዩ ነተን ናይ ቋንቋ ጉጅለታታት ዝበለን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣቚመናኣ ዘለዋ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ብጎነጽ ሓዋዊሱ ሕድሕድ ብሄራትና ከይተኣማመና፡ ነቲ ሓደ ከም ሓለፋ ሃገራውነት ዘለዎ ብፍሉይነት ብምቕራብ ነቲ ካልእ ድማ ከም ዘይእመን ጥርጡር እንዳበለ ብታሕቲ ታሕቲ ብዝነዝሖ መርዛም ፈላላዪ ውዲታት ብምንዛሕ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዓሊሙ ብተግባር ክሰርሓሉ ተራእዩ።

 

ስለዚ ህግደፍ ከም ብሄር ወይ ከም ህዝቢ ክብራና ዝደፈረ ምስ ብሄራት ታሪኻን ባህለን ቋንቋአን ዓቚበን ንኸይህልዋ ከባቢአን ባዕላ ብባዕለን ከየመሓደራ ዝእግድ መግለጺ ምስ ኣውጸአ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ። ኣብ ከባቢ ዓመተ 1995-1996 ነቲ ብዛይካ መሳርሒ ናይ ገለ ርእሰ ሓያላን ብምዃኑ ቀጻልነት ስልጣኑ ቁጠባዊ ረብሓን ንምቕራም ኢሉ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ካልእ ዝኾነ ክእመን ዝከኣል መበገሲ ዘይነበሮ፡ ሱዳን ጀሃድ ኣሰልጢና ብምልኣኽ ንነጻነትናን ሰላምናን ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና የካይዶ ንዝነበረ ጃምላዊ ጭውያን ጭፍጨፋን ህዝቢ ንምርዓድ ብመደብ፡ ዕጡቓት ጭሕሞም ዘንውሑ ዕሱባት ኣብ ህዝቢ ኣዚዞም ክበልዑን ክሰትይን ብምግባር፡ ተገልቢጡ ኣባላት ጀሃድ ተቐቢልኩም ኣብ ሊዕኩም ኣስቲኹም ሓቢእኩም ሓበሬታ ሂብኩም ወዘተ ብዝብል ዝፈጸሞ ሽበራዊ ተግባራት ንህዝቢ ሓልሓልን ከባቢእን ከመይ ነይሩ ኢልካ እንተሓቲትካ ስቕሕክሕ እንዳበሉን እንዳነብዑንዮም ነቲ ፍጻሜ ዘዘንትውልካ። ሽዑ ዝተወስዱ ንጹሃት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ኣለው ኣይፍለጥን። ስለዚ ካብዚ ዝብገስ እቲ ናይ መንነት ናይ መሰልን ብሄራዊ ውደባን ሕቶ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ዘይኸይድ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር እንዳተጋህደ ስለዝመጸ፡ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጨና ናይ ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ጉጅለ ብከምዚ ዘለናዮ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ እንዳማዕበለ መጺኡ፡ ናይ ሎሚ ብሄራዊ ውደባና ድማ ካብኡ ዝብገስዩ።

 

ሕቶ፡ ብሄራዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ከም ብሄራዊ ውድብ ዘግልጾ ንጹር ደሞክራስያዊ ዕላማታት ኣለዎዶ፡ መልስኻ እወ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሕቶ መሬት፣ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲን ዘለዎ እምነት ኣስፍሕ ኣቢልካ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

 

መልሲ፡- መልሰይ ልክዕ እወዩ። ከም ውድብ ንምቛም ቅድመ ምድላዋት ኣብ ንገብረሉ ዝነበርና ግዜ፡ ተመክሮ ናይቶም ቅድሜና ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ብሄራውያን ኮኑ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት እንታይ ይመስል ኣብዚ ነጥቢዚ ዘለዎም መርገጻት ንምርዳእ ፈተነታት ገይርና ኢና። ስፍሕ ዝበለ ክተዓትውን ኣካይድና ኢና። ብቐንዱ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሕቶ ህዝቢ ይኾኑኒዮም ኢሉ ዝሪኦም ሰባት ኣብ ስልጣን ከደይበሉ ዝኽእል ሕጋዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡ ናይ ምጽሓፍ፣ ምውዳብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢደወነናዊ ገደብ ዘኽብር ህዝባዊ መንግስቲ ክህሉ ዝብል መሰረታዊ እምነትዩ መለለይና። እዚ ድማ ብቐጻሊ ኣብ ባይታ ብነሰላስሎም ተግባራዊ ስራሓት ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ንደሞክራስያዊ መሰሉ ንምጥባቕ ክስለፍ፡ ይኾኒኑ ዝበሎም ኣብ ስልጣን ከደይብ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ድማ ባዕሉ ክስሕቦም ወይ ከውርዶም ዝኽእለሉ መትካላውን ትካላትን ኣሰራርሓታት ክህሉዩ እምነትና።

 

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ድማ፡ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ከም ኩሉም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ተበራራይቲ ገዛእቲ ስርዓት ዝጸንሐ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ንሱ ዝነበረሉ ከባቢ እዚ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ዘመናዊ ቁጠባዊ ትካላት ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ናውቲ ማእቶቱ ተልመደናዊ ወይ ያታዊ ኮይኑ፡ ካብ ሰማይ ዝርከብ ዝናብ እንዳተጸበየ ሕርሻ ዘካይድ፡ ስለዚ ከኣ ምዝባዕ ኣየር ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ብቀጻሊ ንሓደጋ ጥሜት ዝቃላዕ ዝተረሰዐ ህዝቢዩ። ብንጹር ንምቕማጥ ልዕሊ 85% ካብ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ብድሑር ያታዊ መሰርሒታት ዝዕመም ሕርሻን መጎሰን መነባብሮኡ ዝደፍእ ህዝቢ ስለዝኾነ ብምንጽጻር ምስቲ ካልእ ክምዘን እንከሎ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ሂወት ስለዝርከብ፡ ነቶም ከምዚ ክኸውን ዝገበርዎ ሰብ ዘምጸኦም ጸገማት ኣሊና፡ ባዕሉ ሓሲቩ ውጥን ኣውጺኡ የርበሓኒዩ ኣብ ዝብሎ ዓውደ ስራሓት ተዋፊሩ መነባብሮኡ ዝልውጠሉ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣርዩ። ብቐጻሊ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብዓቕሚ ህዝቢ ክዕመም ዘይከኣል ገዚፍ ጽላታት ብዓቕሚ ህዝባዊ መንግስትን ኣውፈርትን ክማላእ እንዳገበርካ ረብሓ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ዘረጋገጽ ልምዓታዊ ፖሊሲ ክህሉ ኣለዎ ኢልና ንርኢ።

 

ሕቶ መሬት ብዝምልከት፡ ካብ ግዜ ጣሊያን ጀሚርካ እቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ገዛእቲውን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ፡ ነቶም ደቀባት ኣልጊስካ ንእሙናት ኣገልገልትና ዝብልዎም ሰባት ብምዕዳል ወይ ድማ ብዶሚናለ ዝፍለጥ ዋንነት መሬት ስለ ዝነበረ ህዝቢ ካብ መሬቱ ተጠቃሚ ኣይነበረን። ሃገር ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸአትውን ህዝቢ ናይ መሬቱ ነጻ ተጠቃማይ ዝኾነሉ ፖለቲካዊ ኮነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲዩ ዝብል ከውሊ ገይሩ፡ ግቡኡ ዝገበረን ዘይገበረን ብካልእ ኣዘራርባ ንጸረ-ህዝቢ ገባቲ ፖሊሲታቱ ዝድግፍን ዘይድግፍን ብማለት ምስ ውሑዳት መሻርኽቱዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለና። ዋንነት መሬት ናይ ህዝቢ ኮይኑ፡ ካብ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተመንዘዐ መሬት ብሕጋዊ ናብ ዋናታቱ ክምለስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ወነንትን ተጠቀምትን መሬት ዝገብር ቁጠባዊ ፖሊሲ ኢና ንኽተል።

 

ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት፡ እዚውን ከምቶም ካልኦት ዓውድታት ንረብሓ ህዝብታትና ብዘርብሕ ኣገባብ ዝተቐየሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ንኣምን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ዘርብሕ ፖሊሲ ተኸቲልካ ትኸይድ እንተደኣ ኮይንካ፡ እቲ ውሽጣዊ ኩነታትካ ንግዳም ከንጸባርቕ ግድን ስለዝኾነ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ኤርትራ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ናይ ሓባር ሰላም፣ ቁጠባዊ ረብሓታት፣ ማሕበራውን ባህላውን ምድግጋፋት፣ ዞባዊ ጸጥታ ኣብ ምሕላውን ናይ መጎዓዝያን ካልኦት ከም ሓይሊ ኤሌትሪክን ካልእን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ተደጋጊፍና ክንዓቢ ዕድል ዝፈጥር ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብልዩ እምነትና። እቶም ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣነ መድረኽ ዝርከቡ ህዝብታት ውሽጣዊ ሰላም ኣውሒሶም፡ ንልምዓት ዘተባብዕ ንጹር ፖሊሲ ቀሪጾም፡ ምስ ጎረባብቶምን ዓለምን ተደጋጊፎም ብስምራሕ ዝሓለፍዎ ተመክሮ ነቲ ኣውንታዊ ምስ ክውንነትና ዝሰማማዕ ብምሳድ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘኽእል ናይ ወጻኢ ፖሊሲዩ ዘለና። ጎረባብትና ኮነ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ህዝብታት ዝተዓወትሉ ዓውድታት ከም ኣብነት እንዳተወከስና ብቐንዱ ግን ካብ ኤርትራዊ ራእን ዓቕሚን እንዳተበገሰ ዝስጉም ፖሊሲ ክህልወና ኣለዎ ዝብልዩ እምነትና።

 

ሕቶ፡- እምነትኩም ኣብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ህዝቢ ብሄረ-ብሌን ድማ ብፍላይ ኣፍልጦን ተቐባልነት ክረክብ እንታይ ዝገበርኩሞ ጻዕሪ ኣሎ፡ ዝረኸብኩሞ ውጽኢት?

 

መልሲ፡ ልክዕዩ ኣብቲ ናይ ምምስራት እዋን ኣብ ዝነበርናሉ ነዚ ኣረኣእያዚ ክሕግዙና ይኽእሉዮም ንብሎም ምሁራትን ናይ ቃልሲ ተመክሮን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከበርክትዎ ዝኽእሉ ሓገዛት ክገብሩልና ኩሉ ዝከኣለና ገይርና ኢና። ገሊኦም ነቲ ጉዳይ ብመትከል ቅቡል እንዳገበሩ፡ እቲ ስርዓት ዓማጽን ኣድላውንዩ ባህልና ዝብርዝ ደቅና ዘጥፍእ ዘሎዩ ኢሎም እንዳኣመኑ ግን ከኣ፡ ድሕሪ እኹል ኩለ-መዳያዊ መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ፡ እንተደኣ ነዚ ከይገበርካ ተጀሚሩ ነቲ ህዝቢ ዝጎድእዩ ዝኸውን ዝብል ዕግበታት ዝነበሮም ነይሮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ክሳብ ሕጂ ከምኡ ዘይምግባርና ደንጒና ኢና፡ ሕጂ ምብጋስ ድማ ብጣዕሚ ጽቡቕዩ ኢሎም ዘተባብዑና ሰባት ነይሮም። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ፡ ናይቶም ካብ ዝሓለፈ ኣደራዓትን ደረጃ ንቕሓት ናይቲ ሕብረተሰብን ተበጊሶም ክግበር ኣለዎ ግን ሓንሳእ ክንጸንሕ ኣለና ክንህወኽ የብልናን ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ኮነ እቲ ደንጒና ከማን ክንቅጽል ኣለና ዝብል ርእይቶ ኩሉ ዘተባብዕዩ። ብርግጽ ኣብ ኩሉ ወፊርና ኢና፡ ዝወፍርናሉ ድማ ኩሉ ድማ ዕውትዩ ክንብል ኣይንኽእል። እቲ ዝረኽብናዮ በቲ ዝጀመርናዮ ንቕድሚት ክንቅጽል ዘተባብዕ ብምዃኑ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ክንበጽሕ ክኢልና ኣለና ማለትዩ።

 

ሕቶ፡- ህዝቢ ብሄረ ብሌን ተቓላሳይ ህዝቢዩ ኣብ ምምጻእ ነጻነት ድማ ልሉይ ተራ ነይርዎ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ድማ፡ ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራት ተሰሊፎም ይዋስኡ ከም ዘለው ዝፍለጥዩ፡ እቶም ኣብ ካልኦት ውድባት ዘለው ደቂ ብሄረ ብሌን ነዚ ናትኩም ብሄራዊ ውደባ ከመይ ይሪእዎ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ?

 

መልሲ፡- ነቲ ናይ ቃልሲ ባህሪያትን መድረኻትን ፈላሊኻ ናይዘይምርኣይ ጸገማት ኣሎዩ። ንኣብነት ኣንጻር ደርጊ ዝተኻየደ ቃልሲ ግዳማዊ መግዛእታዊ ስርዓት ንምእላይ ዝተገብረ ቃልሲ ምዃኑ፡ እዚ ሕጂ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምርግጋጽ ኣብ ልዑላዊት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም ብሄር ከም ህዝቢ የለኻን ኢሉ ህልውና ምስ ዝኸሓደ ውሽጣዊ ገዛኢ ዝግበር ዘሎ ጥምጥም ከም ዝኾነ፡ ብልክዕ ኣብ ምንባቡ ጸገማት ኣሎዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ብዙሓት ደቂ-ብሄረ ብሌን ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ይቃለሱ ኣለውዮም ኣብዚ ንጥቢዚ ዘለዎም ኣገንዝቦ ግን ንኹሎም ዝውክልኳ እንተዘይኮነ ብዙሕ ከም ዝተርፎም ንርዳእ፡ ግን ከኣ መሰሎም ነኽብረሎም ማለትዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ኮይኖም ክቃለሱ መሰሎምዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ ብሌን ዝበጽሕ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ወጽዓታት ብምቕንጣጥ እቲ ህዝቢ ከባቢኡ ባዕሉን ባዕሉን ጥራሕ ከመሓድረሉ ዝኽእል ባይታ ኣብ ምፍጣር ብብሄራዊ መልክዕ ተቓሊስና፡ ምስ ኩሎም ጸረ ምልኪ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝረባረቡ ዘለዎ ደሞክራስያውያን ሃገራውያን ውድባትን መሻርኽቲ ኣካላትን በቲ ዘራኽበና ተመሓዚና ኣብ ስምምዕና ጸኒዕና ካብ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ኣብ ሃገርና ናይ ውሑዳት ምልኪ ነጊሱ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብሄራዊ ኣድልዎ ኣሎ። ነዚ ንምቕያር ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ምቕላስ መድረኹዩ ኢልና ኢና ንርኢ። ስለዚ ውጹዕ ብሄረ-ብሌን ብብሂራዊ መልክዕ ተወዲቡ ንጨፍላቒ ገዛኢ ደርቢ ብቃልሱ ኣልጊሱ፡ ንደሞክራስያዊ መሰላቱ ከውሕስ ካብ ማን ፍቓድ ዘድልዮ ወይ ካልኦት ሎሚ ክትቃለስ ኣለካ ኣይፋል ጽባሕ ኢኻ ክትቃለስ ዘለካ ኢሎም መቃለሲ ልቸንሳ ዝብዎ ኣይኮነን።

 

ሕቶ፡- ምስ ብሄራውያን ውድባት ኤርትራ ዝምድና ኣለኩምዶ እንተለኩም ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ?

 

መልሲ፡- ከምቲ ቅድም ኢልና ዝገለጽናዮ ብዙሓት ብሄራውያን ውድባት ኣለዋ፡ እዚ ንጭቡጥ ክውንነትና ዘንጸባርቕዩ፡ ካብ ግዳም ዝመጸ ኣይኮነን። እዚ ሎሚ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ፡ እከለ ናይ ደገ ልኡኽዩ፡ ናይ እከለ ርእይቶ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታትዩ በታኒዩ እንዳበለ ዝነዝሖ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ጸለመን ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ሕሉፋት ተጣበቕቲ ሓድነት መሲሎም ዝቃባበልሉን ዘይኮነስ፡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ 9 ብሄራት እንዳበለ ዝምህረሉ ዝነበረ ጥረ ሓቂዩ። ዝምድናና ምስ ብሄራውያን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ኣብ ዘራኽቡኻ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን መሰረት ዝገበረዩ። ኣብቶም ዝፍጠሩ ዘለው ናይ ሓባር ዓበይቲ ግንባራት ከመይ ንስራሕ እንታይ ናይ ሓባር ዕግበታት ኣለና ኣብ ዝብል ንመያየጥን ሓበሬታ ንለዋወጥን ኢና። ብቐንዱ ውጹዓት ኢና ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣለና ስለዚ ንገብሮ ዝምድና ካብ ወጽዓናን ናይ ሓባር ጸላኢናን ዝነቅልዩ።

 

ሕቶ፡ ዕላማኹም ክሳብ ምውዳቕ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ድዩ ወይስ ክንዮኡ ዝቕጽልዩ። ክንዮኡ ዝቕጽል እንተደኣ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ስትራተጂካዊ እምነትኩም እንታይ? ናይ ዕላማ መሓዝትኩምከ እንታይ ዘማልኡዮም።

 

መልሲ፡- ቃልስና ክሳብ ምውደቕ ህግደፍ ጥራሕ ዝኸይድ እንትደኣ ኮይኑ እቲ ቃልሲ ጎደሎ ክኸውንዩ ምሉእ ኣይኸውንን ዝብል ዕግበት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ሎሚን ትማልን ጭቡጥ ኣብነትዩ። ናይ ነጻነት ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ ንነዊሕ ዘስርሕ ኣብ ህዝባዊ ንቕሓት ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ባይታ ከይፈጠረ፡ ጥራሕ ንደርጊ ነውድቆ፡ ብድሕሪኡ ሃገርና ናብ ገነት ክትቅየርያ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክንተክል ኢና፡ ዝብል መብጸዓ ኣብ ርእሲ መብጸዓ እንዳጸፍጸፈዩ መጺኡ። በትረ ስልጣን ምስ ጨበጠ ግን ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ኩሉ ደርቢዩ ነቲ ሓቢእዎ ዝነበረ ሓቀኛ ባህሪኡ ከርእየና ጀሚሩ። ስለዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ዝተሓጽረ ዘይኮነ ክንይኡ ዝኸይድዩ። እዚ እንታይ ማለትዩ እቲ ቃልሲ ናይ ህዝባዊ ልዑላውነት ዝኣምን፡ ህዝብታት ከባቢኦም ነብሶም ከመሓድርሉ ዝኽእሉ ደሞክራስያዊ ትካላት ክህሉ፡ ብቅዋም እትመሓደር ሃገር ክትህሉ፡ ህዝቢ ድማ ነቶም ንኣምነሎም ደሞክራስያዊ መትከላት ንትግብረሎም መሳርሒታት ህዝቢ ክፈልጦም ኣለዎን ዝብል መሰረት ዝገበረዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ህዝቢ እዚኦም ይኾኑኒዮም ኢሉ ስልጣን ዝሃቦም ሰባት ኣገልገልቱ ክኾኑ፡ እምነት ኣብ ዘጉድልሉ ከኣ ከውርዶም ዝኽእለሉ ባይታ ምስ ዝረጋገጽዩ እቲ ቀንዲ እምነትና። ዕላማና ስትራተጂካዊዩ ምኽንያቱ ልዑላውነት ህዝቢ ከነረጋግጽ ኢና ክንብል እንከለና ህግደፍ ምስ ወደቐ ብኡ ንብኡ ንጥፈታትና ደው ነብል ማለት ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ዋና ህዝባዊ ስልጣኑ ክሳብ ዝኸውን ዝቕጽልዩ።

 

ሕቶ፡- ነዚ ዝገለጽካዮ መሰረታዊ እምነታት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ትጥቀምሉ መሳለጥያታትዶ ምገለጽካለይ?

 

መልሲ፡- ዊብ-ሳት ኣለና ጽሑፋት ንዝርግሕ ኢና፡ ምስ ህዝቢ ንራኸበሉ ናይ ምይይጥ መድረኻት ንኸፍት ኢና፡ ከምኡውን በዚ ናይ ኤሌትሮኒክ መሳርሒታት ማለት መድረኻት ፓልቶኽ ተጠቒምና ነቶም ርእይቶታትና ኣብ ኩሉ ኤርትራውን ፈተወቲ ቃልስናን ክበጽሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።

 

ሳልሳይ ክፋሉ ይቕጽል፡-

 

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

Email This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

Pasted from <file:///C:\Users\xx\AppData\Local\Temp\inter%20mekonen%206%20(1).doc>

Last Updated on Wednesday, 02 January 2013 01:29
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 85 guests online